ካብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቐጥታ ስብከት እናኣመሓላለፈ መስቀል ወዲቕዎ ዝሞተ ካህን

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ እዋን ብቐጥታ ዝመሓለለፍ ዝነበረ ቅዳሴን ስብከትን ምስሊ እየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ዓቢ ናይ ዕንጨቲ መስቐል ኣብ ርእሱ ወዲቕዎ ዝሞተ ካህን፡ ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ኢኳዶር ኣብ ሓዘን ኣእትይዎም ኣሎ።

እዚ ፍጻመ ኣብ ማእከል ከተማ ኢኳዶር ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ብሰንበት ካህን ፓትሪስዮ ኣልፍሬዶ ሳንቸዝ ሞሊናሪ ተራ ቅዳሰ ሰንበት'ዩ ዘካይድ ነይሩ።

ወዲ 53 ዓመት ሳንቸዝ ሞሊናሪ ነቲ ቅዳሴ እናመርሐ እንከሎ፡ ብዘይተጸበዮ መንገዲ እቲ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐ መስቀል ካብ ቦታኡ ተፈቲሑ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እቲ ካህን ወዲቑ።

እቲ ካህን ብኡ ንብኡ ኣብ መሬት ወዲቑ፣ እዚ ድማ ነቶም ኣብቲ ቅዳሰ ብኣካል ዝተሳተፉን እቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጥታዊ ፈነወ ዝከታተሉ ዝነበሩን ኣብ ዓቢ ስንባደ ኣእትይዎም።

ሊቀ ሃገረ ስብከት ጓያኪል ሰንበት ምሸት ንሞት ሳንቸዝ ሞሊናሪ ብምርግጋጽ፡ "ኵሉ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝመጽእ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ፡ ብፍላይ ድማ ንዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ነፍሲ ኣቡነ ፓትሪስዮ ሳንቸዝ እትገብርዎ ጸሎት ነመስግን።" ኢሉ።

ብጹዕ ካርዲናል ሉዊስ ካብሬራ ሊቀ ጳጳስ ጓያኪል ሰንበት ምሸት ንዝክሪ እቲ ብሓደጋ ዝሞተ ካህን ኣብታ ሓደጋ ዘጋጠመላ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ ኣካይዶም።

እቲ መስቀል ብምንታይ ምኽንያት ክወድቕ ከምዝኸኣለ ክሳብ ሕጂ ዝተሓበረ ነገር የለን።

እቲ ካህን ቅድሚ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ስብከት ኣቕሪቡ ነይሩ፡ ኣብቲ ስብከቱ ድማ ኣመንቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንኣምላኽ ንምዝክራን ንምምስጋንን ዘወፍይዎ ግዜ ከስተንትኑ፤ ነዚ ከኣ ምስቲ ንኻልእ ሓላፍቲ ነገራት ከም ሞባይል ወይ ተኸታተተልቲ ፊልምታት ተለቪዥን ብምጽጻር ምስቲ ንምምስጋን ዝህብዎ ግዜ ብምውድዳር ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ተላብዩ።

እቲ ካህን ኣብታ መዓልቲ "ክቡራት ኣሕዋት ሓደ መዓልቲ ኩላትና ኣብዚ ዘለና'ውን ክንመውት ኢና፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ኣብ ብዙሕ ትርጉም ዘይብሎም ነገራት እነሕልፎ ግዜ ምስቲ ምስ ኣምላኽ እነሕልፎ ግዜ ሓደ ኣይኮነን" እናበለ'ዩ ዝሰብክ ነይሩ።

እቲ ካህን ስብከቱ ምስ ወዲአ'ዩ እቲ ዓቢ ምስሊ እየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐ መስቐል ኣብ ርእሱ ዓሊቡ።

እቲ ኩነታት ናብ ዕግርግር ምስ ተቐየረ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረት ተሓጋጋዚቱ "ኣቦ፡ ኣቦ" እናበለት ሰባት ኣምቡላንስ ክጽውዑ ክትምሕጸን ትረአ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ይዅኑ ሃገረ ስብከት ጓያኪል ነቲ ከቢድ መስቀል ንኽፍታሕ ምኽንያት ዝዀነ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ብኡንብኡ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ትማሊ ሰኑይ፡ እቲ ዝወደቐ ዓቢ መስቐል ኣብቲ ዝነበሮ ቦታ ትኽን ንምባሉ ይስራሕ ምህላዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ስእሊ ኣሰንየን ኣቓሊሐን።