ወዲ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television
ወዲ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) ዝዀነ መዋእል ገብረእግዚኣብሄር ከም ዝተቐትለ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ኮሎነል ንጉስ ወልደገብርኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ከም ዘረጋገጸን ዝርዝር መርመራ ንምክያድ ድማ ጕጅለ መርመርቲ ናብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ቦታ ከም ዝተላእኩን ሓቢሩ።
እዚ ናይ ፖሊስ መረጋገጺ ዝወጽአ፡ ብዛዕባ ኣመዋውታ እዚ ዕድሚኡ 23 ዓመት ዝዀነ መንእሰይ ዝተፈላለዩ ተጻረርቲ መግለጺታት እናወጽኡ ኣብ ዝርከብሉ ዘለዉ እዋን እዩ።
ኮርፖሬሽን ሚድያ ትግራይ (ተለቪዥን ትግራይ) ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መዋእል ገብረእግዚኣብሄር ብ13 ሕዳር 2026 (04 ሕዳር 2019 ግእዝ) ብዕጡቓት እቲ ንሱ "ጉጅለ ራዕዲ" ክብል ዝጸውዖ ህወሓት ከም እተቐትለ ጠቒሱ።
እቲ ትካል ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ መዋእል ገብረእግዚኣብሄር ''መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ብዝተተኮሰ ጥይት ተቐቲሉ'' ኢሉ።
ሓይልታት ሰላም ትግራይ ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ ኣባሉ ዝዀነ መዋእል ገብረእግዚኣብሄር ብ13 ሕዳር 2026 ብዘጋጠሞ "ሃንደበታዊ ሓደጋ" ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ ታሪኽ ህይወቱ ከም ዘብርሆ፡ መዋእል ብ10 ሓምለ 2003 (03 ሓምለ 1995 ግእዝ) ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ኣቦኡ ገብረእግዚኣብሄር በየነን ኣደኡ ወይዘሮ ትንስኡ ወልደገርግስን ተወሊዱ።
ትምህርቱ ኣብ ከተማታት መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝተኸታተለ ኰይኑ፡ ብ3 ሕዳር 2020 (24 ጥቅምቲ 2013 ግእዝ) ኣብ ትግራይ ኲናት ምስ ተወልዐ "ንህዝቡ ንምክልኻል ናብ ብረታዊ ቃልሲ ከም ዝተጸምበረን ክሳብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኽተም ኣብ ውግእ ከም ዝጸንሐን" ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television
ድሒሩ ግና ነቲ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ውሳነ ብምቅዋም፡ ናብ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ተጸምቢሩ ይቃለስ ከም ዝነበረ እቲ መግለጺ የረድእ።
ኮርፖሬሽን ሚድያ ትግራይ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ መዋእል ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ኣካል ናይቲ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ዝፍጸም ዘሎ ቅንጸላ" ክብል እዩ ገሊጽዎ።
መዋእል ገብረእግዚኣብሄር ''ኣብ ከባቢ ኣልዓሳ ብዕለት 04 ሕዳር 2019 ዓ/ም ሰዓት ሓደ ብዝተተኮሰ ጥይት ህይወቱ ድሕሪ ምሕላፉ፣ 5 ሕዳር 2019 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ፣ እንዳ ማርያም ዓዲ ሽምድሑን ስነ-ስርዓት ቐብሪ ተፈፂሙ'' ክብል ተለቪዥን ትግራይ ኣቓሊሑ።
ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሩ ዋና ኣፈጻሚ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን ኰይኑ ዝተሸመ ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ እቲ ክልል ተረኺቦም ነይኖም።
ኣቦ እቲ ዝተቐትለ መንእሰይ ዝዀነ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ናይ ቀደም ኣባልን ኣዛዝን ህወሓት ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሒሩ ግና ካብቲ ውድብ ብምፍላይ ኣዛዚ ናይቶም 'ዕጡቓት ሓራ መሬት' ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓይልታት ኰይኑ።
እዞም ዕጡቓት፡ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ህወሓትን ዳግማይ ዝተወልዐ ሓድሽ ኲናት፡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምዃን ንኸተማ መቐለ ኣብ ምቍጽጻር ዝተሳተፉ እዮም።
ብርጋዴር ጀነራል ወዲ ኣንጥሩ፡ ኣብቲ ድሒሩ ኣብ ትግራይ ዝቘመ 'መጕዚት ምምሕዳር'፡ ብቐዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣዛዚ ጸጥታ እቲ ክልል ኰይኑ ዝተመዘዘ ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ከተማ መቐለን መላእ ትግራይን ዘሎ ተሃዋሲ ጸጥታዊ ኵነታትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ይግለጽ።
ፖሊስ ኣብቲ ቦታ መርመራ የካይድ ከም ዘሎ እኳ እንተ ገለጸ፡ መዋእል ብተዅሲ ድዩ ወይስ ብኻልእ ኣገባብ ከም ዝተቐትለ፡ ከምኡ'ውን እቲ ቅትለት ብልክዕ ኣብ ኣየናይ ቦታ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን።
ብተመሳሳሊ፡ ካብ ወገን ህወሓት ነቲ ብኮርፖሬሽን ሚድያ ትግራይ ዝቐረበ ናይ ቅንጸላ ክሲ ኣመልኪቱ ዛጊት ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።
ብ13 መስከረም ዳግማይ ምስ ተወልዐ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ መቐለን ሓያሎ ካልኦት ከተማታትን ኣንሳሒቦም፡ ፈደራላውያን ሓይልታትን መሻርኽቶምን ንሓያሎ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ክልል ተቈጻጺሮም ይርከቡ።
መንግስቲ ፌደራል ካብ ሽዑ ኣትሒዙ "እቲ ግጭት ተዛዚሙ እዩ" ብምባል ንትግራይ ዘመሓድር ግዝያዊ መጕዚት ምምሕዳር ዘቘመ እኳ እንተዀነ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይን ካልኦት ከተማታትን በቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ገበን ብምስጋእ፡ ካብ 27 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኵሉ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ፡ ሞተር-ብሽክለታታትን ከበድቲ ናይ ጽዕነት መካይንን ሓዊሱ፡ ካብ ምሸት ሰዓት 08:00 ክሳዕ ንግሆ ሰዓት 06:00 ከይቀሳቐሳ ኣጊዱ ይርከብ።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
