እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ ምስ ካልኦት ክልላት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መረፃ ኣይካየድን
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰኑይ 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም (ኣ.ግ) ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ካልኦት ክልላት ብሓደ፡ መረፃ ከም ዘይካየድ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣምሓራ ካብ ዝርከቡ 138 ክልላት መረፃ ድማ ኣብቶም ሸሞንተ ከም ዘይካየድ እቲ ቦርድ ገሊፁ።
እቲ ቦርድ ብሰሉስ 18 ግንበት 2018 ዓ.ም. ግ. ስራሕቲ ቅድመ መረፃን ድምፂ ዝወሃበሉ መዓልትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኣብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ብጠቕላላ ኣብ 46 ክልላት (ጣብያታት) መረፃ ከም ዘይካየድ ወግዓዊ ገይሩ።
ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 38 ነቝጣታት መረፃ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ኣብ ሸሞንተ ነቝጣታት መረፃ ኣይካየድን ኢላ።
ደቡብን ምዕራብን ጎንደር፡ ኣምባሰልን ኣብ ደጋ ዳሞት ዝርከቡ ነቝጣታት፡ ድምፂ መረፃ ዘይወሃበሎም ከባቢታት እቲ ክልል ከም ዝኾኑ ሓቢራ።
ወይዘሮ ሜላት ወርቅ፡ እቶም ምሃብ ድምፂ ዘይካየደሎም ሸሞንተ ክልላት መረፃ፡ ኣብ መፃኢ ከም ዝመርፁ እኳ እንተተዛረበት፡ መዓዝ ዝብል ግና ኣየነፀረትን።
ሽድሽተ ውድባት ፖለቲካ ካብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ካብ ውድድር ወፃኢ ከም ዝኾኑን፡ 42 ውድባት ድምፂ መረፅቲ ንምርካብ ከም ዝነሓንሑን ተዛሪባ።
ካብቶም ኣብዚ መረፃ ዘይወዳደሩ ሰለስተ ውድባት፡ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ- ስምረት፣ ቃንጪ ሓቂን ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታን ከም ዝዀኑ'ውን ገሊፃ።
ፌደራሊስት ፓርቲ ሲዳማ-ሲፌፓ፡ ምንቅስቓስ ነፃነት ህዝብታት ጋምቤላ-ጋህነን'ውን ኣይክወዳደሩን።
ልዕሊ 10 ሽሕን 400 ሕፁያት ከም ዝተመዝገቡ ዝሓበረት ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላት ወርቅ፡ ካብ ትሽዓተ ውድባት ብመሰረት ዝተቐመጠሎም ገደብ ግዜ ንምምዝጋብ ዘድሊ ረቛሒ ብዘይምምልኦም፡ 80 ሕፁያት ተነፂጎም ኢላ።
ይዅን'ምበር፡ ሶሻል ዲሞክራቲክ ኢትዮጵያ (ኢሶዴፓ)፡ "309 ሕፁያት ካብ መረፃ ወፃኢ ኮይኖም" ይብል ኣሎ፤ ዝተነፀጉ ሕፁያት ብኸመይ 80 ጥራሕ ኰይኖም ዝብል ሕቶ ቀሪቡላ።
እቶም 80 ሕፁያት ዝተነፀጉ ዘየማልእዎ ረቛሒታት ንኸማልኡ ኣብ ዝተወሃቦም ግዜ ብዘይምምልኦም ከም ዝኾነ ኣረዲኣ።
ሕፁያት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራቲክ ኢትዮጵያ (ኢሶዴፓ) ግን፡ ተመዝጊቦም ወረቐት ምስክር ምስ ረኸቡ፡ ብውሳነ ቤት-ፍርዲ ካብቲ ውድድር ወፃኢ ኰይኖም።
እዚ ሰፊሕ ኣፈላላይ ኣለዎ፤ 80ን 309ን ሕፁያት ካብ ውድድር ወፃኢ ዝኾንሉ ምኽንያት ከም ዘይራኸብ ገሊፃ።
ካብ ተዓዘብቲ ውሽጢ ሃገር ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪቃን በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ-ኢጋድን ነቲ መረፃ ከም ዝዕዘብዎ ተዛሪባ።
ቦርድ መረፃ ተወሳኺ ባጀት ከም ዝሓተተ ተገሊፁ ዝነበረ ኰይኑ፡ ዝሓተቶ ተወሳኺ ባጀት ከም ዝተፈቐደሉ እታ ኣካቢት ኣፍሊጣ።
እቲ ቦርድ፡ ኣብ ምዝገባ መረፅቲ ፀገም ኣብ ዝተርኣየሎም ክልላት መረፃ፡ እቲ ምዝገባ ክስረዝ ከም ዝገበረ'ውን ገሊፃ።
"ብመሰረት ምዝገባ እናተኻየደ እንከሎ ብዝመፅኡ ጥቆማታት፡ እቲ ቦርድ ናይ ባዕሉ ክትትል ክገብር ፀኒሑ'ዩ፡" ኢላ።
እቲ ቦርድ፡ ፀገም ኣለዎም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ክልላት መረፃ ብተንቀሳቓሲ ምስልን ብወረቐትን ዝተደገፈ መረዳእታ መሰረት ብምግባር፡ ነቲ ምዝገባ ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጣ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ነቝጣ መረፃ ግምጃ ቤት፣ ኣብ ክልል ሶማል ነቝጣ መረፃ ሰገን፣ ኣብ ኦሮሚያን ቤንሻንጉልን ሓደ ሓደ ነቝጣ መረፃ፡ ምዝገባ ካብ ዝተሰረዘሎም ከባቢታት ከም ዝኾኑ ተዛሪባ።
መጻኢ ሰኑይ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ፡ መረፅቲ ንኣብያተ ምኽሪ ክልልን ንቤት-ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ወከልቶም ክመርፁ እዮም።