ዝተኸርደኑ

ኣፍሪቃውያን እሱራት ኣብ ርሑቕ ኲናት

ተወሳኺ ትሕዝቶ ንምርኣይ ንላዕሊ ስሓቡ

ካብ ኮንጎ-ብራዛቪል ዝመጽአ ሕጹይ ወተሃደር ነበር ሉድ ቤቨርሊ፡ ገለ ክፋለን ንዝተቘርጻን ብፋሻ ንዝተኣስራን ኣጻብዕቱ ዘለዋ ኢዱ ብጥንቃቐ ሒዙ የርኢ።

ኣብ ምዕራባዊ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ምሩኻት ኲናት ኣብ ናይ ሆስፒታል ዓራት ደቂሱ።

እቲ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ ጕጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ነቲ ትካል ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፡ ኣብዚ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሳዕቤናት ዘለዎ ውግእ ሩስያን ዩክረይንን ዝሳተፉ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ተዋጋእቲ ቍጽሮም ስለምንታይ ብሃንደበት ከም ዝወሰኸ ተወሳኺ መረዳእታ ንምእካብ ኣብ ዝገበሩዎ ጕዕዞ፡ ኣብቲ መዕቈቢ ማእከል ካብ ዝጸንሕ ድሮ ሰለስተ ወርሒ ኣቝጺሩ ነበረ።

ብመሰረት ኣሃዛት ዩክረይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዩክረይን ካብ ዝተማረኹ ሸሞንተ ምሩኻት ኲናት፡ እቲ ሓደ ካብ ኣፍሪቃ እዩ። ሕጂ ዩክረይን ካብቶም ልዕሊ 27,000 ዝዀኑ ብሩስያ ዝተመልመሉ ወጻእተኛታት ልዕሊ 10 ሚእታዊት ኣፍሪቃውያን ከም ዝዀኑ ትኣምን። ብዩክረይን ካብ ዝተታሕዙ ምሩኻት ኲናት ኣፍሪቃውያን እዮም።

"ኣብ ዕማማት ውግእ ከለኹ፡ ሓያል በረድ ዘስዓቦ ቍሪ ኣጋጢሙኒ - ክማረክ ከለኹ ድማ ድማ ጓንቲ ኣይነበረን" ብምባል ቤቨርሊ ብዛዕባ መጕዳእቲ ብጽሩይ ቋንቋ ሩስያ ይገልጽ።

"ብእግርና ኢና ንኸይድ ነይርና፡ ኣዝዩ ቍሪ እዩ ነይሩ።"

"ልዑል ቍሪ ዘስዓቦ ሕማም ኣጋጢሙኒ" ይብል።

ቅድሚ 7 ዓመት መንእሰይ ወተሃደር ኣብ ዝነበረሉ እዩ ኣብ ትካል ሓይሊ ባሕሪ ክመሃር ናብ ሩስያ ተላኢኹ። ብድሒሩ ተመርዕዩ ጓል ወሊዱ። ፋይናንሳዊ ጸገም ምስ ኣጋጠሞ ግን ሓሽሽ ክሸይጥ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ ኣትዩ። ኣብ ክንዲ ፍርዱ ምፍጻም፡ ኣብቲ ውግእ እንተ ኣገልጊሉ ናጽነቱ ክወሃቦ ሓሳብ ቀሪብሉ።

"ምስቲ ዝፈጸምክዎ ገበን ንምድቕቓስ፡ ንሩስያ ከገልግል ወሲነ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ልኢኾምኒ፡" ኢሉኒ።

ከም ኣካል ናይቲ ዩክረይን ምሩኻት ኲናት ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ይግበረሎም ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ - ኣብ መወዳእታ ሓሙስ - እተካይዶ ተበግሶ፡ መራኸቢ ብዙሓን ናብቲ መዓስከር ኣብ ዝበጽሕሉ፡ እቶም ምሩኻት ካብ 15 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ኣፍሪቃውያን ምዃኖም ካብ ምግላጽ ዝሓለፈ ዝርዝር ኣሃዛት ኣይሃቡናን።

ቤቨርሊ ብዛዕባ ሕክምናኡ ዝዀነ ቅሬታ ከም ዘይብሉ ይዛረብ፤ እቶም ሓካይም ሕያዎት እዮም፡ ህይወት መዓስከር ድማ ኣብ ሰራዊት ከም ዘለኻ እዩ ዝመስል - ኣሰልቻዊ እዩ።

ኣፍሪቃውያን ምሩኻት ኲናት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ዩክረይን ብ26 ሕዳር 2025 Getty Images

ኣብ እዋን ቃለመሕትቱ ግን ውሳኑ ኣብ ግምት ኣእትዩ ይጣዓስ - ስድርኡን እታ ኣብቲ ኲናት ገለልተኛ እያ ዝበላ ሃገሩን ይቕረ ክብልሉ ይሓትት። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ግጭት ክውዳእ ይምነ።

ክልቲኦም ወገናት ብዙሕ ከሲሮም'ዮም - ኣነ ኣብኡ ነይረ፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ።

ሉድ ቤቨርሊ
ምሩኽ ኲናት ኣብ ዩክረይን

ምሩኻት ኲናት

ኵሎም ከዘራርቡና ዝተሰማምዑ ምሩኻት ኲናት ናብቲ ግጭት ዝኣተዉሉ ዝተፈላለየ መንገድታት ነይርዎም፤ መብዛሕትኦም ደሞዝ ክረኽቡ ናብ ሩስያ ከም ዝኸዱ እምበር ናብ ግንባር ክኣትው ዝደልዩ ኣይነበሩን።

መጀመርታ ኣብኡ ምስ በጻሕና፡ እቲ ዘጸናንዕ ጨና ሾርባ ኣጋጢሙና - ንሕና ድማ ምስቶም ዩኒፎርም ሓይሊ ባሕሪ ዝለበሱ ዝተሰርዑ እሱራት ብስቕታ ተጸንቢርና።

ብድሕሪኡ እቶም እሱራት ምስቶም በጻሕቲ ጋዜጠኛታት ክዘራረቡ ዝደልዩ እንተዀይኖም ተሓቲቱ። ገለ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣብ ድሕሪት መደቀሲ ክፍሊ ብሓውሲ ክቢ ተኣኪቦም፤ ብሕት ዝበሉ ኣብ ወሰን ኰይኖም። እቶም ዘዕልሉ ንሓድሕዶም ይዋዘዩን ይላገጹን ነይሮም። ገሊኦም ድማ ምሉእ ብምሉእ ካብ ርእየት ይርሕቑ።

ሓደ ሰብኣይ፡ ካብቶም በጻሕቲ ጉጅለ ቢቢሲ ከም ዝረኽቡዎም ምስ ፈለጠ ንቕድሚት ሰጒሙ። ካብ ርእሰ ከተማ ሴራሊዮን ፍሪታውን ዝመጸ ሪቻርድ ካኑ ከም ዝዀነ ድማ ንነብሱ ኣላልዩ።

ታሪኹ ምዝንታው፡ ስድርኡን ሰለስተ ደቁን ሕጂ'ውን ብህይወት ከም ዘሎ ዘረጋግጽ መንገዲ ከም ዝኸውን ይትስፎ።

እቲ ወዲ 43 ዓመት ሰብኣይ፡ ኣብዚ መዓስከር ንሓደ ዓመት እዩ ጸኒሑ፤ ብዩክረይን ካብ ዝማረኽ ድማ ክልተ ዓመት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ከም ቤቨርሊ ንሱ'ውን ወተሃደራዊ ድሕረ ባይታ ኣለዎ - እንተዀነ ከም ዋርድያ ክቍጸር እንከሎ፡ መወዳእታኡ ናብ ኲናት ምእታው ምዃኑ ኣይፈለጠን ነይሩ።

ኣብ ሰራዊት ሴራሊዮን ኣብ ወርሒ 100 ዶላር እናተኸፈሎ ን17 ዓመታት ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ ኣሃድኡ ዝነበረ ውልቃዊ ወጥሪ ግን ንኽለቅቕ ደሪኽዎ - ዝያዳ ኣታዊ ንምርካብ ድማ ብቪዛ በጻሕቲ ኣቢሉ ናብ ኤውሮጳ ክኣቱ ደለየ።

"ጓለይ ዶክተር ክትከውን እያ ትደሊ። ንመጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ክኸፍል፡ ሕልማ ክትፍጽም ድልየት ነይሩኒ" ክብል ነጊሩኒ።

ቪዛ ዘመልከተለን ኵለን ሃገራት ነጺገንኦ - ብዘይካ ሩስያ። ኣብ 2024 ኣብ ሩስያ ምስ በጽሐ ምስ ሓደ ወኪል ዕዮ ተራኺቡ፡ ዋላ’ኳ ቋንቋ ሩስያ ዘይዛረብ እንተዀነ፡ ወርሓዊ 2,000 ዶላር ደሞዝ ዘለዎ ናይ ዓመት ውዕል ክፈርም 15,000 ዶላር ምስ ተዋህቦ፡ ዕድሉ ክኣምን ኣይከኣለን። ናብታ ካብ ቅድመ ግንባር ዩክረይን ኣስታት 200 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ደቡባዊት ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ድማ ተላኢኹ።

"ኣብ ሮስቶቭ ምስ በጻሕኩ፡ ንነብሰይ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ረኺበያ" ይብል - ኣብኡ ዝነበረ ሰብ ብሓቂ ምስ ሰራዊት ሩስያ ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ከም ዝፈረመ ከም ዝነገሮ ይገልጽ። ሰንቢዱ - እዚ ግን ዜግነት ሩስያ ከም ዘውህቦ ምስ ፈለጠ ተጸናንዐ።

"ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሰነዳት ሩስያ ድሕሪኡ ድማ ገንዘብ ክህልወኒ'ዩ። ስድራይ ናብ ሩስያ ናይ ምምጻእ ዕድል ክረክብ'የ። ኣብ ሩስያ ንቡር ህይወት ክነብር'የ።"

እንተዀነ፡ እቲ ግንባር ብኽልቲኡ ወገን ዝነበረ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ኣብ ግምት ብምእታው ንምእማኑ ዘጸግም ሓደገኛ ምንባሩ ይዛረብ። ገለ ምሩኻት ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብኡ ዘጋጠሞም ተመኵሮታት ኣዝዮም ዝተጸለዉ ይመስሉ።

ኣብ ካልእ መደቀሲ ክፍሊ ዝርከብ ኬንያዊ እሱር ኢቫንስ ኪቤት፡ ኣብ መጀመርታ ምሳና ንምዝርራብ ኣብዩ፤ ብስዋሂሊ ሰላም ምስ በልክዎ ግን ልኢሙ።

ክቤት ግን ስድራቤታት ብዛዕባ እቶም ብመንገዲ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ትካላት ብመብጽዓታት ተመልሚሎም ናብ ሩስያ ዝተወስዱን ኣብ መወዳእታ ኣብ ኲናት ሩስያ ክዋግኡ ዝተገብሩን ሰባት ክሰምዕ እንከሎ ርግኣቱ ይጠፍእ።

ጸብጻባት ስለያ ዩክረይን ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ሰራዊት ሩስያ ብብዝሒ ዝተመልመሉ ኣፍሪቃውያን ኬንያውያን እዮም። ካብዚ ስዒቦም ድማ ግብጻውያን፡ ካሜሩናውያን፡ ጋናውያንን ዩጋንዳውያንን ይርከቡ።

"ዓውደ ውግእ ዋዛ ኣይኰነን። ብጸጋም፡ የማንን ማእከልን ሰባት ይሞቱ። ብሓቂ ድማ ዝግደሰሉ ሰብ የለን" ይብል እቲ ወዲ 36 ዓመት።

ብመጥቃዕቲ ድሮናት፡ ሬሳታት ኣብ መሬት ፋሕ ኢሎም ከም ዝተርፉ ይገልጽ።

ንቕድሚት ዝኸዱ ወተሃደራት፡ ንድሕሪት ተመሊሶም ክሕግዙ ኣይክእሉን ወይ ኣይደልዩን።

ናብ ሓደ ኣብ ካልእ መደቀሲ ክፍሊ ዝርከብ ኬንያዊ ብጻዩ ንጉጅለ ቢቢሲ እናመልከተ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ክዛረብ ፍቓደኛ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።

ዊሊ ማቻሪያ ብርግጽ ናብ ምሳሕ ቅድሚ ምውጽኡ ከዕልል ሕጉስ ነይሩ፡ "ብዙሕ መግቢ ኣሎ። ደሓር ክበልዕ እየ።"

ብመልክዕ ይፈልጦ እየ። እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኬንያውያን መንእሰያት ከይጽንበሩ ኣብ መላእ ማሕበራዊ መራኸቢታት የጠንቅቕ ነይሩ።

ብዛዕባ እዚ ምስ ሓተትክዎ፡ ነተን ቪድዮታት ብመኮንናት ዩክረይን ክቐርጸን ከም ዝተገደደ ይኸስስ።

ድሒረ ንወሃቢ ቃል ዋና ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ኲናት ዩክረይን ዝዀነ ፔትሮ ያትሰንኮ ብዛዕባ እዚ ሓቲተዮ፤ ንሱ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ማቻሪያ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ግንባር ኲናት ከምዝነበረ እዩ ዝገልጽ - ጽቡቕ ደሞዝን ተወሳኺ ትምህርትን ክረክብ ከምዝኽእል ዝተወሃቦ መብጽዓታት ናብቲ ግጭት ከምዝሰሓቦ ይዛረብ። ብኸመይ ከምዝተመልመለ ብልክዕ ንምግላጽ ግን ይጥንቀቕ፤ "ንሩስያ እየ ዝቃለስ ነይረ፡ ስለዚ ኣብ ዩክረይን ምህላወይ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኣለኹ ማለት'ዩ።"

ኣብቲ መዓስከር ግዜ ንምሕላፍ ከም ካልኦት እሱራት ኣብታ ሳሙናን ሽኮርን እትሸይጥ ንእሽቶ ድንኳን ቀለልቲ ስራሓት ይሰርሕ።

ኣብ ከባቢኡ ዝካየድ ዘሎ ዝያዳ ክርድኦ ስለ ዝደሊ፡ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ቋንቋ ዩክረይን ክመሃር ይጽዕር ኣሎ። እዚ መንእሰይ ንናጽነቱ ስለዝምነ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ስሙ ኣብ ዝርዝር ምልውዋጥ እሱራት ኣትዩ ናብ ሩስያ ክምለስ ይትስፎ።

ካብ ማእከል ምውህሃድ ምሩኻት ኲናት ያትሰንኮ ግን ከምዚ ዓይነት ምልውዋጥ እሱራት ናይ ምፍጻም ዕድል ትሑት ከምዝዀነ ይኣምን። ክሳብ ሕጂ፡ ብመሰረት ያትሰንኮ፡ ምናልባት ከም ምሩኻት ኲናት ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ተገዳስነት ዘርኣየት እታ እንኮ ሃገር ጋና እያ። ወከልቲ እታ ሃገር ናብቲ መዓስከራት ይበጽሑን ዘተ ድማ ይቕጽል ኣሎ።

“ኣብዚ እዋን እዚ ኣፍሪቃውያን ኣብዚ ምልውዋጥ ኣይሳተፉን ዘለዉ። ገንዘቦም ስለዝደልዩ ናብ ሩስያ ክምለሱ'ዮም ዝደልዩ። ንሕና ግን ንኽንመልሶም ብወገን ሩስያ ዝዀነ ምንቅስቓስ ኣይረኣናን።”

ፔትሮ ያትሰንኮ
ወሃቢ ቃል ዋና ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ኲናት ዩክረይን

ብተወሳኺ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣንድሪ ሲቢሃ ቃለ መሕትት ኣካይደ፤ ንሱ ኣፍሪቃውያን ተመልመልቲ ከም ግዳያት "ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ፕሮፖጋንዳን ሩስያ" እዩ ዝርእዮም።

"ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሩስያ ንኽመሃሩ እዩ ዕድመ ቀሪብሎም፤ ድሕሪኡ ሃንደበት ኣብ ዓውደ ውግእ ይረኣዩ" ክብል ነጊሩኒ።

እቲ ሚኒስተር፡ ወጻእተኛታት ኣብ ሰራዊት ዩክረይን እውን ክዋግኡ ከምዝኽእሉ ገሊጹ - እንተኾነ ግን፡ ዘይከም ሩስያ፡ መስርሕ ምጽንባር ዩክረይን ሕጋዊ፡ ወለንታዊን ግሉጽን ምዃኑ ጽኑዕ መርገጺ ከምዘለዎ ገሊጹ። ኣብዚ ዝተሳተፉ ወጻእተኛታት ብዝምልከት ዝዀነ ኣሃዝ ይኹን ሓበሬታ ኣይነበሮን።

እቲ ክውንነት ግን እቶም ዝረኸብናዮም ኣፍሪቃውያን ምሩኻት ናብ ሩስያ ክምለሱ እዮም ዝደልዩ - እዚ ድማ ክሳብ መወዳእታ እቲ ኲናት ዘይክፍጸም ይኽእል።

ንቤቨርሊ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነን - ጓሉ ኣብ ሩስያ እያ ዘላ፡ ብቐጥታ ናብ ኮንጎ እንተኸይዱ ድማ ናብ ሩስያ ክምለስ ከምዘይክእል ይዛረብ።

ካኑ መጻኢኡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከምዘይኮነ ጽኑዕ መርገጺ ኣለዎ፤ "ንሩስያ ውዕል ፈሪመ'የ። ናብ ሩስያ ድማ ክምለስ እደሊ። ህይወት ሩስያ ካብቲ ኣብ ሴራሊዮን ዝነበረኒ ህይወት ይሓይሽ።"

ካብ ዩክረይን ምስ ወጻእና ምስታ 19 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ኤልሲ ምእንቲ ክንራኸብ ናብ ፍሪታውን ኣቕናዕና።

ኣብቲ ብዚንጎታትን ቍርጽራጽ ሓጻውንን ዝተሰርሐ፡ ኣብ ኵርባታት ከተማ ተንግበህ ዝርከብ ትሑትን ዝኣረገን ህንጻ ናይ ስድራቤቶም ኣብ ግዳም ወጺኣ፡ ንኣቦኣ ኣዝያ ከም እኳ እንተ ናፈቐቶ፡ ኣብኡ ጸኒሑ ናብ ሩስያ ክምለስ ከም ዘለዎ ምስኡ ከም ትሰማማዕ ትገልጽ።

“ናብ ሴራሊዮን ምምላስ፡ ነቲ ካብ ፈለማኡ ካብ ሰራልዮን ክወጽእ ዝደረኸ ኣይክፈትሖን እዩ። ዝሓሸ ዕድል ንምርካብ፡ ገለ ነገር ንምህናጽ፡ ህይወትና ንምቕያር ኣብ ሩስያ ዝሓሸ ዕድል ዘለዎ ይመስለኒ።”

ኤልሲ ካኑ ዕድመ 19

ተመላሲ

ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ብዙሓት ኣይኰኑን። ኬንያዊ ዱንካን ቸጌ ግን ተመሊሱ እዩ። ኣብ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሕማም ኣእምሮ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ ካብቲ ዝኣተወሉ ሆስፒታል ኣምሊጡ።

ንቸጌ ዝሓሸ ኣታዊ ክረክብ ዝብል መብጽዓ ወሳኒ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ጸገም ቪዛ ኣብ ዱባይ ስራሕ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፡ እቲ ትካሉ ኣብ ክንድኡ ኣብ ሩስያ ክፍትን መኺርዎ፡ ኣብኡ ድማ ሓደ ሰሙን እኳ ከይወሰደሉ ቪዛ ረኺቡ።

ስእልታት ካብ ዱንካን ቸጌ ዝተረኸበ እዩ።

ወጻኢታት ናይቲ ጉዕዞ ንምሽፋን፡ ኣዲኡ ካብ ጎረባብትን ኣዝማድን ተለቂሓ፡ ክፍሊት ናይቲ ወኪልን ናይ ሓደ ዙር ትኬትን ድማ ሸፊና።

“ንስድራና ምእንቲ ክድግፍን ህይወትና ክንቅይርን፡ ኣደይ ክኸይድን ክሰርሕን ፍቓደኛ ​​ነይራ።”

ዳንከን ቼጌ

ነዞም ኣፍሪቃውያን ምሩኻት ኲናት እንታይ እዩ ቀጻሊ ዘጋጥሞም ዝብል ንጹር ኣይኰነን።

ምስጋና

ጸሓፊ፡ ሳሚ ኣዋሚ, ካብ ምዕራብ ዩክረይን ዝቐረበ ጸብጻብ

ፕሮድዩሰርን ቪድዮን፡ ሓሰን ላሊ

ዲዛይንን ኣቀማምጣን፡ ሚሊ ዋቺራ

ኣምር ሽፋን፡ ማዮዋ ዓላቢ

ምስልታት፡ ጆርጅ ዋፉላ

ፎቶ፡ ዩክረይን (ጌቲ ኢሜጅስ)፡ ሴራሊዮንን ኬንያን (ሳሚ ኣዋሚን ሓሰን ላሊን)

ኣርታዕቲ ጽሑፍ፡ ሉሲ ፍሌሚንግን ቪክቶር ኦሉክን

ኣፍራዪትን ኣሰናዳኢት ቪድዮን፡ ካቲ ሃርኮምብ

ኣርታዒት ገጽ፡ ዶሮቲ ኦቲየኖ

ተወሳኺ ሓገዝ፡ ሻሎም ኦላቱንጂ፡ ብራያን ኦስዌታ፡ ንጆሮገ ሙጋይ፡ ቦኣዝ ኦቺየንግን ዳሚሎላ ኦጀቱንደን

ዕለት ሕትመት፡ 8 ሰነ 2026