“ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ሰላማዊ መረፃ ከይካየድ ሓይልታት ኣዋፊሮም”- ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቶም "ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ እዮም’ ዝበሎም፡ ሰላማዊ መረፃ ከይካየድ “ተፃባእቲ ሓይልታት” ከም ዘዋፈሩ ገሊፁ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ትውልድ ዓዱ ዝዀነት ኣብ በሻሻ ድምፂ ድሕሪ ምሃቡ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ታሪኻዊ ፀላእቲ” ዝበሎም ሓይልታት፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ደሞክራስያዊ መረፃ ምክያድ ከ ምዘይከኣል ከእምኑና ፈቲኖም፡” ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ህዝቢ “ኣብ ኢትዮጵያ ክሃንፆ ብዛዕባ ዝደሊ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እንታይ ከም ዝገብር ንምውሳን መኸርቲ ኰነ ገሰፅቲ ኣየድልዮን፡” ብምባል፡ ሎሚ ንግሆ ድምፂ ክህብ ገስጊሱ ከም ዝወፅአ ተዛሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ መንነት እቶም 'ታሪኻዊ ፀላእቲ' ዝበሎም ሓይልታት ኣይጠቐሰን።
ካብ ሎሚ ንግሆ ጀሚሩ ድምፂ ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ፣ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ እውን ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ በሻሻ ድምፁ ሂቡ።
እቲ ሃገራዊ ቦርድ ኣብዚ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራፅቲ ከም ዝተመዝገቡን፡ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ኣብቲ መረፃ ከም ዝሳተፉን ኣፍሊጡ።
ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተዓዘብቲ፡ እቲ መረፃ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ክዕዘቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።