ሩስያ ድሕሪ ፑቲን፡ ኣብ መንጎ ተስፋን ፍርሕን ዘለዉ ቢልዮነራት

ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምጅማራ፡ ቭላድሚር ፑቲን ንሃብታማት ሩስያውያን ኣብቲ ኣብ ክረምሊን ዝርከብ ፍሉጥ ኣደራሽ ኣኪቡዎም ነይሩ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ልዕሊ ሲሶ ካብኣቶም መሸፈኒ ገጽ (ማስክ) ገይሮም ነይሮም። ሓደ ጋዜጣ ሩስያ፡ ነቲ ኣኼባ "ፍዝዝ ዝበሉን ዝተሰላኸዩን" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ፑቲን ኣብቲ ኣደራሽ ምስ ኣተወ፡ ካብቶም ነጋዶ ኣዝዩ ረሒቑ ኣብ ካልእ ጸግዒ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ከምቲ ወትሩ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣይነበሮን።
ብልሙድ ስልታዊ ቋንቋኡ ተጠቒሙ፡ ነቲ ኲናት ክድግፍዎ ትጽቢት ከምዘለዎ ኣዘኻኺርዎም።
"እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ምስ መንግስቲ ብሓባር ኴንኩም ንፍርያት፣ ቍጠባን ስራሕን ዝድግፉ መሳርሒታት ክተበርክቱ እጽውዕ፡" ኢሉዎም።
ኣብቲ ብክረምሊን ዝተሓትመ ቪድዮ ናይቲ ኣኼባ፡ ካብቶም ቢልዮነራት ሓደ እኳ ቃል ዝተንፈሰ ኣይነበረን።
እቲ ስቕታ፡ መለለዪ ናይቶም ልዕሊ ዓቐን ሩስያውያን ሃብታማት ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ዓመታት ምሕደራ ፑቲን፡ ልዑል ዋጋ ከኽፍሎም ከምዝኽእል ተማሂሮም እዮም።
ኣብ 2003፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝሃብተመ ሩስያዊ ሚካኤል ኮዶርኮቭስኪ፡ ንፑቲን ብብልሽውና ምስ ከሰሶ፡ ንኣስታት 10 ዓመታት ተኣሲሩ። ንኻልኦት ነቐፍቲ ድማ ከቢድ መጠንቀቕታ ኰይኑ ነበረ።
ስለዚ፡ ዋላ'ውን ካብቶም ሰብ-ጸጋ ነቲ ኲናት እንተ ተቓወሙ፡ ሓሳባቶም ኣብ ውሽጦም ዓቂቦም ክሕዝዎ ዝመረጹ ይመስሉ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ስቕታ ግን ምጕርምራም ኣሎ። ገለ ኣባላት ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረ ናይ ንግዲ ደርቢ ሩስያ፡ ድሕሪ ዘመን ፑቲን ሩስያ ናበይ ገጻ ከም እትኸይድ ይሓስቡ ነበሩ።
እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ምስ ዝወርድ ወይ ምስ ዝመውት፡ እታ ሃገር ዝያዳ ከምቲ ኣብ 1990ታት ዝነበረ ክትመስል ትኽእል ድያ - ወይስ ብሓቂ ደሞክራሲ ክምጽእ ይኽእል እዩ ዝብል ሕቶ ኣለዎም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሓደ ካብቶም ሃብታማት ሩስያ ቃለ-መሕትት ዘካየደ ጋዜጠኛ "ዘ ኢኮኖሚስት" ዝዀነ ኣርካዲ ኦስትሮቭስኪ፡ ብመንጽር እቶም ኣዝዮም ሃብታማት፡ "ታሪኻዊን ፖለቲካዊን ለውጢ ይፍጸም ኣሎ" ዝብል ስምዒት ከምዘለዎ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, ALEXEY NIKOLSKY/SPUTNIK/AFP via Getty Images
ልዋም ድቃስ ዘይብሎም ሰብ-ጸጋ
ምፍርራስ ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1991 ሓድሽን ጕልቡትን ሓይሊ ወሊዱ ነበረ።
ንምብቃዕ ኮሚኒዝም ተጠቒሞም፡ ብዘይተገመተ መንገዲ ሃብታማት ዝዀኑ፣ ድሕሪኡ ምእንቲ ረብሓኦም ብብሒል-ጎቦ ንፖለቲካ ክቈጻጸሩ ዝደለዩ ሰባት ተፈጢሮም ነበሩ።
"ኦሊጋርክ" ተባሂሎም ዝጽውዑ እዞም ሰባት፡ ብዙሕ ገንዘብ ነይርዎም፣ ኣብቲ እዋን እቲ ድማ ገንዘብ ማለት ስልጣን ማለት እዩ።
እቲ ዘመን "ሓደስቲ ሩስያውያን" ዝበሃሉ ናብ መድረኽ ዝመጽእሉ እዋን እዩ። ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ኩባንያታት ናብ ዕዳጋ መጺአን፣ ምስ ሰበ-ስልጣን ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮም ሰባት፡ ዳርጋ ኣብ ሓደ ለይቲ ቢልዮነራት ኰይኖም።
ፑቲን ኣብ 2000 ንመጀመርታ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ምስ ተመረጸ፡ ዳርጋ ሽዑንሽዑ ነዞም "ነገስታት" ጸጥ ኣቢሉዎም።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሩስያ ዝዓበየ ወጻእተኛ ኣውፋሪ ዝነበረን ኣብ 2005 ኣንጻር ብልሽውና ጎስጓስ ድሕሪ ምክያዱን ካብታ ሃገር ዝተባረረን ቢል ብራውደር፡ እቶም ሩስያውያን ሰብ-ጸጋ ኣብ ቅድሚ ፑቲን - ርእሶም ኣድኒኖም ምንባሮም ይዛረብ።
"ኦሊጋርክ" ዝበሃሉ እዞም ሰባት፡ ኣዝዮም ትዕቢተኛታት እዮም ነይሮም።
ድሕሪኡ ፑቲን፡ እዞም "ኣልፋ-ተባዕታይ" ዝበሃሉ ውልቀሰባት፡ ከመይ ገይሮም ናብ ፍጹም ርእሰ-ምትሓት ከምዝወረዱ፡ ዳርጋ ተስፋ ዝቘረጹ ቈልዑ ቤት-ትምህርቲ ክመስሉ ምርኣይ ዘገርም ነይሩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛረበ።
ሎሚ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ሓያሎ ሩስያውያን ቢልዮነራት ኣለዉ፤ ብመሰረት መጽሔት ፎርብስ፡ ብድምር 155። ሓባራዊ ሃብቶም ናብ ሓድሽ ዝለዓለ ደረጃ ኣስታት 700 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ነቶም እሙናት ኰይኖም ዝጸንሑን ዝተሸለሙን ጽግዕተኛታት እውን እንተዀነ፡ እዚ ኵሉ ገንዘብ ዘሐጕሶም ኣይመስልን። ገሊኦም ድቃስ ዝሰኣኑ ይምስሉ።

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto/NurPhoto via Getty Images
ኣውቶክራሲ፡ ኦሊጋርክን ደሞክራስን
ገንዘቦም ከም ቀደሙ ኣይኰነን ዝሰርሓሎም ዘሎ: ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዙሕ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክገዝእሉ ኣይክእሉን።
"ዝዀነ ካርድ የብሎምን፣ ጸወታ የብሎምን" ይብል ኣብ ስደት ዝነብር ፖለቲከኛን ተንታኒን ዲሚትሪ ነክራሶቭ።
"ሃብታማት ዝዀንሉ ምኽንያት ምስ ፑቲን ገለ ርክብ ስለዘለዎም እምበር ብኣንጻሩ ኣይኰነን።"
ካብ ሩስያ ወጻኢ ድማ ብሰንኪ ድሕሪ ምሉእ ወራር ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተገብረ እገዳ ተገሊሎም ኣለዉ።
"ትሑት ደረጃ ከም ዘለዎም ገበነኛታት እዮም። ናይ ብሕቲ ነፋሪት ኣልዒሎም ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም። እተን ኣዝየን ዝማዕበላ ኤውሮጳዊ ማእከላት ንዓኣቶም ተቐቢለን ዘተኣናግዳ ኣይመስላን፤ ምስ ገንዘቦም ከምዚ ምዃኑ ኣዝዩ ዘበሳጩን ዘዋርድን ክኸውን ኣለዎ።"
ስቕ ኢሎም፡ ፑቲን ካብቲ ስልጣን ክሳብ ዝወርድ ዘቋመቱ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ። እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ቀልጢፉ ክወርድ ተስፋ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ 74 ዓመት ዝመልኦ ፑቲን፡ ንርብዒ ዘመን ኣብ ክረምሊን ኣገልጊሉ። ርግጽ እዩ፡ ደቂ ሞስኮ፡ ሓደ መዓልቲ ከምዝወርድ ይፈልጡ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, CARL DE SOUZA/AFP via Getty Images
እንተታት - ድሕሪ ፑቲን
ፑቲን ካብ ስልጣኑ እንተዝለቅቕ ወይ ኣብ ስልጣኑ እንከሎ እንተ ሞይቱ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ሚካኤል ሚሹስቲን ስልጣን ክሕዝ ይኽእል እዩ። ሚሹስቲን ግን ዝዀነ ህርፋን ስልጣን ዘለዎ ኣይመስልን፤ እዚ ድማ ገለ ሃጓፍ ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ዘዘራረብክዎም ተዓዘብቲ ሩስያ፡ ውሑዳት ገለ እንተታት ይሓስቡ። ገለ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዘለዉ ብዘይጥርጥር፡ ደሞክራሲ ክዕምብብ ይጽበዩ።
ድሕሪ ፑቲን ሩስያ፡ ብሓድሽ ካድረ ኦሊጋርክ ወይ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ዘይኰነስ፡ ብህዝቢ ዝምራሕ መንግስቲ ከቘውም ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎም። እዚ ግን እቲ ዝወሓደ ተኽእሎ እዩ።
ወሰንቲ ደሞክራስያዊ ትካላት ብሰንኪ ምሕደራ ፑቲን መንሚነን እየን። እዚ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝህነጽ ኣይኰነን።
"ሩስያ ምስ ዓመጻዊ ስርዓት ተላሚዳ እያ ዘላ፡ ደሞክራስያዊ ኣገባባት ከይለመደት ዓብያ" ትብል ኣብ ስደት ዘላ ሩስያዊት ጋዜጠኛን ተንታኒትን ኣሌክሳንድራ ፕሮኮፐንኮ።
ካልእ መንገዲ ድማ ምቕጻል ምልካዊ ስርዓት እዩ። እዚ ማለት፡ ዝተፈለየ ሰብ ንፑቲን ተኪኡ ነቲ ናይ ዓፈና ባህሉ ክቕጽል ይኽእል እዩ።
ፕሮኮፐንኮ ግን እዚ ካልእ ሓያል ምልኪ ኣይምኰነን ኢላ ትሓስብ። ሳልሳይ ኣማራጺ ድማ ኣሎ፡ እቶም ጽግዕተኛታት ሰብ-ጸጋ፡ ስልጣኖም ዳግማይ የረጋግጹ እሞ ሩስያ ናብቲ ኣብ 1990ታት ዝነበረ ስርዓት ኦሊጋርክ ዝመስል ትምለስ።

ምንጪ ስእሊ, Vladimir Smirnov SPUTNIK/KREMLIN POOL/EPA/Shutterstock
ዘይተለመደ ቃለ-መሕትት
'ንጉስ ዘበናዊ ድኹዒ ዓለም' ብዘብል ዝፍለጥን ኣብዚ እዋን'ዚ ሻሙናይ ሃብታም ሩስያ ዝዀነን ኣንድሬይ መልኒቸንኮ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ምስ 'ዘ ኢኮኖሚስት' ቃለ-መሕትት ብምግባር ንተዓዘብቲ ኣገሪሙ - ሓደ ሃብታም ሩስያዊ ክገብሮ ሳሕቲ ዝረአ ነገር እዩ።
ኣብ ገለ ክፋል ናይቲ ቃለ-መሕትት፡ መልኒቸንኮ፡ ገለ ዘረባታት ክረምሊን ደጊሙ። እንተዀነ፡ ኣብ ሩስያ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ስርዓት ከብቅዕ ተማጒቱ። ሩስያ ምስ ዓለም ዝያዳ ክትዋሳእ ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ፕሮኮፐንኮ፡ እቲ ኦሊጋርክ ነቲ ዕቱብ ህዝባዊ ዘተ ንኸለዓዕል ዝፍትኖ ዘሎ ይመስል ትብል፤ "ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃብታማት ምዝራብ ክጅምሩ ዝጠልብ እዩ ነይሩ" ትብል።
እቲ ቃለ-መሕትት ዝገበረሉ ጋዜጠኛ ኣርካዲ ኦስትሮቭስኪ፡ ኣብ "ሆቴላትን ካፈታትን" ዝተገበረ "ወጣርን ውዑይን ዘተ" ከም ዝነበሮም ነጊሩኒ።
ኣብ ሩስያ ቀሊል ነገር ኣይኰነን፣ መብዛሕትኦም ተዓዘብቲ ድማ እቲ ቃለ-መሕትት ብገለ መልክዕ ካብ ድሌት መንግስቲ ዝወጽአ ገይሮም እዮም ዝርድእዎ።
ሰበ-ስልጣን ንምንታይ ነቲ ዘይተለመደ ጻውዒት ለውጢ ክግበር ደልዮም ኣይንፈልጥን፤ ምናልባት ግን ገለ ደረጃ ደሞክራሲ ኣብታ ሃገር ከምዘሎ ከርእዩ ይፍትኑ ነይሮም ይዀኑ።
ነቲ መልኒቸንኮ ዘልዓሎ ሓሳባት ክድግፎ ዝወጽአ ሃብታም ኣይነበረን። እንተዀነ፡ እቲ ጋዜጠኛ፡ መልኒቸንኮ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብጾቱ ነጋዶ'ውን ወኪሉ ይዛረብ ከም ዝነበረ እዩ ዝስምዖ።

ምንጪ ስእሊ, Andrey Rudakov/Bloomberg via Getty Images
ስለዚ፡
ገለ ካብኣቶም ፡ እታ ሃገር ከምቲ ጋዜጠኛ ኦስትሮቭስኪ ዝብሎ፡ ድሕሪ ፑቲን ከምቲ ኣብ 1990ታት ዓይነት፡ "ኦሊጋርኪክ ሪፓብሊክ" ክትከውን ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ሃብታማት ሩስያ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ስልጣን ተራ ክህልዎም ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም።
እቶም ሰብ ጸጋ፡ ድሕሪ ፑቲን፡ ነቲ ዝሓለፈ ጽልዋኦም ንምምላስ ክጽዕሩ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።
እቲ ሕቶ፡ 'ተረፍ መረፍ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ክፈቕደሎም ድዩ?' ዝብል እዩ።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
