
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህይወት ስቪላውያን ዝወስድ ዘሎ መጥቃዕትታት ብምዅናን፡ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲታት ምቕጻሉ ነቲ ድሮ ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዘሎ ስርዓተ ጥዕና ናብ ምሉእ ዕንወት ገጹ ክደፍኦ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
እቲ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ቈልዑ’ውን ከይተርፈ ግዳያት ዝገበረ መጥቃዕቲ ዘመልክቱ ጸብጻባት "ኣመና ዘስካሕክሑ" ምዃኖም ገሊጹ።
ካብ መንጎ እቶም ግዳያት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ “ጃሪ 2” ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ኰይኑ፡ ሓያሎ ቈልዑን ናጽላ ዝተወልደት ህጻንን ከም ዘለዉዎም ተገሊጹ’ሎ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ ራማ ብዘጋጠመ ካልእ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮናት`ውን ሓያሎ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ።
"እዚኣቶም ናይ ቀረባ እዋን ፍጻመታት እኳ እንተዀኑ፡ መጥቃዕትታት ድሮንን ሰብኣዊ ህልቂትን ግን ብዘሕዝን መንገዲ ኣብ ብምሉኣ ኢትዮጵያ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ፡" ይብል ዶክተር ቴድሮስ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣብተን ዝተሃስያ ክልላት ኣገልግሎት ጥዕና ንምቕራብ ኣዕናዊ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ኣተሓሳሲቡ።
ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ መድሃኒትን ሕክምናዊ መሳርሕታትን ክሳቐዩ እንከለዉ፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እውን ድሩት ኰይኑ ከምዘሎ ክንገር ጸኒሑ እዩ። እቲ ዘይውሑስ ጸጥታዊ ኵነታት ድማ ህይወት ዘድሕን ሕክምናዊ ቀረባት ናብቶም በቲ ግጭት ዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ከይበጽሕ ዕንቅፋት ፈጢሩ’ሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ከባቢታት ተወሳኺ ህጹጽ ሕክምናዊ ቀረባት ንምብጻሕ ምስ መሻርኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ግጭት እናቐጸለ ብምኻዱ፡ ህጹጽ ሕክምና፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣደታትን ቈልዑን፡ ከምኡ’ውን ሕክምና ተመሓላለፍትን ሕዱራትን ሕማማት ሓዊስካ፡ ዝያዳ ሰባት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ምስኣን ሓደጋ ከም ዘንጸላለዎም እቲ ውድብ ኣጠንቂቑ።
ግብረ-ሰናይ ውድባት፡ ኵሎም ተዋሳእቲ እቲ ግጭት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩ፡ ሰላማውያን ሰባት ክሕልዉ፡ ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ረድኤት ውሑስ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ከውሕሱ ብተደጋጋሚ ጸዊዖም እዮም።
"ሰላማውያን ሰባት ክዕቈቡ ኣለዎም። ሰብ-ሞያ ጥዕናን ሰብኣዊ ሓገዛትን ድማ ናብቶም ዝደልይዎም ሰባት ክበጽሑ ክፍቀደሎም ኣለዎ፡" ክብል እውን ዶክተር ቴድሮስ ጸዊዑ።
እቲ ግጭት ደው ንኽብል ዳግማይ ጻውዒት ብምቕራብ ድማ፡ "እቶም ዝበለጹ ተባዓት፡ ሰላም ይመርጹ፤ እቲ ዝበለጸ መድሓኒት ድማ ሰላም እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።