እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ሱዳን ንዝዋግኡ ዘለዉ ዕሱባት መተሓላለፊት ምዃና ዝኸስስ መርመራ
ኮሎምብያውያን ዕሱባት ብሓደ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ኵባንያ ተመልሚሎም፡ ኣብ ሱዳን ግፍዒ ብምፍጻም ንዝኽሰሱ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ (ኣርኤስኤፍ) ንምድጋፍ ብወተሃደራዊ መዓስከራት ኢማራት ኣቢሎም ከም ዝሓለፉ መርመራ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ከሲሱ።
እዚ ሓድሽ ርኽበታት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኢማራት ዓረብ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ብገበን ኲናት ዝተኸሰሰ ዳዕመ ሰሪዕ ከም እትድግፍ ክቐርብ ንዝጸንሐ ክስታት ተወሳኺ መርትዖ ዝህብ እዩ።
ኢማራት ግን፡ ኣብ ግዝኣታ ወጻእተኛታት ዕሱባት ወተሃደራት መልሚላ ኣሰልጢና ንዝብል ክሲ ትነጽጐ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሃገሩ "ግዝኣታ ንምልመላ፡ ስልጠና፡ ምወላ ወይ ናብ ዝዀነ ይዅን ግጭት ወጻእተኛታት ወተሃደራት ንምሕላፍ - እንተላይ ናብ ሱዳን - ክውዕል ኣይትፈቅድን፡" ኢሉ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ካብ መጋቢት ክሳብ መስከረም 2025 ምስ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ብዝተገብረ ቃለ መሕትት ከምኡ'ውን ኣብ ቪድዮታትን ምስልታትን ቀንዲ ቦታታትን ኣጽዋርን ዘለልዩ ጽሑፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምትንታን እዩ ነዚ ሓድሽ ጸብጻብ ዘርጊሑ።
ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ሰራዊት ሱዳንን እናረዓገ ዝኸይድ ዝነበረ ወጥሪ ስዒቡ፡ ብ15 ሚያዝያ 2023 ናብ ቅሉዕ ኲናት ከም ዘምርሐ ይፍለጥ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት በቲ ዓመጽ ከም ዝሞቱን ልዕሊ 12.9 ሚልዮን ድማ ከም ዝተመዛበሉን ይእመን። ዳርጋ ትሽዓተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 'ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ' (CIG) ዝተባህለ ጕዳያት ጸጥታ ዝትንትንን ዝከታተልን ትካል፡ ኣብታ ሕጂ ብቐንዱ ብዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ተታሒዛ ዘላ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ዝዀነት ዳርፉር፡ ተሳትፎ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ወተሃደራት ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ጸብጻብ HRW ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብናይ ጸጥታ ትንታነ ትካል፡ ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ (CIG) ዝተገብረ መጽናዕቲ'ዩ። እዚ መጽናዕቲ'ዚ'ውን ኣብታ ሕጂ ብዓቢኡ ብ ዳዕመ-ሰሪዕ ተታሒዛ ዘላ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ዝኾነት ዳርፉር፡ ተሳትፎ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ኣጉሊሑ'ዩ።
ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ዝሓለፈ ዓመት ነቶም ዕሱባት ወተሃደራት "ኣካላት ሞት" ክብሎም እንከሎ፡ እቲ ምልመላ "መልክዕ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት" ክብል ከም ዝገለጾ ይዝከር።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቶም ዕሱባት ቅድሚ ናብ ዳርፉር ምኻዶም፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኢማራት ዓረብ፡ ሊብያ፡ ጫድን ሶማልያን ከም መተሓላለፊ መስመራት ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ይገልጽ።
ሓደ ዕሱብ ነቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ፓስፖርትና ማሕተም ኣይገብሩልናን፡" ብምባል ብኣቡዳቢ ኣቢሉ ከም ዝተጕዓዘ ኣመልኪቱ።
"ኣቲና ወጺእና፤ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትወስደና ዝተዳለወት ኣውቶቡስ'ውን ነይራ።"
መርመራታት እቲ ተሓላቒ መሰላት፡ ንኣባላት ሰራዊት ኮሎምብያ ዝነበሩ ዒላማ ዝገበረ "ስራሕ ፈተነ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኣፍሪቃ" ዝምልከት መወዓውዒታት ዝዝርግሕ መርበብ ኵባንያታት ኮሎምብያን ኢማራትን ከም ዝተሳተፍሉ ይሕብር።
እቲ ምስ ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕመ ኩባንያ ኢማራት ፡ "፡ ነቶም ኮሎምብያውያን ወተሃደራዊ ኮንትራክተራት ናብ ሱዳን ንምስግጋር፡ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ትሕተ ቅርጺ ከምዝተጠቕመ" ይኸስስ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ዝመደበሩ ኵባንያ ነቶም ናብ ሱዳን ዝተዋፈሩ ኮሎምብያውያን ኮንትራክተራት "ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ከም ኣጋር ሰራዊትን መዳፍዕን፡ ኦፐሬተራት ድሮናትን ተሽከርከርትን ኣሰልጠንቲ ኰይኖም ዘገልግሉ ታክቲካውን ቴክኒካውን ልምዲ ንምሃብ" ከም ዝቘጽሮም ይኸስስ።
እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ እቶም ዕሱባት ወተሃደራት ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከባ ዞባታት ውግእ ቅድሚ ምውፋሮም፡ ኣብ ገለ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ኢማራት ዓረብ ስልጠና ወሲዶም እዮም።
እቶም ዕሱባት ኣብ ዝተዋፈሩሎም ዞባታት እቲ ኲናት ድማ፡ ከም ጃምላዊ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ ባርነት፡ ዝምታን ዕንወት ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጺን፡ ዝኣመሰሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈጸሞም እዮም ይብል።
ጉጅለ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንከተማ ኤል-ፋሸር ድሕሪ ምሓዙ ዓለማዊ ቁጥዐ ዘልዓለ ክስተት ስዒቡ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (UNHRC)፡ "ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልታት ብመጥቃዕቲ'ቶም ዕጡቓት፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡" ይግምት።
"ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን 2025፡ ሽዱሽተ ነበርቲ ኤል-ፋሸር ንሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2025፡ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኮሎምብያውያን ከም ዝዀኑ ዝኣመኑሎም ሰባት፡ ኣብታ ከተማ ከም ዝረኣዩ ገሊጾም፡" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሰ ተኣሲሩ ዝነበረ- ውጻእ መዓት ዝዀነ ሰብ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ እኩባት ሰባት ተዅሲ ክኸፍቱ ከለዉ "ስቕ ኢሎም ዝርእዩ ወጻእተኛታት፡" ከም ዝረኣየ ገሊጹ።
ካልእ ድማ "ጸዓዱ ዕጡቓት" ጎኒ ጎኒ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ደው ኢሎም ከለዉ፡ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ ከም ዝረአዩ ጸብጺቡ።
"እቲ ቅትለት እንክፍጸም ኣብኡ ነይሮም፣ ግን ንሳቶም ኣይረሸኑን።"
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዝርከቡ ዕሱባት ዕጡቓት ኮሎምብያ ምስ ተማረኹ፡ ናይ ዕጡቓት ሓይልታት ኢማራት ዓረብ ዝዀኑ ኣጽዋር ከም ዝተረኸበ'ውን ይሕብር።
ገለ ካብቶም ተተኰስቲ፡ ኣብ ሰርብያን ቡልጋርያን ዝፈረዩ ብኢማራት ዓረብ ዝተዓደጉ እዮም።
እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን መንግስታት ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን፡ ብዛዕባ ተሳትፎ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኲናት ሱዳን፡ ድምጾም ከስምዑ ጸዊዑ ኣሎ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣብ ልዕሊ ሓደ - ብቐንዱ ኮሎምብያዊ ዜግነት ዘለዎም - ወተሃደራት ኮሎምብያ ነበር መልሚላ ኢላ ዝኣመነትሎም መርበብን ውልቀሰባትን፡ ማዕቀብ ኣንቢራ ነይራ።
ሓደ ካብቶም እገዳ ዝተነብረሎም ውልቀሰባት፡ ድርብ ኮሎምብያዊን ጣልያናዊን ዜግነት ዘለዎ- ወተሃደራዊ መኮነን ነበር ኰይኑ፡ ተቐማጢ ኢማራት'ዩ።
ኢማራት፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኩባንያታት ኢማራት ኣብ ምድጋፍ ዕጡቓት ሱዳን፡ ተሳቲፈን ዝብል ክሲ ከም ዝተመርመረ ሓቢራ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ብዛዕባ ፍሉይ ክስታት ዝቐረበሎም ኣካላት መርሚሮም እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ቅሉዕ ምንጪታት ምስ ዝተጠቕሱ ኩባንያታት ይሓውስ" ኢሉ።
"ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ኣካል - ናይ ኢማራት ይዅን ወጻእተኛ -ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ፡ ንሓደ ዕጡቕ ዘይመንግስታዊ ተዋሳኣይ ደገፍ ከም ዝህብ ብዝግባእ ክትርጎም ብዝኽእል መንገዲ ክሰርሕ እንተ ተረኺቡ፡ ሕጊ ኢማራት ብምጥሓስ፡ ገበናዊ መርመራን ክስን ክቐርበሉ'ዩ።"
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እታ ሃገር ነባሪ ተኹሲ ደው ምባል ብምውሓስ፡ "ስቓይ ህዝቢ ሱዳን ንምቅላል" ምስ መሻርኽታ ክትሰርሕን፡ "ሓቛፊ፡ ብሱዳን ዝውነን ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ" ዝበሎ ንምፍጣር ክትሕግዝ ከምእትደሊ ሓቢሩ።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት፡ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ዓለማዊ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ሓቢሩ።
ኣብ ሚያዝያ፡ ዋና ዳይረክተር'ቲ ውድብ- ሱንግ ኣህ ሊ፡ "ብዙሓት ሰባት፡ ናብቲ ኣባይቲ፡ ማይ፡ ጥዕና፡ ኤሌክትሪክ ሓዊሱ ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጽን ዘይብሉ፡ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ከባቢታት ክምለሱ ርእያ።"
"ብዙሓት ጸጥታ ከም ዝተመሓየሸ ስለዝኣምኑ እዮም ዝምለሱ ዘለዉ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራዊት ነታ ከተማ ካብ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዳግማይ ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣብ ጥሪ ናብ ካርቱም ብወግዒ ተመሊሱ።