ኣብ መርበብ ሓበሬታ መርዛም ኬሚካላት ዝሸይጥ ዝነበረ ውልቀሰብ ገበኑ ተኣሚኑ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ካናዳ ኣብ መርበብ ሓበሬታ (ኦንላይን) መርዛም ኬሚካላት ብምሻጥ፡ ንሰባት ርእሰ-ቕትለት ከካይዱ "ክሕግዞም" ዝጸንሐ ሓደ ሰብኣይ ብ14 ክስታት ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።

እቲ ወዲ 60 ዓመት ኬነዝ ሎው ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ብመሰረት ምስ ዓቀብቲ ሕጊ ዝገበሮ ምርድዳእ፡ እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ዝነበረ ናይ ቅትለት ገበን ክሲ ምስ ተላዓለሉ፡ ኣብ ቤትፍርዲ ኦንታሪዮ ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ ኣሎ።

ሰበስልጣን ከም ዝገለጹዎ፡ እዚ ቀደም ከሻኒ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸቦም ናይ ርእሰ-ቅትለት መድረኻት፡ ኣስታት 1,200 ዝዀኑ መርዛም ኬሚካላት ናብ 40 ሃገራት ልኢኹ፣ ሲሶ ካብኡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከ ነይሩ።

እቶም ክስታት ኵሎም ምስቶም ኣብ ካናዳ ዝሞቱ ግዳያት ዝተተሓሓዙ እዮም።

ይዅን'ምበር፡ ስድራቤታት ናይቶም ብሪጣናውያን ግዳያት፡ ብሰንኪ እቲ ንሱ ዘቕረቦ ፍርያት 79 ብሪጣናውያን ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ገሊጾም ክንሶም፡ ዓቀብቲ ሕጊ ዓዲ እንግሊዝ ንሎው ብገበን ክኸሱዎ ብዘይምኽኣሎም ከም ዝተቘጥዑ ገሊጾም።

ትካል ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር (CPS) ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ካናዳ ዝተገብረ ናይ ስምምዕ ክሲ፡ ነቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተፈጸመ ሞት'ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ፍርዲ ክወሃቦ ዝገብር እዩ።

ካብቲ ትካል ዝተላእከን ቢቢሲ ዝረኣዮን ደብዳበ ከም ዘነጽሮ፡ ሎው ኣብ ካናዳ ተመሳሳሊ ገበን ስለ ዝተፈርዶን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምስጋር መስርሕ ክቃወሞ ስለ ዝኽእልን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክሲ ኣይክምስረተሉን እዩ።

ፍሉይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ትካል ኣንድሩ ሁድሰን ከም ዝበሎ፡ ነቶም ናይ ዓዲ እንግሊዝ ግዳያት ኣብቲ ናይ ካናዳ መስርሕ ፍርዲ ምእታዎም፡ ፍትሒ ንምርካብ እቲ "እዋናውን ኣድማዕን መንገዲ እዩ፡" ኢሉ።

ሁድሰን ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ነቲ ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ መስርሕ ዕውት ብዛዕባ ክዀነሉ ዝኽእል "ርግጸኛታት ኣይኰንናን፣ ዓመታት'ውን ምወሰደ ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር ዝዀነ ክሲ ድማ "ብኽልተ ሳዕ ናይ ዘይምኽሳስ ሕጊ (double jeopardy) ክዕገት ይኽእል ነይሩ እዩ፡" ክብል ኣብሪሁ።

ሓደ ካብቶም ግዳያት ሎው ዝዀነ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ኣብ ኦንታሪዮ ዝቕመጥ ዝነበረ መንእሰይ ኣሽቲን ፕሮሰር-ብሌክ፡ ኣብ መጋቢት 2023 እዩ ብርእሰ-ቕትለት ህይወቱ ኣሕሊፉ።

ኣደኡ ኪም ፕሮሰር ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ፡ "ንሱ ኣዝዩ ሕጉስን ርህሩህን ሰብ እዩ ነይሩ፤ ኵሉ ግዜ ነቶም ዝበደሉን ዝድንደኑን ቈልዑ ይጣበቐሎም ነይሩ፡" ኢላ።

ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ፡ ጥዕና ኣእምሮኡ እናበኣሰ ከይዱ፤ ኣብ ቶሮንቶ ንሓደ ዓመት ኣብ ኮሌጅ ምስ ተማህረ ድማ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ናብ ቤቱ ተመሊሱ፣ "እናተቓለሰ" ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ርእሰ-ቕትለት ፈጺሙ።

ተቐማጢ ዓዲ እንግሊዝ ዴቪድ ፓርፌት ዝተባህለ ኣቦ፡ እቲ ወዲ 22 ዓመት ዝነበረ ወዱ ቶማስ፡ ነቲ ሎው ዝሸጠሉ መርዛም ነገር ከም ዝተጠቕመሉ ገሊጹ።

"ቶም ኣብ ህይወት ሓጐስ ዝርኣዮ ሰብ እዩ ነይሩ። ዋንጫ ዓለም 2026 ምስኡ ኰይነ ክዕዘብ ዘይክእል ምዃነይ ሕማቕ ይስምዓኒ፡" ኢሉ።

ቶም ነቲ መርዛም ነገር 50 ፓውንድ ከፊልሉ፤ ሬሳኡ ድማ ኣብ 2021 ኣብ ሓደ ሆቴል ተረኺቡ።

ፓርፌት፡ ሎው "ገበኑ ምእማኑ" ጽቡቕ እኳ እንተዀነ፡ ገና ግን "ዘሕዝን ኣጋጣሚ" ምዃኑ ገሊጹ።

"ኬነዝ ሎው ኣብዚ (ኣብ ዓዲ እንግሊዝ) ክፍረድ ምደለኹ ነይረ፤ ኣብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ምስ ሞት ወደይ ተተሓሒዙ ክምልስ ክርእዮ ምደለኹ፡" ኢሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ፓርፌት፡ ሰበ-ስልጣን ነዚ ጉዳይ'ዚ ተረዲኦም ስድራቤታት ፍቱዋቶም ነብሶም ከየጥፍኡ ክዓግቱዎም ህዝባዊ መርመራ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሓሳብና ምስቶም ኣብዚ ጉዳይ'ዚ መቕርቦም ዝሰኣኑ ስድራቤታትን ፈተውትን እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።

"ምስ ኣካላት ፈጸምቲ ሕጊ ብምስራሕ፡ እቶም መርዛማት ነገራት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይኣትዉ ንምዕጋት ንሰርሕ ኣለና።"

ሎው ኣብ ግንቦት 2023 እዩ ተታሒዙ፣ እዚ ድማ ብውሑዱ ብ11 ኣካላት ፈጸምቲ ሕግን ካብ 12 ሃገራት (ዓዲ እንግሊዝ፡ ኢጣልያን ኣመሪካን ሓዊስካ) ዝመጽኡ መርመርትን ድሕሪ ዝተገብረ ዝተሓላለኸ መርመራ ዝሰዓበ እዩ።

ሓደ ጋዜጠኛ ከም ዓሚል መሲሉ ምስ ሎው ብቐጥታ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ሎው ንመንእሰያት መርዚ ይሸጥ ከም ዘሎ ኣብ ጋዜጣ ታይምስ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ ኣቓልቦ ረኺቡ።

ሎው ነቲ ጋዜጠኛ፡ "ብኸመይ መንገዲ እንተ ተጠቂምሉ ብዝበለጸ ክቐትሎ ከም ዝኽእል፡" ምኽሪ ሂቡዎ ነይሩ።

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ገበን ካናዳ፡ ብሓገዝ ርእሰ-ቕትለት ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ሰብ፡ ክሳዕ 14 ዓመት ማእሰርቲ ክብየነሉ ይኽእል እዩ።

መስርሕ ፍርዲ ሎው ካብ መስከረም 23 ጀሚሩ ንሰሙናት ክቕጽል እዩ።