ካብ ኡጋንዳ ክሳብ ኣመሪካ፡ ኣብ ኲናት ሩስያ ዝሞቱ ወጻእተኛታት

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝመጹ ብውሕዱ 3,589 ወጻእተኛታት ዜጋታት ኣብ ጐድኒ ሰራዊታ እናተዋግኡ ከምዝተቐትሉ መርመራ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ ዝተመልመሉ እሱራት፣ ከም ዝተገደዱ ወይ ድማ ዝተታለሉ ዝዛረቡ ስደተኛታት፣ ብብዙሕ ደሞዝ ተሳሒቦም ዝኣተዉ ወለንተኛታት፣ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ሞስኮን ፒዮንግያንግን ብዝተገብረ ስምምዕ ዝተላእኩ ስሩዓት ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ይርከብዎም።

ቢቢሲ ኒውስ ሩስያን ናጻ ማዕከን ዜና ሚድያዞናን፡ ወግዓዊ መግለጺታት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝተጠቅዑ ኣሳእል መቓብርን መዘከር ኲናትን ዝኣመሰሉ ቅሉዕ ምንጪ ሓበሬታታት ብምጥቃም፡ ዝርዝር ዝተረጋገፀ ክሳራታት ሩስያ ሰኒዶም ኣለዉ።

ካብቶም ኣብቲ ዝርዝር ዘለዉ ሓደ ኡጋንዳዊ ኤድሰን ካምዌሲግየ ይርከቦም። ስድራኡ ከም ዝብልዎ፡ ከም ኣኽባሪ ጸጥታ ኰይኑ ክሰርሕ እዩ ናብ ሩስያ ገይሹ።

እዚ ወዲ 45 ዓመት ኡጋንዳዊ ኣብ 2000ታት ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ከም ዋርድያ ኰይኑ ይሰርሕ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዓውደ-ውግእ ግን ተሳቲፉ ከምዘይፈልጥ በዓልቲ ቤቱ ካሮሊን ሙኩዛ ንጋዜጠኛታት ገሊጻ።

ናይ ወጻኢ ስራሕ ኣብ ዝተዳኸመሉ ግን ናብ ዓዱ ኡጋንዳ ተመሊሱ።

ኣብኡ ድማ ታክሲ እናዘወረ ኣብ ሕርሻ ይነጥፍ ነይሩ። እቲ ገንዘብ ግን ንበዓልቲ ቤቱን ንኽልተ ደቁን ንምድጋፍ እኹል ኣይነበረን።

ኣብ ታሕሳስ 2025፡ ካልእ ስራሕ ሓለዋ ከም ዝረኸበ ንስድራኡ ሓቢሩ፤ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ሩስያ እዩ ነይሩ።

16 ጥሪ ናይዚ ዓመት ግን ተሌፎን ደዊሉ ንበዓልቲ ቤቱ ካልእ ዜና ነጊሪዋ።

ንሳ ንጀርመናዊት ጋዜጣ ታዝ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስድ ከምዝነበረን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ግንባር ክወፍር ስለዝዀነ ክጽልየሉ ሓቲቱኒ" ኢላ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ካምዌሲግየ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ከባቢ ኩፒያንስክ ከም ዝሞተ ቢቢሲ ኒውስ ሩስያዊ ከረጋግጽ ክኢሉ።

በዓልቲ ቤቱ ክሳብ ሕጂ ሬሳኡ ናብ ዓሲ ከተምጽእ ትጽዕር ኣላ። ሰበስልጣን ኡጋንዳ ከምዘይተሓባበሩዋ ድማ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ክሳብ ሰነ 2026፡ ብውሕዱ ካልኦት ክልተ ንሩስያ ዝዋግኡ ዝነበሩ ኡጋንዳውያን ከምዝተቐትሉ እተን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ካምዌሲግየ ካብቶም ምስ ሰራዊት ሩስያ ዝተሰለፉ 1285 ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ ሓደ ኰይኑ፡ ሞቶም ብቢቢሲ ኒውስ ሩስያ ዝተረጋገጸ እዩ።

ካብ መንጐኦም፡ ዜጋታት ኩባ፡ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ቬትናም፡ ፖላንድ፡ ህንዲ፡ ኔፓል፡ ሰርብያን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ይርከብዎም።

ተወሳኺ 2304 ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ብቢቢሲ ኒውስ ኮርያን ብሳተላይት ምስልታትን ወግዓዊ ኣሳእልን ወተሃደራዊ ዝኽርታትን ኣብ ፒዮንግያንግ ተለልዮም።

ኣብ ነሓሰ 2024 ኣብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ምስ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዝዋግኡሉ ዝነበሩ እዋን እዮም ተቐቲሎም።

እቶም ብህይወት ዝተረፉ ሓዊሱ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ብወገን ሩስያ ዝተዋግኡ ወጻእተኛታት፡ ልዕሊ እዚ ብብዙሕ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ይግመት።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ - ኔቶ፡ ካብ 44 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 24 ሽሕ ናይ ወጻኢ ዕሱባት ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ሩስያ ይዋግኡ ኣለዉ፡ ኢሉ ከምዝኣምን ንቢቢሲ ኒውስ ሩስያን ተዛሪቡ።

እቲ በዓል ስልጣን ከምኡ ዝበለ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣንካራ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ'ቲ ኪዳን እዩ።

ከም ኣገላልጻኡ፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ተወለድቲ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም።

"ምናልባት ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣፍሪቃውያን ውዕል ፈሪሞም ክኾኑ ይኽእሉ። ገሊኦም ብፍቓዶም ከይዶም፤ ካልኦት ድማ ተገዲዶም" ኢሉ።

ኣብ ዝርዝር እዚ መርመራ፡ ብወገን ሩስያ ዝነበሩ ነበርቲ ክረሚያ፡ ዶነስክ፡ ሉሃንስክ፡ ኬርሰንን ዛፖሪዚዝያን ዝኣመሰላ ዞባታት ዩክረይንን ዘጠቓልል ኣይኰነን።

ግን ካብ ካልእ ክፋላት ዩክረይን ዝመጹ 25 ዜጋታት ዩክረይን ከም ኣካል ግዝኣት ሩስያ ኣብ ግንባር ዝሞቱ የጠቓልል። መብዛሕትኦም ከም መቕፃዕቲ ኣብቲ ኲናት ተመዝጊቦም።

ካብ ኣብያተ ማእሰርትን ወጻኢ ሃገራትን - ምልመላ

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምእዋጃ፡ ከምቲ ዝተሓሰበ ብቕልጡፍ ዘብቅዕ ኣይኰነን፤ ኣብቲ ዝተናውሐ ኲናት ድማ ክረምሊን ሕጽረት ዓቕሚ-ሰብ ገጢምዋ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ መፋርቕ 2022፡ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም እሱራት፡ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ክዋግኡ ከም ኣማራጺ ቀሪቡሎም።

መጀመርታ ምልመላኦም ብናይ ብሕቲ ወተሃደራዊ ኩባንያ - ቫግነር እዩ ተታሒዙ፤ ድሒሩ ድማ ምኒስትሪ ምክልኻል ተቐቢሉዎ።

እዚ ውዲት'ዚ ብቐንዱ ንዜጋታት ሃገራት ሶቭየት ነበር ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ ማእከላይ ኤስያ ዝርከቡ ዝጸለወ እዩ።

ንኣብነት ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብቲ ኲናት ዝተቐትሉ ዜጋታት ኡዝበኪስታንን ታጃኪስታንን ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሩስያ ናብ ግንባር ዝተወስዱ ውልቀሰባት እዮም።

ኣብ 2024 ድማ፡ ሰበስልጣን ሩስያ ናብ ሰራዊት ንምጽንባር ዝወሃብ ክፍሊት ብዓቢኡ ወሲኾም።

እቲ መጠን ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝፈላለ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንሞስኮ ዝፈረሙ ሰልጠንቲ፡ ኣቐዲሙ ከም መተባብዒ ኣስታት 30 ሽሕ ዶላር ቃል ተኣትዩሎም።

ድሕሪኡ ድማ ኣብ ወርሒ ኣስታት 3500 ዶላር ደሞዝ ክወሃቦም'ዩ።

ካብ ሞስኮ ንዝተመልመሉ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ክሳብ ልዕሊ 72,300 ዶላር ክበጽሕ ይኽእል እዩ።

ማእከላይ ገምጋም ወርሓዊ ክፍሊት ኣብ ሩስያ ከባቢ 760 ዶላር እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንከም ነበርቲ ኩባ፣ ኔፓል፣ ህንዲ፣ ሲሪላንካን የመንን እውን ንጡፍ ምልመላ ተጀሚሩ።

ገሊኦም ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ይጽንበሩ ከምዘለዉ ይፈልጡ እዮም፤ ካልኦት ድማ ኣብ ህንጻ ወይ ጸጥታ ክመሃሩ ወይ ክሰርሑ ሓሲቦም ናብ ሩስያ ከም ዝገዓዙ፡ ካብኡ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ተወሲዶም፣ ካብኡ ድማ ናብ ግንባር ከምዝለኣኹ ይዛረቡ።

ካብ መፋርቕ 2025 ጀሚሩ፡ ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላትን ጠበቓታትን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሩስያ ዝነበሩ ዜጋታት ኣባል ሃገራት ሶቭየት-ነበር፡ ጸቕጢ ከም ዝተገብረሎም ተዛሪቦም።

ገሊኦም ድማ ኣብ ክንዲ ምብራር፡ ንምፍራም ዕድል ከምዝተውሃቦም፤ ካልኦት ድማ ምፍርራሕ ከም ዝበጽሖም ይዛረቡ።

ካብ ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ ሰባት ንምምልማል እውን ጻዕርታት ከምዝተኻየደ ማዕከን ዜና ሮይተርስን ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሰብኣዊ መሰላትን ሓቢሮም።

ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ፍልይ ዝበለ እዩ፤ ወተሃደራታ፡ ዘይከም ካልኦት ወጻእተኛታት ምልመላ፡ ብመንግስቶም ብግልጺ ምስ ሩስያ ብዝተገብረ ውዕል እዩ ተኻይዱ።

ብሓፈሻ፡ ወጻእተኛታት ንእሽቶ ክፋል ናይቲ ሓፈሻዊ ክሳራ ሩስያ ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ንወተሃደራት ሰሜን ኮርያውያን ሓዊስካ፡ ካብቲ ቢቢሲ ዘረጋገጾ 233,033 ሞት፡ ወጻእተኛታት ትሕቲ 2 ሚእታዊ ጥራይ እዩ ዝሕዝ።

እንተዀነ፡ ነቲ ቀንዲ ምንጪ ሰራዊት - ዜጋታት ሩስያ ክትክኦ ኣይክእልን እዩ።

ክሳራታት ኣብ ዝበዝሐሉ ኵነታት ግን፡ ሞስኮ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትጥምት ክትቅጽል ተኽእሎ ኣሎ።

መንግስቲ ሩስያ ካብ መስከረም 2022 ጀሚሩ ኣሃዛት ቍጽሪ ወተሃደራዊ ሞት ብወግዒ ኣይገለጸን፤ ብሓፈሻ ድማ ብዛዕባ ርኽበታት ቢቢሲ ኒውስ ሩስያን ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ዩክረይን ከ?

ዩክረይን'ውን ብወገና፡ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ድሕሪ ምጅማራ፡ ብሓደ ሃገራዊ መስርሕ ኣቢላ ወጻእተኛታት ዜጋታት ትመልምል ነይራ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት'ቲ ወራር፡ ነቲ መስርሕ ምልመላ ብምቋም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ወለንተኛታት ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ሕጂ ወጻእተኛታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ዩክረይን የገልግሉ ኣለዉ።

ብመሰረት ወተሃደራዊ ሕጊ'ታ ሃገር፡ ኣብ ንቡር ኵነታት ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ጥራይ እዮም ብወለንታኦም ክለቍ ዝኽእሉ።

ኣብ ሰነ ናይዚ ዓመት፡ ዩክረይን ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ኲናት ምስ ሩስያ ሕጽረት ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘጋጥማ ዘሎ እዋን፣ ዩክረይን ወተሃደራዊ ደሞዝ ክትውስኽን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝያዳ ተዋጋእቲ ክትምልምልን ክትጽዕር ምዃና ኣንፊታ ነይራ።

ዩክረይን ንዝተቐትሉ ወጻእተኛታት ዜጋታት ዝምልከት ሓፈሻዊ ጸብጻብ ኣይሓተምትን።

ኣብ ነሓሰ 2025፡ ኣገልግሎት ወጻእተኛታት ዜጋታት ናይ ምውህሃድ ሓላፍነት ዘለዎ በዓል ስልጣን፡ ንመውጽኢ ዩክረይን ህሮማድስከ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 8,000 ወጻእተኛታት ወለንተኛታት ከምዝተጸምበሩ ገሊጹ።

ኣብ ኵለን ጨናፍር ዕጡቕ ሓይሊ ዩክረይን ዘሎ ኣሃዝ ወጻእተኛታት፡ ብውሑዱ 16 ሽሕ ክኸውን ከምዝኽእል ገሚቱ።

ቀዳሞት ወለንተኛታት ካብ ምዕራባውያንን ሃገራት ሶቭየት ነበርን ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ገሊኦም ድማ ወተሃደራዊ ተመኵሮ ዝነበሮም እዮም።

ድሒራ ብቋንቋ ስጳኛ ናይ ምልመላ መሓውራት ኣቢላ፡ ኣማኢት ነባራት ተጋደልቲ ኮሎምብያ ድማ ተጸንቢሮም እዮም።

ገሊኦም ንዩክረይን ንምክልኻል ከም ዝመጹ ይዛረቡ፤ ካልኦት ድማ ገንዘብ ኣገዳሲ ድርኺት እዩ፣ ካብቲ ኣብ ኮሎምብያ ዘሎ ወተሃደራዊ ደሞዝ ብብዙሕ ዕጽፊ ክዛይድ ይኽእል እዩ።

ኣብ ዩክረይን፡ ወጻእተኛታት ከም ወተሃደራት ዩክረይን ዝወሃቦም ደሞዝ ይረኽቡ፡ እዚ ድማ ንሓደ ምሉእ ወርሒ ኣስታት 2690 ዶላር ይኸውን።

ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘሕለፍካዮ እዋን፡ ብድምር 30 መዓልታት ተወሳኺ 1570 ዶላር ይኽፈል።

ብኽልቲኡ ወገን፡ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ንእሽቶ መመላእታ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ብዓቢኡ ብሩስያውያንን ዩክረናውያንን ዝቘሙ ሰራዊታት ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።