እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ነዳዲ ምትእስሳር ከምዘይብላ ኣፍሊጣ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰሉስ 25 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ መርከብ ባንዴራ ኤርትራ ተንበልብል ምንባራ ንዝገልጽ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዓለም "ዘይቅኑዕ" ክብል ነቒፉ።
ቢቢሲን ሮይተርስን ዝርከቦም ማዕከናት ዜና እታ መርከብ ባንዴራ ኤርትራ ተንበልብል ምንባራ ዝጠቅስ ጸብጻብ ኣውጺኦም ነይሮም።
እንተኾነ እቲ ኤምባሲ ምንጪ ናይቲ ሓበሬታ ንዝኾነ ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ብሪጣንያ (UKMTO) ዝተባህለ ትካል ከምዝተወከሰ ብምጥቃስ "እታ መርከብ ስኑዕ ባንዴራ እያ ተንበልብል፣ እዚ ማለት፡ ዋንነታ ናይ ኤርትራ ኣይኮነትን ወይ ብወግዒ ኣብ ኤርትራ ኣይተመዝገበትን" ዝብል ምላሽ ከምዝረኸበ የነጽር።
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
እቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ የመን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ምያዝያ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ሻድሻይ ናይ መራኽብ ጭወያ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዚ ፍጻመ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስን ዳግማይ ተላዒሉ ዘሎ ስግዓት ሸፋቱ ባሕሪ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ።
እታ "M.T. Sibu 1" ዝተሰምየት መርከብ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ከተማ ኣል-ሙካላ (የመን) ንምብራቕ 136 ናውቲካል ማይል (252 ኪሎ ሜተር) ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ከላ እያ ብሽዱሽተ ዕጡቓት ሸፋቱ ተታሒዛ።
ብመሰረት ካብቲ ትካል ባሕሪ ዝረኸቦ ሓበሬታ እታ መርከብ ካብተን 'ምትሃታውያን' ተባሂለን ዝፍለጣ ዋንነተን ዘይንጹር መራኽብ ነዳዲ ምዃና የመልክት።