ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋር ሰባትን ደው ከተብል ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሩ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብግዲ ምስዋር ዜጋታትን ብዘይ ዝዀነ ተሓታትነት ይቕጽል ምህላዉ ብምግላጽ፡ እዚ ተግባር'ዚ ብህጹጽ ደው ክብል ገለልተኛታት ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዖም።
እቶም ኣብ ጀነቫ ዝመደበሮም ክኢላታት፡ እዚ ስጕምቲ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘውረዶ ግህሰት ክገልጹ እንከለዉ፡ "ንልዕሊ 35 ዓመታት፡ ኤርትራውያን ብዘይ ዝዀነ ክስን ፍርድን ናይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ግዳይ ኰይኖም ጸኒሖም እዮም፡" ይብሉ።
እቶም እሱራት ምስ ስድራቤቶም ኰነ ምስ ሕጋውያን ተኸላኸልቶም ከይራኸቡ ሕጋዊ ዕቝባ ተኸልኪሎም ከም ዘለዉ ዘረድኡ እቶም ክኢላታት፡ "ደሃይን ኣድራሻን እቶም ናጽነቶም ዝተሓረሙ ሰባት ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፍለጥን። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቦምን ማሕበረሰቦምን ቀጻሊ ዝዀነ ስቓይን ጭንቀትን ፈጢሩ ይርከብ፡" ኢሎም።
ነዚ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዘስመርሉ ዘይባትኽ ስቓይ ስድራቤታት፡ ክልተኦም ወለዶም ብግዲ ዝተሰወሩዎም ዜጋታት ንቢቢሲ ብዘካፈልዎ መሪር ምስክርነት ብግህዶ የረጋግጽዎ።
ጓል ላዕለዋይ መራሒ ብረታዊ ቃልስን ምኒስተር ነበርን ጴጥሮስ ሰሎሞን ዝዀነት ሃና ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ ኣቦኣ ብ18 መስከረም 2001 ንኣካላዊ ምውስዋስ ምስ ወጽአ ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዱ ከም ዘይተመልሰ ትዝክር።
ኣደኣ ኣስቴር ዮሃንስ'ውን ኣብ ኣመሪካ ትምህርታ ወዲኣ ምስ ደቃ ንኽትጽንበር ናብ ሃገራ ክትምለስ ካብ ሰበስልጣን ውሕስነት ተዋሂብዋ ክነሱ፡ ብ11 ታሕሳስ 2003 ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ በጽሐት ብኡንብኡ ተኣሲራ ተሰዊራ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዛዕባ ክልተኦም ዝተሰምዐ ደሃይ የሎን።
ኣብ ኣመሪካ ከም ክኢላ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ (trauma specialist) ኰይና እትሰርሕ ሃና፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሰዓበ ጓሂ ክትገልጽ ከላ፡ "ሓድሓደ ግዜ ጸጥ ትብል'ሞ ኣብ ልዕሊ ማይ ትንሳፈፍ፡ ካልእ ግዜ ግን እቲ ሓዘን ከም ማዕበል ኰይኑ ይውሕጠካ'ሞ ኣብቲ ማዕሙቝ የጥሕለካ። ወለደይ ብህይወት ምህላዎም እኳ ኣይፈልጥን እየ፡" ትብል።
ብተመሳሳሊ፡ ወዲ እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ኣባላት ጕጅለ-15 ዝነበሩ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎን ኣስቴር ፍስሃጽዮንን ዝዀነ ኢብራሂም ማሕሙድ፡ ወዲ 15 ዓመት ከሎ ክልተኦም ወለዱ ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዶም ከም ዝተሰወሩ የዘንቱ።
ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድስ ብፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ ኢብራሂም፡ "ንዓይ 18 መስከረም 2001 ጸላም መዓልቲ እያ፡ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነትስ ንኤርትራን ህዝባን እውን ጸላም መዓልቲ እያ። ምኽንያቱ፡ ሕግን ደሞክራስን ዝተኣስረላ መዓልቲ ስለ ዝዀነት፡" ይብል።
ኣስዒቡ ድማ፡ "ከም ቤተሰብ መጠን፡ ብህይወት ኣለዉዶ የለዉን ክንገረና ይግባእ። መንግስቲ ነቲ ናይ ፖለቲካውያን እሱራት ዝኽሪ ፈጺሙ ክድምስሶ እዩ ዝደሊ፡" ክብል ሓሳቡ ገሊጹ።
ጉዳይ ቢትወደድ ኣብርሃ፡ መርኣያ ናይቲ ስእነት ፍትሒ

ምንጪ ስእሊ, MIRIAM BITEWEDED
እቶም ክኢላታት ኣብ መግለጺኦም ብፍላይ ነቲ ተጋዳላይ ናጽነት ኤርትራን ላዕለዋይ ብዓል-ስልጣን ነበርን ኣቶ ቢትወደድ ኣብርሃ ከም ፍሉይ መርኣያ ናይቲ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ኣልዒሎም ኣለዉ።
ኣቶ ቢትወደድ ንመጀመርታ ግዜ ብ6 ጥቅምቲ 1991 ካብ ዝእሰር ንደሓር፡ ድሕሪ 35 ዓመታት'ውን ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ ምህላዉ ተገሊጹ።
ካብ 1973 ክሳብ 1991 ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ብላዕለዋይ ማዕርግ ዝተኻፈለ ኣቶ ቢትወደድ፡ ድሕሪ ናጽነት ምክትል ኣመሓዳሪ ወደብ ዓሰብ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ንሱ ካብ ጥቅምቲ 1991 ክሳብ ታሕሳስ 1997 ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ዳግማይ ኣብ መጋቢት 1998 ተኣሲሩ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ "ወንጀል ምርመራ" ብዘይ ዝዀነ ክሲ ተዳጒኑ ይርከብ።
ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘረድእዎ፡ ጠንቂ ናይዚ ነዊሕ ማእሰርቲ፡ ኣቶ ቢትወደድ ምስቲ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)፡ ሕጂ ድማ ፕረዚደንት ኤርትራ ዝዀነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዝነበሮ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዝመንጨወ እዩ። ብፍላይ ምስ ኣጠቓቕማ ወደብ ዓሰብን ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዝምድናን ብዝተኣሳሰር፡ ቢትወደድ ነቐፌታኡ ብግህዶ የቕርብ ነይሩ።
ንኣብነት፡ ድሕሪ ናጽነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ወደብ ዓሰብ መሃያ ክኸፍል ምስ ተዳለወ፡ ቢትወደድ "ኤርትራ ናጻ ሃገር ብምዃና መሃያ ብኤርትራ እዩ ክሽፈን ዘለዎ፡" ብምባል፡ ክልተአን ሃገራት ከም ናጻ ኣካላት መጠን ብስሩዕ ፖለቲካውን ቍጠባውን መንገዲ ዝምድናአን ክሃንጻ ከም ዘለወን ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ርእይቶኡ ከም ተቓውሞ ተራእዩ ናብ ማእሰርቲ ከም ዘምርሐ ቅድሚ ሕጂ ዝወጽአ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ኣቶ ቢትወደድ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ በይናዊ ማእሰርቲ (solitary confinement) ክጸንሕ ከም ዝተገደደን፡ ብዘይ ዝዀነ ናይ መእሰሪ ትእዛዝ ተታሒዙ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከም ዘይፈልጥን ይፍለጥ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ እዋን ማእሰርቱ ብዛዕባ ኣድላይነት ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዘተኵራ ክልተ መጻሕፍቲ ብምጽሓፉ፡ ሰበስልጣን ንኽፈትሕዎ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ሰነዳት የረድኡ።
ጕጅለ ዕማም ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ውሳነ (Opinion No. 80/2018)፡ ማእሰርቲ ቢትወደድ ኣብርሃ ብመሰረት ኣድማሳዊ ኣዋጅ መሰል ወዲ-ሰብ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምውሳን፡ መንግስቲ ኤርትራ ብህጹጽ ክፍትሖን ዝግባእ ካሕሳ ክኸፍሎን ጸዊዑ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ማእሰርቲ መስከረም 2001፡ ጋዜጠኛታትን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታኡን
እቶም ክኢላታት ኣብ ጸብጻቦም፡ ካብ መስከረም 2001 ጀሚሩ "ጕጅለ-15" ብዝብል ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበርን ከም ብዓል ስዩም ጸሃየን ዳዊት ይስሓቕን ዝኣመሰሉ ጋዜጠኛታትን ተኣሲሮም፡ ደሃዮም ከይተፈልጠ ንልዕሊ 25 ዓመታት ከም ዝገበረ ኣዘኻኺሮም ኣለዉ።
እዚ ኣብ መስከረም 2001 ዝተራእየ ሰፊሕ ማእሰርቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታትን፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዶብ (1998–2000) ዝሰዓበ እዩ ነይሩ።
እቶም ሰበ-ስልጣን፡ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል፡ ሃገራዊ ምርጫታት ክካየድን ደሞክራስያዊ ምምሕያሻት ክመጽእን ብግህዶ ጠሊቦም ነይሮም።
መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ንዅለን ናጻ ጋዜጣታት ዓጽዩ፡ ነቶም ነቐፌታ ዘቕረቡ ሰበስልጣንን ጋዜጠኛታትን ድማ ብዘይ ፍርዲ ኣሲርዎም ይርከብ።
ካብቲ እዋን'ቲ ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ዝተረፈ ኰይኑ፡ ናጻ ባይቶ ይዅን ናጻ ኣካል ፍርዲ የሎን።
ምስዋር መራሕቲ ሃይማኖት
ብተመሳሳሊ፡ ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩን ብግዲ ዝተሰውሩን መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን ተጠቒሶም ኣለዉ።
ካብ 1991 ክሳብ 1997፡ ኣብ 2005–2006 ከምኡ'ውን ብ2013፡ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካን ሰሜናዊ ባሕሪን ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቝጸሩ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና፡ ዳኛ መሓመድ ማራነት፡ ኢማማት፡ መማህራንን መራሕቲ ማሕበረሰብን ብግዲ ከም ዝተሰውሩ ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ሸውዓተ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና፡ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝዀነ ክሲ ካብ ዝዀነ ርክብ ተገሊሎም ከም ዘለዉ ተገሊጹ፤ ንሳቶም ድማ ፓስተራት ሃይለ ናይዝጊ፡ ኪዳነ ወልዱ፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ሜሮን ገብረስላሴ፡ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብን ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስን እዮም።

ምንጪ ስእሊ, christiandaily
"ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል"
እቶም ክኢላታት ኣብ መግለጺኦም፡ እዚ ስርዓታዊ ተግባር ከቢድ ጥሕሰት ምዃኑ ብምግላጽ፡ "እዚ ብሰፊሑን ብስርዓትን ዝካየድ ዘሎ ነዊሕ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ብግዲ ምስዋርን ሃይማኖታዊ መስጐጕትን፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተባሂሉ ክቝጸር ይኽእል እዩ፡" ኢሎም።
በዚ መሰረት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ዅነት ብህጹጽ ክፍትሖም ጸዊዖም ኣለዉ።
እቶም ክኢላታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሰውሩ ዜጋታት ዘለዎ ግዴታ ከማልእ ብምጽዋዕ፡ "ሰብ-መዚ ኤርትራ ደሃይን ኣድራሻን ናይቶም ተሰዊሮም ዝተባህሉ ሰባት ክገልጹ፡ ስድራቤታትን ሕጋውያን ወከልቶምን ክረኽብዎም ከፍቅዱ፡ ተሓታትነት ንምርግጋጽን ግቡእ ስጕምቲ ካሕሳ ንምውሳድን ከኣ ናጻ፡ ዘይሻራውን ውጽኢታውን መርመራ ከካይዱ ይግባእ፡" ኢሎም።
እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተሰባት ወሪዱ ዘሎ ናይ ዘይምፍላጥ ጸልማት ደው ክብል ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ "ኣማኢት ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ናይ ዘይምርግጋእ ስቓይ ይነብሩ ኣለዉ። ንሳቶምን ብሓፈሻ ማሕበረሰብን ብዛዕባ ኣዝማዶም ዘሎ ሓቂ ናይ ምፍላጥ መሰል ኣለዎም፡" ክብሉ ኣረዲኦም።
እዚ ብክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ሓድሽ ጻውዒት፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ትካላት ክቐርብ ካብ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ውሳነታት ዝተፈልየ ኣይኰነን።
ኣብ 2015ን 2016ን፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘውጽኦ ታሪኻውያን ጸብጻባት፡ ኣብታ ሃገር ካብ 1991 ጀሚሩ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ምስዋር ሰባት፡ ስቓይን ግዱድ ዕዮን ሓዊሱ ሰፊሕ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝተፈጸመ ደምዲሙ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ'ውን ኣብ 2003ን 2007ን ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነታት፡ ማእሰርቲ ኣባላት ጕጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን ኣህጉራዊ ሕግታት ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምግላጽ ብህጹጽ ክፍትሑ።
ብዘይካ'ዚ፡ ከም ብዓል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሂውማን ራይትስ ዎች፡ ከምኡ'ውን ኮሚቴ ተጣባቒ ጋዜጠኛታት (CPJ) ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንማእሰርቲ እሱራት ሕልና ብቐጻሊ እናኰነኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ማእሰርቲ ብህጹጽ ከዐሪ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ቅዋም መንግስቲ ኤርትራ
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ብተደጋጋሚ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ዝወጽኡ ተመሳሰልቲ ጸብጻባት "ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎምን ልኡላውነት ሃገር ንምድኻም ዝዓለሙን፡" ብምባል ይነጽጎም እዩ።
ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ብፍላይ ምስቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበር ብዝተኣሳሰር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂታት፡ እቶም ውልቀሰባት ኣብ እዋን ኲናት ምስ ተጻባእቲ ሓይልታት ብምሻራኽ፡ "ሃገራዊ ድሕንነትን ልኡላውነትን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ክድዓት ፈጺሞም፡" ብምባል ክኸስዎም ጸኒሖም።
እዚ ሓድሽ ጻውዒት ዘቕረቡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ኣባላት ጕጅለ ዕዮ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ጕጅለ ዕማም ብግዲ ምስዋር ሰባትን እዮም።
እዞም ክኢላታት ብቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ኰይኖም፡ ብናጻን ወለንታን ዝሰርሑ ገለልተኛታት ሰብ-ሞያ እዮም።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
