እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ ቃንዛ ርእሲ ንምውጋድ ሓሙሽተ ዝበለጹ ሜላታት
ሰብ ሞያ ጥዕና ቃንዛ ርእሲ ንምውጋድ ዝሕግዙ ዝበለጹ ሓሙሽተ ሜላታት ኢሎም ዝገለጽዎም ናባኹም ከነብሎም።
ሰባት ብድሕሪት ኣብ ታሕተዋይ ሸነክ ሽክንኦም ብተደጋጋሚ ቃንዛ ከም ዝስምዖም ክገልጹ ኣጋጢመምኹም ይዀኑ'ዮም፡ ወይ'ውን ንዓኹም'ውን ኣጓኒፍኩም ይኸውን'ዩ።
እዚ ቃንዛ'ዚ መበገሲኡ ኣብ ርእስና ወይ ኣብ ሽክናና ኣይኮነን።
ዋላ ደኣ እቲ ቃንዛ ኣብቲ ዳሕረይ ሸነኽ ሽክናና ዝርከብ ዓጽሚ ይሰምዓና'ምበር፡ ነዚ ቃንዛ እዚ መበገሲ ዝዀኑ ብስነፍልጠታዊ ስያመኦም 'ሳብኦሲፕታል' ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓያለ ንኣሽቱ መትንታት'ዮም።
ሳብኦሲፕታል ንርእስና ናብ ድላይና ከነንቀሳቐሳ ዝሕግዙ መትንታት'ዮም።
እዞም መትንትታት እዚኦም ምስ ዝውጠሩ ወይ ልዕሊ ዓቐን ስራሕ ምስ ዝበዝሖም ግን ኣብ ርእስና ወይ ክሳድና ብርቱዕ ቃንዛ ንኽስምዓና ክድርኹ ይኽእሉ'ዮም።
ስለዚ ከምዚ ዓይነት ቃንዛ ንምውጋድ እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና ኢልኩም ክትሓቱ ከኣ ንቡር'ዩ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሃብዎ ነዚ ከምዚ ዓይነት ቃንዛ ንምውጋድ ክንክተሎ ዘለና ሓሙሽተ ዝበለጸ ዝበልዎ ሜላታት ኣሎ ናብኡ ከነብል።
1. ኣቃውማ
ኣብ ሓደ መንበር ንነዊሕ ሰዓታት ኣቃውማኻ ከይቀየርካ ኮፍ ምባል ኣብ ልዕሊ እዞም መትንታት ውጥረት ይፈጥር'ዩ።
እዚ ከኣ ንቓንዛ ርእስን ክሳድን የቃልዓና፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ክሳብ ሕቖና ዝኸይድ ቃንዛ የስዕበልና።
ስለዚ ኮፍ ክንብል እንከለና ርእስና ምስ ዓንዲ ሕቖና ትኽ ኣቢሉ ኮፍ ከብለና ዝኽእል መንበር ክህልወና ኣለዎ፡ ብተወሳኺ ጣውላና'ውን ዝያዳ ንኽንግተር ዝድርኽ ብራኸ ወይ ድንን ንኽንብል ዘገድድ ምትሓት ክህልዎ የብሉን።
እቲ ጣውላን ኮፍ ምስ ምስ በልና ማዕረ ኵርናዕ ኢድና'ዩ ክኸውን ዘለዎ።
2. ኣደቓቕሳ
ከም ግቡእ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ን8 ሰዓታት ክድቅስ ኣለዎ።
ስለዚ ሸሞንተ ሰዓታት እንድቅሰሉ ዓራት ይኹን መተርኣስን ፍርናሽን ምችኡነቶም ምስ ጥዕናና ክተኣሳሰር ንቡር'ዩ።
ካብዚ ብምብጋስ ሰብ ሞያ ጥዕና ምስ ዓቐን ክሳድናን ርእስናን ዘይሳነ መተርኣስ ቃንዛ ርእሲ ከስዕበልና ከምዝኽእል'ዮም ዝሕብሩ።
ብየማንይ ወይ ብጸጋማይ ጎንና ምስ እንድቅስ፡ እቲ መተርኣስ ምስ ደቀስና ልክዕ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክሳድናን ርእስናን ዘሎ ዕሙቕ ዝበለ ቅርጺ ሓቊፉ ክሕዞ ከምዘሎዎ'ዮም ሰብ ሞያ ዝመኽሩ።
ብሕቖና ምስ እንድቅስ ከኣ፡ ብተመሳሊ ኮንቶርድ ዝበሃል ዓይንተ መተርኣስ [ኣብ ማእከሉ ጥልቕ ዝበለ ንዳሕረዋይ ሸንኽ ክሳድና ሓቒፉ ክሕዝ ዝኽእል ቅርጺ ዘለዎ መተርኣስ] ተመራጺ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
እቲ ዝበለጸ ግን ኣየናይ ዓይነት ኣደቓቕሳን መተርኣስን'ዩ ንግሆ ክንበራበር እንከለና ቃንዛ ርእሲ፡ ሕቖን ክሳድን ዘይፈጥረልና ኢልና ብግቡእ ከነላልዩ'ዩ ዝመዓድ።
3. ምውስውዋስ ኣካላት
ቀለልቲ ዝመስሉ ግን ከኣ ቃንዛ ርእሲ ንምፍዋስን ንምውጋድን ወሰንቲ ዝኾኑ ምውስዋስ ኣካላት ከምዘለዉ'ዮም ሰብ ሞያ ዝምዕዱ።
ንኣብነት ንመንከስና ቀስ ኣቢልና ናብ ከባቢ ኣፍ ልብና ክሳብ ኣብ ሕቖና መውጣር ዝስምዓና ንሓሙሽተ ካልኢት መጢጥና ምሓስ ቃንዛ ርእሲ ንምፍዋስ ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ።
እዚ ነቶም ሳብኦሲፕታል ዝብሃሉ መትንታት ብማዕረ ሚዛን ከምዝሰርሑ ንምግባርን ዑደት ደም ብስሩዕ ንኽውሕዝን ይሕግዞ'ዩ።
ብተወሳኺ ንክሳድና ቀስ እናበልና ንየማንን ንጸጋምን ክሳብ እቲ ክጥወዮ ዝኽእል ምጥዋይ'ውን ቃንዛ ርእሲ ኣብ ምውጋድ ርኡይ ግደ'ዩ ዘለዎ።
4. ምድራዝ (ማሳጅ)
መጠናዊ ሓይሊ ዘለዎ ምድራዝ ወይ ማሳጅ ምግባር ቃንዛ ርእሲ ኣብ ምፍዋስ ወይ ኣብ ምውጋድ ተራ ከምዘለዎ'ዮም ሰብ ሞያ ዝምዕዱ።
ክሳድና ወይ ርእስና ኣብ እንደርዘሉ ብኣእዳውና ወይ ብናይ ቴኒስ ኩዕሶ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።
እቲ ንምድራዝ እንጥቀሞ ሓይሊ ግን መጠናዊ ክኸውን ኣለዎ።
ንሽክናና ወይ ብድሕሪት ኣብ ልዕሊ ክሳድና ንዘሎ ክፋል ምድራዝ ንዘለና ቃንዛ ርእሲ ከጕድሎን ኣብ መትንታት 'ሳብኦሲፕታል' ንዘሎ ውጥረት ከፍኵሶን ይኽእል'ዩ።
እዚ ከኣ ናብ ሓንጎልና እኹል ደም ንክኸይድ ስለ ዝሕግዝ ፍስሃ የዕስለልና።
5. ዕረፍቲ
ስራሕና ንነዊሕ ሰዓታት ኮፍ ኢልና ክንሰርሕ ዘገድደና እንተኾይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ካብ መንበርና ብምትሳእ ኣካላትና ኣንቀሳቒስና ተመሊስና ኣተዓራሪና ኮፍ ምባል'ውን ሓጋዚ'ዩ።
ቍረብ ምንቅስቓስ ነዞም 'ሳብኦሲፕታል' ዝበሃሉ መትንታት ካብ ውጥረት ከገላግሎም ይኽእል'ዩ። በዚ ከኣ ንሕና'ውን ካብ ቃንዛ ርእሲ ንገላገል።
ኣብ ኮፍ ኣባህላና፡ ኣብ ኣደቓቕሳናን ምንቅስቓስናን ንእሽቶ ለውጢ ምግባር ኣብ ቃንዛ ርእሲ ዓቢ ፍልልይ'ዩ ዝፈጥር።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሙሽተ ቀለልቲ ሜላታት ተጠቒምና ቃንዛ ርእሲ ክገድፈና ምስ ዘይክእል ግን እቲ ጠንቂ ካልእ ክኸውን ስለ ዝኽእል ናብ ሕክምና ምኻድ ተመራጺ'ዩ።