ግብፂ፡ 'ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ካብ ዝግበር ፈተነ ምቝጣብ' ከም ዘድሊ ገሊፃ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብፂ በድር ዓብደልዓጢ፡ "ካብ ዓለምለኸ ሕጊ ወፃኢ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ" ዝግበሩ ፃዕርታት ደው ክብሉ ከም ዘለዎም፡ ንኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ተዛሪቡ።

እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ "ናይ ዝርከባ ሃገራት ሓድነት፡ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" ክኽበር ከም ዘለዎ ገሊፁ።

በድር ዓብደልዓጢ ብሰንበት ምስ ሚስተር መስዓድ ቡሎስ ከም ዝተዘራረበ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣፍሊጡ።

ምስቲ ኣማኻሪ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዝምልከት ዝተገበረ ዝርርብ፡ ብፍላይ ኣብ ሱዳን፡ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሊብያን ዘለዉ ጉዳያት ከም ዝተላዕሉ ሓቢሩ።

ግብፂ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ንዘላ ሱዳን "ሓድነት፡ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" ዘለዋ ድጋፍ "ዘይናወፅ" ከም ዝዀነ ምግላፃ መግለፂ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ የመልክት።

ኣብ ሱዳን "ተማዓደውቲ ትካላት ንምፍጣር ዝግበር ዝኾነ ፈተነ" ሃገሩ ከም ትቃወም ዝገለፀ ዓብደልዓጢ፡ እቲ ሰለስተ ዓመታት ዝሓለፎ ኲናት ንምግታእ፡ "ብሱዳናውያን ዋንነትን መሪሕነትን ዝካየድ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ከይዲ" የድሊ ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፅን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረኣዩ ጉዳያት'ውን ተላዒሎም እዮም።

ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ፡ "ኣብቲ ዞባ ናይ ዝርከባ ሃገራት፡ ሉኣላውነት፡ ሓድነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" ክሕሎ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ዓብደልዓጢ ወሲኹ፡ "ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ" ይግበር ንዝበሎ ፈተነ ተቓዊሙ።

"ንሰላምን ደሕንነትን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ናይ ሓደ ወገን ስጕምቲታት" ክውሰዱ ከም ዘይብሎም ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ንዓለምለኸ ሕጊ ብምጥሓስ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ካብ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ምዕቃብ ከም ዘድሊ ብዕቱብ ምልዓሉ" መግለፂ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣመልኪቱ።

እቲ ግብጻዊ ምኒስተር፡ ብዛዕባ'ቲ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ፈተነ ካበየነይቲ ሃገር ምዃኑ ግን ኣይጠቐሰን።

እንተዀነ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ዓብደልዓጢ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ድሌት ከም ዘለዎ ኣብ ዝገልፀሉ ዘሎ እዋን እዩ ነዚ ኢሉ።

መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ "ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና" ከምዝዀነ ንዝሓለፉ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።

ካብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብተወሳኺ እውን፡ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣንን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ኢትዮጵያ፡ ምስ ታሪኽን ምስ ሕጊን እናተኣሳሰሩ፡ እታ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ መንገድታት ክነቕፉን ንዕኡ ንምምላስ፡ "ብሓይሊ" ከይተረፈ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉን ከፈራርሑ ጸኒሖም እዮም።

መንግስቲ ኤርትራ፡ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተትሓሓዘ ምንቅስቓስ፡ "ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ዝጻረር ምትዅታዅ" ከም ዝዀነ ክገልጽ ጽኒሑ እዩ።

ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከተን፡ መዳውብቲ ሃገራት እቲ ባሕሪ ጥራይ ከም ዝኾና እትገልፅ ኤርትራ፡ ነዚ መርገፂኣ ምስ ግብፂ ብምዃን'ውን ኣንፀባሪቓ እያ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን ግብጻዊ መዘናኡ ባድር ዓብደልዓጢን ኣብ ዝተራኸቡሉ፡ "ደሕንነትን ምምሕዳርን ወይሕባሕሪ ዝምልከተን ንመዳውብቲ ሃገራት ጥራይ" ከም ዝኾነ ኣስሚሮምሉ እዮም።

ኣካል እቲ ገማግም ባሕሪ ዘይኰና ሃገራት ንቀይሕ ባሕሪ "ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንምቍፅፃር ዝግበር ፈተነ ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጠሓሰ እዩ" ብምባል፡ ክልቲአን ሃገራት መርገፂአን ኣንፀባሪቐን።

እዚ መርገፂ ግብፂ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ወሃቢቃል ምኒስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕሪ ምልዓላ፡ ካብ ግብፂ "ውጥረት፡ ትንኰያ ዝመስሉ ነገራት ይረኣዩ" ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ከሲሱ።

እዚ ሕቶ ምስ ተላዕለ፡ "ንኢትዮጵያ ንምዕፃው ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ናይ ምውሳኽን ምጥንኻርን ኣካይዳታት ንርኢ ኣለና" ዝበለ እቲ ወሃቢቃል፡ ኣዲስ ኣበባ "ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ድሌት ኣጀንዳኣ" ኣሐይላ ከም ትቕፅል ተዛሪቡ።

ብሰንኪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ንዓመታት ኣብ ምስሕሓብ ትርከብ ግብፂ፡ ናይ ኢትዮጵያ ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ ስግኣት ምስ ዝፈጠረላ ኤርትራ ፅኑዕ ርክብ ብምፍጣር፡ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ተፃራሪ ዝኾነ መርገፂ የሰ.ጕማ ኣለዋ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንክልቲአን ሃገራት ኣብታ ሃገር ንዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ብምድጋፍ ብተደጋጋሚ ይኸስሰን።