'ንትራምፕ ኣይፈርሖን እየ' - ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14
ኣብ መንጐ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለምን ፕረዚደንት ኣመሪካን ዝተጀመረ ዳርባ ቃላት ይቕጽል ኣሎ።
ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ደርበይቲ ቦምባታት" ደቂ-መዛምርቲ ክርስቶስ ኣይኮኑን ዝብል ነቐፌታ ወርዊሮም ነይሮም።
እቲ ርእይቶ ንዶናልድ ትራምፕ ዘቖጥዐ ኮይኑ ተረኺቡ'ሎ። እቲ ፕረዚደንት በቲ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ኣብ ክንዲ ፖለቲከኛ፡ ዓቢይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንምዃን የተኩሩ" ብምባል ክምዕዶም ፈቲኑ።
እቶም መንፈሳዊ መራሒ ኣብ ጉዳይ "ገበን ድኹም" እዮም ዝበለ ትራምፕ፡ "ጸግዒ ሕሉፋት ጸጋማውያን" ኣለዎም ክብል ወቒሱ።
"ኣነ ኣብ ዋይት ሃውስ [ከም ፕረዚደንት] እንተዘይህሉ፡ ሊዮ ኣብ ቫቲካን ኣይምሃለወን"።
ኣቡነ ሊዮ መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገሽሉ ዝነበሩ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ'ውን ንግብረመልሲ ትራምፕ ምላሽ ሂቦምሉ ኣለዉ።
"ብዛዕባ መልእኽቲ ወንጌል ዓው ኢለ ንምዝራብ ወይ ንምምሕዳር ትራምፕ ኣይፈርሕን እየ" ክብሉ ንሰላም ዘለዎም መርገጺ ደጊሞም ኣነጺሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን "ብህይወት ድኹማት፡ ቆልዑን ስድራቤታትን ዝርከብ ረብሓ ዋጋ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ" ብምባል'ዮም ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ዘነጻጸረ ነቐፌታ ገሊጾም ነይሮም።
"ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ቦታ ናጽነት ወይ እዋን ሰላም ኣይክፈጥርን እዩ" ክብሉ'ውን ኣጠንቂቖም።