የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም።
እቲ ንመዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣብሓ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ሚሳይላት፡ ነቲ ብስዑዲ ተፈጺሙ ዝበልዎ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ሕነ ንምፍዳይ ዝተወስደ'ዩ።
እቶም ብኢራን ዝድገፉን ንርእሰከተማ ሰንዓ ዘጠቓልል ሰሜናዊ-ምዕራብ እታ ሃገር ዝቆጻጸሩን ሑቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ቅሉዕ ወራር" ክብሉ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።
እንተኾነ፡ ኣብ ዓደን ዝርከብ ኣንጻር ሑቲ ክዋጋእ ዝጸንሐ መንግስቲ የመን፡ ናይቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ብምውሳድ ነፋሪት ኢራን ከይትዓልብ ዝተኻየደ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።
ኣብ መንጐ ሑቲን ስዑዲ ዓረብን ዝጸንሐ ግጭት ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተበጽሐ ዘይወግዓዊ ምቊራጽ ተጻብኦት ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ሃንደበት ዓሪጉ ዘሎ።
ካብ 2011 ኣትሒዙ ምርግጋእ ዝተሓረማ የመን፡ ዕጡቓት ሑቲ ንማእከላይ መንግስቲ ብውግእ ካብ ሰንዓ ንክወጽእ ድሕሪ ምግዳዶም ኣብ 2014 ናብ ቅሉዕ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ።
ኣብ 2015 ከኣ፡ ስዑዲ ዓረብ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምሽራኽ 'ወተሃደራዊ ልፍንቲ' ብምምስራት ንማእከላይ መንግስቲ የመን ንምጽናዕ ኣንጻር ሑቲ መጥቃዕቲ ከተካይድ ጀሚራ።
እብቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ልዕሊ 150,000 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ። እቲ ኲናት ኣብ ዓለም "ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው" ከምዝፈጠረን ልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝገበረን'ውን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ፡ ሰማያት ሰንዓ ካብቲ ዒላማ መጥቃዕቲ ዝኾነ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነቅል ጸሊም ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ዘርእዩ ቪድዮታትን ስእልታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።
ኣል-ሚስራሕ ዝተባህለ መደበር ተለቪዢን ሑቲ ከምዝበሎ፡ "መቐበሊን መፋነዊን ኣጋይሽ" ናይቲ መርፎ ነፈርቲ ዒላማ ኮይኑ ነይሩ።
እቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎን ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝርከብን መንግስቲ የመን ግን ነቲ መጥቃዕቲ ሓይልታቱ ከምዝፈጸምዎ'ዩ ዝምጉት ዘሎ።
እታ ነፋሪት ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ሑቲ ሒዛ ዝነበረት ምዃና መግለጺ ሑቲ የመልክት።
"እቶም ብስርዓት ኢራን ዝድገፉ ኣሸበርቲ ሚሊሻ ሑቲ፡ ንሃገራዊት ነፋሪት የመን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ከይትዓልብ ከልኪሎም እናሃለዉ፡ ነፋሪት ኢራን [ንልኡላዊ] ግዝኣት የመን ክትጥሕስ ኣፍቂዶም" ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል እቲ ኣብ ዓደን ዘሎ መንግስቲ ይወቅስ።
እታ ኢራናዊት ነፋሪት፡ ኣብ መወዳእታ ኣንፈታ ብምቕያር ኣብታ ካብ ሰንዓ 150ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሑደይዳ ከምዝዓለበት ሑቲ ገሊጾም ኣለዉ።
ንልዕሊ 10 ዓመት ናብ የመን ዝኣትዋ ነፈርቲ ካብ ስዑዲ ፍቓድ ክረኽባ ኣለወን። ሪያድ ኣብ ክንዲ ዓደን ብምዃን ንክሊ ኣየር የመን ከምእትቆጻጸሮ'ያ ትምጉት።
ኣፈኛ ሑቲ ያሕያ ሳሪ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስዑዲ ኣብ ሰንዓ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ብምኽሳስ ነቲ ዝጸንሐ "ህድኣት" ዘሪጋቶ ስለዘላ "ምላሽ ከይተዋህቦ ወይ ከይተቐጽዐ" ከምዘይተርፍ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ሰብመዚ ስዑዲ ክሳብ ሸዑ ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝሃብዎ ርእይቶ ኣይነበረን።
ሰኑይ ምሸት እቲ ኣፈኛ ሑቲ ከምዝበሎ፡ ሚሳይላትን ድሮናትን ናይቶም ዕጡቓት "ነዚ ገበናዊ ወራር ስዑዲ ምላሽ ንምሃብ" ናብቲ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ስዑዲ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብሓ ከምዝተወንጨፈ ጠቒሱ።
"ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ተወሲኑ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓል" መገዲ ኣየራት ነፈርተን ብክሊ ኣየር ስዑዲ ከይሓልፋ'ውን ሑቲ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ኣፈኛ ናይቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኣብ የመን ድሕሪ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ጸረ-ኣየር መከላኸሊታትና ብኣሽበርቲ ሚሊሻ ሑቲ ናብ ደቡባዊ ዞባ ዝተወንጨፈ ባሊስቲካዊ ሚሳይላት ንዝፈጠሮ ስግኣት ገጢምዎ" ኢሉ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ'ቲ ፍጻመታት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ እቲ መጥቃዕትታት ኣሻቒሊ ምዃኑ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ኻልድ ኪያሪ ገሊጹ።
"የመንን እቲ ዞባ ብሰፊሑን ካልእ ዓንኬል ጎንጺ ክጻወር ኣይክእልን'ዩ" ዝበለ እቲ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ሕቡራት ሃገራት "ኩሎም ወገናት ኣብቲ ብኣላይነት ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ልዝብ ብሃናጺ ኣገባብ ክሳተፉ" ተማሕጺኑ'ሎ።
ወኪል ብሪጣንያ ኣብቲ ውድብ፡ "እቲ ንዞባዊ ጸጥታ ዘስግእ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ ሓደገኛ መጥቃዕቲ ሑቲ" ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ዝተፈጸመ ደብዳብ ብምቅዋም "ቅሉዕ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ" እዩ ክብል ኮኒኑ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ዕጡቓት ሑቲ መን'ዮም?
ዕጡቓት ሑቲ፡ ካብቶም ኣብ የመን ዝርከቡ፡ 'ዛይዲን' ዝበሃሉ ውሑዳት ተኸተልቲ ሺዓ ኣስላም እዮም።
እቲ ጕጅለ፡ ነቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ 'ዘስፋሕፍሐ ብልሽውና ንምምካት' ብዝብል ኣብ 1990ታት ተመስሪቱ።
ስም እቲ ምንቅስቓስ፡ ካብ መስራቲኡ ሑሴን ኣል ሑቲ ዝተወስደ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱ 'ኣንሳር ኣላህ' ወይ መሻርኽቲ ኣላህ ኢሉ ይጽውዕ።
ኣመሪካ እትመርሖ ወራር ዒራቕ ኣብ 2003 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ "ኣምላኽ ዓቢይ እዩ! ሞት ንኣመሪካ! ሞት ንእስራኤል! መርገም ንኣይሁድ! ዓወት ንእስልምና!" ዝብል ጭርሖ ኣልዒሎም።
ኣብ መጀመርታ 2000ታት ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንነዊሕ እዋን ፕረዚደንት የመን ዝነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ተኸታታሊ ናዕቢ ኣካይዶም። እቲ ንሶም ዝንቀሳቐስሉ ሰሜናዊ የመን፡ ርእሰ-ምሕደራ ክብልዎ ይጠልቡ ነይሮም።
ኣብ እዋን 'ቀውዒ ዓረብ' 2011፡ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ በቲ ዝተላዕለ ናዕቢ ተደሪኹ ስልጣኑ ንምክትሉ ዓብድራቡህ መንሱር ሃዲ ከረክብ ተገዲዱ።
ኣብ እዋን ምሕደራ ፕረዚደንት ሃዲ፡ ዕጡቓት ሑቲ ምስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ክሳዕ ሕጂ ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ሓይልታት ጸጥታን ምሕዝነት ፈጢሮም። ብድሕሪ'ዚ ንሰሜናዊ ኣውራጃ ሳዓዳ ተቘጻጺሮም፡ ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ድማ ሒዞም።
ኣብ 2015 ሰፊሕ ክፋል ምዕራባዊ የመን ብምሓዝ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝሞተ ፕረዚደንት ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሃድም ኣገዲዶሞ።
ጐረቤት ሃገር ስዑዲ ዓረብ፡ ሑቲ ንመላእ የመን ሒዞም ሰለልቲ ናይታ መወዳድርታ ዝዀነት ኢራን ከይኰኑ ስግኣት ነይሩዋ።
ኣንጻሮም መጥቃዕቲ ንምክያድ ምስ ገለ ሃገራት ዓረብ ልፍንቲ ብምቋም፡ ንዓመታት ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ኣየርን ኣጋር ሰራዊትን እኳ እንተ ኣካየደት፡ ካብ ብዙሕ ዝሓዙዎ ቦታታት ከተልቅቖም ኣይከኣለትን።
ኣብ መንጐ እቲ ልፍንቲ'ውን ፍልልያት እናፈጠረ ምምጽኡ ይፍለጥ። ሓንቲ ካብተን ኣባላት ናይቲ ልፍንቲ ዝነበረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ደቡብ የመን እትድግፎም ምስ ስዑዲ ዘይቃደዉ ሓይልታት ጠንቂ ምትፍናን ሪያድን ኣቡዳቢን ብምዃኑ ነቲ ኣንጻር ሑቲ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ሓላሊኽዎ'ዩ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሑቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ክትገብር ትፍትን ኣላ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ዕርቂ ካብ ሚያዝያ 2022 ጀሚሩ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ኲናት ልዕሊ 150,000 ሰባት ከም ዝቐተለን ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት ከም ዘመዛበለን መጽናዕትታት ይሕብሩ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
