እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ቀጥታ, ኲናት ኢራን፡ ንዘተ ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ ዘሎ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ገዲፋ መጻብቦ ሆርሙዝ ክትከፍት "ቅድሚ ነዊሕ እዋን" ከም ዝተሰማምዐት ይገልጽ - ዋሽንግተንን ቴህራንን ግን ብዛዕባ እቲ ኢራን ካብቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ዘለዋ ጠለባት ዘይሰማምዓ ይመስላ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ድማ ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነቲ ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል "ከቢድ ሓደጋ" ከም ዘስዕብ ገሊጹ።
ዜናታት
ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ወኪል ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ
ምስ ኤርትራ ዘለዎም ክልተኣዊ ሽርኽነት፡ ኣካል ናይቲ "ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምድንፋዕ ስትራተጂ ልምዓት" ምዃኑ ኣምባሳደር ቻንግቹን ከምዝተዛረበ'ውን እቲ ብወገን ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።
ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ እንታይ ተዓዚቦም ተመሊሶም?
ወርሒ ንጸሓይ ምሉእ ብምሉእ ክትጋርዳ ከላ ዘርኢ እዩ። እቲ ዘደንጹ፡ እቶም ጠፈርተኛትታት ብድሕሪ ወርሒ ክሓልፉ ከለዉ ንኣስታት 54 ደቓይቕ ዝኸውን ፍጹም ከውሊ ግርደት ዝገልጽ ትርኢት ነይርዎም።
ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?
ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።
ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ብዙሕ ዘይተነገረሉ ደራሲ ዜማታት ቤተክርስትያን - እንታይ ንፈልጥ?
ቅድሚ 1500 ዓመታት፡ 5 ሚያዝያ 497 ዓ.ም፡ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሕምብርቲ ኣክሱም መደባይ ወለል ኣብ ዝተብሃለ ቦታ፡ ሙዚቃ ንዓለም ዘምሃረ ሊቅ ተወሊዱ፡ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ።
ፓኪስታን፡ ብኸመይ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ ክትሽምግል ክኢላ?
ብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ምቍራጽ ተዅሲ ቅድሚ ምእዋጁ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ፓኪስታን ባና ተስፋ ተራእዩ። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፓኪስታናዊ ምንጪ፡ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን እትገብሮ ዝነበረት ናይ ሽምግልና ዕማም "ብቕልጡፍ ናህሪ" ትቕጽሎ ከም ዘላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓውሞ ህወሓት ብዝምልከት ንቢቢሲ ዝሃቦ ምላሽ
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምንውሑ፡ "ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ዝርርብ ኣሰማማዕቲ ኣካላት ዘይተገበረሉን ካብ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወጻኢ ዝተመሓለፈን በይናዊ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንመላእ ህዝብና፡ ኣደራደርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ከነፍልጥ ንፈቱ" ኢሉ።
ስቕለት ብኸመይን ኣበይን ተጀሚሩ?
ተኸተልቲ እምነት ክርስትና፡ ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘላ ዕለተ ዓርቢ መዓልቲ ስቕለት ክርስቶስ ኢሎም ዓመታዊ ብጾምን ስግዳንን የኽብሩዋ። እዛ ዕለት፡ ድሕሪ ብዙሕ ምንግልታዕን ስቓይን የሱስ ክስርቶስ ወዲ ሰብ ካብ ዝኣተዎ ሓጢኣት ንምድሓን ብዝብል ኣብ መስቀል ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዝዝከረላ መዓልቲ እያ።
ንሜላንያ ምስ ትራምፕ ዘራኸባ ኤፕስተይን ድዩ፡ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ኢላ?
"ኤፕስተይን ኣብ ልዕሊ ግዳያቱ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ግፍዒ ዝዀነ ይዅን ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡" ድሕሪ ምባላ፡ "ብዝዀነ ይዅን ዓቐን ኢድ ኣይነበረንን፣ ተሳታፊት'ውን ኣይነበርኩን፡" ኢላ።
ሩስያን ዩክረይንን ንበዓል ፋሲካ ኦርቶዶክስ ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዐን
ቭላድሚር ፑቲን ሰራዊት ሩስያ ኣብዚ መወዳእታ ሰሙን ኣብ "ኵሉ ኣንፈታት" ተዅሲ ደው ከብሉ ከም ዝኣዘዘ ገሊጹ። እዚ ካብ ሞስኮ ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብተደጋጋሚ ከቕርቦ ዝጸንሐ ግን ድማ ኵሉ ብክሬምሊን ተነጺጉ ንዝጸንሐ ጻውዒታት ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ብኸመይ ሓያል 'ኣጽዋር' ኢራን ኰይኑ?
ሰበስልጣን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ነዚ መስመርዚ ምቁጽጻር ካብቲ ንቡር ወተሃደራዊ ምዕባለ ብዝዓበየ መልክዕ ስትራተጂያዊ ረብሓ ከምጽእ ከም ዝኽእል ብግቡእ ተገንዚቦምዎ እዮም።
ኣድማስ ዘልኣለማዊ ድዩ፡ ብኸመይከ ክጠፍእ ይኽእል?
ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣድማስ ወይ ዩኒቨርስ ኣብ ዝካትዕሉ ወይ ትንታነታት ኣብ ዝህብሉ ኵሎም ዝሰማማዑላ ሓንቲ ነጥቢ ኣላ፤ ልዕሊ እቲ ብዛዕባ ኣድማስ ዘለዎም መልሲ እቲ ዘለዎም ሕቶታት ከም ዝዛይድ።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ምስ መሬት ዘለዎም ርክብ ኣብ ዝቋረጸን 40 ደቓይቕ እንታይ'ዮም ክገብሩ?
እዞም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት፡ ኣብ ዙርያ ወርሒ ብምኹላል ድሮ ንዓለምና ፍሉይ ተምሳጥ ዝፈጠሩ ኣሳእል ኣካፊሎምዋ እዮም። ቅድሚ ልዕሊ 50 ዓመታት፡ ጠፈርተኛታት ኣፖሎ፡ ናብ ወርሒ ኣብ ዝገበርዎ ተልእኾ ብዝተፈጥረ ምቁራጽ ርክባት ስዒቡ ብሕታውነት ገጢሙዎም ነይሩ።
ቪድዮ, ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እቲ ዝኸበረ ኲናት ኣመሪካ ድዩ?
ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ብዙሕ ወፍሪ እያ ትገብር፣ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ይበጽሕ። ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ባጀት ምምሕዳር ትራምፕ ብዓቢኡ ምስ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝሰማማዕ እዩ።
ቪድዮ, ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራዕዲ ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።
ቪድዮ, "ቅድሚ ጕያ ኵዕሶ እየ ጀሚረ" - ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ
ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ጉያ ዝነጥፍ ዘሎ ኣትሌት ኣማን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት ብምስታፍ ብዘምዘገቦም ዓወታት ካብቶም ጽቡቕ ሽም ዘለዎምን ዝያዳ ትጽቢት ዝግበረሎምን መንእሰይ ኣትሌታት ሓደ እዩ፡፡
ትንታነ
ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ኢራን ከመይ ይርአ፡ ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?
እቶም ተሪር መርገጺ ዘለዎም ወገናት፡ በዚ ሓድሽ ስምምዕ ሕጕሳት ኣይኰኑን። ካብ ቴህራን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ድሕሪ ኣዋጅ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰልፈኛታት ባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ይሕብሩ።
ኲናት ኢራን: ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ስምምዕ ሰላም
እቲ ናብዚ ናይ ክልተ ሰሙን ዝቕጽል ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምብጻሕ ዝተሓልፈ መንገዲ፡ ንኣረኣእያ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ቀይርዎ እዩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብቐጻሊ ዝጠቕሳ 'ቍሸት ፖተምኪን' እንታይ'ያ?
እቲ ምኒስተር ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዘውጽኦ ጽሑፋት ዘይዝውተሩ 'ዓበይቲ ቃላት' ወይ ሓረጋት ዝጥቀም ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዳርጋ ዝበዝሕ ሰብ ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ ፍሉይ ሓረግ ኣታኣታትዩ ኣሎ - 'ቍሸት ፖተምኪን'። እዛ ቍሸት ግን እንታይ እያ?
ኢማራት ኣብ ኲናት ምጽማዳን ሑቲ ናብቲ ኲናት ምጽንባሩን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ይጸልዎ?
እዚ ኣብቲ 15 ሚእታዊት መራኽብ ንግዲ ዝሓልፋሉ ወሳኒ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ፈንዩን ምስ ዞባዊ ሓይሊ ምትእስሳር ፈጢሩን እዩ። በዚ ድማ ኣብቲ ኣገዳሲ ንግዳዊ መስመር ዓለም ወጥሪ ክውስኽ ይገብር ኣሎ።
ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ነምርሕ ዲና ዘለና?
ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ ኲናት ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘቝጸረሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናብ ዝበኣሰ ከይዓርግ ስክፍታታት ኣሕዲሩ ኣሎ።
ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈት ዳግማዊት ኣርተሚስ
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ በረራ ንምንቅስቓስ ናይታ 'ኦርዮን' ተባሂላ ትፍለጥ ተሽከርካሪት-ጠፈር ንምፍታን፡ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ብኸመይ ናብ ገጽ ምድሪ ምዕላብ ከምዝክኣልን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፈተነታት ምክያድ እዩ።
ብሚሳይላት ዒላማ ዝዀና ምዕሩጋት ዓድታት - ኲናት ኢራን መጻኢ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብኸመይ'ዩ ክቐርጾ?
ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣገዳስነተን ኣይክጎድልን፤እንተዀነ ኲናት ኢራን ኣቃውማአን ክቕየርን ወተሃደራዊ ሓይሊ ከጠናኽራን ከም ዝገብረን ክኢላታት ይዛረቡ።
ኣመሪካ ዩራንየም ኢራን ክትሕዝ እንተፈቲና 'ሓደገኛ ክዀኑ ዝኽእሉ ሚልዮን ነገራት'
ንመኽዘን ዩራንየም መቁጽጻር ሓደ ካብቶም "ኣብ ታሪኽ ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ፍሉያት ስርሒታት" ክኸውን'ዩ ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ነበር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ 1970ታት ዝነበረ ቅልውላው ነዳዲ እንታይ'ዩ፣ ካብኡ ናብ ዝኸፍአ ዲና ነምርሕ ዘለና?
እሞ እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ካብቲ ኣብ 70ታት ዘጋጠመ ስንባደ ክገድድ ይኽእል ድዩ?
ቅልውላው ነዳዲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጕምታት
ኲናት ኢራን እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብዚ መስመር ዕግታ ክገብር ትንዕ ዝብል ዘሎ፡ ቀንዲ ደጋፊ ኢራን ዝዀነ ሓይሊ ሑቲን መሻርኽቱ ዕጡቓት እቲ ዞባን ክንቀሳቐሱ ኣብ ዝጀመሩሉ እቲ ሳዕቤን ክመርር ከም ዝኽእል ድማ ብኣጋ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ዓለማዊ ንግዲ ዝጸልዉ 5 ቀንዲ መስመራት ባሕሪ
ቅልውላው ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ዝሰፍሐ ጸገም'ውን ኣጕሊሑ ኣሎ። ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ዘገርም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ጸበብቲ መስመራት ዝምርኮስ ምዃኑን ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ንምዃኑ እዞም መስመራት ኣየኖት እዮም?
ኢራን ስለምንታይ'ያ ንዝርርብ ኣመሪካ ነጺጋቶ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ዝርርብ ክልተ ግዜ ወጥሪ ንምቅላል ተስፋታት ከም ዘዕበየ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዙርያ ዖማን ዘአንገደቶ ንቐንዲ ስክፍታታት ኣመሪካ ዝዀነ ኒዩክለሳዊ ፕሮግራም ኢራን ዝምልከት ምዃኑ ይግለጽ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ትራምፕ፡ 'ንኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ክንድምስሳ ኢና'
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ቅድሚ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዘቐመጦ ግዜ ገደብ ክትሰማማዕ እንተዘይክኢላ "ብሓንቲ ለይቲ" ክንድምስሳ ኢና ክብል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ሆርሙዝ፡ ሚሳይል ንመርከቦም ድሕሪ ምህራሙ ብኸመይ ሓደ ባሕረኛ ሞይቱ፡ ሓደ ን24 ሰዓታት ብህይወት ጸኒሑ?
ሓደ ባሕረኛ ን24 ሰዓታት ኣብ ባሕሪ ክድሕን እንከሎ፡ ካልእ ድማ ዝሰርሑለን ናይ ንግዲ መራኽብ ብሚሳይላት ድሕሪ ምውቃዐን ጥሒሉ።
ንሓንቲ ጻጸ 220 ዶላር? ንጸሊም ዕዳጋ ዝህደኑ ዘለዉ ዓሌታት ጻጸ
እተን ዓበይትን ቀይሕ ሕብሪ ዘለወንን ዓበይቲ ናይ ኣፍሪቃ ንግስቲ ጻጸ፡ ብደረጃ ዓለም ዝርከቡ ኣከብቲ ብክቡር ዋጋ ይገዝኡወን ኣለዉ - ሓደ ሰብ ብጸሊም ዕዳጋ ክሳብ 220 ዶላር ክሸጠን ይኽእል።
ብምስጢር ተቐዲሐን ኣብ ኦንላይን ግዳያት ላግጽን በደላትን ዝዀና ደቀንስትዮ
እቲ ቪድዮ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ሓያሎ ቪድዮታት፡ ሓደ ውልቀሰብ ናብተን ኣብ ኬንያን ጋናን ዝርከባ ደቀንስትዮ ክቐርብ ከሎ ዘርኢ ኰይኑ፡ እተን ደቀንስትዮ ይቕረጻ ከም ዘለዋ ዝፈልጣ ኣይመስላን።
ካብ ኵናት ኢራን፡ ኣየኖት ሃገራት'የን ክኸስባ፡ በዓል መንከ ዝያዳ ይህሰያ?
ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳድን ጽዓት ወሰኽ ኣብ ዘርኣየሉ፡ ብዙሓት ሃገራት ብቁጠባ ክህሰያ'የን። እንተኰነ ገለ ሃገራት ነዚ ዘሎ ዕግርግር ናብ ረብሐአን ብምቕያር ክኸስባ ክኽእላ'የን። ግን ካብ ኵናት ኢራን መን'የን ክኸስባ፡ መንከ ክህሰያ'የን?
ዕጡቓት ኩርድ፡ ብደቀንስትዮ ጥራይ ዝቘመ ሕቡእ ወተሃደራዊ ቦጦሎኒ
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጽምኦ መጥቃዕቲ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዒራቕ ዝመደበሮም ዕጡቓት ጉጅለታት ኩርዳውያን ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሮም ኣንጻር እስላማዊት ሪፓብሊክ ናብ ኲናት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ቢቢሲ ንሓደ ጉጅለ ደቀንስትዮ ዝሓቖፈ ቦጦሎኒ ሳሕቲ ዝርከብ ኣጋጣሚ ብምርካብ ዘዳለዎ ጸብጻብ እነሆ።
ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፋ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ዝስጋእ ዘሎ ሓድሽ ኲናት እንታይ ይብላ?
እዘን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ሕሉፍ ውግእ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ከቢድን በዳህን ግዜ ኣሕሊፈን እየን። ዳግም ኲናት ከይለዓል ዘስግአን በሰላታት ምህላው ድማ ይዛረባ።
ናብ ሕጫጨን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ ምግላጻ ዘጓሃሃሮ'ዩ ዝመስል። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐጻሊ ተሪር ዳርባ ቃላት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም።
ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስትሪ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስላታት ትግርኛ ብምጥቃም ንትግራይን ኤርትራን ተሪር መጠንቀቕታታት ኣሕሊፉ። "ጥሩፍ ጸረ-ለውጢ፡" ብምባል ዝወረፎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት፡ "ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማዊ ሓይልታት ወዘልዘል ይብሉ ኣለው፡" ብምባል'ዉን ነቒፉዎም።
እስራኤልን ኣመሪካን ስለምንታይ ንኢራን ኣጥቂዐን፡ እቲ ኲናትከ ክሳዕ መዓስ ክጸንሕ ይኽእል?
ክሳብ ሰኑይ 2 ለካቲት 2026፡ ቀይሕ ወርሒ ኢራን ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 130 ቦታታት 555 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ኢራን፡ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ጥቓ መደበር ዘብዒ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም።
ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ- መን'ዩ?
ንሱ፡ ኣብ ዓንኬል እቲ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ሕምብርቲ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ይርከብ፤ ዝዀነ ህዝባዊ ፖሊሲ ከጽድቕን ክነጽግን ዝኽእል ገባርን ሓዳግን ጥራይ ኣይኰነን። ንሕጹያት መራሕቲ ብኢደ ወነኑ ከቐምጥን ከልዕልን ዝኽእል ስልጣን ኣለዎ።
ኮሚቴ ወልቃይት፡ ኣብ ጉዳይ ቤትፍርዲ ቦርድ መረጻን ስምረትን ኣትዩ ክማጎት ሓቲቱ
ኮሚቴ ወልቃይት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣመልካቲ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ስምረት ትግራይን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ኣብ ቤትፍርዲ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ መሰሉን ረብሓኡን ዝትንኪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዩ ክማጐት ብጠበቓኡ ኣቢሉ ንላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ከም ዝሓተተ ኣፍሊጡ።