እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈፂሙ
ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመ ገሊፁ።
ነቝጣታት ሚሳይላት ኢራንን ኣብ ባሕሪ ተፈንጃሪ ንምቕማጥ ዝፍትና ጃላቡን፡ ዒላማ ከም ዝኾና ድማ ተሓቢሩ።
ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እቶም መጥቃዕትታት "ንርእሰ ምክልኻልን" "ወተሃደራትና ካብ ሓይልታትት ኢራን ክፍፀሙ ካብ ዝኽእሉ መጥቃዕትታት ንምውሓስን" ዝተፈፀሙ እዮም ኢሉ።
ወሃቢ-ቓል ማእከላይ እዚ ካፕቴን ቲም ሃውኪንስ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ንወተሃደራቱ ይከላኸል ኣሎ፤ ግና ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ዝቕፅለሉ እቲ ጎንፂ ከይጋደድ ንፅዕር ኣለና፡" ኢሉ።
ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳይ ወፃኢ ኢራን ኢስማዒል ባቃይ፡ ምስ ኣመሪካ ዝካየዱ ዝርርባት ውሱን ምምሕያሽ ከም ዘርኣዩ ብምሕባር፡ ነቲ ኵናት ደው ከብል ኣብ ዝኽእል ስምምዕ ምብፃሕ ግና "ኣብ ቀረባ ዝኸውን ኣይኰነን" ኣብ ዝበለሉ እዮም እዞም መጥቃዕትታት ተፈፂሞም ዘለዉ።
ካፕቴን ሃውኪንስ፡ እዞም መጥቃዕትታት፡ ኣብ ጥቓ ባንዳር ዓባስ ዝተባሃለት ኣገዳሲት ወደባዊት ከተማ ኢራን ከም ዝተፈፀመ ሓቢሩ።
ከም ፀብፃብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ እታ ወደባዊት ከተማ፡ መደብር እቲ ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን እያ።
መራኸቢ ሓፋሽ ኢራን፡ ኣብቲ ከባቢ ነትጒ ምስ ተሰምዐ ሰብመዚ ባንዳር ዓባስ ምርመራ የካይዱ ከም ዘለዉ ፀብፂበን ነይረን።
ኢራን ነዞም ካብ ኣመሪካ ዝተፈፀምዋ መጥቃዕትታት ክሳብ ሕዚ ምላሽ ኣይሃበትን።
እዞም ናይ ሕዚ መጥቃዕትታት፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ይካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም እንታይ ዓይነት ፅልዋ ከም ዝህልዎ ንፁር ኣይኰነን።
ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ "ሕዚ'ውን ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ይከኣል እዩ፡" ኢሉ።
ብኣሸማጋላይነት ቀዳማይ ምኒስተር ቐጠር፡ ሰሉስ ምስ ላዕለዎት ተዛተይቲ ኢራንን ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢን ዝርርባት ከም ዝቕፅሉ ድማ ኣአንፊቱ።