ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝሸሞም ኣባላት ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ 9 ደቂኣንስትዮ ዝርከብዎ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቚሙ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ መዝነቶም ዝጸደቐ ኣባላት ካቢነ ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጥሩነህ ተሻገር ብዝጸንሖ መዝነት ክቕጽል ተሓርዩ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጌደዎን ጢሞቴዎስ'ውን ኣብ ዝነበሮ ክቕጽል ከምብሓድሽ ተመዚዙ።
ብዘይካ'ዚ፡ መሐመድ እድሪስ ሚኒስተር ምክልኻል ክኸውን እንከሎ፡ ጓል 47 ዓመት ዶ/ር ፍጹም ኣሰፋ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ሚኒስተር ፋይናንስ ክትከውን ተመዚዛ ኣላ።
ኣባላት ካቢነ ዝነበሩልዕሊ 10 ሚኒስተራት ኣብዚ ሓያሎ መንእሰያት ዘጠቓለለ ሓድሽ ካቢነ ኣይኣተዉን። ገለ'ውን ካብ ሚኒስትሪ ናብ ሚኒስትሪ ዝተቐየሩ ኣለዉ።
ኣስማት ናይቶም ዝተረፉ ሚኒስተራት እዞም ዝስዕቡ'ዮም፣
- ፕ/ር ብርሃኑ ነጋ (ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ኢዜማ)፡ ሚኒስተር ትምህርቲ
- ያስሚን ዎሃብረብ፡ ሚኒስተር ንግዲን ዞባዊ ውህደትን
- ኣዲሱ ኣረጋ፡ ሚኒስተር ሕርሻ
- ሃና ኣርያስላሰ፡ ሚኒስተር ፍትሒ
- ዶ/ር ፍስሃ ይታገሱ፡ ሚኒስተር ኢንዱስትሪ
- ዶ/ር ሃብታሙ ኢተፋ፡ ሚኒስተር ማይን ጸዓትን
- ኣውሉ ኣብዲ፡ ሚኒስተር ዕዮን ሞያን
- በረኸት ፍስሃጽዮን፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ስትራተጂ
- ኣለምጸሃይ ጳውሎስ፡ ሚኒስተር ማዕድን
- ሸዊት ሻንካ፡ ሚኒስተር ደቂኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን
- ፍረሂወት ታምሩ፡ ሚኒስተር መሃዝነትን ተክኖሎጂን
- ሱልጣን ወሊ፡ ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን
- ዶ/ር መቕደስ ዳባ፡ ሚኒስተር ጥዕና
- ሰላማዊት ካሳ፡ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን
- ሳዳት ነሻ፡ ሚኒስተር ሎጀስቲክስ
- ሙሳ ኣደን (ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ህዝቢ ዓፋር)፡ ሚኒስተር ሰላም
- መሓመድ ዓብዱራሕማን ሚኒስተር ምዕባለ ከተማታትን ትሕተ-ቅርጽን
- ዶ/ር ኣኽሊሉ ታደሰ፡ ሚኒስተር መንእሰያትን ስፖርትን