ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኢጣልያዊት ኤርትራዊት ተዋሳኢት፡ ሞዴል፡ ደራፊትን ኣፍራዪት ፊልምን ዘውዲ ኣርኣያ፡ ኣብ መበል 75 ዓመታ ብሰንበት 24 ግንቦት ከም ዝዓረፈት ውላዳ ሚካኤላንጀሎ ሓቢሩ። ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ድማ ስድራኣ ጥራሕ ኣብ ዝተረኽብሉ ሓመድ-ኣዳም ከም እትለብስ ገሊጹ።

ንምዃኑ እዛ ኢጣልያውያን ጸሓፍቲ እታ "ሕብሪ ወርሒ ዘለዋ ጓል" "ragazza dalla pelle di luna" ዝበሉዋ ውርይቲ ሰብ እንታይ ንፈልጥ?

ኣብ ሰብዓታት፡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ነዛ ፊልምታታ ኣብ ኣህጉራዊ ሲነማታት ዝርአ ዝነበረ ኤርትራዊት ዘይፈልጥ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ዋላ'ኳ ብረታዊ ቃልሲ ይካየድ እንተ ነበረ፡ ኣስመራ ዘወናውን ጽባቐ ነበራ።

ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍርሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ጣልያን ከም ገዛእቲ ዘይኰነ ከም ተራን ኣካየድቲ ስራሕን ኰይኖም ዝነጥፍሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።

እዛ ብንእሽቶ-ሮማ ትፍለጥ ዝነበረት ከተማ ከም ፊያት ታሌሮ፡ ቃኘው-ስቴሽን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ትካላትን ኩባንያታትን፡ ከም እንዳ መሎቲ፡ እንዳ ደናዳይ፡ ዕሸጋ መግቢ፡ እንዳ ዓለባ ዝኣመሰሉ በብዓይነቱ ኣፍረይቲ ፋብሪካታት ነበርዋ። ብተወሳኺ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ብዋኒኖም ይነባበሩ ነበሩ።

ናይ ቀደም ኣስመራ

ኣብቲ እዋን ኵሎም ትካላት፡ ኣፍረይቲ ፋብሪካታት፡ በብዓይነቱ ኣገልግሎት ዝህባ ኩባንያታት፡ ናይ ብሕቲ ዋኒናት ብወኪላተን ኣቢለን ኣብ 1969 ኣብ ኤክስፖ ግሩም ምርኢት ዘቕረብሉ ኣጋጣሚ ነበረ።

ኣብቲ ምስ ኤክስፖ-ኣስመራ ተኣሳሲሩ ዝተገብረ ፈላሚ ውድድር ቍንጅና ደቀንስትዮ ተኻየደ'ሞ ሽዑ ጓል 17/18 ዝነበረት፡ ነዊሕ ዝቝመታ፡ ሸጥ ዝበለ ስሩዕ ዝሰብነታ፡ ፍሩይ ዝዓይና ከደረይቲ ምልክዕቲ ዘውዲ ኣርኣያ ተዓወተት። ከም ስልማት ከኣ ናብ ዓዲ ጣልያን ኣብጺሑ ዝመልስ ናይ ነፋሪት ትኬት ተዋህባ።

ታሪኽ እዛ ንህይወታን ቍንጅንኣን ብግቡእ ዝተጠቕመትሉ ዕዉትቲ ተዋሳኢት ኣብ ብዙሓት ብቐረባ ኣብ ትምህርትን ዝዓበየትሉ ጐደናታትን ብርሑቕ ከኣ ኣብ እትሰርሖ ፊልምታት ዝፈልጡዋ ሰባት ስኑድ እዩ።

"ዘውዲ ኣብ 'ቦተጎ' - ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ጣልያን ምዃኑ'ዩ - መማህርተይ'ያ ነይራ፣ እኳ ድኣ ጓል ክፍለይ፡" ትብል ስማ ክትርቋሕ ዘይትደሊ መሓዝኣ።

"ገዛውታ ልዕሌና፡ ጥቓ ባር-ትብለጽ ኰይኑ መብዝሕትኡ እዋን ካብ ገዝኣ ንቤት-ትምህርትና ንበይና ብእግራ ክትመላለስ ትዝከረኒ፡" ትብል።

"ዘውዲ ምሉእ ነብሰ ምትእምማን ዝነበራ፡ ቍሊሕ-ምሊሕ ከይበለት እትኸይድ፡ ኵሉ ሰብ ብጽባቐኣ ዝጥምታ፡ ኣብ ዉሽጢ ክፍልና ድማ ብዙሕ ዘይትዛረብ ኵርዕቲ ጓል ነበረት፡" ከኣ ትብል።

ንዘውዲ ሓጺር ክዳን ተኸዲና ሸናዕ ክትብል ዝዝክርዋ ብዙሓት'ዮም። ክዳና ንቅርጺ ኣካላታ ዝውድስ'ኳ እንተ ነበረ፡ ገለ ገለ ሰባት ግን ብሓጹር ባህሊ ተኸዊሎም ይጐጥዩዋ ነይሮም። መቸም መንእሰይ ንዝዀነ ሓዲሽ ነገር ቀልጢፉ እዩ ዝርዕሞ። ኣወዳት ገፊሕ ዝእግሩ ስረ ተኸዲኖም፡ ጸጕሮም ኣጐቲኖም ዝኸድሉ፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሓጺር ክዳን ዝኽደናሉ ዘመን ነበረ።

"ኣብቲ ኣብ ውድድር ቍንጅና ትካፈለሉ ዝነበረት እዋን ድማ ብዙሕ ግዜ ካብ ቤት-ትምህርቲ ትበኵር ከም ዝነበረት፡ ኣብ ኤክስፖ ስዒራ ኣብ ቤት ትምህርትና ምስ ተመልሰት ድማ ሓንቲ መምህርና ከምቲ ልሙድ ሕቶታት ብምሕታት ንኵላትና ተባጽሓልና ነበረት እሞ ተራ ዘውዲ ምስ በጽሐ፡ 'ሚስ ኤርትራ፡ ንሕቶይ መልሲ ክትህብሉዶ ትኽእሊ?' እናበለት ክትሕጭጨላ እዝከረኒ፡" ኢላ ተዘንቱ። ዘውዲ ግን ቅጭጭ ከም ዘይበላ ከኣ ትዝክር።

ዘውዲ ብ10 ለካቲት 1951 ኣብ ደቀምሓረ ተወሊዳ። ኣቦኣ ከኣ ከንቲባ ናይ ደቀምሓረ'ዮም ነይሮም።

ዝሓለፈ መጋቢት (2021) ዘውዲ ኣብ ጥልያን ምስ እትሕተም "ኮሬረ ደ'ላ ሰራ" ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት ከመይ ኢላ ንዓዲ ጣልያን ከም ዝሰገረት፡ ኣብኡ ከኣ ከመይ ኢላ ኣብ ዓውዲ-ሲነማ ዓወታት ከም እተጓናጸፈት ተዘንቱ።

"ንበይነይ፡ ካብ ኵሎም ኣሕዋተን ኣሓተይን፡ ኣነ ንበይነይ እየ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን ተማሂረ፡" ትብል ዘውዲ። "ካብ ብንእሽቶየይ ከኣ ሓላሚት'የ ነይረ፣ ሕልመይ ከኣ ንዓዲ ጣልያን ከይደ ኣብኡ ክሰርሕን ክነብርን ነበረ፡" እናበለት ታሪኽ ምትእስሳር ጣልያንን ኤርትራን ትገልጽ።

"ኣቦይ፡ ከም ሰቡ፡ ከምኡ'ውን ከምቲ ባህልና ዝጠልቦ፡ ሕይል ዝበለ ረዚን ሰብ ነበረ። ኣነ ግን ክቱር ሕልሚ ስለ ዝነበረኒ ኣብቲ ናይ ውድድር ቍንጅና ከይነገርኩዎ ተሓቢአ'የ ተሳቲፈ፣ ተዓዊተ ከኣ፡" ትብል። በቲ ዝወሰደቶ ባዕላዊ ውሳነ ግን ኣቦኣ ሕጉስ ከም ዘይነበሩ'ውን ተረድእ።

ባህሊ እቲ ሕብረተሰብ ሓያል፡ ቀሳቢ፡ ሸምቂቑ ዝሕዝ ብምንባሩ ነቲ ዝሰዓረቶ ብልጫ ሒዛ ድማ ንቕድሚት ክትግስግስ ክሳብ ክንደይ ሓያል ባህርን ቈራጽነትን ነይሩዋ ይብሉ ፈለጥታ። ኣብቲ ብምኽንያት ፈስቲቫል ኤክስፖ ዝተኻየደ ውድድር ተዓዊታ ከኣ ናብ ዓዲ ጥልያን ናይ ምኻድ ሕልማ ሰሚሩላ። ብኡ ኣቢላ ከኣ ናብ ዝናን ክብረትን ኣምሪሓ።

ዘውዲ ኣብ ዓዲ ጣልያን

ሕብረተሰብ ጣልያን ንዘውዲ ብጽቡቕ ተቐበላ። ባህልን ቋንቋን ጣልያን ትቕበሎን ትፈልጦን ስለ ዝነበረት ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክትኣቱ ኣይተሸገረትን።

ብጽባቐኣን ኣቀራርብኣን ንብዙሓት ኢጣልያውያን ክትምስጥ ስለ ዝኸኣለት ድማ ኣብ ሲነማ ከም ተዋሳኢት ንኽትነጥፍ ዕድል ረኸበት።

ኣይጸንሐትን፡ ዘውዲ ኣብ ዓውዲ-ሲነማ ዓወታት ክትጓናጸፍ ጀመረት። እታ ቀዳመይቲ ዝተዋሰአትላ ዓባይ ፊልም ድማ - ቃል-ብቓሉ ምስ እንክትርጐም - "እታ ቆርበት ወርሒ ዘለዋ ጓል" (La ragazza dalla pelle di luna) - ምስ ተዘርግሐት ብዙሕ ሰብ ንዘውዲ ረኣያ።

ኣብ ኤርትራ ዋላ'ኳ ናይ ሲነማ ምርኣይ ባህሊ እንተ ነበረ ናይ ቺነማቶግራፊያ ባህሊ ስለ ዘይነበረ ህዝቢ ነቲ ዘውዲ ዝተዋስአቶ ፍቕራዊ ጠባይ ናይታ ፊልም ምስ ረኣየ ኣይተዋሕጠሉን። እቲ 'ታርዛን'፡ 'ማቺስተ'፡ ናይ 'ካውቦይ' ፊልምታት እናርአየ ዝዓበየ ሰብ ናይ ዘውዲ ፊልም ምስ ረኣየ ቀባሕባሕ በለ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ሰገጥ በለ፣ ንኸምኡ ዓይነት ፊልም ኣይተዳለወን ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኰይኑ ድማ ነቲ ቀዳድ-ነግሒ ጻዕራ ብቐርኑ ተቐበሎ።

እቲ ትልሚ ናይታ ፊልም ከምዚ ዝስዕብ ነበረ።

ሓዳር ናይ ኣልበርቶ ዝተባህለ መሃንድስን ሄለን ዝተባህለት ሰኣሊትን ኣማስይኡ ኣብ ፈተነ ምስ ወደቐ ክልቲኦም ሓቢሮም ንኽዛነዩ ናብ ሲሸልስ ዝተባህለ ሃገር ምስ ገሹ ንሓንቲ ሲሞዋ (ዘውዲ ምዃና'ዩ) ዝተባህለት 'ጓል ኣባት' ይረኽቡ'ሞ ኣብ ፍቕርን ጥልመትን ዝተመርኰሰ ርክባት ይፍጠሩ። እቲ ትልሚ ኤሮሳይ ኰይኑ (ብጾታዊ ርክባት ዝተሰነየ) እቲ ፊልም ኣብ ኣስመራ ምስ ተራእየ ኣከራኻሪ ዛዕባ ከም ዝፈጠረ ብዙሓት ይዝክርዎ።

"ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ከም ሓንቲ ኮኾብ እኳ እንተ ተሰምየት ኣብ ኤርትራ ግን ከምኡ ኣይነበረን"

ዘውዲ ክሳብ 1987 ኣብ ትሽዓተ ፊልምታት ተዋሲኣ'ያ። ከምኡ'ውን ብዛዕብኣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዛንታታት፡ ቃለ-መሕትታት፡ ኣሳእል፡ ነዋሕትን ሓጸርትን ሓተታታት ቀሪቦም'ዮም። ብሓጺሩ፡ ኣብ 1970'ታትን 1980'ታትን ሓንቲ ካብ'ተን ብሉጻት ተዋሳእቲ ጣልያን ብምዃን ዓቢ ቈላሕታ ረኺባ'ያ።

እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኵነታት ተመሊስካ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ሰባት ንዘውዲ ዝዀነን ዘይኰነን ሓዋዊሶም ኣስማት ከውጽኡላ'ኳ እንተ ፈተኑ፡ ንሳ ግን ከይተጨነቐት ስርሓ ቀጸለት፣ ካልኣይን ሳልሳይን ፊልምታት ድማ ወሰኸትሉ።

እቲ ኣካይዳ ዘውዲ ኣብ ግዳም ንቡርን ቅቡልን ይንበር እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ማሕለኻታት ይበዝሖ ከም ዝነበረ ባዕላ እትገልጾ እዩ።

እንተ ዘውዲ ግን ጽንዕትን ኣእምሮኣ ብዝበላ ትኸይድን ስለ ዝነበረት ብስርሓ ዓወታት ተጐናጸፈት። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስድርኣ ዝወረደ ጸቕጢ ኣጸቢቑ ከም ዝሃሰያ፡ ዘውዲ ባዕላ ምስ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ብሓዘን ገሊጻቶ ኣላ።

ሓደ እዋን፡ ብ2015 ምዃኑ'ዩ፡ ኣብ ሓደ ጋዜጣ ጣልያን በቶም ዝሰርሓቶም ፊልምታት ክትዛረብ ከላ፡ "ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ከም ሓንቲ ኮኾብ ክስመ ኣብ ሃገረይ ግን ውርደት ኣሰንዩኒ፡" ክትብል ኣግሂዳ ተዛረበት።

ዘውዲ ኣበይ ትነብር ነይራ?

ዘውዲ ብዕድመ ደፊኣ ክሳብ ዕለተ ሞታ ብጽብቕታ ኣብ ከተማ ሮማ ትነብር ነይራ።

ከምሰባ ኣብ ህይወታ ብሓጐጽጐጽን ላዕልን ታሕትን እያ ተጓዒዛ። እቲ ኣዝያ እተፍቅሮ ዝነበረት፡ ብ1983 ዝተመርዓወቶ ፍራንኮ ክሪስታልዲ ዝበሃል ኣብ ናይ ፊልም-ስርሓት ዝነጥፍ ዝነበረ ህቡብ ሰብኣያ፡ ብ1992 ካብዛ ዓለም ምስ ተፈልየ ብዙሕ ሓዘነት።

ብ1994 ካብ'ዚ ሕጂ ዘሎ ብጻያ (ማሲሞ ስፓኖ) ዝወለደቶ ሚካኤላንጀሎ ዝበሃል ወዲ ኣለዋ።

ዘውዲ ብዓል ቤታ ፍራንኮ ክሪስታልዲ ምስ ሞተ ምውሳእ ገዲፋ ፊልም ኣብ ምፍራይ ሰገረት። ብመጠኑ ከኣ ተዓወተት።

ዘውዲ ኣርኣያ፡ ብመጠኑ እውን እንተዀነ ንኤርትራ ኣብ ወጻኢ ከም እትፍለጥ ገይራ'ያ።

እቲ ናይ ምዕራባውያን ዝነበረ ዓውዲ-ሲነማ ማዕጾኡ ብምርሓው ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ነቲ ስራሕ ከም እትበቕዖ ኣመስኪራ፣ ብዝከኣላ መጠን መልክዓን ክእለታን ተጠቂማ ኣብቲ ሰፊሕ ውድድር ዘለዎ ጽንኩር ዓውዲ ኣትያ ተቓሊሳ'ያ።

ዳሕራይ ከም ኣቕራቢት ፊልም ኰይና ሓርኰትኰት ብምባል ኣብ ዓለም ብዙሕ ኣበርኪታ ካብዛ ዓለም ተሰናበተት።