ሶማልያ፡ ጠንቂ ሞት 7 ሰባት ዝዀነ ክትዕ ኣቦነት

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ሶማልያ፡ ሊባን ታሕሊል ሓጂ ዓደንን ፋራህ ዓዊል ዓሊን 'ኣነ እየ' ኣቦ ብዝብል ዘንቀልዎ ክትዕ፡ ጠንቂ ቀታሊ ጎንጺ ኰይኑ ከምዝጸንሐ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሕጂ ግን ቤት ፍርዲ፡ ኣቦነት ናይቲ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓ ብዘምልከት ኣብ ውሳነ በጺሑ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ስድራቤታት ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ስዒቡ ብዝተለዓለ ዓመጽ፡ 7 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 21 ድማ ከምዝቖሰሉን ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር የመልክት።

እቲ ናይ ሎሚ ሰሉስ ውሳነ፡ ኣብ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዎ ዞባ ፑንትላንድ ከተማ ጋልካዮ ብሰበስልጣን ብዝተመዘዙ ሰለስተ ምሁራት እስልምና ዝሓቖፈ ፓነል እዩ ተዋሂቡ።

እቶም ዳያኑ፡ ኣቦ እቲ ወዲ ሊባን ታሕሊል ሓጂ ዓደን ምዃኑ ክውስኑ እንከለዉ፡ ነቲ መንእሰይ ን13 ዓመት ከም ዘዕበዮ ዝገልጽ ፋራህ ዓዊል ዓሊ ዘቕርቦ ክሲ ነጺጎም።

ክልቲኦም ውልቀ ሰባት ነቲ ውሳነ ከምዝተቐበልዎ ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ሶማልያ ሰፊሕ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ጉዳይ፡ ምስክርነት ሓሊሞ ዩሱፍ መሓመድ ዝተበሃለት ኣደ እቲ ወዲን ምስቶም ክልተ ሰባት ዝነበራ ኩነታት ሓዳርን ዘማእከለ እዩ።

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ መስርሕ ፍርዲ፡ ወይዘሮ ሓሊሞ ኣብ ሓምለ 2006 ምስ ኣቶ ሊባን ከምዝተመርዓወት ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ከምዝተፋትሑን ንቤት ፍርዲ ገሊጻ።

ብድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ምስ ኣቶ ፋራ ከምዝተመርዓወትን ሓዳሮም ኣብ 2013 ከምዝተዛዘመን ገሊጻ።

ብተወሳኺ፡ ኣቶ ሊባን ኣቦ ወዳ ምዃኑን ምስ ኣቶ ፋራ ዝኾነ ውላድ ከምዘይብላን ሓቢራ።

ክልተ መሰኻኽር እውን ኣብ 2006 ምስ ኣቶ ሊባን ኣብ ዝገበረቶ መርዓ ከምዝተሳተፉ መስኪሮም እዮም።

ቃለ መሓላ ክገብር ዝተገደደ ኣቶ ሊባን፡ ሚስ ሓሊሞ ኣብ ሓምለ 2010 ምስ ተፋትሑ ጥንስቲ ምዃና ከም ዝሓበረቶ ንደያኑ ተዛሪቡ።

እቲ መንእሰይ ብቤት ፍርዲ ብቪድዮ ሊንክ ምስተሓተተ ወዲ ኣቶ ሊባን ምዃኑ ገሊጹ።

እቶም ዳያኑ ነቲ ፍርዲ ኣብ ዝህቡሉ እዋን፡ ጸብጻባት መሰኻኽር፡ ምስክርነት እታ ኣደን መግለጺ እቲ ወድን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ምምስራት መስመር ወለዶ ኣቦ ዝምልከት እስላማዊ ሕጋዊ ጽሑፋት እዮም ተወኪሶም።

እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ንመርትዖ ዲኤንኤ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይነበረን።

'ን13 ዓመት እየ ኣዕብየዮ'

ኣቶ ፋራህ ድሕሪ እቲ ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንውሳነ ዳያኑ ከምዘኽብርን፡ ነቲ ወዲ ንምዕባይ ዘውጽኦ ገንዘብ ብዝምልከት ግን ሕቶ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ነቲ ህጻን ን13 ዓመታት ከም ዝሓብሐቦ ብምግላጽ፡ እቶም ሃይማኖታዊ ምሁራትን ሰበስልጣን መንግስትን ኣብቲ ግዜ እቲ ዝገበሮ ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ ግምት ከእትውዎ ተማሕጺኑ።

እቲ ውሳነ፡ ኣቶ ፋራህ ገንዘቡ ክምለሰሉ መሰል ኣለዎ ድዩ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ክንክን እቲ ወዲ እንታይ ምድላዋት ክግበር እዩ ዝብል ኣየነጽርን።

ኣቶ ሊባን ብወገኑ፡ ነቶም ኣብ ምሉእ እቲ ክርክር ዝደገፍዎ ምሁራት፡ ሓለፍቲ ጸጥታን ኣዝማድን ኣመስጊኑ።

ብተወሳኺ ንወይዘሮ ሓሊሞን ስድራቤታን ኣብ እዋን መስርሕ ንዝገበርዎ ጽንዓት ንኢዱ።

"ሎሚ ንኹሉ ይቕረ ኢለ ኣለኹ" ክብል ንኣቶ ፋራህ ብስሙ ብምጥቃስ ኣብ መንጎ እቶም ስድራቤታት ዝነበረ ወጥሪ ደው ክብል ጸዊዑ።

ምስ ቀታሊ ጎንጺ ዝተኣሳሰር ክትዕ

ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ኣብ ማእከላይ ሶማልያ እትርከብ ከተማ ጋልካዮ፡ ምስ ዓሌት ዝተኣሳሰር ግጭታት በብእዋኑ ናብ ቅትለት የምርሑ እዮም።

ብዛዕባ ኣቦነት እቲ ወዲ ኣመልኪቱ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ እውን፡ ምስ ዓመጽ ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ ለካቲት 2024 ሓው ኣቶ ሊባን ዝዀነ ነጋዳይ ኣሕመድ ታህሊል ሓጂ ዓደን ኣብ ንግዳዊ ቀጽሩ ብዕጡቓት ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ሽዑ ኣመሓዳሪ ዞባ ሙዱግ ፑንትላንድ ዝነበረ ፋይሳል ሸኽ ዓሊ፡ እቲ ቅትለት ምስ ናይ ኣቦነት ምስሕሓብ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

እቶም ዕጡቓት ነቲ ነጋዳይ ቅድሚ ምቕታሎም ኣብ መጀመርታ ክጨውይዎ ከምዝፈተኑ ገሊጹ።

ኣሕመድ በዓልቲ ቤቱን 12 ቆልዑን ገዲፉ እዩ ሞይቱ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ምስቲ ክትዕ ብዝተኣሳሰር ጎንጺ ብድምር 7 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 21 ድማ ከምዝቖሰሉ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ይሕብሩ።

ቢቢሲ ነቲ ሓፈሻዊ ኣሃዛት መጉዳእቲ ብናጻ ኣየረጋገጸን።

ኣቶ ሊባን ድሕሪ ሎሚ ዝተወሃበ ውሳነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ዝተጎድኡ ሓገዝ ክወሃቦም ጻውዒት ኣቕሪቡ።

"ሰባት ሞይቶም። ሰባት ቆሲሎም። ዘኽታማት ኣለዉ" ብምባል ሓዘንተኛታት ስድራቤታትን ጉዱኣትን ክድግፍ ቃል ኣትዩ።

ክልቲኦም ስድራቤታት ነቲ ብይን ከኽብሩን ካብ ተወሳኺ ዓመጽ ክቑጠቡን እቶም ዳያኑ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንሕቶ መስመር ወለዶ ኣቦ ናይቲ ወዲ ውሳነ ሂቡ'ኳ እንተዀነ፡ በቶም ቅትለታት መን ተሓታቲ ከምዝኸውን ይኹን ነቲ ኣቶ ፋራህ ዘልዓሎ ፋይናንሳዊ ክሲ ብዘብልከት ግን ዝገለጾ ነገር የለን።