እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ብኸመይን ብናይመን ሓገዝን ኣምሊጡ?
ን15 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሐ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብህወሓት ኣብ ዝምራሕ "ከባብያዊ ምምሕዳር ብዘለዉ ሰበስልጣን ሓገዝ" ከም ዘምለጠ ተዛሪቡ።
ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ ማእሰርቱን ብኸመይ ከም ዘምለጠን ኣረዲኡ።
እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር፡ ንምምሕዳር እቲ ክልል ተቖፃፂሩ ብዝነበረ ህወሓት ተታሒዙ ካብ መቐለ ምስ ተወሰደ፡ "ናብ ኤርትራ ክንሰግር ኢና" ዝብል ሓሳብ ከም ዝነበሮ ገሊፁ።
ጀነራል ታደሰ፡ "ኣብዚ ኵናት ተዓዊቶም፣ ንኣዲስ ኣበባ ሒዞም ወይ ድማ ንፍርቂ ከባቢ ተጓዒዞም ከርእዩና እዮም ተሊሞም ነይሮም እመስለኒ" ኢሉ።
ኣብቲ ናይ ክልተ ሰሙናት ማእሰርቱ፡ ካብ መቐለ ክሳብ ኣክሱም ካብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ናብ ትርከብ ራማ ከም ዝተወሰደ ኣረዲኡ።
ናብ ራማ እንትውሰድ ናብ ኤርትራ ኣሕሊፎም ክህብዎም ከምዝኽእሉ ምጥርጣሩ ድማ ገሊፁ።
"ንሳቶም ዝደለይዎ ንዓና ናብ ኤርትራ ምስጋር እዩ ነይሩ። ካብ መቐለ ጀሚሩ በቢከባቢኡ ዝረኣናዮ ነገር፣ ከምኡ ክኸውን ከም ዘይኽእል፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ነፃ ከም ንወፅእ እግምት ነይረ፣ ነዚ ድማ እፅበይ ነይረ፣ ኣብ መወዳእታ ዝኾነ'ውን ከምኡ እዩ፣ ነፃ ወፂእና" ኢሉ።
ኣብ ራማ ብፖሊስ ሓለዋ ይግበረሎም ከም ዝነበረ ዝተዛረበ እቲ ሌተናንት ጀነራል፡ ዝተፈጠረ "ፖለቲካዊ ኣፈላላይ" ነፃ ንምውፅኦም ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
ብሓገዝ ኣመሓደርቲ ወረዳ ራማ ካብ ማእሰርቲ ከም ዘምለጡ ድማ ገሊፁ።
ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ብስድራቤት እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር ኣቢሉ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ርክብ ምፍጣሩ፡ እቶም ሰብመዚ ንክልቀቑ "ዓብይ ስጉምቲ" ከም ዝኾነ ገሊፁ።
እሱራት ናብ ኤርትራ ናይ ምስጋር ሓሳብ "ዝቕበሎ ሰራዊት ኣይነበረን። ኣብ በቢ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣመሓደርቲ ኣይተቐበልዎን። ናትና ሓለዋ ኣይተቐበልዎን" ብምባል፡ ብዛዕባ ነፃ ዝወፅእሉ መንገዲ ዝምልከት ኣብ ራማ ምስ ዝርከቡ ሰበስልጣን "ከም ዝተዘራረቡ" ኣረዲኡ።
ሌተናንት ጀነራል ታደሰ፡ "ናይ ሻዕቢያ ሰባት ናብ መረብ መፅዮም ክሕልዉና ገይሮም ነይሮም" ብምባል፡ ናብ ኤርትራ ክውሰድሉ ብዛዕባ ዝነበረ ህሞት ገሊፁ። እንተኾነ ብሽም ዘይጠቐሶ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ "ኣዘንጊዑ" ካብ ራማ ከም ዘውፀኦም ገሊፁ።
"ናብ ኤርትራ ከም ዘስግሩና ጥርጣረ እናሓየለ ምስ መፅአ፡ ሰራዊት ምክልኻል ንዓድዋ ሒዙ። ከተማ ሽረ'ውን ተታሒዙ፣ ብድሕሪኡ ናይ ባዕሎም (ህወሓት) ኣወዳድባ'ውን ክፈርስ ጀሚሩ። ንሕና ኣብኡ እንከለና ንባዕሎም ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ጀሚሮም ስለ ዝነበሩ፡ ካልእ ኣማራፂ ኣይነበሮምን" ብምባል፡ ነቲ ኩነታት ኣብሪሁ።
"(ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ) ካብ ኤርትራ ንዓና ንምውሳድ ንዝመፅኡ ሓይልታት ፀጥታ ሻዕቢያ ኣብ መረብ ክፀንሑ ገይርዎም። 'ሒዘልኩም ክመፅእ እየ፣ ኣብኡ ፅንሑ' ኢሉ ነጊርዎም።
ንሓለዋና ድማ በቢቦትኦም ኣትሒዝዎም። ካብኡ ብናይ ባዕሉ መኪና ሒዙና ወፅዩ። ካብ ራማ ምስ ወፃእና ዳዕሮ ተኽሊ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ምስ በፃሕና ምስ ሰራዊት ምክልኻል ተራኺብና" ብምባል፡ ዘምለጥሉ መንገዲ ኣብሪሁ።
እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበርን ምስኡ ዝነበሩ ካልኦት ሰበስልጣናትን ካብ ማእሰርቲ ነፃ ክወፅኡ ዝገበረ ኣመሓዳሪ'ውን ምስ ዘዋሪ መኪንኡ ከም ዘምለጠ እቲ ጀነራል ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ንቃል እቲ ፕረዚደነት ነበር ብካልኦት ምንጭታት ኣየረጋገፀን።
ይኹን'ምበር ምስ ጀነራል ታደሰ ተኣሲሩ ዝነበረ ኮሎኔል ተወልደ ገብረትንሳኤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት "ብፍቓዶም ኣይለቐቑናን" ብምባል፡ ኣምሊጦም ከም ዝወፅኡ ተዛሪቡ ነይሩ።
ንታደሰ ወረደ ሓዊሱ እቶም ኣርባዕተ ሰበስልጣን ነበር ካብ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈለየ መርገፂ ብምሓዞም ኣብ ቀይዲ ውዒልና ኢሎም ከም ዝኣምኑ ገሊፁ።
ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ንትግራይ ንካልኣይ እብረ ንከመሓድር ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ምስ ተሾመ፡ ሻቡ ንሻቡ'ዩ ካብ ህወሓት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።
ቀፂሉ ህወሓት፡ ቅድሚ ኵናት ትግራይ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ፌደራል ብዘካየደቶ በይንኣዊ መረፃ ዝተጣየሸን ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረሰን ቤት ምኽሪ ናብ ስራሕ ከም ዝተመለሰ ኣዊጁ።
እቲ ተመሊሱ ዝተብሃለ ቤት ምኽሪ ድማ ንኣቦወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይምዎ። ነዚ ስዒቡ ድማ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነቲ ክልል ዝመርሓሉ ስልጣን ፕረዚደንትነት ተመንጢሉ።
ጀነራል ታደሰ፡ "ንስልጣን ፕረዚደንትነት ብሓይሊ ምስ ተቖፃፀሩ ኣብ ገዛ እየ ነይረ። ካብ ገዛ ኰይነ ብዙሕ እሰርሕ ነይረ። ካብ ገዛ ወፃኢ ከይንቀሳቐስ'ኳ እንተዘይተገበረ ሰላሊ የዋፍሩ፣ ኣብቲ ከባቢ ናይ ደሕንነት ሰባት ክንቀሳቐሱ ይገብሩ። ኣብ ፀቕጢ ከም ዝነበርኩ እፈልጥ እየ" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ግዜ ስልጣኑ ሕዚ ምስ መንግስቲ ይዋግኡ ንዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ክጠናኸሩ ዝገብር ተግባር ይፍፅም ነይሩ ዝብል ክሲ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ገፃት ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ነይሩ።
ብዛዕባ እዚ ክሲ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ፡ ነቲ ክሲ ነፂግዎ።
"ካብ ፈለማ ጀሚሩ ኣይኰነን ንሰራዊት ምድላው፡ ኩሉ ፃዕረይ ነቲ ኵናት ንምትራፍ እዩ ነይሩ። ብኸመይ እየ ሰራዊት ዘዳልው?" ብምባል ንፁር መርገፂ ከም ዝነበሮ ገሊፁ።
"ኲናት ክጅምር ከም ዝኽእል ዝፀንሐ ግምት ነይሩኒ። ሎሚ ድዩ ወይስ ፅባሕ'ዩ ክጅምር ካብ ዝብል ወፃኢ፡ ኵናት ክውላዕ ከም ዝኽእል እግምት ነይረ" ኢሉ።