እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ , ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዞም ክኽፈሉ እዮም

ኣብ መጀመርታ ዓመት 2026 መንግስቲ እቲ ክልል ብምኽንያት ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝመጽእ ናይ ባጀት ርኽክብ ብምድንጓዩን ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ተወሲኽዎ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ንምኽፋል ከምዝተጸገመ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ጽማቝ ሓበሬታ

ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘሻቐሎ ኵነታት ሰሜን ኢትዮጵያ እንታይ እዩ?

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሪፖርተር ጋዜጣ ‘ንዘይተወሰነ እዋን’ ምሉእ ብምሉእ ተኣጊዱ

    ሕትመትን ዝርገሐን ጋዜጣ ሪፖርተር ካብ 23 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ጀሚሩ “ንዘይተወሰነ እዋን” ምሉእ ብምሉእ ከምዝተኣገደ በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

    ብናይ ማእኸል ሚድያን ኮሚኒኬሽንን ዝተባህለ ብሕታዊ ትካል ዝመሓደር ሪፖርተር ጋዜጣ፡ ን30 ዓመታት ኣብ ሕትመት ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

    በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ዲጂታላዊ መድረኻት ሪፖርተር ኣምሓርኛ፡ 'ዘ ሪፖርተር' እንግሊዝኛ፡ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ሪፖርተር ዝዝርጋሕ ትሕዝቶታት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክትትል” ክገብር ከምዝጸንሐ ኣመልኪቱ።

    ብመሰረት እዚ፡ ሪፖርተር "ብተደጋጋሚ ምጥሓስ ሕግን ሞያዊ ስነ-ምግባርን” ምፍጻሙ ከምዘረጋገጸ ሓቢሩ።

    እቲ መግለጺ፡ እቲ ጋዜጣ “ኣብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ሃገርና ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዎም ኣርእስታት ብምግዳድ፡ ኣብ ጸቢብ ኣረኣእያ መሰረት ብምግባር ኣብ ሕብረተሰብ ጥርጣረን ምድንጋርን ብምፍጣር” ሕግን ሞያዊ ስነ-ምግባርን ከምዝጠሓሰ ይወቅስ።

    እቲ ውሳነ ሕጋውን ሞያውን ግዴታታት ስነ-ምግባር ክሳብ ዝማላእን ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ተግባራዊ ከምዝኸውን እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ ኣሎ።

  2. በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ደሞዝ ምኽፋል ከምዝጅምር ኣፍሊጡ

    ‎ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ክፍሊት ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ 30 ጥቅምቲ 2019 (ግ) ጀሚሩ ከምዝቕጽል በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

    ‎ቴሌቪዥን ትግራይ ሎሚ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ክፍሊት ንምፍፃም ኣድላዪ ምድላዋት ፋይናንስ ከምዝተገበረ ኣመልኪቱ።

    ‎ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ኢኮኖሚን ዳግመ ህንፀትን እቲ ክልል ዶክተር ቴድሮስ ኣረጋይ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ነዚ ከምዝገለጸ ‎ቴሌቪዥን ትግራይ ወሲኹ ሓቢሩ።

    ‎ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኣብ ስራሕ ቦታኦም ተረኺቦም ሪፖርት ዝገበሩን ብሕጋዊ መንገዲ ዝተቖጸሩን ሰራሕተኛታት ደሞዞም ክኽፈሎም እዩ።

    ኣብ መጀመርታ ዓመት 2026 መንግስቲ እቲ ክልል ብምኽንያት ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝመጽእ ናይ ባጀት ርኽክብ ብምድንጓዩን ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ ተወሲኽዎ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ንምኽፋል ከምዝተጸገመ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ዘይተኸፈለ ደሞዝን ክሳብ ሕጂ ዝቐጸለ ሕጽረት ጥረ ገንዘብን ምስ ብርቱዕ ቁጠባዊ ጸገምን ናህሪ ዋጋታትን ይቃለሱ ከምዘለዉ ይግለጽ።

  3. ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣርሲ ምስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር 73 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

    ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ሽርካ “ኣባላት ፋኖን ኣባላት ኦነግ ሸነን” ዝርከብዎም 73 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ሓቢሩ።

    ኣመሪካ፡ ቅትለት ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ክምርመርን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ምጽዋዓ ስዒቡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ’ዩ ኣቶ ሃይሉ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

    ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተጣየሸ ሓዱሽ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ወረዳ ሽርካ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝሞቱ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

    ብተወሳኺ ኣብ ቀበሌታት ብርቦን ጮሌን እቲ ወረዳ ልዕሊ 20 ነበርቲ ከምዝቖሰሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

    ቅድሚ እቲ ኣብ ወረዳ ሽርካ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ጎረቤት ቀበሌ ጎራ ስሊንጎ ወረዳ መርቲ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ዝዝከር ኮይኑ ልዕሊ 15 ሰባት ከምዝሞቱ ምንጭታት ወረዳ ንቢቢሲ ሓቢሮም እዮም።

    ኣቶ ሃይሉ ሎሚ 2 ሕዳር 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ 73 ውልቀሰባት መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎን ኣፍሊጡ።

    እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ፋኖን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምዃኖም እውን ሓቢሩ።

    መንግስቲ እቲ ክልል “ሓይልታት ጽምዶ ኣብ ዝንቀሳቐሰለን 6 ቀበሌታት ስርሒት ምጽራይ ይካየድ ኣሎ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

  4. ዩጋንዳ ወተሃደራታ ካብ ሶማልያ ከተውጽእ ጀሚራ

    ዩጋንዳ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሓይልታታ ከተውጽእ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ።

    ኣፈኛ ሰራዊት እታ ሃገር ክሪስ ማገዚ ከምዝበሎ፡ እቶም ፈለማ ብዝተበጽሐ ክልተኣዊ ስምምዕ መሰረት ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመት ናብ ሶማልያ ዝኣተዉ ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ'ውን ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልታት ክስዕብዎም ምዃኖም እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።

    ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ወተሃደራዊ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ካልኦት ወተሃደራት ዩጋንዳ'ውን ክሳብ መወዳእታ 2027 ኣብ ዘሎ እዋን ብገጻት ክወጹ ምዃኖም ሰራዊት ዩጋንዳ ኣፍሊጡ'ሎ።

    ካምፓላ፡ ነቲ ኣብ 2007 ዝቖመ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣሚሶም) ወተሃደራት ዝለኣኸት ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ ነይራ።

    ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዩጋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወተሃደራቱ ከምዝወጹ ብወግዒ ድሕሪ ምፍላጡ፡ 109 ወተሃደራት ብዓርቢ ካብ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ከምዝተበገሱ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    "ከምቲ ቃል ዝኣተናዮ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ዩጋንዳ [ሰራዊት] ካብ ሶማልያ ከነውጽእ ጀሚርና ኣለና። ድሕሪ ናይ ዓመታት ዘይትኣደነ ደምን መስዋእቲን፡ ጸጥታ ናብ ኣሕዋትና ሶማላውያን ነሰጋግሮ ኣለና" ክብል'ዩ እቲ ወዲ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ዝኾነ ጀነራ ሙሁዚ ካይነሩጋባ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ ነይሩ።

    ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዩጋንዳዊ መዘናኡ ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ካምፓል ድሕሪ ምዝርራቡ'ዩ እቲ ምስሓብ ሰራዊት ተጀሚሩ ዘሎ።

    ኣስታት 4,500 ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ጽላል ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካልኦት 2,000 ድማ ብመሰረት ምስ ሞቓድሾ ዝተበጽሕ ክልተኣዊ ስምምዕ ኣብታ ሃገር ከምዝርከቡ ይፍልጥ።

  5. ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ቀታሊ መጥቃዕቲታት ኰኒኑ

    ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህይወት ስቪላውያን ዝወስድ ዘሎ መጥቃዕትታት ብምዅናን፡ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲታት ምቕጻሉ ነቲ ድሮ ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዘሎ ስርዓተ ጥዕና ናብ ምሉእ ዕንወት ገጹ ክደፍኦ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    እቲ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ቈልዑ’ውን ከይተርፈ ግዳያት ዝገበረ መጥቃዕቲ ዘመልክቱ ጸብጻባት "ኣመና ዘስካሕክሑ" ምዃኖም ገሊጹ።

    ካብ መንጎ እቶም ግዳያት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ “ጃሪ 2” ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ኰይኑ፡ ሓያሎ ቈልዑን ናጽላ ዝተወልደት ህጻንን ከም ዘለዉዎም ተገሊጹ’ሎ።

    ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ ራማ ብዘጋጠመ ካልእ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮናት`ውን ሓያሎ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ።

    "እዚኣቶም ናይ ቀረባ እዋን ፍጻመታት እኳ እንተዀኑ፡ መጥቃዕትታት ድሮንን ሰብኣዊ ህልቂትን ግን ብዘሕዝን መንገዲ ኣብ ብምሉኣ ኢትዮጵያ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ፡" ይብል ዶክተር ቴድሮስ።

    ዶክተር ቴድሮስ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣብተን ዝተሃስያ ክልላት ኣገልግሎት ጥዕና ንምቕራብ ኣዕናዊ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

    ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ መድሃኒትን ሕክምናዊ መሳርሕታትን ክሳቐዩ እንከለዉ፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እውን ድሩት ኰይኑ ከምዘሎ ክንገር ጸኒሑ እዩ። እቲ ዘይውሑስ ጸጥታዊ ኵነታት ድማ ህይወት ዘድሕን ሕክምናዊ ቀረባት ናብቶም በቲ ግጭት ዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ከይበጽሕ ዕንቅፋት ፈጢሩ’ሎ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ከባቢታት ተወሳኺ ህጹጽ ሕክምናዊ ቀረባት ንምብጻሕ ምስ መሻርኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

    እቲ ግጭት እናቐጸለ ብምኻዱ፡ ህጹጽ ሕክምና፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣደታትን ቈልዑን፡ ከምኡ’ውን ሕክምና ተመሓላለፍትን ሕዱራትን ሕማማት ሓዊስካ፡ ዝያዳ ሰባት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ምስኣን ሓደጋ ከም ዘንጸላለዎም እቲ ውድብ ኣጠንቂቑ።

    ግብረ-ሰናይ ውድባት፡ ኵሎም ተዋሳእቲ እቲ ግጭት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩ፡ ሰላማውያን ሰባት ክሕልዉ፡ ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ረድኤት ውሑስ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ከውሕሱ ብተደጋጋሚ ጸዊዖም እዮም።

    "ሰላማውያን ሰባት ክዕቈቡ ኣለዎም። ሰብ-ሞያ ጥዕናን ሰብኣዊ ሓገዛትን ድማ ናብቶም ዝደልይዎም ሰባት ክበጽሑ ክፍቀደሎም ኣለዎ፡" ክብል እውን ዶክተር ቴድሮስ ጸዊዑ።

    እቲ ግጭት ደው ንኽብል ዳግማይ ጻውዒት ብምቕራብ ድማ፡ "እቶም ዝበለጹ ተባዓት፡ ሰላም ይመርጹ፤ እቲ ዝበለጸ መድሓኒት ድማ ሰላም እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    ተወሳኺ፤

  6. ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ንመርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ኢራን ጨውዮም

    ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ 23 ሰባት ዝጸዓነት መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ኢራን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ ተገሊፁ።

    እታ ኣዚኒ ዝብል መፀውዒ ዘለዋ መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ዝሓለፈ ሓሙስ እያ ተታሒዛ።

    እታ መርከብ ኣብ መንጎ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ ከተማታት ባንዳር ቤይን ሃፉናን ትጓዓዝ ከምዝነበረት ፖሊስ ባሕሪ ፑንትላንድ ሓቢሩ ኣሎ።

    ሓደ ምንጪ ፖሊስ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነታ 21 ኢራናውያንን ክልተ ሶማላውያንን ዝጸዓነት መርከብ 12 ሸፋቱ ባሕሪ እዮም ጨውዮምዋ።

    እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ምንጪ ፖሊስ፡ ኩነታት ድሕነት እቶም ሰራሕተኛታት ከምዘይፍለጥ ገሊጹ።

    ማእከል ጸጥታ ባሕሪ ህንዲ ውቅያኖስ፡ እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከካይዱ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ፍጻመ ይምርምር ከምዘሎን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ መራኽብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብራን ዝኾነ ዘጠራጥር ንጥፈታት ክሕብራን ኣተሓሳሲቡ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስን ሽፍትነት ባሕሪ ዳግማይ ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት

  7. ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጸዓት ንሓድሕደን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ይካሰሳ

    ሩስያን ዩክረይንን፡ ኣብ ነንሕድሕደን ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተለዋዊጠን።

    ሩስያ፡ ኣብ ምብራቕ ሞስኮ ዝርከብ "ኢንዱስትሪ ትካል" ዒላማ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝዀነን፡ ማዕከናት ዜና ዩክረይን ድማ መጻረዪ ነዳዲ ከምዝኾነ ገሊጸን።

    ኣመሓዳሪ’ቲ ፋብሪካ ክስቶቮ ዝርከቦ ግዝኣት ኒዝኒ ኖቭጎሮድ፡ ኣብ እዋን ለይትን ንግሆን "ሰፊሕ" መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝበፅሖ ገሊጹ።

    ግሌብ ኒኪቲን ርኡይ ጉድኣት ከምዘጋጠመ ብምግላጽ፡ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምንካይ ቀረብ ውዑይ ማይን ከምዝጋጥም ኣጠንቂቑ።

    ብሰንኪ ዝወደቐ ስብርባር ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከምዝተሃሰየት ሓቢሩ።

    ሓይልታት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዩክረይን ንእትፍፅሞ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ማእከላት ነዳድን ጋዝን ሩስያ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይፍፅሙ።

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ብምጥቃዓ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኣባይቲ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተረፉ ገሊፁ።

    ጸብጻብ ሮይተርስ ንዕኡ ጠቒሱ፡ መጠን እቶም መጥቃዕቲታት፡ "ኣዝዩ ልዑል" ምዃኑ ገሊጹ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት

  8. ወኪል ሰልፊ ዲሞክራት፡ ኣብ ወሳኒት ግዝኣት ሚቺጋን ንሕጹይ ሪፓብሊካን ደጊፋ

    ወኪል ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣብ ሚቺጋን፡ ኣብዚ ንሰኔት ዝግበር ወሳኒ ውድድር ንሕጹይ ሪፓብሊካን እታ ግዝኣት ደጊፋ።

    ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራት፡ ብ ኤል-ሰይድ ዝተሳዕረት ኣባል ኮንግረስ ሄሊ ስቲቨንስ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ጎኒ ሕጹይ ሪፓብሊካን ማይክ ሮጀርስ ጠጠው ኢላ ሃንደበት ተራእያ።

    ድሕሪኡ ቁሩብ ፀኒሓ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጠቀዐቶ ቪድዮ ድማ፡ "ኣነ ኣካል ጎስጓስ ዓብዱል ኣይኮንኩን" ኢላ።

    "ንሕና ሰብ-ሚቺጋን ፀልኢ ኣይንፎቱን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሕጹይ ዲሞክራትና እንሰምዖ ዘለና ዓይነት'ውን ኣይኮንናን።"

    "ስለዚ እየ ድማ ንማይክ ሮጀርስ [ወኪል ሪፐብሊካን] ዝድግፍ ዘለኹ" ኢላ ስቲቨንስ።

    እዚ ስጉምቲ ንብዙሓት ኣባለት ዲሞክራት ዘደንፀወ ኮይኑ፡ ቅድሚ መረፃ ክልተ መዓልታት ጥራይ ካብቲ ሰልፊ ክትወጽእን ፀግዓ ክትቅይርን ዝወሰነቶ ውሳነ ኮኒኖም።

    ሓደ ድማ "ንዕቀት ዝመልኦ ክሕደት" ክብል ገሊጽዎ።

    ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ መንጎ ስቲቨንስን ኤል-ሰይድን ኣፈላላይ ተፈጢሩ ነይሩ።

    ስቲቨንስ ሓድነት ሰልፊ ንምግላጽ ሰንበት ምስ ኤል-ሰይድ ኣብ ዝካየድ መደብ ክትቐርብ መደብ ተታሒዙላ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ሕፁይ ከይትመፅእ ደጋጊሙ ስለዝሓተታ፡ ኣብ ክንድኡ ምስቲ ሪፓብሊካዊ መጋጥምቱ ክትሳተፍ መሪፃ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት

  9. ኤል ኒኖ እንታይ እዩ?

    ኤል ኒኖ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝፍጠር ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ኰይኑ፡ ምስ ምቕያር ዋሕዚ ንፋስ ዝተኣሳሰር እዩ። እዚ ድማ ሙቐት ዘለዎ ማይ ናብ ምብራቕ ክውሕዝን ኣብ ከባቢ ኣየር ሙቐት ክለቅቕን ይገብር።

    ዓለማዊ ውድብ ስነ-ኵነታት ኣየር (WMO) ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ኤል ኒኖ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ካብ ዝተርኣየ ዝሓየለ ክኸውን ከም ዝኽእልን እንተ ወሓደ ድማ ክሳብ ለካቲት 2027 ክጸንሕ ተኽእሎ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።

    ኤል ኒኖ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርአ ኵነታት ኣየር ዝቕይር ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ደርቂ ከስዕብ ከሎ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ዕልቕልቕ ማይን ይፈጥር።

    ክኢላታት ስነ-ኵነታት ኣየር ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ብሰንኪ ንጥፈታት ወዲ-ሰብ ዝመጽአ ለውጢ ክሊማ ዘስዓቦ ሙቐት ከይኣክል፡ ኤል ኒኖ ተወሲኹዎ ኣብ ሓያሎ ቦታታት እቲ ሙቐት ክንህር እዩ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት

  10. ኤርትራ፡ ጽልዋ ኤልኒኖ ንምምካት 3.5 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዕላ

    እቲ ዓለማዊ ክስተት ኮይኑ ዘሎ ኣል ኢኖ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ጽልዋ ብምፍጣር ኣብ ኤርትራ ዋሕዲ ዝናብ ብምኽታል ኣብ ልዕሊ ሰብን ጥሪትን ዘራእትን ጉድኣት ኣውሪዱ ምህላዉ ተገሊጹ።

    ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣብ እዋን ህጹጽ ጉዳያት ቶም ፍሌቸር፡ ኤርትራ ነዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ሕጽረት ዝናብ ንምምካት 3.5 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዕላ ምህላዉ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።

    እዚ ከኣ ንቀረባት መግቢ፡ መኣዛታት ጥዕናናን ማይን ክውል ምዃኑ’ኡ ተሓቢሩ ዘሎ።

    እዚ ከኣ ንኤርትራ ጽልዋ ኤልኒኖ ሱር ከይሰደደ እንከሎ ንክትከላኸሎ ከሕግዛ ከምእትኽእል እቲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

    ኣብዚ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ ርኡይ ሕጽት ዝናብ ስለዝነበረ ኣብ ከም ዞባ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፡ ዞባ ዓንሰባ፡ ማእከልን ጋሽ ባርካን ገለ ክፋል ዞባ ደቡብን ሕጽረት ማይ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ጸብጸባት ይሕብሩ።

    ጽልዋ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ዋሕዲ ዝናብን ደርቕን ብዝያዳ ኣብ 2027 ክርአ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ፋኦ፡ ዩኒሴፍን ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ምስ መንግስታት ብምውህሃድ ክሰርሓ ምዃነን ተሓቢሩ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡

  11. ኣብ ሲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዝሒ ሞት ኢቦላ 5 ሽሕ ሓሊፉ

    ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኢቦላ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት፡ 5 ሽሕ ከምዝሓለፈ ኣሃዛት መንግስቲ የመልክቱ።

    ካብተን 26 ግዝኣታት እታ ሃገር እተን ሸሞንተ በዚ ቫይረስ ዝተጠቕዓ እንትኾና፡ ልዕሊ 10,300 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ተረጋጊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝጀመረ ለበዳ ኢቦላ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ኣዝዩ ቀታሊ ምዃኑ ሰብመዚ ህዝባዊ ጥዕና ይገልጹ። ኣብዚ ሕዚ እዋን መጠን ሞት እቲ ቫይረስ 48.6 ሚኢታዊ ኮይኑ ኣሎ።

    መረዳእታ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እትርከብ ግዝኣት ኢቱሪ፡ ማእከል'ቲ ለበዳ ኮይና ትቕጽል ኣላ።

    እቲ ክልል፡ ጎንፂ ዝበዝሖ ከባቢ ብምዃኑ ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ገይሩዎ ይርከብ።

    ኣብ ኬንያ፣ ናይጀርያን ኡጋንዳን እውን በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡ ይዝከር።

    ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ፡ ኣብ ታሪኽ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ መበል 17 ሓደገኛ ፤ ኣብ ዓለም ድማ ካልኣይ እዩ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡

  12. ጉጅለታት 'ኪዳን ንህልውና' ኣብ ካልኣይ መግለፂኦም እንታይ ኢሎም?

    ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንዅሉ-ዝሓቍፍ "መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምቛምን ዝዓለመ እዚ ሓድሽ ኪዳን፡ ድሕሪ ምምስራቱ ናይ መጀመርታ ዕላዊ ኣኼባ ከምዘካየደ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

    እቲ 'ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና' ወይ 'ምሕዝነት ንህልውና' ብዝብል ዝተፈጠረ ምትእኽካብ፡ ሸውዓተ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝሓቖፈ ዀይኑ፡ ካብ ዘይተፈልጠ ቦታ እዩ መግለፂ ሂቡ ዘሎ።

  13. ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ብምኹናን መንግስቲ ብግቡእ ክምርምሮ ጸዊዓ

    ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብግቡእ ተመርሚሩ እቶም ፈጸምቲ ገበን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲታ።

    ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብቀዳም ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ኣብ ኣርሲ ብደይ መደይ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዝምልከቱ ዝወጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

    ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ብናይ ቀደም ምምሕዳራዊ ድልድል ዞባ ኣርሲ ዝብሃል ዝነበረ በዚ ናይ ሕጂ ኣሰያይማ ከኣ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ዝነብሩ ነበርቲ ብዝተፈጸመ መጥቓዕትታት ልዕሊ 60 ሰባት ምቕታሎም ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዲ ቤተ ክትርስትያን ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

    እታ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ መጥቃዕቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ምዃኑን ተኸተልትን ኣባላትን እታ ቤተ ክርስትያን ቀንዲ ዒላማ ምዃኖም ብምምልካት፡ መንግስቲ ቅትለት ንጹሃት ሰባት መወዳእታ ክገብረሉን መሰል ዜጋታት ናይ ህይወትን ናጽነት ኣምልኾን ክሕሉ ጸዊዓ።

    ኣመሪካ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣመሪካ "ብሃይማኖት፡ ብሄር ወይ ፖለቲካ ተደሪኾም ዝፍጸሙ መጥቓዕትታት ኣትሪራ ትኹንኖ" ድሕሪ ምባል፡ ከምቲ ኣብ ኣርሲ ዝፈተጸመ "ዘስካሕኽሕ መጥቓዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ጉጅለ ደው ክብል ኣለዎ" ክትብል ድማ ተማሕጺና።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡

  14. ጀርመን: ተቓውሞታት ናብ ኣዕናዊ ናዕቢ ተቐዪሩ ድንኳናት ተዘሚተን

    ብሰንኪ ዋጋ መነባብሮ ዝተልዓለ ተቓውሞ ጀርመን፡ ናብ ናዕቢ ኣምሪሑ ኣብ ከባቢ ፍራንክፈርት ዝርከባ ድኳናት ተዘሚተን።

    ብዘይካ'ታ ፋይናንሳዊ ማእከል ጀርመን ዝዀነት- ፍራንክፈርት፡ ኣብ ከተማታት በርሊን፡ ኮሎንን ሃምቡርግን ናይ ናዕቢ ተርእዮታት ከምዝተራእየን፡ ፖሊስ ውዑይ ማይ ተጠቒሞም ነቶም ናዕበኛታት ከምዝበተኑዎምን ገሊጾም።

    ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣቐዲሞም ኣብቲ ብዓቢኡ ሰላማዊ ዝነበረ ሰልፍታት ተጸንቢሮም ነይሮም።

    ብጉጅለ ጎስጓስ ጀን ዜድ ረገልት - ማለት "ሓላፍነት ጄን-ዜድ"፡ ዝተወደቡ ተቓውሞታት፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ትሑት ምወላ፡ ልዑል ዋጋ መነባብሮ፡ ምጉዳል ወጻኢታት መንግስትን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ተቓውሞኦም ንምግላጽ እዮም።

    ኣብ ጀርመን ዝጀመማር ዘሎ ናዕቢ፡ ኣብ ፈረንሳ ብተመሳሳሊ ብመንእሰያት ዝምራሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ'ዩ።

    እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ መጀመርታ ሰላማዊ ዝነበረ ዀይኑ፡ ለይቲ ናብ ናዕቢ እናምረሐ ከይዱ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡

  15. ሰላም ከመይ ሓዲርኩምን ውዒልለኩምን፡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣህጉራዉን ዓለምለኻውን ዜናታት ኣብ ገገዜኡ ናባኹም ከነብሎ ኢና ምሳና ጽንሑ

  16. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ናይ ሩስያ መገሻኡ ተመሊሱ

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ንሱ ዝመርሖ ልኡኽን ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ጻንሒት ወዲኡ ሎሚ ንጉሆ ናብ ኤርትራ ከምዝተመለሱ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል በኤክስ ኣፍሊጡ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስን ልኡኹን ኣብ 3ይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ንኽሳተፉ'ዮም ናብ ሩስያ ኣመሪሖም ቀንዮም።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ከምኡ’ውን ካልኦት ሓድሕዳዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ሰፊሕ ዝርርብ ከምዘካየደ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።

    ኣብቲ ኣኼባ፡ ኤርትራን ሩስያን ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ቴክኖሎጂ፡ ዕደናን ሕርሻን ዘለወን ምትሕብባር ንምድልዳል ምስምመዐን'ውነእ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ኢሳይያስን ልኡኹን ምስ ሚኒስተር መጓዓዝያ ሬስያ ዲሚትሪ ያርዶቭ ብምርኻብ'ውን ኣብ ምዕባይ ትሕተ ቅርጺ ልምዓት ፕሮጀክትታት መጓዓዝያ መሬት፣ ባሕርን ኣየርን ሰፊሕ ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ከምዝዘተዩ ክፍለት ተካኢሉ ኣሎ።

    ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡