ኤ.ኣይ ንመንሽሮ ጡብ ኣቐዲሙ ከለሊ ይኽእል ድዩ? ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ ፈተነ

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ፡ መንሽሮ ጡብ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ኣሰጋኢ ከምዝዀነ ጸብጻባት ይሕብሩ፤ ብኣግኡ እንተ ተፈሊጡ ድማ ብቐሊሉ ክሕከም ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ሰብ ሰርሒ በልሒ [ኤ ኣይ] ነዚ ኣብ ኣግኡ ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል ድዩ፡ ዝብል ሓድሽ ፈተነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ይበጋገስ ኣሎ።
እቲ ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣስታት 700 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰታፋሉ ዝዓበየ ፈተነ፡ ሰብ-ስርሖ-ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] ኣብ መርመራ መንሽሮ ጡብ ብኸመይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ንምፍታሽ እዩ።
ኤ.ኣይ.፡ ንደቂ ኣንስትዮ እቲ ኣዝዩ ኣድካሚ መርመራ ምግባር ከየደልየን፡ ብኣግኡ መንሽሮ ብምልላይ፡ ጸቕጢ ሰራሕተኛታት ከቃልል ዝኽእል እንተዀይኑ ንምፍላጥ፡ መሳርሒ መርመራ 'ማሞግራም' ንምግምጋም ክውዕል እዩ።
ምልመላ ናብቲ ፈተነ ኣብ ሆስፒታላት ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ተጀሚሩ ኣሎ፡ እዚ ሆስፒታል እዚ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝርከቡ 30 ቦታታት ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 50 ክሳብ 71 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ንስሩዕ መርመራ ጡብ ይዕደማ፡ ዓመታዊ ድማ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ይሳተፋ።
ኣብዚ እዋን ክልተ ክኢላታት ንነፍሲ ወከፍ ብማሞግራም ዝልለ ብኤክስረይ ጡብ ይርእዩ፡ ኣብዚ ፈተነ ግን ሓደ ካብቶም ሰብ-ሞያ ደቂ ሰባት ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ ክትካእ እዩ።
ዛጊት ሓያሎ ንኣሽቱ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኤኣይ ንመጠን ምልላይ መንሽሮ ጡብ ከመሓይሽ ከምዝኽእል እዩ።
እንተዀነ፡ ነዚ ፈተነ ዘካይዱ ተመራመርቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንተወሳኺ መርመራታት ክጽውዓ ብምግባር ጉድኣት ከየስዕብ፡ ርግጸኛታት ክኾኑ ይደልዩ ኣለዉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋርዊክ ፕሮፌሰር፡ በዓልቲ ሞያ ህዝባዊ ጥዕናን ዋና መርማሪትን፡ ስያን ተይለር-ፊሊፕስ፡ "ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝሕገዝ ቴክኖሎጂ፡ መንሽሮ ብኣግኡ ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ ግን ምልክታት ፈጺሙ ዘየስዓበ ልዕሊ ዓቐን ምርመራ ካብ ምግባር ክንቁጠብ ንደሊ" ኢላ።
መንሽሮ ጡብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዝበዝሐ ዝርአ መንሽሮ ኮይኑ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 59 ሽሕ ሕሙማት ይርከቡ።
ካብዚአን ኣስታት ሓደ ሲሶ ብስሩዕ ማሞግራም እየን ዝፍለጣ። እዚ ማለት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጀመርታ ደረጃ ብቐሊሉ ክሕከሙ ኣብ ዝኽእልሉ እዋን ድሒረን'የን ሕማመን ዝፈልጣ።
እዚ ናይ መርመራ መደብ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 1300 ሞት ንምክልኻል ከም ዝሕግዝ ይግመት።
ፕሮፌሰር ፊዮና ጊልበርት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ - ሓላፊት ክፍሊ ራድዮሎጂ፡ ሓባራዊት ዋና መርማሪት እዚ ፈተነ፡ "ብሚልዮናት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓመት መርመራ- ማሞግራም ይገብራ፡ ውሑዳት ዳርጋ ትሕቲ 1% ጥራይ እየን መንሽሮ ዝርከበን" ኢላ።
"ቴክኖሎጂ ነዞም ምስልታት ምግምጋም ዝያዳ ውጽኢታዊ ክገብሮም ይኽእል'ዩ፡ እዚ ድማ ንፍሉያት ክኢላታት ራድዮሎጂ ጡብ ዝያዳ ኣብ ምሕብሓብ ሕሙማት መንሽሮ ንኸሕልፉ ነጻ ይገብሮም፡ ቅልጡፍ መርመራን ኣቐዲሙ ሕክምናን ክድግፍ ይኽእል።"
ጊልበርት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ሓካይም ራድዮሎጂ "ዓቢ ሕጽረት" ከምዘሎን፡ ቁጽሪ መርመራታት ኣብ ዓመት ብ8% ይውስኽ ከምዘሎን ገሊጻ።

' ሻላ ቅድመ-መርመራ ኣድሒነ'
ጓል 70 ዓመት ሸርሊ ኤሰክስ ተቐማጢት ግዝኣት ካምብሪጅሻየር፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ድሕሪ ስሩዕ መርመራ ምግባር፡ ኣብ መጀመርታ ደረጃ ዝርከብ መንሽሮ ጡብ ከምዘለዋ ተረጋጊጹ።
መጥባሕትን ራድዮቴራፒን እኳ እንተገበረት፡ መስርሕ ኬሞቴራፒ ግን ኣየድለያን።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ማሞግራም ህይወታ ከም ዘድሓኖ፡ "ዝኾነ ምልክት ሕማም ስለዘይነበረኒ መንሽሮ ከምዘለኒ ምስተነግረኒ ኣዝዩ ገሪሙኒ" ኢላ።
ሸርሊኀ ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ ኣይኮነትን ግን ብዛዕባኡ ዓቢ ተገዳስነት ኣለዋ።
"መንሽሮይ ብኣግኡ ስለዝተለለየ ኣዝየ ዕድለኛ ኮይነ ይስምዓኒ። ኣብቲ ስሩዕ ማሞግራም እንተዘይተሳተፍ ነይረ፡ መንሽሮይ እናገደደ ምኸደ ነይሩ" ትብል።
እቲ ፈተነ ብኸመይ እዩ ክካየድ
ደቂ ኣንስትዮ ስሩዕ ናይ መርመራ ዕድመ ምስ ዝረኽባ፡ ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ክሕበራ እየን፡ እንተኾነ ግን ኣብ መጽናዕቲ ክሳተፋ ግዴታ ኣይክህልወንን እዩ።
እቲ ፈተነ ኣብ እዋን ቆጸራ መርመራ ጡብ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣይቅይሮን እዩ።
ኣብ ክንድኡ፡ ብኤኣይ ዝሕገዙ መሳርሒታት፡ ንሓደ ካብቶም ክልተ ማሞግራም ዝግምግሙ ክኢላታት ደቂ ሰባት ክቕይሩ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ክፍተን እዩ።
ተመራመርቲ፡ እቶም ማሽናት፤ ቅዲ ንምፍላጥ ኣብ ሚልዮናት ቅድሚ ሕጂ ዝተሰርሑ ምስልታት ክስልጥን ከምዝኽእልን፡ ስለዚ ድማ ኣብ ቲሹ ጡብ፡ ዓይኒ ወዲ ሰብ ክስሕቶ ዝኽእል ረቂቕ ለውጢ ክረክብ ከምዝኽእልን ይዛረቡ።
ኣብ ሓደ ወገን ናይቲ ፈተነ፡ ሓደ ናይ ኤኣይ- ፕሮግራም፡ ምስልታት ቅድሚ ናብ ክኢላታት ምልኣኾም ደረጃ ክህቦም እዩ።
ኣብ ካልእ ድማ ድሕሪኡ ምስልታት ክግምግም እዩ።
እዚ ናይ 10 ሚልዮን ፓውንድ ፈተነ ብሃገራዊ ትካል ምርምር ጥዕናን ክንክንን (NIHR) ዝምወል እዩ።
እቲ ፈተነ፡ ብዩኒቨርሲቲ ዋርዊክ፣ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅን ሆስፒታላት ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ከምኡድማ ኤንኤችኤስ ፋውንዴሽን ትራስትን ብሓባር ዝካየድ ኮይኑ ምስ ኤንኤችኤስ እንግሊዝ ይሰርሕ ኣሎ።
ሰፊሕ ዕድል
ኣብ ኤንኤችኤስ ኢንግላንድ ሃገራዊ ክሊኒካዊ ዳይረክተር መንሽሮ ፕሮፌሰር ፒተር ጆንሰን፡ መርመራ ጡብ፤ ኤንኤችኤስ "ህይወት ከምዘድሕን" ብምግላጽ፡ ኩለን ኣብቲ ፈተነ ዝተዓደማ ደቂ ኣንስትዮ ክሳተፋ ተላብዩ።
"ኩሉ ስካን ሕጂ'ውን ብክኢላ ክረአ'ዩ፡ ውጽኢታዊ ምዃኑ እንተተረጋጊጹ ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘድልየን መርመራን ሕክምናን ቀልጢፈን ከም ዝረኽባ ከረጋግጽ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ኣብቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ክጸንሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ፈተነ ኣርባዕተ ኩባንያታት ኤ.ኣይ. ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።




















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





