እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ብዘፍርሕ' መንገዲ ዝስፋፋሕ ዘሎ ኢቦላ፡ ኣብ ክልተ ሰሙኑ
ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኢቦላ "ኣዝዩ ዘሰክፍ" ኩነታት ከምዝፈጠረ፡ ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ሓካይም- ሜዲሲንስ ሳንስ ፍሮንቲርስ (MSF) ኣጠንቂቑ።
እቲ ለበዳ ካብ ዝእወጅ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ምክትል ዳይረክተር ኤምኤስኤፍ ዶክተር ኣላን ጎንዛለዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕጂ "ክንድዚ ዝኣክል ሕሙማት ኢቦላ ተራእዩ ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ንሱ ከምኡ ዝበለ፡ ምብፃሕ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብቲ ከባቢ ስዒቡ እዩ።
ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ናብ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ እትርከብ ግዝኣት ኢቱሪ፡ ብምብጻሕ፡ ዝግበሩ ዘለዉ ፃዕርታት ምዕጋት'ቲ ቫይረስ ተመልኪቱ ኣሎ።
ሕዚ ኣብ ዲ.ኣር ኮንጎ ልዕሊ 1000 ብኢቦላ ከምዝተለኽፉ ዝተጠርጠሩ ዀይኖም፡ ብውሕዱ 246 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለዉ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ዩጋንዳ፡ ትሽዓተ መልከፍትን ሓደ ሞትን ኣጋጢምዋ ኣሎ።
ጎንዛለዝ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ኣውራጃ ኢቱሪ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ካብ ዝእወጅ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ኰይኑ ኣሎ" ኢሉ።
"ቅድሚ ሕጂ ብለበዳ ኢቦላ ክንድዚ ዝኣክል ሕሙማት ተመዝጊቡ ኣይፈልጥን" ዝበለ ንሱ፡ ኣብ ባይታ ዘለዉ ጋንታቱ፡ "ክሳብ ሕጂ ነቲ ቅልጡፍ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ንምዕጋት ምላሽ ይህባ ከምዘለዋ" ተዛሪቡ።
"እቲ ዘሎ ክውንነት፡ ሓቀኛ ዝርገሐን ጽንኩርነትን ናይዚ ለበዳ ዝፈልጥ ሰብ የለን። መዓልታዊ ሓደስቲ ጥርጡራት ሕሙማት ይርከቡ ኣለዉ፤ ገና ኣማኢት ቅምሶታት ኣይተምርመሩን።"
ጎንዛለዝ ወሲኹ፡ ጻዕርታት ምዕጋትን ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝን፡ ብሰንኪ ምዕጻው ዶባትን መዓርፎ ነፈርትን፡ ይደናጐ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ብተደጋጋሚ ከምዘጠንቀቐዎ፡ ኣብ ዲ.ኣር ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ግጭት'ውን ንምላሽ ለበዳ ኢቦላ ብዓቢኡ ይዕንቅፎ ኣሎ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ ትማሊ ቀዳም ናብ ርእሰ ከተማ ኣውራጃ ኢቱሪ ቡንያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ንሱን ጋንትኡን "እቲ ምላሽ ከመይ ይኸይድ ከምዘሎን ክሕግዙ ዝኽእሉ መገድታት እንተሃልዮምን ንምርኣይ" ናብቲ ከባቢ ከምዝተጉዓዙ ገሊጹ።
ኣብ ማእከል እቲ ለበዳ ዝርከቡ ማሕበረሰባት፡ "ነቲ ጸገማት ብዝበለጸ ይርድእዎን መፍትሒኡ'ውን ይፈልጥዎን እዮም" ብምባል፡ ነቲ ሕማም ኣብ ምምካት ዝዓበየ ተራ ክጻወቱ ከምዝኽእሉ ኣተሓሳሲቡ።
ቴድሮስ፡ ብተወሳኺ ሰባት ኣብ ቀብሪ ፈተውቶም ከኽብሩ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝተረድአ ይዛረብ - ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
"ብኢቦላ ዝሞተ ሰብ፡ ኣካላት ምትንካፍ ሓዊሱ ዝተወሰኑ ተግባራት፡ ነቲ ቫይረስ ዝያዳ ከስፋሕፍሖ ይኽእል እዩ። በቶም ዝሰኣንናዮም ክንሓዝን እንከለና፡ ካልእ ከይንስእን ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኣለና፡ ኣብ ዑደት ሓዘን ክንኣቱ ኣይግባእን" ኢሉ።
ኣብ ቡንያ ግን መዓልታዊ ህይወት ብዓቢኡ ዘይተቐየረ ይመስል። ሰባት ምንቅስቓስ፣ ንግዲን ንቡር ንጥፈታቶምን ይቕጽሉ ኣለዉ።
ሓደ ካብቲ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ከይዱ ዝተመልከቶ- ኣብ ቡንያ ዝርከብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ምርምር ባዮሜዲካል ላቦራቶሪ ኮይኑ፡ ካብ ጥርጡራት ሕሙማት ኢቦላ ቅምሶታት ይምርመሩ ነይሮም።
ሰበስልጣን ጥዕና እቲ ከባቢ ሕጂ እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ውፅኢት ፡ መርመራ ክፈልጥ ብምኽኣሉ፡ ጥርጡራት ብቕልጡፍ ከለልዩን ሕክምና ክጅምሩን ይሕግዞም ከምዘሎ ይገልጹ።
ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ቅምሶታት ልዕሊ 1500 ኪሎ ሜተር ናብ ርእሰ ከተማ ዲ.ሪ.ኮንጎ ኪንሻሳ ክጓዓዙ ስለዝግደዱ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ህይወት ሰባት ከጥፍእን እቲ ቫይረስ ዝያዳ ክላባዕ ከምዘኸአሎ ይዛረቡ።
እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ሰበስልጣን ጥዕና ብራዚል፡ ኣብ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ፡ ብሕማም ኢቦላ ዝተጠርጠረ ሰብ ይምርምሩ ከምዘለዉ ብሰንበት ገሊጾም።
ማዕከናት ዜና ብራዚል ከም ዝሕብሮ፡ ሓደ ወዲ 37 ዓመት - ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዲ.ኣር ኮንጎ ዝተመልሰ - ሕጂ ኣብ ማእከል ተላባዒ ሕማማት ተነፂሉ ተወሺቡ ይርከብ።
እዚ ብፍጥነት ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ፡ ብቡንዲቡግዮ ብዝብል ዝፍለጥ ዓይነት ኢቦላ ኰይኑ፡ ዛጊድ ክታበት ኣይተረኽበሉን፡ ኣስታት ሲሶ ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ይቐትል።
ቫይረሳት ኢቦላ ከም ንቡር ንእንስሳታት፡ ብተለምዶ ንፍረታት ዝምገቡ መንካዕ እዩ ዘጥቅዕ፡፤ ደቂ ሰባት ግን ሓደ ሓደ ግዜ በቲ ቫይረስ ንዝተለኽፉ ወይ እንስሳታት ፍረታት ምስ ዝበልዑ ወይ ምስ ዝትንክፉ ይተሓዙ።
ኢቦላ ምስ ፈሳሲ ኣካላት ናይ ሓደ ዝተለኽፈ ሰብ ብቐጥታ ብምርኻብ ዝላባዕ ኮይኑ፡ ደም፣ ተምላስ፣ ምራቕ፣ ሽንቲ፣ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ረሃጽን ይርከብዎም።
ከምኡ'ውን ብዝተበከሉ ነገራት ከም መርፍእ፡ ዓራት ወይ ክዳን ብምትንካፍ ክመሓላለፍ ይኽእል።