ቀይሕ ባሕሪ፡ ሰራዊት የመን ኣዝሊቑ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ዳግም ኣብ ትሕቲ ሑቲ ወዲቑ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ብደገፍ ስዑዲ ዓረብ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት መንግስቲ የመን፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ለቒቑ ብምውጻእ፡ ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሑቲ ኣብቲ ከባቢ ምሉእ ምቍጽጻር ክህልዎ ገይርዎ ኣሎ።
እዚ ስጕምቲ፡ ነታ ግዝያዊት ርእሰ-ኸተማኦም ዝዀነት ዓደን ካብ ዝዀነ ስግኣት ንምክልኻል ተባሂሉ ሓይልታቶም ዳግም ናይ ምውፋር ስትራተጂ ምዃኑ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እዚ ሃንደበታዊ ምዝላቕ ሰራዊት የመን፡ ሑቲ ብመስከረም ብዝገበርዎ መጥቃዕቲ ንባብ ኣል-መንደብ ድሕሪ ምሓዞም፡ ነቲ ወሳኒ መተሓላለፊ ባሕሪ ንምምላስ ንሰሙናት ክካየድ ንዝጸንሐ ደማዊ ኲናት መዛዘሚ ገይሩሉ ኣሎ።
ምቍጽጻር እዚ መተሓላለፊ፡ ሰደድ ነዳዲ ዓለም ብምዕጋት ንዓለማዊ ቍጠባ ኣብ ሓያል ጸቕጢ ዘእተወ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት እውን ካብ መረበቶም ንኽመዛበሉ ጠንቂ ኰይኑ ነይሩ እዩ።
ብሑቲ ዝመሓደሩ ማዕከናት ዜና፡ ዕጡቓቶም ነቲ ስትራተጅያዊ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቘጻጸርዎ ብሰንበት ዘረጋገጹ ክዀኑ ከለዉ፡ ስዑዲ ዓረብ ግን ዛጊት ብዛዕባ'ዚ ዘተሓሳስብ ወተሃደራዊ ምዕባለ ዝሃበቶ ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን።
ሓይልታት መንግስቲ፡ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ነቲ መጻብቦ "ውሑስ ከም ዝገበርዎ" ኣዊጆም ነይሮም እዮም። እዚ ድማ ሑቲ ኣብ ኣፍደገ እቲ መጻብቦ እትርከብ ደሴት ፐሪምን ስትራተጅያዊት ወደባዊት ከተማ ሞኻን ድሕሪ ምሓዞም፡ መንግስቲ ዘካየዶ ናይ ምምካት ፈተነ እዩ ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን፡ ሕጂ ግን ንደቡባዊት ከተማ ዓደን "ቀዳምነት" ብምሃብ ሰራዊቱ ካብቲ ከባቢ ከውጽእ ተገዲዱ ኣሎ።
ዕጡቓት ሓይልታት ደቡብ ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሰራዊቶም "ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ዙባብን ከባቢ ባብ ኣል-መንደብን" ይስሕቡ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ እዚ ከኣ "ኵሎም ግንባራት ንምድልዳልን ንዘጋጠሙ ስግኣታት ብብቕዓት ንምምካትን" ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
ሑቲ በቲ መስመር ንዝሓልፋ ዓለምለኻውያን መራኽብ ንግዲ ስግኣት ከም ዘይኰኑ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ መራኽብ ስዑዲ ዓረብ ግን ካብ መጥቃዕቶም ከም ዘየምልጣ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብግብሪ ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ስዑዲ ነዳዲኣ ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢላ ንምልኣኽ ኣብ እትጽገዓሉ ዝነበረት እዋን እዚ መጥቃዕቲ ምግጣሙ፡ ኣብ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ልዑል ወሰኽ ንኽርአ ኣበርክቶ ገይሩ ነይሩ እዩ።
እዚ ምዕባለታት'ዚ ነቲ ግጭት ብዝበኣሰ ኣጋዲድዎ ይርከብ።
ስዑዲ ዓረብ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ደብዳባት ነፈርቲ ግብረመልሲ ክትህብ እንከላ፡ ሑቲ ብወገኖም ናብ ከተማታትን ወሰንቲ ትካላትን እታ ሃገር ኣማኢት ድሮናትን ሚሳይላትን ተኲሶም እዮም።
ብመሰረት ግምታት ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ዝተጐሃሃረ ውግእ ዳርጋ ን330,000 ሰባት ካብ መረበቶም ዘመዛበለ ክኸውን ከሎ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዜጋታት ድማ ግዳይ ሞት ኰይኖም ኣለዉ።
የመን፡ እቲ ሑቲ ንመንግስቲ ካብ ርእሰ-ኸተማ ሰንዓ ዘባረሩሉ ናይ 2014 ሓድሕዳዊ ውግእ፡ ስዒቡ ድማ ብ2015 ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት ዓረብ ኢድ ምእታዉ፡ ኣብ ከቢድ ዕንወት ሸሚምዋ ይርከብ።
ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይወግዓዊ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ እውን፡ ሑቲ ኣብ ሓምለ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ "ናይ ባሕሪ እገዳ" ኣዊጆም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ትካላት ነዳዲ ከምኡ'ውን መራኽብ ጽዕነት ስዑዲ ብሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕትታት ምስ ከፈቱ ምሉእ ብምሉእ ተበታቲኹ እዩ።
ሑቲ ነዚ ስጕምቶም፡ ስዑዲ ንወደባቶም ብምዕጻዋን ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፈርትን ዝተውሃበ ሕነ ምፍዳይ ምዃኑ ይገልጹ።
























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
