እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘውዲ ኣርኣያ: እታ ኣብ 70ታት ኣብ ጥልያን ዘንጸባረቐት ኤርትራዊት ኮኾብ
- Author, ጋዜጠኛ ቢቢሲ
- Published
- ንባብ: 3 ደቓይቕ
ንዘውዲ ኣርኣያ፡ ኣብ 2001 ኣብ ሮማ ኢጣልያ ቤት ጽሕፈታ ከይደ ቃለ-መሕትት ከካይደላን ዕድል ረኺበ ነይረ። ኣብቲ እዋን ኣብ ጥልያን ኣምባሳደር ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር ጸጋይ መጐስ፡ ምስ ዘውዲ ናይ ቀረባ ሌላ ስለ ዝነበሮ፡ ንሱ እዩ ነቲ ዕድል ኣመቻቺኡለይ።
ኣምባሳደር ጸጋይ ሓላፍነት ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ምርካቡ፡ ነቶም ኣብ ጥልያን ዝነብሩ ዓቕሚ ዘለዎም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራ ሃብታማት ኢጣልያውያንን፡ ንኤርትራ ከይዶም ናይ ወፍሪ ዕድላት ክድህስሱን ከተባብዕን ጀሚሩ ነይሩ። ንዘውዲ ኣርኣያ እውን ናብ ዓዳ ክትከይድ ኣእሚኑ፡ ናይ ምብጻሕ መደብ ኣዳለወላ።
ኣብ ኢጣልያ ጋሻ ስለ ዝነበርኩ፡ ምስ ሓደ ቋንቋ ጥልያን ዝዛረብ ሓው ብኣውቶቡስን ትራምን ተጓዒዝና ናብ ቤት ጽሕፈት ዘውዲ ኣርኣያ ኣተና።
ድሕሪ ሓጺር ሰላምታ ኖትቡክን ቢሮን ካሜራን ሒዘ ንቓለ-መሕትት ተዳለኹ። እታ ብዓበይቲ ካሜራታትን ስሙያት ኣህጉራውያን ጋዜጠኛታትን ክትሕተት ዝለመደት ዘውዲ፡ ነቲ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ትሕዝቶ ብትሕትና እያ ተቐቢላቶ።
ኣብ ቃለ-መሕትትና ብዛዕባ ድሕረ-ባይታኣ፡ ኣተዓባብያኣን ትምህርታን፡ ብኸመይን መዓስን ናብ ስነ ጥበብ ዓለም ከም ዝኣተወት፡ ብዛዕባ እታ ፈለማ ዝሰርሓታ ፊልምን ዘጋጠማ ብደሆታትን ብሰፊሑ ኣዕለልና።
ብፍላይ ድሕሪ እታ "La ragazza dalla pelle di luna" ዘርእስታ ቀዳመይቲ ፊልም ካብ ወለዳን ሕብረተሰብ ኤርትራን ዘጋጠማ ጸቕጥታት ብዝርዝር ኣዘንትያትለይ። ንተዋሳእቲ ሃገርና ዘለዋ ምኽሪ ሓቲተያ ነይረ።
ንተሞኩሮኣ ምርኩስ ብምግባር፡ ውሽጣዊ ድሌትን ቀጻሊ ትምህርትን ከምዘድሊ ሓቢራትኒ።
እቲ ቃለ መሕትት ከኣ ኣብታ ብምኽንያት 10ይ ዓመት ናጽነት ዝተሓተመት መጽሔት ተሓቲሙ ናብ ህዝቢ ተዘርገሐ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ምስቲ ኣቦ ወዳ ሚከላንጀሎ (Michelangelo) እውን ተላለየ። ሽዑ እቲ ምልኩዕ ፍቱው ወዳ ወዲ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመት ኣቢሉ ነይሩ።
ዘውዲ "እዚ ኣቦ ወደይ እዩ፡ ሰላም በሎ" ክትብል ምስ ኣቦ ወዳ ኣላልያትኒ።
"ንሱ ድዩ በዓል ቤትኪ?" ዝብል ሕቶ ምስ ኣስዓብኩላ፡ እናሰሓቐት፡ "ኖ ኣቦ ወደይ እዩ፤ ኣይተመርዓናን፡ ክምርዓዎ እውን መደብ የብለይን" ክትብል መሊሳትለይ።
ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝመረጸት ምስ ሓተትኩዋ ከኣ፡ "ድሕሪ ቀዳማይ በዓል ቤተይ (ፍራንኮ ክሪስታሊዲ) ካልእ ሰብ ክምርዖ መደብ የብለይን፤ ግን ምስ ኣቦ ወደይ ብሓባር ኢና ንነብር" ኢላትኒ።
ከምኡ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ንቡር ምዃኑ ዳሕራይ እየ ፈሊጠ። ምናልባት ነቲ ብሞት ዝተፈልያ በዓል ቤታ ጽኑዕ እምነት ዘለዋ ኰይኑ ተሰመዓኒ። ሎሚ ድሕሪ 25 ዓመታት፡ እቲ ሽዑ ዝረኣኹዎ ህጻን ሚከላንጀሎ፡ ሕልፈት ወላዲቱ ንህዝቢ ክሕብር ከሎ፡ እቲ ናይ ሽዑ ተዘክሮታት እንደገና ኣብ ኣእምሮይ ተቐልቀለ።
ኣብ 70ታት፡ ስነ-ጥበብ ጥልያን ብፊልም፡ ሙዚቃን ትያትርን ዝዓንበበሉ ወርቃዊ እዋን ነበረ። ዘውዲ ኣብቲ እዋን እቲ ናብ ኢንዱስትሩ ፊልም ምእታዋ ከም ዓቢ ዕድል እያ ትቆጽሮ። ኣብ ዝርርብና "ዕድል ወሳኒ እዩ" ብምባል፡ ዕድል ማለት ነቲ ብኣጋጣሚ እትረኽቦ ዕደላት ብብቕዓትን ክእለትን ናብ ረብሓኻ ምቕያር ምዃኑ ገሊጻትለይ።
ዘውዲ ምቕልልትን ሰሓቒትን እያ። ብዝናኣን ሃብታን እትዕበ ሰብ ኣይነበረትን፤ ነፍሰ-ወከፍ ዝርርባ ድማ ብፍሕሹው ገጽን ብሰሓቕን ዝተሰነየ ነይሩ።
ህይወት ታሪኽ ዘውዲ ብሓጺሩ
ታሪኽ ዘውዲ ካብ ደቀምሓረ እዩ ዝጅምር።
ኣብ ኣስመራ፡ ቤት ትምህርቲ ጥልያን "ቦተጎ" ኣብ መንጎ 40 ደቂ ተባዕትዮ ምስ ሓንቲ ኢጣልያዊት መሓዛኣ ኢንጂነሪንግ እናጽንዐት፡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቁንጅና ውድድር ተዓዊታ ናብ ኢጣልያ ዘግሻን ዝመልሳን ቲኬት ረኺባ ናብ ጥልያን በረረት።
ኣብ ሮማ ምስ ሓዋ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ እናተደረሩ፡ ሓደ ናይ ፊልም ፕሮድዩሰር ረኺቡ፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ድርሰታቱ ንዓኣ እትመስል ጠባይ ስለዘላ ፍቓደኛ እንተዀይና ምስኡ ክትሰርሕ ሓተታ። ሓዋ ስለ ዘተባብዓ ድማ ፈተነ ቀረጻ (screen test) ገይራ፡ ከይሓሰበቶ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ናብ ዘሕደረላ ስነ-ጥበብ ዓለም ተጸምበረት።
ገና ኣብ ኤርትራ እንከላ ብሰንኪ ትምህርታ ምስ ቋንቋን ባህልን ጥልያን ሌላ ስለ ዝነበራ፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ንምውህሃድ ኣይተጸገመትን። ምስ ከም በዓል ፓኦሎ ቪላጆ፡ ጆኒ ዶረሊን ማርቸሎ ማስቶሮያኒን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣክተራት ድማ ክትሰርሕ በቕዐት።
ኣብ ኢጣልያን ዓለምን ተፈላጥነታ ክዓቢ እንከሎ፡ ስድራቤታን ግን ነቲ ዝሰርሓቶ ፊልም ብሕጉስ መንፈስ ኣይተቐበልዎን። እታ ቀዳመይቲ ፊልማ "La ragazza dalla pelle di luna" ምስ ተዘርገሐት፡ ኣብ ደቀምሓረ ዝነበሩ ወለዳ ካብቲ ሕብረተሰብ ብዝመጾም ጸቕጥን ባህላዊ ነውጽን (cultural shock) ኣዝዮም ሓዘኑ።
ኣቦኣ እታ ፊልም ኣብታ ከተማ ንኸይትርአ፡ ኩሉ እቲ ዝተሓተመ ቲኬት ብምዕዳግ ንህዝቢ ከይርአ ዓገትዎ። ዘውዲ ምስ ኣቦኣ ከይተዓረቐት ብምዕራፉ፡ ሽዑ እውን እንተዀነ ከቢድ ጓሂ ከምዝስመዓ ገሊጻትለይ ነይራ።
ዘውዲ ኣርኣያ ተዋሳኢት ጥራይ ኣይኮነትን ነይራ፡ ድሕሪ ሞት በዓል ቤታ ፍራንኮ ክሪስታሊዲ፡ ነቲ ናይ ምፍራይ ፊልም ስራሓቱ ተረኪባ ምስ ዝተፈላለያ ትካላት ሚድያ ዓለም ብምስራሕ ኣብቲ ጽንኩር ናይ ጥልያን ሲነማ፡ ኣብ ድሕሪ ካሜራ ንዘሎ ናይ ምምራሕን ምውሳንን ብደሆ ብብቕዓት ተካይዶ ነይራ።
ዘውዲ በቲ ሃገራዊ ሽልማት ዝረኸበትሉ ጽባቐን ቁንጅናን ኮነ ስምን ዝናን ኣይትዕበን እያ። ልዕሊ እቲ ግዳማዊ ጽባቐ ንውሽጣዊ ጽባቐን መንነትን እያ ተድንቕ፤ ብኡ ከኣ ትኾርዕ።
ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ዝና ደረጃ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እውን እንተዀነ፡ መንነታን መበቆላን ሓቢኣ ኣይትፈልጥን። ኣብ ዝኾነ መድረኽ "ኤርትራዊት እየ" ክትብል ብኩርዓት እያ ትዛረብ። እዚ ድማ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ዓቢ ናይ ሞራል ደገፍን ኣብነትን እዩ። ዘውዲ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ከም ድልድል ኮይና ዘገልገለት ምቕልልቲ ስነ ጥበባዊት እያ።
ዘውዲ ኣዝያ ርኽብቲ እኳ እንተኾነት ተራ ናብራ እያ ትነብር ነይራ።
ኣብ ግዜ ዕረፍታ ዕንበባታትን ኣታኽልትን ቀጽሪ ገዝኣ ትኹስኩስን ምስ እንስሳታታ ትዘናጋዕ ነይራ።
ብባህርኣ ከኣ ብሕትውና እትፈቱ ስቕተኛ እያ። ሰላምን ርግኣትን ምርካብ ከኣ ንዓኣ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ነገር እዩ።
ዘውዲ ኣብ ህይወታ ብዙሕ ብምስላጣ ንነብሳ ከም ዕድለኛ ትቖጽራ፤ ንዕሊ ኩሉ ግን ንፉዕ ውላድ ብምዕባያ ኣዝያ ትሕበን።
እታ ብ10 ለካቲት 1951 ኣብ ኤርትራ ተወሊዳን ዓብያን ኣብ ዓለም ልዑል ተቐባልነት ዘሕደረት ዘውዲ ኣርኣያ ብ24 ግንቦት 2026 ካብዛ ዓለም ብሞት ምስተፈልየት ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ንሕልፈታ ብሓዘን ይዛረባሉ ኣለዋ።
እዛ ካብ ደቀምሓረ ተበጊሳ ኣብ ሮማ ዝነገሰት፡ ብጽባቐ ጥራይ ዘይኮነስ ብትሕትናን ብጽንዓትን እትልለ ዘውዲ ታሪኻን ጉዕዞ ህይወታን ጻዕራን ተበላሓትነታን ንኹሉ ኤርትራዊ መንእሰይ "ተውህቦኻ ምስ ጽንዓት እንተወሃሂዱ ዶብ የብሉን" ዝብል ዓቢ ትምህርቲ ገዲፉ ኣሎ።