እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደሽ ጸብጻብ ናህሪ ዋጋታት ኢትዮጵያ እንታይ የመልክት?
ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት ብ1% እኳ እንተ ወረደ፡ ዋጋታት መግቢ ግና ዛጊት ካብ ዓቕሚ ዜጋታት ንላዕሊ ኰይኑ ይቕጽል ምህላዉ ወግዓዊ ጸብጻብ ኣመልክቱ።
እዚ ኣብ መንጎ ጸጥታዊ ዘይርግኣትን ሰፊሕ ቍጠባዊ ጽገናን ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ምስቲ ብወገን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ "ናይ ዕቤት ትረኻ" ዝጻረር ስእሊ ከም ዘለዎ ተንተንቲ ይገልጹ።
ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ወርሓዊ መጽሔት፡ ኣብ ግንቦት 2018 (ግእዝ) ዓመታዊ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት እታ ሃገር ናብ 13.4 ሚእታዊት ምውራዱ ኣፍሊጡ።
ይዅን'ምበር፡ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ክርአ እንከሎ፡ እዚ መጠን ወሰኽ ዋጋታት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ምያዝያ ዝነበረሉ 11.7 ሚእታዊት ክብ ዝበለ እዩ።
ኣብ መዳይ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ እዚ መጠነ ወሰኽ ዋጋታት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወርሒ ዝነበረ 14.4 ሚእታዊት ክነጻጸር ከሎ መጠናዊ ምንካይ (1%) እኳ እንተ ኣርኣየ፡ እቲ ኣብ መነባብሮ ተራ ዜጋታት ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት መግቢ ግና ሕጂ'ውን ንመነባብሮ ስድራቤታት ጸቕጢ ይፈጥር ከም ዘሎ ይግለጽ።
እቲ ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ ከም ዘመልከቶ፡ "እተን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ልዑል ናህሪ ዋጋታት፡ ንስድራቤታት ዘይጥዕማ እየን ነይረን።"
ብፍላይ ድማ ኣብ ዓመታት 2014ን 2015ን (ብግእዝ) እቲ ናህሪ ዋጋታት ንመብዛሕቶም ኣዋርሕ ልዕሊ 30 ሚእታዊት በጺሑ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ናህሪ ዋጋታት መግቢ
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ወርሒ ዝተመዝገበ ናይ መግቢ ፍርያት ናህሪ 15.0 ሚእታዊት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት ዝለዓለ እዩ።
ንዋጋ መግቢ ዘነሃሃሩ ቀንዲ ፍርያት፤ ልስሉስ መስተታትን ቡንን (40.9%)፡ ሽኰር፡ መዓርን ቸኰላታን (36.9%)፡ ስጋ (19.5%)፡ ከምኡ'ውን ፍርያት ጸባን እንቋቝሖ (19.3%) እዮም።
ኣብቲ ሃገራዊ ናይ ዋጋታት መለክዒ (CPI)፡ ፍርያት መግቢ 53.5% ዝኸውን ዝለዓለ ክብደት ስለ ዘለዎም፡ ኣብ ዋጋ መግቢ ዝመጽእ ዝዀነ ለውጢ ኣብቲ ሓፈሻዊ ቍጠባዊ ምርግጋእ እታ ሃገር ዝዓበየ ጽልዋ እዩ ዝፈጥር።
ቍጠባዊ ተንተንቲ ከም ዝሕብሩዎ፡ እቲ ኣብ መግቢ ዝረአ ዘሎ ልዑል ናህሪ ዋጋታት ምስቲ ኣብተን "መሶብ መግቢ" ተባሂለን ዝፍለጣ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ብቐጥታ ዝተተሓሓዘ እዩ።
እዞም ግጭታት ንመስመራት ቀረብ መግቢ ብምዕንቃፍን ንፍርያት ሓረስቶት ብምጕዳልን፡ ዋጋታት መግቢ ካብቲ ሓፈሻዊ ወሰኽ ዋጋታት ንላዕሊ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።
ዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤት'ውን፡ እዚ ጸጥታዊ ዘይርግኣት ንውሕስነት መግቢ ሚልዮናት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ምህላዉ የጠንቅቑ።
ወግዓዊ ትረኻ ዕቤትን ጸቕጥታት መነባብሮን
በቲ ካልእ ወገን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦም ዝተፈላለዩ መግለጺታት፡ "ቍጠባ ኢትዮጵያ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝቐልጠፈ ዕቤት ዘመዝግቡ ዘለዉ እዩ፡" ብምባል ይገልጽ።
መንግስቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ናይ 7.9% ቍጠባዊ ዕቤት ከም ዝጽበን ብፍላይ ድማ ብርኡይ ዝተራእየ ፍርያት ስርናይ እታ ሃገር ናብ ርእሰ-ውሕስነት መግቢ ትሰጋገር ምህላዋን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክትታት "ልምዓት ኮሪደር"፡ ነቲ ሃገራዊ ዕቤት ዘመልክት "ተመኵሮ ዓወት" ምዃኑ ይገልጹ።
እንተዀነ፡ እዚ ብወግዓዊ ደረጃ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ዕቤት ትረኻ፡ ምስቲ ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ናይ 15% ናህሪ ዋጋታት መግቢ ዝጻረር ስእሊ ከም ዘለዎ ቍጠባዊ ተንተንቲ የጕልሑ።
እቲ መንግስቲ "ኣመዝጊበዮ" ዝብሎ ቍጠባዊ ዕቤት ኣብ ትሕተ-ቅርጽን ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ዘተኰረ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መነባብሮ ተራ ዜጋታት ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ ግና ገና ከቢድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ቍጠባዊ ጽገናን ዓለምለኻዊ ጸቕጥታትን
ብመሰረት ትንታነ ቍጠባዊ ክኢላታትን ዓለምለኻውያን ትካላትን፡ እዚ ምቕናስ ናህሪ ዋጋታት ምስቲ መንግስቲ ምስ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF)ን ባንኪ ዓለምን ብምዃን ዝተለሞ ሰፊሕ ቍጠባዊ ጽገና ዝተተሓሓዘ እዩ።
ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ መግቢ ዘይኰኑ ኣቑሑት ዝረአ ዘሎ ምጕዳል፡ "ውጽኢት ናይቲ ልቓሕ ባንኪ ንምጕዳል ተባሂሉ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ጽኑዕ ናይ ባንኪ (ሞነታሪ) ፖሊሲ እዩ።"
ይዅን'ምበር፡ እታ ሃገር ንዋጋ ባጤራኣ (ብር) ኣብ ናጻ ዕዳጋ ንኽውሰን ድሕሪ ምውሳና፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ንዋጋታት ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ክዓርግ ከም ዝገብሮ ባንኪ ዓለም የጠንቅቕ።
ዓለምለኻውያን ትካላት መመዘኒ ልቃሕ (ከም Fitchን Moody'sን) እውን ንኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ "ከቢድ ስግኣት ዕዳ" ዘላ ሃገር ገይረን እየን ዝምድባኣ።
ነቲ ናህሪ ዋጋታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽጸንሕ ዘገደዱ ረቛሒታት ብዝመልከት፡ እቲ ጸብጻብ "ውሽጣዊ ግጭታት፡ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ከምኡ'ውን ለበዳ ኮቪድ-19" ከም ቀንዲ ምኽንያታት ጠቒሱ ኣሎ።
እዞም ውሽጣዊ ግጭታት ንመስመራት ቀረብ መግቢ ብምዕንቃፍን ንፍርያት ሓረስቶት ብምጕዳልን፡ ዋጋታት መግቢ ካብቲ ሓፈሻዊ ወሰኽ ዋጋታት ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝገበሮ ይግለጽ።
ምምሕያሽ ኣሰራርሓን ኣንፈት መጻእን
ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ቅኑዕነት ጸብጻባቱ ንምምሕያሽ ወሳኒ ስጕምቲታት ይወስድ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ትካል፡ መሻርኽቲ ኣካላት እቲ ናይ ዋጋታት መጽናዕቲ ንርብዒ ክፍለ-ዘመን ኣብ 120 ዕዳጋታት ጥራይ ተሓጺሩ ምጽንሑ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ "ዓቢ ቅርጻውን ቍጠባውን ለውጥታት" ዘይውክል ምዃኑ ክጠርዑ ምጽንሖም ጠቒሱ፡ ቍጽሪ ዕዳጋታት ናብ 200 ክብ ከም ዘበለ ገሊጹ።
ካብ ግንቦት 2025 (ግእዝ) ጀሚሩ ድማ ሓድሽ ናይ ዋጋታት መሐበሪ-መሰረት (Re-basing) ንምትግባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ።
እዚ ሓድሽ ምድላው ነተን ሓደስቲ ዝተመስረታ ኣርባዕተ ክልላት ኣብቲ ጸብጻብ ንምስታፍ ክሕግዝ ምዃኑ ተገሊጹ።
ብሓፈሻዊ መልክዑ፡ እቲ ናህሪ ዋጋታት ሕጂ'ውን ኣብ ድርብ ኣሃዝ እኳ እንተሃለወ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ ኣዝዩ ልዑል ደረጃ ክነጻጸር ከሎ ግና መጠናዊ ምርግጋእ የርኢ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብ መንጎ መንግስታዊ ጸብጻባትን ዓለምለኻዊ ስግኣታትን ዘሎ ፍልልይ፡ መጻኢ ቍጠባዊ ምርግጋእ እታ ሃገር ዛጊት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጥርጣረ ከም ዘሎ ዘመልክት ኰይኑ ኣሎ።