እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሃገሮም ጸረ-ፑቲን ሕቡእ ንጥፈት ዘካይዱ ዘለዉ ሩስያውያን
ክልተ ብምስጢር ንኣገልግሎት ስለያ ዩክረይን ዝሰርሑ ሩስያውያን፡ ተሳቲፍናሉ ዝብልዎ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ንብረትን ኣባላትን ዒላማ ዝገበረ ስርሒታት ብዝምልከት ዘገርም ጸብጻብ ሂቦም።
ሓደ ካብኣቶም ኢቫን ኢልና ክንጽውዖ ኢና።
ኢቫን፡ ዩክረይን ኣብ ሩስያ ኣብ ዝርከባ ፋብሪካታት ኣጽዋርን ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ቦምባታትን ኣብ ዝፈጸመትሉ መጥቃዕቲ ተራ ከምዝነበሮ ይዛረብ።
ኢቫን፡ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ብዛዕባ ምስጢራዊ ዓለም ሩስያውያን ኣዕነውቲ (ሳቦተራት) ኣብ ዘዳለዎ ዶክመንታሪ ፊልም ይሳተፍ።
እቲ ብፖላንዳዊ ጋዜጠኛ ማርሲን ማሞን ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም፡ ኣብ ፖላንድ ኣብ ስደት ዝነብር ፎማ ኢልና እንጽውዖ ሰብ እውን ዘካትት እዩ።
ፎማ ኣብ ሩስያ መርበብ ሕቡኣት ወለንተኛታት ከምዘካይድን፡ እዚ ድማ ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን (GUR) ዒላማ ክገብሮም ዝሓሰበ ላዕለዎት መኮንናት ዝከታተል ምዃኑን ይዛረብ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ግን ባዕሎም ከምዘይሳተፉ የስምር።
ንመን ይስልሉ ከምዝነበሩ ፈጺሙ ክገልጽ ኣይደለየን። እንተኾነ ሌተናል ጀነራል ፋኒል ሳርቫሮቭ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ፎማ ንዩክሬናውያን ብዛዕባ እቲ ጀነራል ስለያዊ ሓበሬታ ከም ዝሃበ ተኣሚኑ።
ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኣዕነውቲ ጕጅለታት ሩስያ ዝገልጽ ጸብጻባት እኳ እንተነበረ፡ ከም ኢቫን ዝኣመሰለ ኣብ ባይታ ዝንቀሳቐስ ሰብ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ንጥፈታት መብርሂ ክህብ ግን ብዙሕ ዘጋጥም ኣይኰነን።
ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን (GUR)፡ ኢቫንን ፎማን ክልቲኦም ኣብቲ ትካል ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ እዩ። ግን ምሉእ ምስሊ ከምዘይብሉ እውን ተኣሚኑ ኣሎ። እቲ ንኢቫን ዝቈጻጸር ሰብ፡ ኢቫን ክእመን ይኽእል ድዩ ንዝብል መልሲ ክህብ ጸቕጢ ምስ ተገብረሉ፡ "ብዘይካ ንነብሰይ ብዛዕባ ካልእ ርግጸኛ ኣይኰንኩን" ኢሉ።
ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን እቶም ተቘጻጸርትን ክሳብ ክንደይ ዝርዝር ነገራት ንምክፋል ጥንቁቓት ስለ ዝኾኑ፡ በዓል ኢቫን ዝገለጽዎም ንጥፈታት ምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ።
ኣብ ሩስያ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ሓያሎ ፖለቲካዊ ቅንጸላታት ተፈጺሞም እዮም። ብመንጽር ፖሊሲ፡ ዩክረይን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ብወግዒ ኣይተኣመነትን ወይ ሓላፍነት ኣይወሰደትን።ግን ሓደ ዩክረይናዊ መኮነን ስለያ፡ ዩክረይን ድሕሪ ቅትለት ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ስሙር ሌተናል ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ (ታሕሳስ 2024) ኢድ ከምዘለዋ ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ተኣሚኑ ነይሩ።
ክንደይ ሩስያውያን ንዩክረይን ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ይህቡ ኣለዉ ዝብል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ። ብመሰረት ፎማ ግን ቍጽሮም ካብ ኣስታት 300-500 ይበጽሕ።
ኢቫንን ፎማን፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስርዓት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝቃወሙ ይዛረቡ፤ ፖለቲካዊ መጻኢ ፑቲን ድማ ኣብ ውጽኢት እቲ ኲናት ከም ዝምርኮስ እውን ይኣምኑ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ... ስርዓት [ፑቲን] ኣብቲ ኲናት እንተ ተሳዒሩ ክወድቕ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ... ብተግባራትና... ነዚ ከነቀላጥፎ ንፍትን ኣለና" ይብል ኢቫን።
ንጥፈቱ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ሩስያ ክፍጸም ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምድላው፡ ወተሃደራዊ ቦታታት ምክትታልን ኣካላት ድሮን ዝሕብኡሉ ቦታታት ምድላይን ዘጠቓልል ምዃኑ ይገልጽ።
"እዞም ኣካላት [ድሮን] ክውሃሃዱ ከለዉ... ዘስካሕክሕ ኣጽዋር ኮይኑ ይረአ፡ እዚ ድማ ብሓንቲ ጽፍዒት ብዙሕን ብዙሕን ሚልዮናት ዶላር ዝውድእ ነገር ከጥፍእ ይኽእል'ዩ" ይብል ኢቫን።
ኣብ ጥቓ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሩስያ ነታጒ ከም ዝሓብእ ዘርኢ ቪድዮ እውን ሰዲዱ እዩ። እንተዝተሓዝ ነይሩ፡ ብሽበራ ምተኸሰሰ፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ድማ ምተኣስረ ነይሩ።
ስራሕ ፎማ ካብ ኢቫን ዝተፈለየ እዩ፤ ንሱ፡ ካብ ርሑቕ ኰይኑ እዩ ዝሰርሕ፣ ኣብ ሩስያ ንዝርከቡ ወለንተኛታቱ ብኢንተርነት የሰልጥን።
ፎማ ኣብ ሓደ እዋን ኣካል ናይ ሩስያ ኤሊት ስለዝነበረ፡ ፍሉይ ስብስብ ርክባትን ቀጻሊ ዋሕዚ ውሽጣዊ ሓበሬታን ከምዘለዎ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ላፕቶፑ ከመይ ገይሩ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከም ዝሕብር እውን የርእይ።
"እዚ ዳታቤዝ... ኣቀማምጣ መኽዘናት፡ ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ዘርኢ'ዩ። ጀነራላት ዝነብሩሉ... ንዩክረይን ቦምባ ዝድርብዩ ፓይለታት ስትራተጂያዊ ቦምባታት ዝነብሩሉ ቦታ'ዩ።"
"እቲ ስርዓት ንምስርሳር፡ ከመይ ከም ዝሰርሕ ምርዳእ የድሊ። ሽዑ ድኹም ጐድንታቶም ዒላማ ክትገብር ትኽእል ኢኻ" ይብል።
ፎማ፡ ወተሃደራዊ ስለላ ዩክረይን ነቶም ክትትል ክግበረሎም ዘለዎም ይሕብር፤ እንተኾነ እዞም ውልቀሰባት ከም ወተሃደራዊ ገበነኛታት ክቝጸሩ ከም ዘለዎም ንሱን ጕጅለኡን ባዕሎም ከም ዝምርምሩ ኣስሚሩ።
"ኣብ ዩክረይን ንፑቲንን ሩስያን ወኪሎም ዘስካሕክሕ ነገራት ዝገብሩ ሰባት... ዋጋ ክኸፍሉ ከምዘለዎም ክርድኡ እደሊ፤ ክፈርሑ እደሊ።"
ፎማ፡ ንዩክረይናውያን ስለያ ጥራይ ምሕባር እምበር፡ መርበቡ ባዕሉ ዝኾነ ቅትለት ከም ዘይፈጸመ የብርህ።
ፎማ ኣቐዲሙ ብዛዕባ መደቡ ንቢቢሲ ኣየካፈለን።
ኢቫን ግና ድሕሪ እቲ ፍጻመ እውን እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ዝተዋፈረሉ ስራሕ ክገልጽ ድሌት የብሉን።
ፎማ ኣብ ልዕሊ ኢቫን ናይ ገዛእ ርእሱ መርመራ ኣካይዱ።
ኣብ ዩክረይንን ሩስያን ምስ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ስለያ ርክብ ገይሩ መርመራ ምስ ኣካየደ፡ ኢቫን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ ኣብ የላቡጋ ዝርከብ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ድሮን ሩስያ ንምውቃዕ ኣብ ዝነበረ ውጥን ተሳቲፉ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚኑ። በቲ ፍጻመ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተገሊጹ'ዩ።
ኢቫን እቲ ፈተነ ኵሉ ግዜ ኣብ ሲቪላት ጉድኣት ከየውርድ ምዃኑ የስምር።
ስርሒታት ንኢቫን እውን ሓደገኛ ከምዝዀኑ ንጹር እዩ።
ምስጢሩ ከይቃላዕ ዘሎ ሓደጋ ንምንካይ፡ ምስቶም ኣብ ጐድኖም ክሰርሕ ዝጸንሐ ካልኦት ሰባት ተራኺቡ ከምዘይፈልጥን መንነቶም ከምዘይፈልጥን ገሊጹ።
ፎማ እውን ተመሳሳሊ ሕጊ ኣለዎ።
ኢቫን ኣብ ሩስያ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕ ዝምችኡ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ከምዝተረፉ ይኣምን።
"መብዛሕትኦም እቶም ስነ-ሓሳባዊ ሰባት ወይ ካብ ሃገር ወጺኦም ወይ ድማ ድሮ ድሕሪ መቑሕ ኣትዮም ኣለዉ" ይብል።
ብኣንጻሩ ኢቫን ነዚ ስራሕ ዝሰርሖ ዘለኹ ስነ-ሓሳባዊ ምኽንያት እዩ ይብል - ቀደም ኣባል ፖለቲካዊ ተቓውሞ እዩ ነይሩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ምንቅስቓሳቱ ብሰበስልጣን ሩስያ ብቐረባ ክትትል ክግበረሉ ትጽቢት ይግበር።
ስለዚ ብተደጋጋሚ ካብ ሩስያ ወጺኡ ክምለስ ምኽኣሉ ዘገርም እዩ ነይሩ።
ፎማ፡ ኢቫን ብናጽነት ክጓዓዝ ምኽኣሉ ናይ ግድን ቀያሕ መጠንቀቕታ ዝፈጥር ኣይኰነን ኢሉ ይሓስብ።
"ኣብ [ምሕደራ እታ ሃገር] ኵሉ ዓይነት ቀዳዳት ኣሎ፡ እንተፈሊጥካዮም፡ ወይ ዕድለኛ እንተዄንካ፡ ሽዑ በቲ ቀዳዳት ሶሊኽካ... ኣብቲ ስርዓት ድማ ክትነብር ትኽእል ኢኻ" ይብል።
ኢቫን ነቲ ንጥፈት ብኸመይ ከምዝተጻወሮ ክገልጽ እንከሎ፡ "ፍርሒ ኵሉ ግዜ ኣሎ" ይብል። "ኣብ ኵሉ ቦታ ይስዕበኒ። ዋላ ሓንቲ እንተይገበርካ ትፈርሕ። እዚኣ ሩስያ እያ።"
ኣብ መወዳእታ ግን ህይወቱ ከም እትቕየር ተስፋ ይገብር።
"ፑቲን ንዘልኣለም ኣይክነብርን'ዩ" ድማ ይብል።