ካብ ሆርሙዝ ክሳብ ዓደን፡ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ከመይ ኣሐይልዎም?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዝካየድ ንግዳዊ መራኽብ ናይ ምዝራፍ ተግባራት ብርኡይ ወሲኹ።

እዚ፡ ነቲ ድሮ ብሰንኪ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ዘሎ ጕዕዞታት ባሕሪ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ክልተ ንግዳውያን መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ተጨውየን እየን።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ብውሕዱ 13 መራኽብ መጥቃዕቲ ስለ ዝወረደን፡ ኣንጻር ሸፋቱ ባሕሪ ንመጀመርታ ግዜ መጥቃዕቲ ድሮን ንኽካየድ ምኽንያት ኰይኑ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝለዓለ ጭውያ መራኽብ ኰይኑ፡ ንኣህጉራዊ ንግዲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ንዘለዎ ዞባዊ ሰላም ዳግም ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ ይርከብ።

'ሃጓፍ' ዝረኸቡ ሸፋቱ

"ሽፍትነት ባሕሪ ኵሉ ግዜ ብዝተረኽበ ሃጓፍ ወይ ዕድል ዝፍጸም ገበን እዩ፡" ይብል ኣብ ኣህጉራዊ ጕጅለ ቅልውላው (ICG) ላዕለዋይ ተንታኒ ጉዳያት ሶማልያ ዑመር ማሕሙድ።

"ኣብዚ ግዜ'ዚ እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ምቹእ ዕድል ረኺቦም ኣለዉ።"

እዚ ዕድል'ዚ፡ ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እቲ ዞባ ዘሎ መስመራት ባሕሪ ዘስዓቦ ጽልዋ ኲናት ዝመጽአ እዩ።

ኣመሪካን ኢራንን መጻብቦ ሆርሙዝ ንምቍጽጻር ቃልሲ የካይዳ ኣለዋ። ብተወሳኺ፡ ደገፍቲ ኢራን ዝዀኑ ሑቲ ኣብ የመን፡ መእተዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዝዀነ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ንምዕጻው ከኣ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ።

"እቶም ሸፋቱ ባሕሪ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሆርሙዝን ባብ ኤል-መንደብን ዘሎ ቅልውላው፡ ኣህጉራዊ ሓይልታት ቈላሕታኦም ናብኡ ከም ዝገብሩን ንዓኦም ንምክትታል ግዜ ከም ዘይህልዎምን ዝኣመኑ ይመስሉ፡" ይብል ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ ንምክልኻል ዝተዋፈረ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ ምኽትል ኣዛዚ ኢግናስዮ ቪላንወቫ ሴራኖ።

ዝተጨውያ መራኽብን ግብረ-መልሲ ድሮንን

ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተጨውያ መራኽብ ሓንቲ ብባንዴራ ካሜሩን እትጓዓዝ 'ኤም.ቪ ሉቱፍ' እትበሃል ኰይና፡ ብ17 ነሓሰ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፑንትላንድ ተታሒዛ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ባንዴራ ኤርትራ ከም ዘንበልበለት ዝተገልጸት ድሒሩ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዝተመዝገበት ከም ዘይኰነትን ዝነጸጋ 'ኤም.ቲ ሲቡ 1' እትበሃል መርከብ ነዳዲ፡ ኣብ ማያት የመን ብሸፋቱ ባሕሪ ተታሒዛ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሉቱፍ ዝተገብረ ጭውያ፡ ትጽቢት ዘይተገብሮ ሳዕቤናት ኣኸቲሉ ኣሎ። ካብ 18 ነሓሰ ጀሚሩ ነቶም ሸፋቱ ቀረብ ዘቕርቡ ነይሮም ዝተባህሉ 13 ሰባት ብመጥቃዕቲ ድሮን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ነቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዝፈጸሞ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተ ዘየሎ፡ ሰበስልጣን እቲ ዞባ ግን ነቲ ስጕምቲ ቱርኪ ከም ዝወሰደቶ ይኸሱ።

መርከብ ሉቱፍ እትርከበን ብውሕዱ ሽዱሽተ መራኽብ ንሚልዮናት ዶላራት በጃ ተታሒዘን ከም ዘለዋ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እዚ ቍጽሪ እዚ ምስቲ ቅድሚ 15 ዓመት ንዓለማዊ ቍጠባ ብቢልዮናት ዶላራት ዘኽሰረ ዝለዓለ ናይ ሽፍትነት ባሕሪ እዋን ዝነጻጸር ኣይኰነን።

ኣብ 2011 ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ልዕሊ 200 መጥቃዕትታት ብምፍጻም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት መራኽብ ጅሆ ሒዞም ነይሮም እዮም።

ሱር-ምኽንያት ናይቲ ጸገም

ክኢላታት ከም ዝሕብርዎ፡ ዋላ'ኳ እቶም ሸፋቱ ንእተወሰነ ግዜ ተዳኺሞም እንተ ጸንሑ፡ እቲ ክጫጭሑን ክስውዱን ዝገብሮም ሕማቕ ቍጠባዊ ኵነታትን ስእነት ጸጥታን ሶማልያ ግን ክፍታሕ ኣይተኸኣለን።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ናይ ዝተራእየ ሽፍትነት ባሕሪ ሓደ ምኽንያት፡ እተን ኣብ ማያት ሶማልያ ብዘይ ኣገባብ ዓሳ ዝገፍፋ ናይ ወጻኢ መራኽብ እየን። እዚ ድማ ንቐንዲ ምንጪ መነባብሮ ፑንትላንዳውያን ዝዀነ ኢንዱስትሪ ዓሳ ክዓኑ ይገብሮ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ግጭት፡ ሓያሎ መራኽብ ካብቲ ዞባ ንምርሓቕ ናብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ቀሪበን ይጓዓዛ ኣለዋ። ነቶም ሸፋቱ ከኣ ዝያዳ ግዳያት ከም ዝረኽቡ ገይሩዎም።

ብሰንኪ ክብሪ ዋጋ ነዳዲ፡ መራኽብ ነዳዲ ምጭዋይ ዝያዳ ኣኽሳቢ ኰይኑ ይርከብ።

ፖለቲካዊ ውጥረትን ተራ ቱርኪን

ብመሰረት ምንጭታት ጸጥታ ፑንትላንድ፡ እታ ዝተጨውየት መርከብ ሉቱፍ፡ ኣብ መቓድሾ ናብ ዝርከብ ብቱርኪ ዝካየድ መደበር ታዕሊም ዝኸይድ ዝነበረ ኣጽዋር ዝጸዓነት እያ።

ኣንካራ ምስ ሶማልያ ጸጥታ ባሕሪ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ናይ ምክልኻልን ቍጠባን ስምምዕ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ሶማልያ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ "ኣብታ መርከብ፡ ቱርኪ ኣብ ሶማልያ ንእተካይዶ ንጥፈታት ዝኸውን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ንመደበር ጠፈር ዝኸውን መሳርሒታት ሳተላይትን ነይሩ።"

እቲ ብዓል-ስልጣን ወሲኹ፡ ቱርኪ ነቲ ትሽዓተ ዕጡቓት ዝቐተለ ካልኣይ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመቶ ገሊጹ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ ብወገኑ፡ ሓይልታቱ ኣብ ማያት ሶማልያ ንዝተጨውየት መርከብ ብዝምልከት ንሰበ-ስልጣን ሶማልያ፡ "ኣድላዪ ደገፍ፡" ይህቡ ከም ዘለዉ እኳ እንተ ገለጸ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ግን ዝበሎ የሎን።

ምምሕዳር ፑንትላንድ ፡ "ብኣህጉራዊ መራኽብ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንዝፍጸም ደብዳብ፡" ብትሪ ተቓዊምዎ ኣሎ።

እዚ ኵነታት'ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መቓድሾን ፑንትላንድን ዘሎ ነዊሕ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ዝያዳ ከም ዘጋድዶን ንሓባራዊ ቃልሲ ኣንጻር ሽፍትነት ባሕሪ ከም ዝዕንቅፎን ተንተንቲ የጠንቅቑ።

እዚ ሓድሽ ምንቅስቓስ ሽፍትነት ባሕሪ ገና ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ዝለዓለ ደረጃ እኳ እንተ ዘይበጽሐ፡ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ደው እንተ ዘይኢሉ ግን እቲ ስግኣት እናዓበየ ክኸይድ ምዃኑ ይግመት።