ኣደናቒ ምስጢራት ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ተኣምራት ጥንቲ ክሳብ ርሱን ዘመናዊ ጂኦ-ፖለቲካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ጠፈር ኴንካ ንታሕቲ ክትርእዮ ከለኻ፡ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዝዮም ውዑያትን ጐዳእትን ምድረበዳታት ዓለም—ሰሃራ ኣፍሪቃን በረኻታት ዓረብን—ከም ሓደ ጸቢብ ሰማያዊ መስመር ተዘርጊሑ ይርአ።
ብማዕዶ ህዱእ፡ ዘይነቓነቕን ኣብ ሙቐት ሑጻ ዝተቐርቀረን ዝመስል እዚ ኣካል ማይ፡ ብተግባር ግን መዘና ኣልቦ ታሪኽ፡ ተፈጥሮኣዊ ተኣምራትን ዓለምለኻዊ ወጥርን ዝዓቘረ መድረኽ እዩ።
ኣብዚ ማይ'ዚ እዮም እምነት፡ ተፈጥሮን ስነ-ፍልጠትን ዝራኸቡ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመዝገበ፡ ሙሴ ብበትሩ መቒሉ ንህዝበ እስራኤል ካብ ግልያነት ዘስገረሉ ተባሂሉ ዝእመን ናይ ኣሽሓት ዓመታት ሃይማኖታዊ ተኣምር ኣትሒዙ፡ ክሳብ'ቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ባሕሪ ብሰላሕታ እናተረሓሓቐ ኣብ መንጎ ኣህጉራት ሓድሽ ውቅያኖስ ንምውላድ ዝህንደድ ዘሎ ስነ-መሬታዊ ምንቅስቓስ ዝዝርጋሕ ምስጢር ሒዙ ይርከብ።
ኣብ ውሽጡ ድማ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ብሰንኪ ለውጢ ኵነታት-ኣየር ዝጠፍኡ ዘለዉ ኮራላት ተስፋ ዝዀኑ፡ ዋዒ ዝጻወሩ "ብሉጻት ኮራላት" (Super corals) ዘዕቘበ እዩ።
እንተዀነ፡ ቀይሕ ባሕሪ ጥንታዊ ታሪኽ ጥራይ ኣይኰነን። ሎሚ'ውን ህርመት ልቢ ቍጠባ ዓለም ኰይኑ የገልግል ኣሎ። መዓልታዊ ብሚልዮናት በራሚል ነዳድን ኣቑሑትን ዝጸዓና ገዘፍቲ መራኽብ እናተመላለሳሉ፡ ሓያላን መንግስታት ዓለም ኣዒንተን ዘይፈልያሉ፡ ብሓንቲ ቅጽበት ድማ ንግዲ ዓለም ከናውጽ ዝኽእል ዘመናዊ ናይ ድሮንን ሚሳይልን ወጥሪ ዝነገሰሉ ስትራተጅያዊ ኣፍደገ እዩ።
ብሓጺሩ፡ ቀይሕ ባሕሪ ተራ መስመር ማይ ኣይኰነን፤ መራኸቢ ኣህጉራት፡ መኸዘኒ ምስጢራት ጥንቲ፡ መዕቈቢ ተስፋ ተፈጥሮ፡ ከምኡ'ውን መመዘኒ ሓይሊ ዘመናዊ ፖለቲካ ዓለምና እዩ።
ስነ-መሬታዊ ተኣምር፡ "ምውላድ ሓድሽ ውቅያኖስ"
ቀይሕ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ብምድረበዳ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ብምድረበዳ ዓረብ ዝተኸበበ እዩ።
ተመራመርቲ ስነ-ባሕሪ ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ኣካል ማይ ቅድሚ 20 ክሳዕ 23 ሚልዮን ዓመታት ይገብር፡ ብስነ-ፍልጠታዊ ምንቅስቓስ ቴክቶኒክ ወይ ምፍንጫል መሬት እዩ ተፈጢሩ።
ኣብ ፈለማ ንኣሽቱ ቀላያት ዝነበረ ኰይኑ፡ ጸኒሑ ማይ ሜዲተራንያን ናብኡ ምስ ፈሰሰን ብሰንኪ ምንቅስቓስ መሬት ተመሊሱ ካብኡ ምስ ተፈልየን ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ቅርጺ መጺኡ።
እዚ ባሕሪ ስቕ ኢሉ ዝዓረፈ ኣካል ማይ ኣይኰነን፤ ብመጠኑ ማዕረ ዕቤት ጽፍሪ ኣጻብዕትና፡ ማለት ኣብ ዓመት ኣስታት ሓደ ክሳብ ክልተ ሰንቲ ሜተር እናተዘርግሐን እናገፍሐን ይኸይድ ኣሎ።
ተመራመርቲ ስነ-መሬት ከም ዘረድእዎ፡ ቀይሕ ባሕሪ ምስቲ ካብ ደቡባዊ ኤርትራ ኣትሒዙ ዝዝርጋሕ 'መጋጠሚ ሰለስተ ምስንጣቓ ዓፋር' (Afar Triple Junction) ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ፡ ድሕሪ ሚልዮናት ዓመታት እቲ ባሕሪ እናገፍሐ ብምኻድ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ካብቲ ዝተረፈ ክፍለዓለም ፈልዩ ሓድሽ ገዚፍ ውቅያኖስ ክፍጥር እዩ።
እዚ ከባቢ ንጡፍ ጂኦሎጅዊ ምንቅስቓስ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ድማ፡ ኣብ መንጎ 2011ን 2013ን ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመ ትሕተ-ባሕራዊ እሳተ-ጎመራ፡ 'ሾላን'ን 'ጀዲዳ'ን ዝተባህላ ክልተ ሓደስቲ ደሴታት ኣብ ግዝኣታዊ ማያት የመን ተፈጢረን እየን።
ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከብ መሬት ደንካልያ (ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ)፡ እቲ ባሕሪ ብቐጻሊ ንመሬት እናደፍአ ናብ ውሽጢ ናይ ምግፋሕ ባህሪ ከም ዘለዎ ይንገር።
ስነ-ህይወት ባሕሪ፡ ዘይነጽፍ ሙቐትን ዋዒ ዝጻወሩ "ብሉጻት ኮራላትን"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሰሜን ወሽመጥ ስወጽ ተበጊሱ ብደቡብ ክሳብ ወሽመጥ ዓደን ን2,250 ኪሎሜተር ይዝርጋሕ።
ኣብ ትሮፒካዊ ክሊ መሬት ስለ ዝርከብ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ውዑያት ዝበሃሉ ባሕርታት ሓደ እዩ። ኣብ እዋን ቈራሪ ወቕቲ ሙቐቱ 22 ደረጃ ሰልሰስ፡ ኣብ እዋን ሓጋይ ድማ ክሳብ 30 ደረጃ ሰልሰስ ይበጽሕ።
ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝውሕዝ ቀዋሚ ሩባ የሎን፤ ምሉእ ዓመት ብርቱዕ ሃሩር በረኻ ኣለዎ። ኣብቲ ከባቢ ዝናብ ዘይዘንብ ብምዃኑን ሓመድን ጭቃን ጸይሮም ዝኣትዉ ወሓይዝ ስለ ዘየለዉን፡ ማዩ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ትሕቲ ማይ ክሳብ 30 ሜተር ዕምቈት ዘሎ ነገራት ብዓይኒ ብንጹር ክትርኢ ይከኣል። ኣስታት 1,200 ዝዓይነቶም ዓሌታት ዓሳ ዝሓዘ ኰይኑ፡ እቲ ዓሰርተ ሚእታዊት ድማ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ፈጺሞም ዘይርከቡ ፍሉያት እዮም።
ኤርትራ ካብ መላእ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እቲ ዝዓበየ ብጽሒት ዝሕዝ ልዕሊ 1,000 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ፡ ምስተን ልዕሊ 350 ዝዀና ደሴታታ (ብፍላይ ድማ ኣርኪፔላጎ ዳህላክ) ተደሚሩ ድማ ልዕሊ 2,230 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ገማግም ኣለዋ።
እዚ ገማግም እዚ ዘይተበከለ ባህርያዊ ኵነታቱ፡ ኣብ ዓለም ካብቶም ኣዝዮም ጥዑያት፡ ዝማዕበሉን ዘይተተንከፉን ዓውድታት ኮራል (Coral reefs) ዝሓዘ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ኣብ ባሕርታት ዝርከቡ ኮራላት እናሞቱን ሕብሮም እናቐየሩን ይኸዱ ኣለዉ።
ኣብ ገማግም ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ዝርከቡ ኮራላት ግን ፍሉይ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣለዎም ተባሂሉ ይግመት። ተመራመርቲ ስነ-ህይወት ባሕሪ ከም ዝሕብርዎ፡ እዞም "ብሉጻት ኮራላት" ተባሂሎም ዝጽውዑ ፍጡራት ንዝለዓለ ሙቐት ተጻዊሮም ናይ ምንባር ተፈጥሮኣዊ ጀነቲካዊ ዓቕሚ ስለ ዘለዎም፡ ኣብ መጻኢ ነቶም ኣብ ካልእ ዓለም ዝጠፍኡ ዘለዉ ኮራላት መተካእታን ዓለምለኻዊ ተስፋን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይእመን።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ማያት ኤርትራ ኣብ ካልእ ሳሕቲ ዝርከባ ላሕምታት-ባሕሪ (Dugong)፡ ዓበይቲ ጎብየታት ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ገማግም ዝበቝሉ ኣግራብ ማንግሮቭ (ኣንድኦብ) ብብዝሒ ይርከቡ።
ስም ባክተርያን እቲ ኣዝዩ ጨዋም ማይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀይሕ ባሕሪ ስሙ ካብ ምንታይ ከም ዝመጽአ ዝገልጽ ዛንታ ካብቶም ኣቓልቦ ዝስሕቡ ጉዳያት እዩ።
እቲ ዝሰፍሐ ስነፍልጠታዊ ተቐባልነት ዘለዎ መበገሲ ስም እዚ ባሕሪ፡ ምስቶም ኣብ ልዕሊ ገጽ እቲ ማይ ዝነብሩ 'ትሪኮደስምየም ኤሪትሬየም' ዝተባህሉ ደቀቕቲ ባክተርያታት ዝተተሓሓዘ እዩ።
እዚ ባክተርያ ንቡር ሕብሩ ሰማያውን ቀጠልያን እኳ እንተዀነ፡ ብብዝሒ ምስ ዓምበበን ምስ ረገፈን ግን ሕብሩ ናብ ቀይሕ-ቡናዊ ይቕየር። ኣብ እዋን ዋዒ እዚ ተርእዮ ንብዙሕ ኪሎሜተራት ስለ ዝሽፍን፡ ንምሉእ ገጽ እቲ ባሕሪ ቀይሕ ሕብሪ የልብሶ።
ጥንታውያን ግሪኻውያን ነዚ ተዓዚቦም 'ኤሪትራ ታላሳ' ማለት 'ቀይሕ ባሕሪ' ኢሎም ሰመይዎ። ብቛንቋ እንግሊዝኛ 'ሬድ ሲ' ተባሂሉ ዝተሰየመ'ውን፡ እቲ ባሕሪ ቀይሕ ሕብሪ ዝህልዎ ዘሎ ብሰንኪ ባክተርያ ምዃኑ ቅድሚ ብብስነፍልጠት ምእማሩ እዩ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ቀይሕ ባሕሪ 4.1 ሚእታዊት ጨው ዝሓዘ ኰይኑ፡ ካብቲ 3.5 ሚእታዊት ጨው ዘለዎ ገፊሕ ውቅያኖስ ኣዝዩ ይበልጽ።
እዚ ባሕሪ ኣዝዩ ጨዋም ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ብኽልተኡ ወገን ብምድረበዳ ስለ ዝተኸበበ ዝለዓለ ናይ ምህሃፍ መጠን ስለ ዘለዎ፡ ነቲ ጨው ዝብውዞ ወይ ዝጅልሖ ወሓዚ ሩባ ወይ ቀዋሚ ዝናብ ስለ ዘይብሉ፡ ከምኡ'ውን ብወገን ደቡብ ዝርከብ ጸቢብ መትረብ ባብ ኣል-መንደብ ምስቲ ትሑት ጨው ዘለዎ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብቐሊሉ ከይሕወስ ስለ ዝዓግቶ እዩ።
ማይ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እናተጸግዐ ምስ ከደ፡ ብሰንኪ ጨዋምነቱ ልዑል ጻዕቂ ስለ ዝህልዎ፡ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ እናተዋሕጠ ይኸይድ'ሞ ካብ ማይ ውቅያኖስ ብሸሞንተ ዕጽፊ ዝያዳ ጨዋም ይኸውን። በዚ ምኽንያት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይሓንበስካ ኣብ ልዕሊ ማይ ምንሳፍ ኣዝዩ ቀሊል እዩ።
እዚ ጨዋምነት እዚ ኣብ ቍጠባዊ ታሪኽ እቲ ከባቢ ዓቢ ኣሰር ገዲፉ እዩ። ኣብ ከባቢታት ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ዝርከብ ፋብሪካታትን መዐደኒታትን ጨው ካብዚ ጨዋም ማይ እዩ ዝዕደል።
ብተወሳኺ፡ እቲ ምስ ደቡባዊ ኤርትራ ዝዳወብ ለጠቕታ ስንጭሮ ዳሎል፡ ቀደም ኣካል ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። እዚ ዝነቐጸ ባሕሪ ብገዚፍ ኵምራ ጨው ዝተመልአ ብምዃኑ፡ ካብኡ ተቘሪጹ ብመልክዕ 'ኣሞሌ' ዝወጽእ ዝነበረ ጨው፡ ብኣግማል እናተጻዕነ ናብ ከበሳታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናደየበ፡ ኣብ መበል 19ን 20ን ክፍለ-ዘመን ከም ቀዋሚ ምንጪ ገንዘብን መኽፈሊ ግብርን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ግሪኻውያን መርከበኛታትን ጥንታዊ ንግድን

ምንጪ ስእሊ, Universal Images Group via Getty Images
ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ብሉይ ኪዳን ልዕሊ 25 ግዜ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ ክልተ ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ።
እቲ ልዕሊ 2,000 ዓመታት ዝገበረ ዛንታ ከም ዝሕብሮ፡ ሙሴ ንህዝበ እስራኤል ካብ ግልያነት ግብጺ ኣውጺኡ ናብ ምድሪ ከንኣን ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ሰራዊት ፈርዖን ንምድሓን ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዘስገሮም ባሕሪ እዚ እዩ ተባሂሉ ይእመን።
ብቛንቋ እብራይስጥ እዚ ባሕሪ 'ያም ሱፍ' ይበሃል፤ ትርጕሙ ድማ ብቐጥታ 'ባሕሪ ሻምብቖ' ወይ 'ባሕሪ ቃንጫ' ማለት እዩ። ገሊኦም ተንተንቲ ታሪኽ፡ እቲ ሙሴ ዘስገረሉ ማይ ኣብ ዶብ ግብጺ ዝርከብ ቃንጫ ዝበቕሎ ንእሽቶ ቀላይ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።
ኣብ 2010 ዝተገብረ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ድማ ነዚ ተርእዮ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ይድግፎ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሓደ ሰዓት ክሳብ 100 ኪሎሜተር ዝነፍስ ብርቱዕ ንፋስ እንተ ሃልዩ፡ ነቲ ዓሚቝ ዘይኰነ ማይ ደፊኡ ደረቕ መሬት ብምፍጣር፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እቲ ማይ ተመሊሱ ክኸድኖ ከም ዝኽእል ተረጋጊጹ ኣሎ።
እዚ ተርእዮ እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ብምባል ዝገልጾ ሓሳብ ዝሰማማዕ እኳ እንተዀነ፡ ሰራዊት ፈርዖን ኣብቲ ባሕሪ ከም ዝጠሓለ ዘረጋግጽ ንጹር ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ግን ዛጊት ኣይተረኽበን።
እዚ ባሕሪ ኣብ ጥንታዊ ዓለምለኻዊ ንግዲ'ውን ማእከል ነይሩ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብሓደ ግሪኻዊ-ሮማዊ ነጋዳይ ዝተጻሕፈ 'ፐሪፕለስ ኦፍ ዘ ኤሪትሪያን ሲ' ዝተባህለ ጥንታዊ ናይ መርከበኛታት መምርሒ ሰነድ፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ክገልጽ ከሎ፡ ነታ ኣብ ገማግም ኤርትራ እትርከብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ (ኣብ ወሽመጥ ዙላ) ከም ቀንዲ ማእከል ንግዲ ዓለም ገይሩ የቕርባ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ደሴታት ዳህላክ፡ ካብ ዘመነ ጥንቲ ኣትሒዘን ብሉጽ ሉል ካብ ውሽጢ ባሕሪ ብምውጻእ ንነገስታት ሮማን ፋርስን ዝለዓለ ናይ ስልማት ምንጪ ብምዃን ፍሉጣት ነይረን።
ዳህላክ ከቢር ኣብ መበል 8ይን 9ይን ክፍለ-ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ናይ ገዛእ ርእሳ ስልጣነ ብምምስራት፡ እቲ ቀዳማይ እስላማዊ ስልጣነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓሰለላ፡ ሎሚ'ውን ብናይ ኩፊክ ጽሕፈት ዝተቐርጹ ጥንታውያን ሓወልትታት መቓብር ዓቂባ እትርከብ ታሪኻዊት ደሴት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስልጣነ ኣኽሱም ክሳብ 'ምድሪ ባሕሪ'
መንግስቲ ኣኽሱም ካብ 100 ክሳብ 800 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ንቐይሕ ባሕሪ ብምሉእ ሓይሉ ይቘጻጸሮ ነይሩ።
ኣኽሱም ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዕብየቱ፡ ሰሜን ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ፡ ንጅቡቲ፡ ሱዳን ክሳብ የመን የመሓድር ነይሩ። ዝሃብተመሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ በታ ኣብ ገማግም ኤርትራ እትርከብ ወደብ ኣዱሊስ ኣቢሉ ንንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ይቈጻጸር ብምንባሩ እዩ።
ኣኽሱማውያን ስኒ ሓርማዝ፡ ወርቂ፡ ዕጣንን ቀመማትን ናብ ሮማውያን ይሸጡ፡ ካብ ሮማውያንን ህንድን ድማ ወይኒ፡ ጥርሙዝ፡ ሓጺን፡ ኣጽዋር ውግእን ካልኦት ክቡራት ኣቑሑትን ይዕድጉ ነይሮም።
ብተወሳኺ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ ዝነበራ ኵለን መራኽብ ግብሪ የኽፍሉ ነይሮም። ንጉስ ኢዛና ክርስትና ምስ ተቐበለ'ውን፡ ኣኽሱማውያን እግዚኣብሔር ብሙሴ ገይሩ ተኣምር ዝሰርሓሉ ማይ እዩ ብዝብል እምነት ንቐይሕ ባሕሪ ይቐድስዎን ይሕልውዎን ነይሮም እዮም።
ብተመሳሳሊ፡ እዚ ባሕሪ ምስ ታሪኽ እምነት እስልምና'ውን ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ኣብ መበል 7 ክፍለ-ዘመን (615 ድ.ክ.)፡ ቀዳሞት ተኸተልቲ ነቢ መሓመድ ኣብ መካ ካብ ዝነበረ መስጐጕትን መቕተልትን ንምምላጥ፡ ብትእዛዝ ነቢ መሓመድ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ገማግም ኤርትራ (ከባቢ ባጽዕ) ብምእታው ኣብቲ ክርስትያናዊ መንግስቲ ኣኽሱም ዕቝባ ረኺቦም እዮም።
እዚ 'ቀዳመይቲ ሂጅራ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፍጻመ፡ ንቐይሕ ባሕሪ ካብ መቕተልቲ መምለጢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ዓበይቲ ሃይማኖታት ናይ ድሕነትን ታሪኻዊ ምክብባርን ድልድል ገይርዎ ሓሊፉ እዩ።
ስልጣነ ኣኽሱም ምስ ደኸመ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሓይሊ ናብ 'ምድሪ ባሕሪ' ተቐየረ። ብ'ባሕሪ ነጋሲ' (ነጋሲ ባሕሪ) ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ምድሪ ባሕሪ፡ ቀንዲ ማእከሉ ኣብ ደባርዋ ኰይኑ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወደብ ባጽዕን ካብ ወረርቲ ሓይልታት ይከላኸል ነይሩ።
ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘመን ቱርካውያን ዕስማናውያን ንባጽዕን ገማግም ባሕርን ምስ ተቘጻጸርዎ፡ ምድሪ ባሕሪ ኣንጻር እዚ ምስፍሕፋሕ ሓያል ቃልሲ ኣካይዱ እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ጣልያን ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ካብ ወደብ ዓሰብ ተበጊሱ ንመላእ ገማግም ባሕርን ከበሳታትን ምስ ተቘጻጸረ፡ ብ1 ጥሪ 1890 ነታ ሓዳስ መግዛእታዊት ሃገር ስም ክህብ ከሎ፡ ካብቲ ጥንታዊ ናይ ግሪኽ ስም ቀይሕ ባሕሪ 'ኤሪትራ ታላሳ' ዝብል ብምውሳድ 'ኤርትራ' (Colonia Eritrea) ኢሉ ሰመያ።
በዚ ድማ እታ ሃገር ብስም እዚ ታሪኻዊ ባሕሪ ዝተሰየመት እንኮ ልዑላዊት ሃገር ኰይና ትርከብ።
ስትራተጅያዊ መተሓላለፍን ዘመናዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ወጥርን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀይሕ ባሕሪ ሎሚ'ውን ካብቲ ዝነበሮ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኣይጐደለን።
ብመንገዲ ወሽመጥ ዓደንን መትረብ ባብ ኣል-መንደብን ኣቢሉ፡ 12 ሚእታዊት ንግዲ ዓለም ዘተኣናግድ ኰይኑ፡ መዓልታዊ ኣስታት 4.5 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ብእኡ ይሓልፍ።
እንተዀነ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ የመን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝፈጸምዎ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕትታት፡ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ ናይ ድሕነት ስግኣት ኣጋጢምዎ ኣሎ።
ብዙሓት ናይ ንግዲ መራኽብ ንቐይሕ ባሕሪ ገዲፈን ብደቡብ ኣፍሪቃ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝወስድ ተወሳኺ ርሕቀት ክጓዓዛ ተገዲደን። እዚ ድማ ዋጋ መጓዓዝያ ብምውሳኽ ንዋጋታት ነዳድን ኣቑሑትን ዓለም ብቐጥታ ጸልዩዎ ይርከብ።
በዚ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነቱ ምኽንያት፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓያላን መንግስታት ወተሃደራዊ ጽልዋአን ዘርእያሉ መድረኽ ኰይኑ ይርከብ።
ኣብ ንእሽቶ ሃገረ ጅቡቲ፡ ናይ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ፈረንሳን ጃፓንን ወተሃደራዊ መዓስከራት ብሓባር ኣአንጊዳ ትርከብ።
ክልተአን ዓበይቲ ወደባት ኤርትራ—ባጽዕን ዓሰብን—ኣብዚ ቀይሕ ባሕሪ ዘለወን ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ድማ መዳርግቲ ዘይብሉ እዩ። ብፍላይ ወደብ ዓሰብ ኣብ ኣፍደገ እቲ ጸቢብ መተሓላለፊ ባብ ኣል-መንደብ ብምርካባ፡ ንጸጥታን ንግድን እቲ ከባቢ ወሳኒት ባእታ ኰይና ትርከብ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ዘሎ ናይ ቱሪዝም ኣፈላላይ ገዚፍ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ዝርከባ ከባቢታት ግብጺ ኣብ ዓመት ልዕሊ 14 ሚልዮን በጻሕቲ ሃገር ብምስሓብ ገዚፍ ቍጠባዊ እቶት ኣብ ዝረኽባሉ እዋን፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኤርትራ፡ ሱዳንን ጅቡቲን ግን ብሰንኪ ፖለቲካውን ዞባውን ኵነታት ዘለወን ናይ ቱሪዝም ምንቅስቓስ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል።
እዚ ድማ ነቲ ኣብ ገማግም ኤርትራ ዘሎ ዘይተተንከፈ ድንግል ናይ ቱሪዝም ዓቕሚ ዕጹው ገይርዎ ኣሎ።
_____________________________________________________________________________
ቀንዲ ኣገረምቲ ሓቅታት ቀይሕ ባሕሪ
- ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀዋሚ ዋሓዚ ሩባ ዘይፈሶ (ዘይኣትዎ) እንኮ ባሕሪ እዩ።
- ማይ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ ዘለዎ ልዑል ጨዋምነት፡ ሰባት ከይሓንበሱ ኣብ ልዕሊ ማይ ብቐሊሉ ክንሳፈፉ ይኽእሉ።
- ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ "ቀይሕ ባሕሪ" ተባሂሉ ዝተተርጐመ 'ያም ሱፍ'፡ ብቐጥታ ክትርጐም ከሎ "ባሕሪ ሻምብቆ" (ቃንጫ) ማለት እዩ።
- ኣብ ደሴታት ዳህላክ ዝነበረ ሉል ናይ ምግፋፍ ስራሕ፡ ኣብ ግዜ ጥንቲ ንነገስታት ሮማን ፋርስን ዝለዓለ ምንጪ ስልማት ነይሩ።
_____________________________________________________________________________
ደቂ ገማግም ባሕሪ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምትእስሳር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀይሕ ባሕሪ ናይ ፖለቲከኛታትን ነጋዶን መዘራረቢ ዛዕባ ጥራይ ኣይኰነን፤ ንኣሽሓት ዓመታት ህይወቶም ምስቲ ባሕሪ ዘተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ህዝብታት መነባብሮ እዩ። ኣብ ገማግም ኤርትራ ዝነብሩ ህዝብታት ምስዚ ባሕሪ ዘለዎም ምትእስሳር ናይ ዘመናት ታሪኽ እዩ።
እዞም ህዝብታት ንዘመናት ብባህላዊ ዕንጸይቲ ዝተሰርሓ 'ዳው' ዝተባህላ ጃልባታት ተጠቒሞም፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳን ምእካብ ሉልን ክሳብ ንግዲ ምስ ዓረብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ኣቋሪጾም ብምጓዓዝ ሓባራዊ ታሪኽን ባህልን ኣማዕቢሎም እዮም።
ወደብ ባጽዕ ብናይ ዑስማናውያን፡ ዓረብን ጥልያንን ዝተሓዋወሰ፡ ካብ እምኒ ኮራልን ዛዕጎልን (Shells) ዝተሰርሐ ፍሉይ ጥንታዊ ስነ-ህንጻኣ 'ሉል ቀይሕ ባሕሪ' ተባሂላ እትጽዋዕ ኰይና፡ ህያው መርኣያ ናይዚ ባህላዊ ምትእስሳር እያ።
እዚ ባህላዊ ምትእስሳር እዚ ሎሚ'ውን ኣብ መነባብሮ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ባህላዊ ኣመጋግባን ህይወት ደቂ ዳህላክን ብህያውነቱ ይርከብ።
ቀይሕ ባሕሪ ካብቲ ቅድሚ ሚልዮናት ዓመታት ዝተፈጥረሉ ስነ-መሬታዊ ፍንጀራ ኣትሒዙ፡ ስልጣነታት ዝተቐያየርሉ፡ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ተኣምራት ዝተመዝገብሉን ጥንታውያን ሃጸያዊ መንግስታት ዝሃብተምሉን ባሕሪ እዩ።
ኣብ ውሽጡ ዝዀነ ዓይነት ቀዋሚ ወሓዚ ሩባ ዘይብሉ እንኮ ባሕሪ ዓለምና ብምዃን ድማ ፍሉይ ዝዀነ ተፈጥሮኡ ዓቂቡ ይርከብ።
ሎሚ ድማ ካብቲ ዓለም ብሰንኪ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝሰግኣሉ ዘሎ ምጥፋእ ኮራላት (Corals) ተስፋ ዝህብ ስነ-ህይወታዊ መዕቆቢ፡ ከምኡ'ውን ንግዲ ዓለም ብሰላም ንኽጓዓዝ ወሳኒ ዝዀነ ስትራተጅያዊ ኣፍደገ ኰይኑ ኣገልግሎቱ ይቕጽል ኣሎ።
እዚ ብባክተርያ ዝቐየሐ ባሕሪ፡ ትማሊ ታሪኽ ዓለም ጸይሩ ሓሊፉ፡ ሎሚ ንዓለም ይጸሉ ኣሎ፡ ጽባሕ ድማ ናብ ሓድሽ ውቅያኖስ ናይ ምቕያር ተፈጥሮኣዊ ጕዕዞኡ ይቕጽል ኣሎ።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
