ካብ ካርቱም ክሳብ መቐለ፡ ሓደ ሃገር ብዙሓት ሓይልታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ - ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር - ጀነራል ኣል ቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, AFP/AFP/Getty

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቲ ንልዑላውነት ሃገር ዝገልጽ "ሓደ መንግስቲ፡ ሓደ ሰራዊት" ዝብል መትከል፡ ካብ ጽንሰ-ሓሳብ ሓሊፉ ኣብ ባይታ ክትግበር ብኸቢድ ክብዳህ ይርአ ኣሎ።

እዚ ዞባ "ብዙሕነት ሓይልታት" ኣብ ዝነገሰሉ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ድማ ብኣፍ ሻምብቆ ብረት ዝዕቀነሉ መድረኽ በጺሑ ይርከብ።

እዚ ተርእዮ'ዚ፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ካብ ፖለቲካዊ ማእከል 'ተገሊልና' ዝብሉን ዘሎ ዘይተፈትሐ ታሪኻዊ ግጭታት ዝምንጩ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

መንግስታት ነቲ ፍትሓዊ ምክፋል ስልጣን ዝጠልብ ሕቶታት ብልዝብ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ንገዛእ ርእሶም ጐድናዊ ዕጡቓት ብምፍጣር ስልጣኖም ንምክልኻል ስለ ዝፈተኑ፡ ሎሚ እቲ ምስሕሓብ ንህላወ እዘን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ኣሎ።

እዚ "ሓድሕድ ውጥረት ሓይልታት" ዘስዓቦ ሰብኣዊ ዕንወት ኣዝዩ መሪር እዩ።

ኣብ ሱዳን፡ ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊትን ዳዕመ-ሰሪዕን ብዝተወልዐ ኲናት፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም፡ እታ ብተዛማዲ ስልጡን ፖለቲካዊ ባህሊ ዝጸንሓ ካርቱም ድማ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ ዕንወት ተቓሊዓ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ዝተኻየደ ኲናት ህይወት ኣማእታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ክኸውን እንከሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ንህዝቢ ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣውዲቑዎ ይርከብ።

ደቡብ ሱዳን ካብ 2013 ጀሚሩ ብዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ልዕሊ 400,000 ህይወት ሰብ ጠፊኡ፣ ክሳዕ ሎሚ ድማ ሚልዮናት ዜጋታታ ብጥሜትን ስደትን ይሳቐዩ ኣለዉ።

ደቡብ ሱዳን

እዛ ሃገር፡ ድሕሪ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ካርቱም ዘካየደቶ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣብ 2011 ሃገር ክትከውን ከላ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩላ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ድሕረ-ባይታኣ ካብ መጀመርታኡ "ብዙሕነት ሓይልታት" ዝነገሰሉ እዩ ነይሩ። እቲ ብሳልቫ ኬር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን (SPLM)፡ ኣብ ውሽጡ ብዓሌትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ዝተኸፋፈለ እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ 2013 ዝነቶገ ደማዊ ኲናት፡ መበገሲኡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር (ካብ ብሄር ዲንካ)ን ምክትሉ ሪክ ማቻር (ካብ ብሄር ኑዌር)ን ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቍርቍስ እዩ።

እዚ ምስሕሓብ'ዚ፡ ነቲ ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ክልተ ብምኽፋል፡ ንደቡብ ሱዳን ናብ ዓሌታዊ ህልቂት ኣእትዩዋ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ እቲ "ዝተሓደሰ ስምምዕ ሰላም" (R-ARCSS) ክትግበር ዘይከኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ክልተኦም ወገናት ናይ ገዛእ ርእሶም ዕጡቓት ሓይልታት ስለ ዝውንኑን ንሰራዊቶም ናብ ሓደ ሃገራዊ ትካል ክጽምብሩ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰኑን እዩ።

ሳልቫ ኬር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ፣ ሪክ ማቻር ግን ወትሩ ብሓይሊ ስልጣን ክሕዝ እዩ ዝደሊ፡" ክብል ከሎ፡ ሪክ ማቻር ድማ፡"ብዘይ ምሉእ ውህደት ሰራዊትን ደሞክራስያዊ ጽገናን ናብ መረጻ ምኻድ፡ ዳግማይ ንዂናት ምዕዳም እዩ፡" ብምባል ይከራኸር።

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ሃይሰም፡ "ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ደውታ ትርከብ፣ መራሕታ ውልቃዊ ረብሓኦም ልዕሊ ሃገራዊ ሰላም የቐድሙ ኣለዉ፡" ክብል ይወቅስ።

ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ተመሳሳሊ ዝመስል ውጥጥ ሓይሊታት እዩ ዝርአ ዘሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ዳርጋ ኵሎም ሓይልታት ናይታ ሃገር ብምዕዳምን ምስ ኤርትራ ውዕል ሰላም ብምፍርራምን ተስፋ ብዝህብ እዩ ጀሚሩ፣ ኖቤል ሰላም ክሳዕ ምሽላም'ውን በቒዑ።

እንተዀነ፡ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ እናጸበበ፡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዳግማይ ተደፊኦም ካብ ማእከል ክርሕቁ ተራእዮም፣ ገለ'ውን ክሳዕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ምክያድ በጺሖም።

ህወሓት ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ'ውን ኣስፋሕፊሑ።

ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ከም መፍትሒ ዝተቐመጠ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ'ውን ኣብታ ክልል ዝተፈላለዩ ሓይልታት ክፍጠሩ ገይሩ እዩ - ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ውድብ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተኣኻኸበ ዕጡቕ ሓይሊ'ውን ኣሎ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብጀነራል ታደሰ ወረደ ይምራሕ እኳ እንተ ሃለወ፡ ኣብ መንጎ እቲ ምምሕዳርን ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ፍልልይ፡ ነቲ ክልል ብኣብዛሓ ኣብ "ክልተ-ፖለቲካዊ ማእከል" ኣእትዩዎ ይርከብ።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ኵነታት'ውን፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖን ኦላን ምሉእ ቍጽጽር ስለ ዘይብሉ፡ ሃገራዊ ምርጋእ ክመጽእ ኣይከኣለን።

ተንታኒ ዊልያም ዴቪድሰን፡ "ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ብዙሓት ዕጡቓት ሓይልታት ተወጢራ ትርከብ፣ እዚ ድማ ንማእከላይ መንግስቲ ኣብ ኵለን ክልላት ምሉእ ቍጽጽር ንኸይህሉዎ ገይሩዎ ኣሎ፡" ክብል ንኣሶሼትድ ፕረስ ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒሰተር ኣብይ፣ ጀነራል ታደሰ ወረደን ጌታቸው ረዳን

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒሰተር ኣብይ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደን ጌታቸው ረዳን

ሱዳን

ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት፡ ናይዚ "ብዙሕነት ሓይልታት" ዝኸፍአ ሳዕቤን እዩ።

ኣብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ደማዊ ግጭት፡ ውጽኢት ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ "ማእከልን ወሰናስንን" ሚዛኑ ዘይሓለወ ርክብ ምዃኑ ይግለጽ።

ካርቱም ዝመደበሩ ማእከላይ መንግስቲ፡ ከም ዳርፉር ንዝኣመሰሉ ርሑቕ ከባቢታት፡ "ተገሊልናን ጸጋታትና ተመዝሚዙን፡" ዝብል ዝፈጠሩዎ ስምዒታት፡ ኣብ 2003 ናብ ብረታዊ ግጭት መሪሑ።

ስርዓት ዑመር ኣል-በሽር ነቲ ሕቶታት ብዘተ ኣብ ክንዲ ዝፈትሕ፡ ተቓወምቲ ንምጭፍላቕ "ጃንጃዊድ" (ሕጂ ዳዕመ-ሰሪዕ) ዝተባህሉ ምልሻታት ኣዕጢቑ ምጥቃሙ፡ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ጸገም ታሪኻዊ መበገሲ ክኸውን ክኢሉ።

ሎሚ፡ ስርዓት ዑመር ኣል-በሽር ስልጣኑ ንምክልኻል ዘቚሞ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስቲ ስሩዕ ሰራዊት ተራጺሙ ንሱዳን ይበታተና ኣሎ።

ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ "እዚ ጕጅለ'ዚ ሱዳን ንምብታን ዝሰርሕ ዘሎ ሽፍታ እዩ፡" ክብል ከሎ፡ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ድማ፡ "ንሕና ንደሞክራሲ ኢና ንቃለስ ዘለና። እቲ ሰራዊት ግን ንደገፍቲ [ስርዓት] በሽር ናብ ስልጣን ንምምላስ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡" ይብል።

ዝነድድ ህንጻ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ሱዳን፡ ካብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ 'ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓለም'

ሶማልያ

ሶማልያ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ፖለቲካዊ መስትያት ኰይና፡ እቲ ሎሚ ኣብ ካርቱም፡ ጁባን ኣዲስ ኣበባን ዝርአ ዘሎ "ምስሕሓብ ሓይልታት" ናብ ዝኸፈአ ደረጃ እንተ ደይቡ፡ መወዳእታኡ ናበይ ከም ዘብጽሕ ዘርኢ ህያው ኣብነት እያ።

እታ ሃገር ኣብ 1991 ስርዓት ዚያድ ባረ ምስ ፈረሰ፡ ዝወደቐትሉ ናይ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ደማዊ ቍልውላው፡ ካብ ስእነት መራሕቲ ዘይኰነስ ካብ ምሉእ ብምሉእ ምፍራስ ትካላት ዝነቐለ እዩ።

ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ፈረሰ፡ እቲ ሃገራዊ ሰራዊት ናብ ዓሌቶም ዝወገኑ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ተመቓቒሉ።

እዚ ድማ ነታ ሃገር "ዓብላሊ ሓይሊ" (ሓደ ሕጋዊ ሓይሊ ጥራይ ዝውንን መንግስቲ) ከም ትስእን ገይሩዋ።

እዚ ተመሳሳሊ ሓደጋ'ዚ፡ ሎሚ ኣብ ሱዳን - ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊትን ዳዕመ-ሰሪዕን፣ ኣብ ኢትዮጵያ - ኣብ መንጎ ፈደራልን ክልላውያን ዕጡቓትን ዝርአ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ነተን ሃገራት ናብቲ ንሶማልያ ዝበታተና ናይ "ጐይቶት ኲናት" ከይመርሐን ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

መንግስታውያን ትካላት ምስ ዝፈርሱ፡ እቲ ዝፍጠር ሃጓፍ ብሰላማዊ ፖለቲካ ዘይኰነስ ብሓይሊ እዩ ዝምላእ። ኣብ ሶማልያ፡ እቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ቍልውላው ንኸም ኣል-ሸባብ ዝኣመሰሉ ሓይልታት ምቹእ ባይታ ፈጢሩሎም።

ኤርትራ

ኤርትራ ብኣንጻር እዚ ኣብ ጐረባብታ ዝርአ ዘሎ ምስሕሓብ ናይ ብዙሓት ዕጡቓት ሓይልታት፡ ዝሓሸ ዝተማእከለ ሰራዊት እዩ ዘለዋ።

እዛ ሃገር ብዙሕ ውሽጣዊ ጸገማት እኳ እንተ'ለዋ፡ እቲ ዘለዋ ጽኑዕ ማእከላይ ቍጽጽር ግን ኣብቲ ዞባዊ ፖለቲካ "ስትራተጅያዊት ተዋሳኢት" ኰይና ክትቅልቀል ዕድል ከም ዝሃባ ይግለጽ።

ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ (1998 – 2000) ብሰንኪ ዝሰዓበ ሃዋሁ "ኣይሰላም ኣይኲናት"፡ ካብ መፋርቕ 2012 ኣትሒዙ ብብርጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ዝምራሕ ካብ ምዱብ ሰራዊት ዝተፈልየ "ህዝባዊ ሰራዊት" ዝበሃል ቈይሙ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ስምዒታት ኣሕዲሩ ነይሩ እዩ።

ገለ ተንተንቲ'ውን ነቲ "ብስርሒት ፎርቶ" ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ምስኡ ኣተሓሒዞም ይገልጹዎ እዮም።

እንተዀነ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ትሕቲ ምዱብ ሰራዊት ከም ዝኣቱ ተገይሩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ድማ ካብ ጽልዋ ኤርትራ ናጻ ከም ዘይኰነ ይግለጽ እዩ።

ኣብ ጸልማት መርከብ እናኣንሳፈፈት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት እኳ እንተ ዘይብላ፡ ንትሕቱ ቍጠባን ዋሕዚ ስደትን ተቓሊዓ እያ

ካብ 'ፖለቲካዊ ዕዳጋ' ናብ ልዕልና ሕጊ

እዚ ሎሚ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ምስሕሓብ ሓይልታትን ምፍርራስ ትካላትን እንተ ዘይተዓጊቱ፡ እቲ "ሶማላውነት" (ሶማላይዘሽን) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምብትታን ሓደጋ፡ ካብ ካርቱም ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ክዝርጋሕ ይኽእል እዩ።

ምህራት ፖለቲካ፡ እዚ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ መጻወድያ ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ ርእይቶታት የቕርቡ።

ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሌክስ ዲ ዋል፡ "ቀንዲ ብድሆ ናይዘን ሃገራት፡ እቲ 'ፖለቲካዊ ዕዳጋ' (political marketplace) እዩ፡" ይብል'ሞ፡ "ኣብዚ ዕዳጋ'ዚ ሰላም ዝሽየጥን ዝዕደግን ሸቐጥ ኰይኑ ኣሎ፡" ይውስኽ።

ምሁራት ከም ዝትንትኑዎ፡ ሓንቲ ሃገር 'ልዑላዊት እያ' ክትበሃል እትኽእል፡ ኵሉ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ሓደ ማእከላይን ሕጋውን ትካል ምስ ዝጥመር ጥራይ እዩ።

ስለዝዀነ፡ እቲ ቀዳማይ መፍትሒ፡ ጐድናውያን ዕጡቓት ሓይልታት ምሉእ ብምሉእ ናብ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ዝጽምበርሉ ወተሃደራዊ ውህደት ክኸውን ከሎ፡ እዚ ድማ ካብ ጽልዋ ውልቀ-መራሕቲ ናጻ ምስ ዝኸውን እዩ።

ብተወሳኺ፡ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብዘተን ህዝባዊ ተሳትፎን ጥራይ ክፍትሑ ከም ዘለዎም ዝእምቱ ተንተንቲ፡ "ስልጣን ካብ ውልቀ-ሰባት ናብ ድልዱላት ደሞክራስያዊ ትካላት፡" ክሰጋገር ኣለዎ።

እዚ ምስ ዘይከውን ግን ስምምዓት ሰላም፡ ንግዜኡ ተዅሲ ንምቍራጽ ጥራይ ዝጠቕሙ፡ "ግዝያውያን እዮም" ብምባል የጠንቅቑ።

ብሓፈሻ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብዚ ዑደት ኲናት ክትወጽእ እንተዀይና፡ ብረት ዘይኰነስ ሕጊ ዝነግሰሉ ስርዓት ክትሃንጽ ኣለዋ።

እቲ መሰረታዊ "ብዙሕነት ሓይልታት" ብትካላዊ መንገዲ እንተ ዘይተፈቲሑ፡ እቲ ሓደጋ ቀጻሊ ስግኣት ኰይኑ ክተርፍ እዩ።