እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝተዓወቱን ዝኸሰሩን፡ ኲናት ኢራን ኣብ ባጤራታት ዓለም ዝፈጠሮ ጽልዋ
ኣብ ለካቲት ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ውግእ ድሕሪ ምውልዖም፡ ሳዕቤኑ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ተወሲኑ ኣይተረፈን።
እቲ ግጭት ንንግዳዊ መራኽብን ዋሕዚ ዓለምለኻዊ ንግዲን ስለ ዝዓንቀፈ ድማ ዋጋ ነዳዲ ብሃንደበት ወሲኹ። እዚ ኵነታት'ዚ ዋጋታት ብምንሃር ዓለማዊ ዕዳጋ ክናወጽ ደሪኹ።
ከምቲ ኣብ ግዜ ቅልውላው ዝተለምደ፡ ገለ ወነንቲ ርእሰ-ማል ካብቲ ሃንደበት ዝቀያየር ዕዳጋታት ንምድሓን ገንዘቦም ናብቲ ከም ውሑስ ዝርአ ዶላር ኣመሪካ ይቕይሩዎ።
እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ኵሉ ሸርፊታት ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ኣብ ገለኦም ዋጋታቶም ክወርድ ከሎ፡ ኣብ ካልኦት ድማ ዘይምርግጋእ ተራእዩ፤ ገለ ውሑዳት ግን ሓይሎም ኣደልዲሎም።
"ዋጋ ነዳዲ ንዅሉ ሰብ እዩ ዝጸሉ። እንተዀነ፡ ምንዋጽ ሸርፊ ገንዘብ ንጽልዋኡ ከጕልሖ ወይ ከጕድሎ ይኽእል እዩ፡" ይብል ሓላፊ ትካል ምኽሪ APCE ክኢላ ቍጠባ ኣንድረ ፐርፈይቶ።
እዚ ምስቶም ንዅነታት ቍጠባ ዝጸልዉ ካልኦት ረቛሒታት ተደሚሩ፡ እዚ ምንዋጽ ሸርፊታት ንነፍስወከፍ ሃገርን ዜጋታታን እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?
ከቢድ ጕድኣት ዝወረደን
ቀረባት ጸዓት ብፍላይ ነዳዲ ካብ ወጻኢ ዘእትዋ ሓያሎ ሃገራት፡ ብሰንኪ ሸርፊ ገንዘብ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ወዲቐን ይርከባ።
ከም ህንዲ፡ ኢንዶነዥያ፡ ፊሊፒንስ፡ ታይላንድን ግብጽን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብነት ናይዚ ኰይነን፡ ብሰንኪ ልዑል ዋጋ ነዳድን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ሓድሽ ጸቕጢ የጋጥመን ኣሎ። እዚ ኵነታት'ዚ ድማ ነቲ ብዶላር ዝተተመነ ዕዳታት ናይ ምኽፋል (ናይ ምግልጋል) ወጻኢታት የዕብዮ እዩ።
እቶም ብሰንኪ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተጸልዉ ነዳድን ካልኦት ሸቐጣትን ዋጋኦም ብዶላር እዩ ዝትመን።
ናይ ሓንቲ ሃገር ሸርፊ ክወርድ ከሎ፡ ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ሸቐጣትን ፍርያትን ዝያዳ ክቡራት ይዀኑ፤ እዚ ድማ ካብ ጸዓት ጀሚርካ ክሳብ ፕላስቲክን ድዅዕን ንዅሉ ይጸሉ፤ ንዋጋታት መግብን ሃለኽቲ ነገራትን የንህሮ።
ኣብ ህንዲ፡ ሩፒ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ምስ ዶላር ክነጻጸር ከሎ ብ5% ወሪዱ፤ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዝወሰኸሉ ድማ ደረጃኡ እናወረደ ይቕጽል።
ሸርፊ ባጤራ ህንዲ ቅድሚ ግጭት ምጅማሩ'ውን ይደክም እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ውግእ ግን ነቲ ዝነበረ ቍጠባዊ ኵነታት ዝያዳ ግሉሕ ገይሩዎ።
ገለ ማእከላይ ባንክታት ንዋጋ ሸርፊ ሃገሮም ንምድጋፍ፡ ወለድ ብምውሳኽን ካብ ዘለዎም ናይ ዶላር ዕቑር ገንዘብ ብምሻጥን ምላሽ ሂቦም ኣለዉ።
ባንክ ኢንዶነዥያ ነዞም ክልተ ስጕምቲታት ብምውሳድ፡ ንጠለብ ሩፒያ ንምዕባይ ብተደጋጋሚ ዶላር ይሸይጥን ናይ ገዛእርእሱ ሸርፊ ይዕድግን ኣሎ።
ወለድ ክውስኽ ከሎ፡ ሰባት ኣብቲ ዘቐመጡዎ ገንዘብ ልዑል መኽሰብ ይረኽቡ እኳ እንተዀኑ፡ ከም ናይ ገዛ ልቓሕን ካልኦት ዕዳታትን ንምምላስ ዝኽፈል ወጻኢታት ግን ይውስኽ።
ዘይርጉእን ዝንህርን
ገለ ሸርፊታት ናብ ክልተኡ ጫፋት ምልውዋጥ ብምርኣይ ዝያዳ ዘይርጕኣት ክዀኑ ተራእዮም።
ከም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኮሎምቢያ፡ ቺለን ሜክሲኮን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብዚ ክፍሊ እዚ ይምደባ። እዞም ሸርፊታት እዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብዓለምለኻዊ ዕዳጋ ቀልጢፎም ይጽለዉ።
ሰብ ርእሰ-ማል ካብቲ ዘይርጕእ ኵነታት ክወጽኡ ክብሉ ገንዘቦም ቀልጢፎም ናብ ዶላር ክቕይሩ ከለዉ ባጤራ ናይተን ሃገራት ይደክም። ዋጋ ፍርያት (ኣቝሑት) ክውስኽ እንከሎ ድማ ምብርባር የርኢ።
ነዳዲ ናብ ወጻኢ ዝልእካ ገለ ሃገራት (ከም ብራዚልን ማሌዥያን) ካብቲ ዝወሰኸ ዋጋ ነዳዲ ብኸፊሉ ተጠቒመን እየን፤ እዚ ድማ ካብ ወጻኢ ንዝረኽብኦ እቶት ኣዕብዩዎ እዩ።
ከም ጎልድማን ሳክስ ዝኣመሰሉ ባንክታት፡ ኣብ ምያዝያ ንዓማዊሎም ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ቦንድ ብራዚል ዓቢ ጠለብ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም እዮም።
እንተዀነ፡ ልዑል ዋጋታት ጸዓት ኣብ ብራዚል ዝቕባበ (ዋጋ ፍርያት) ክዓቢ ክገብር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ወለድ ናይ ምጕዳል ስጕምቲ ከደናጕዮ ይኽእል።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጥቅምቲ ዝካየድ ብፕረዚደንታዊ መረጻ ዝፈጥሮ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ተመን ሸርፊ ወሰኽ ከምጽእ ከም ዝኽእል ክኢላታት ቍጠባ ይሕብሩ።
ኣንፈቱ ናበይ ዘቕንዐ ይመስል?
ክኢላታት ቍጠባ ከም ዝሕብሩዎ፡ እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣየር ንዶላር እኳ እንተ ኣሐየሎ፡ ብድሕሪኡ ግን እናደኸመ መጺኡ ኣሎ። እዚ ድማ ንቝጠባ ናይተን ዝዓብያ ዘለዋ ሃገራት ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ምያዝያ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ እቲ ብሰንኪ ውግእ ኢራን ዝቕጽል ዘሎ ዕንቅፋታት ንዓለምለኻዊ ቍጠባ ናብ ሕማቕ ኵነታት ይደፋኦ ኣሎ።
ዋጋ ነዳዲ ልዑል ኰይኑ እንተ ቀጺሉ፡ ዓለምለኻዊ ዕብየት ቍጠባ ናብ 2.5% ክወርድ፡ ዝቕባበ ድማ ናብ 5.4% ክዓቢ ይኽእል እዩ።