ውዕል ሳብማሪን ኣውከስ፡ ምስ ቻይና ዝፍጠር ግጭት ይቐርብ’ዶ ይህሉ?

Published

ቻይና ኣብዚ ሰሙን ወግዓዊ ንዝተገበረ ‘ኣውከስ’ ዝበሃል ውዕል ኣሜሪካ፣ ብሪጣኒያን ኣወስታራልያን ብቑጠዐ ምላሽ ሂባ’ላ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሳንዲየጎ ወግዓዊ ዝተገበረ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ውዕል ከምዘመልክቶ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ኣብ ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ ንዝካየድ ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ቻይና ንምምካት ክሓብራ ኣብ ምርድዳእ በፂሔን ኣለዋ።

"ሓደገኛ መንገዲ ቁልቁለት"፤ "ስክፍታታት ማሕበረሰብ ዓለም ዕሽሽ ምባል"፤ ከምኡ'ውን "ናብ ሓደጋ ሓድሽ ውድድር ኣጽዋርን ምብዛሕ ኑክለራዊ ኣጽዋርን ዘእትው" ዝብሉ ሓሳባት ገለ ካብቶም መንግስቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ እተን ስሉሳዊ ውዕሊ ዝገበራ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ሃገራት ዘቕርቦም ዘሎ ብቑጠዐ ዝተሰነዩ ክስታት እዮም።

መራሒት ኮንግረስ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ ቅድሚ ኣዋርሕ ናብ ታይዋን ኣካታዒ ዑደት ካብ እትገብር ንደሓር ቻይና ንተግባራት ምዕራባውያን ብከምዚ ዝኣመሰለ ቁጠዐ ክትነቅፍ ኣይተርኣየትን።

ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ቁፅሪ ህዝቢ ዘለዋን ዝዓበየ ሰራዊትን ሓይሊ ባሕርን ዓለም ዝወነነትን ቻይና፡ ብኣሜሪካን ኣብ ምዕራባዊ ፓሲፊክ ዝርከባ መሻርኽታን "ከምዝተኸበበት" ክስምዓ ምጅማሩ ትገልፅ።

ከም ግብረ መልሲ እዞም ንጥፈታት ከኣ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ኣብ ቀረባ እዋን ባጀት ምክልኻል እታ ሃገር ክውስኽ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንሃገራዊ ድሕነት ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ቀንዲ ዘሻቕል ጉዳይ ገይሩ ሰሪዕዎ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ብወገኑ ብዛዕባ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ሓደገኛ ዓሰርተ ዓመታት ዝበሎን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንምግጣም ምድላዋት ከምዘድሊ ኣብዚ ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።

እሞ ደኣ ዓለም ናብቲ ቻይና ኣንፃር ኣሜሪካን መሻርኽታን ናብ ዘካይድኦ ኣዕናዊ ግጭት ትቐርብ’ዶ ትህሉ?

ምዕራባውያን ንቻይና ብጌጋ እዮም ዝርድእዋ ዘለዉ። ሚንስተራት ጉዳያት ወፃኢ ንዓመታት ዝሓዝዎ ግሩህ ግምት ኣሎ። ቁጠባዊ ናፅነት ቻይና ዓብዪ ፖለቲካዊ ናጽነት ክመፅእ ምግባሩ ኣይተርፍን ዝብል’ዩ እቲ ግምት።

ምዕራባውያን ኩባንያታት ኣብታ ሃገር ናይ ሽርክና ትካላት ምስ ኣጣየሻን ኣማኢት ሚልዮናት ቻይናውያን ዝሓሸ ደረጃ መነባብሮ ከስተማቕሩ ምስ ጀመሩን ብርግፀኝነት ሰልፊ ኮሚኒስት ቻይና (CCP) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝገብሮ ምቁጽጻር ክልሕልሕ ከምዝኽእል እምነት ኣለወን።

ብተወሳኺ ድማ መጠነኛ ደሞክራስያዊ ምምሕያሻት ከፍቅድ ከምኡ'ውን ምሉእ ኣባል ናይቲ "ኣብ ሕግታት ዝተመርኮሰ ዓለማዊ ስርዓት" ከምዝኸውን እየን ዝኣምና።

እቲ ዝረኣይ ዘሎ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን።

ብርግፅ ቻይና ብቑጠባ ዝዓበየት፣ ኣብ ዓለማዊ ሰንሰለት ቀረባት ኣገዳሲትን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ሃገራት ወሳኒት ንግዳዊት መሻርኽትን ኮይና ኣላ።

ኮይኑ ግን ነዚ ምስ ደሞክራስን ሊበራላይዜሽንን ኣብ ክንዲ እተሳንዮ፡ ንምዕራባውያን መንግስታት ከምኡ’ውን ንከም በዓል ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያን ፊሊፒንስን ዝበላ ብዙሓት ጎረባብታ ዘሰክፍ ኣንፈት ሒዛ ትርከብ።

ኣብ መንጎ ቻይናን ምዕራባውያንን ቀንዲ ምኽንያት ክትዕ ካብ ዝኾኑ ዛዕባታት ዝስዕቡ ይርከብዎም

  • ታይዋን፡ ቻይና ነዛ ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ ደሴት ኣድላዪ እንተኾይኑ ብሓይሊ ክትሕዛ ብተደጋጋሚ ክትሕነ ትስማዕ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዋላ እኳ ወግዓዊ ፖሊሲ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ እንተዘየፍቀደሉ ሃገሩ ግን ንታይዋን ኣብ ምክልኻል ከምእትዋሳእ ይገልፅ
  • ባሕሪ ደቡብ ቻይና፡- ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንገለ ክፋል እቲ ባሕሪ ክትቆፃፀር ንገዚፍ ሓይሊ ባሕራ ክትጥቀም ምፅንሓ ይፍለጥ። ንዓለማዊ ሕጊ ብዝጻረር መልክዑ ናይ ገዛእ ርእሳ ግዝኣት ከምዝኾነ ትገልፅ።
  • ቴክኖሎጂ፡ ቻይና ብሕቡእ ሰፊሕ ውልቃዊ መረዳእታ ብምእካብ ከምኡ’ውን ንግዳዊ ረብሓ ንምርካብ ኣእምሮኣዊ ንብረት ብምስራቕ ትኽሰስ።
  • ሆንግ ኮንግ፡ መንግስቲ ቻይና ኣብታ ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረት ሆንግ ኮንግ ንዲሞክራሲ ብምጭፍላቕ ትኽሰስ። ንደለይቲ ፍትሒ ወይ ተጣበቕቲ መሰላት ድማ ነዊሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ትህብ
  • ኣስላም ዊገር፡ መረዳእታ ሳተላይትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ከምዘመልክትዎ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ኣስላም ዊገር ኣብ መላእ ግዝኣት ዚንጂያንግ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ተዳጒኖም ይርከቡ።

ሎሚ ቻይና ብወተሃደራዊ መዳይ ብጥንቃቐ ክተረአ ኣለዋ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ህዝባዊ ሰራዊታ ብመዳይ ቴክኖሎጅን ምህዞን ከምኡ’ውን ብቑጽሪ ዓቢ ምዕባለታት ኣመዝጊቡ እዩ።

ንኣብነት ‘ዶንግ ፈንግ ሃይፐርሶኒክ’ ሚሳይላት ልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ ፍጥነት ድምጺ ክጓዓዙ ዝኽእሉ እዮም።

እዚ ድማ ኣብ ዮኮሱካ ጃፓን ዝመደበሩ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናብተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ሚሳይላት ቻይና መጥቃዕቲ ንምፍፃም ክጓዓዝ ክሳብ ክንደይ ድልው ከምዝኾነ ደው ኢሉ ንኽሓስብ የገድዶ።

ቻይና ንኑክለራዊ ባሊስቲክ ሚሳይላት እውን ብዕጽፊ ንምዕባይ ዝዓለመ ቅልጡፍ ናይ ምስፍሕፋሕ መደብ ጀሚራ ኣላ።

እዚ ኹሉ ግን ቻይና ናብ ኲናት ክትኣቱ ትደሊ ማለት ኣይኮነን። ኣይገብሮን እዩ። ንጉዳይ ታይዋን ብዝምልከት፡ ተኹሲ ምኽፋት ከየድለየ ንቤጂን ኢዳ ሂባ ክትግዛእ ተሪር ጸቕጢ ክትገብረላ ኣዝያ ምመረጸት።

ኣብ ሆንግ ኮንግ፣ እስላም ዊገርን ጉሕለት ኣእምሮኣዊ ንብረትን ዝምልከት ክስታት ድማ ምስ ግዜ ከም ዝመውት ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ምስ ቻይና ዝግበር ንግዲ ንመላእ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ።

ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ወጥሪ ልዑል እኳ እንተኾነ፡ ቻይናን ምዕራባውያንን ግን ኣብ ፓስፊክ ዝካየድ ኲናት ኣዕናዊ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ዋላ'ኳ ሕርቃን ዝመልኦ ምልውዋጥ ቃላት እንተሃለወ ናብ ኲናት ምእታው ድልየት ክልቲኦም ወገናት ኣይኮነን።