እንወስዶም ክታበታት ውሑሳት ምዃኖም ብኸመይ ንተኣማመን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ዳግማይ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ሕማም ንፍዮ ኣብ መላእ ዓለም ስዒቡ፡ ድሕሪ ልዕሊ 25 ዓመታት ካብ ንፍዮ ናጻ ናይ ምዃን ደረጃኣ ስኢና ኣላ።
ኣብ 2025፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ኢንዶነዥያ፡ ዩክረይን፡ ናይጀርያን ኢትዮጵያን ዝርከባአን 57 ሃገራት ዓበይቲ ለበዳታት ንፍዮ መዝጊበን።
ክኢላታት ከም ዝብልዎ፡ ምውሳኽ ቍጽሪ መልከፍቲ ምስ ምጕዳል መጠን ክታበት ኣመና ዝተኣሳሰረ እዩ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2019 ኣብ መላእ ዓለም 86% ህጻናት ቀዳማይ ዙር ክታበት ንፍዮ ወሲዶም ነይሮም፤ ክሳዕ 2025 ግን እዚ ኣሃዝ ናብ 84% ወሪዱ።
እዞም ኣሃዛት፡ ምስፍሕፋሕ ንፍዮ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ንምዕጋት ካብ ዝድለ 95% ሽፋን ክታበት ኣዝዮም ዝተሓቱ እዮም።
መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ክታበት ዝረአ ምጥርጣር ሓደ ካብቶም ጠንቅታት ትሑት መጠን ክታበት ክኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ድሕነት፡ ውጽኢታውነትን ጐድናዊ ሳዕቤናትን ዘለዉ ስክፍታታት ድማ ብምስፍሕፋሕ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ይጋነኑ ኣለዉ።
ኣብ 'ለንደን ስኩል ኦፍ ሃይጂን ኤንድ ትሮፒካል መዲሲን' ፕሮፌሰር ጥዕና ህጻናት ዝዀነት ሄለን በድፎርድ፡ "ኣብዚ ዘመን ኢንተርነትን ሚድያን፡ ጽውጽዋያት፡ ወረታትን ብዛዕባ ክታበት ዘለዉ ስክፍታታትን ብደረጃ ዓለም ብኣዝዩ ቅልጡፍ መንገዲ ክዝርግሑ ይኽእሉ እዮም" ትብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃደርስፊልድ ብሪጣንያ ተመራማሪት ምክልኻል ጥዕና ዝዀነት ዶክተር ሱዛና ኮላ-ፓልመር ግን፡ ኣብ ክታበት ምጥርጣር ዘለዎም ሰባት ብቐጥታ 'ጸረ-ክታበት' ተባሂሎም ክጽውዑ ከም ዘይብሎም ትገልጽ። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብኣቶም ብቐሊሉ "መረጋገጺ ዝደልዩ" ምዃኖም ንቢቢሲ ገሊጻ።
እሞ ደኣ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ሓደ ክታበት ውሑስ ምዃኑ ከመይ ጌሮም ይውስኑ? ኣብ ኢንተርነት ዝዝርጋሕ ዝተዛብዐ ሓበሬታኸ ከመይ ጌርካ ከተለልዮ ትኽእል?
ክታበታት ብኸመይ ይሰርሑ?

ምዕባለ ክታበታት ክሳዕ ሎሚ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዓወታት ሕክምና ኰይኑ ይቝጸር፤ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝግምቶ፡ ክታበታት ዓመታዊ ካብ ሕማማት ንፍዮ፡ ቴታኑስ፡ ዲፍተርያን ኢንፍሉወንዛን ዝመጽእ ካብ 3.5 ክሳዕ 5 ሚልዮን ዝኸውን ሞት ይከላኸሉ።
ሓደ ክታበት ንስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣካላትና፡ ነቲ ሓቀኛ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ፡ ንሓደ መልከፍቲ ከለልዮን ክቃለሶን ይምህሮ።
"ነቲ ባህርያዊ መልከፍቲ ብግብሪ ከይተሳቐኻሉ፡ ካብ ባህርያዊ መልከፍቲ ዝርከብ ዓቕሚ ምክልኻል ይህቡ" ክትብል በድፎርድ ተብርህ።
ንኣብነት፡ ክታበት ጽግዕ፡ ንፍዮን ሩቤላን (MMR) ነቶም ሕማማት ዘስዕቡ ዝደኸሙ ዓይነታት ቫይረስ ዝሓዘ እዩ። ምስ ተወግአ ድማ፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣብ መጻኢ ነቲ ሓቀኛ መልከፍቲ እንተ ገጢምዎ ንኸለልዮን ብቕልጡፍ ግብረ-መልሲ ንኽህብን የነቓቕሖ።
ኵሎም ክታበታት ብሓደ ዓይነት መንገዲ ኣይሰርሑን እዮም።
ክታበታት 'መሰንጀር ኣር.ኤን.ኤ' (mRNA)፡ ንዋህዮታት ኣካልና ግብረ-መልሲ ምክልኻል ሕማም ዘለዓዕል ጐዳኢ ዘይኰነ ፕሮቲን ንኽፈጥሩ ብግዝያውነት ዝእዝዙ ጀነቲካዊ መምርሒታት ይጥቀሙ። ክታበት ኮቪድ-19 ፋይዘር ሓደ ኣብነት ናይ ክታበት ኤም.ኣር.ኤን.ኤ እዩ።
ብኸመይ ይፍተኑ?
እቲ መስርሕ ብስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ይጅምር፤ ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ተመራመርቲ ኣብቲ ኣርእስቲ እንታይ ከም ዝሰርሑን ኣብ እንታይ መደምደምታ ከም ዝበጽሑን ይምርመር።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ሓድሽ ሓሳብ ንምፍታን ምስ ተዳለዉ፡ ፈለማ ኣብ ዋህዮታት፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ እንስሳታት - መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣናጹ - ብዝግበሩ ፈተነታት ላቦራቶሪ ይጅምሩ።
ብመሰረት 'ፕሮጀክት ፍልጠት ክታበት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ'፡ እቲ ዝፍተን ዘሎ ክታበት ናብ ዝቕጽል ደረጃ ፈተነታት ቅድሚ ምስጋሩ፡ ኣብ እንስሳታት ግብረ-መልሲ ምክልኻል ሕማም ክፈጥር ከም ዝኽእል ከርኢ ኣለዎ።
ቀጺሉ ኣብ ሰባት ዝግበሩ ፈተነታት ይመጹ፤ ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ድማ ይምቀሉ።

ቀዳማይ ምዕራፍ፤ ንእሽቶ ጕጅለ ወለንተኛታት - ብልምዲ ጥዑያት መንእሰያት ዓበይቲ ሰባት - ዘሳትፍ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝገልጾ፡ እዚ ምዕራፍ ዝዀነ ዓቢ ስክፍታ ድሕነት እንተ ሃልዩን ትኽክለኛ መጠን ዓቐን (dosage) እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይምርምር።
ካልኣይ ምዕራፍ፤ ዝዓበየ ጕጅለ ወለንተኛታት - መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ እቲ ክታበት ዝዓለመሉ ሕብረተሰብ ዝተወስዱ ኣማኢት ሰባት - የሳትፍ። እዚኣቶም ምስቶም ነቲ ክታበት ዘይወሰዱ 'መነጻጸሪ ጕጅለ' ዝበሃሉ ሰባት ይነጻጸሩ። ሓካይም ዝዀነ ክህሉ ዝኽእል ጐድናዊ ሳዕቤን ናይቲ ክታበትን ግብረ-መልሲ ምክልኻል ሕማም ናይቲ ኣካልን ይከታተሉ።
ሳልሳይ ምዕራፍ፤ ነቲ ክታበት ኣብ ዝገፍሐ ጕጅለ ወለንተኛታት - መብዛሕትኡ ግዜ ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ሰባት - ከምኡ'ውን ኣብ መነጻጸሪ ጕጅለ ይፍትኖ። እዚ ፈተነታት፡ እቲ ክታበት ዝተፈላለየ ዕድመ፡ ዓሌት፡ ድሕረ-ባይታን ከባቢ መነባብሮን ዘለዎም ሰባት ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ውጽኢታውን ውሑስን ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እዩ ዝካየድ።
ሓደ ክታበት በዞም ሰለስተ ምዕራፋት ንኽሓልፍ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ፤ ንኣብነት 'መንቢ' (MenB) ዝበሃል ክታበት ሕማም መኒንጆኮካል ንምምዕባል ኣስታት 15 ዓመታት ወሲዱ።
"ንምሉእ ማሕበረሰብ ጥዕና ህጻናት ሓደ ነገር ክትህብ ከለኻ፡ ውሑስ ምዃኑ ብሓቂ ኣዚኻ ርግጸኛ ክትከውን ኣለካ" ትብል በድፎርድ።
ኣብ ፍሉያት ኵነታት፡ ክታበታት ንመርመራታት ድሕነት ከየጓደሉ ብዝቐልጠፈ ፍጥነት ክምዕብሉን ክፍተኑን ይኽእሉ እዮም።
ንኣብነት፡ እቲ ቀዳማይ ክታበት ኮቪድ-19 ብሓያሎ ምኽንያታት ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ሓደ ዓመት ማዕቢሉ ንጥቕሚ ፍቓድ ረኺቡ እዩ። ቀዳማይ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣቐዲሙ ኣብ ቫይረሳት ኮሮና ንዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ምርምር ተመርኲሶም ስለ ዝሰርሑ፡ ቅድመ-ዕድል ረኺቦም ነይሮም።
ስፍሓትን ህጹጽነትን ናይቲ ለበዳ ድማ፡ ተመራመርቲ ንሕቶ ገንዘባዊ ሓገዝ ንዓመታት ካብ ምጽባይ ድሒኖም ገንዘብ ብሰፊሑ ከም ዝቐርብ ገይሩ።
ተመራመርቲ ወሲኾም ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብ ፈተነታት ክታበት ኮቪድ ንምስታፍ ፍቓደኛታት ዝነበሩ ሰባት ብኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሪ ተረኺቦም ነይሮም፤ ካብ ሕሉፍ ልምዲ ከም ዝተራእየ፡ ኣብ ፈተነታት ንምስታፍ ፍቓደኛታትን ብቝዓትን ሰባት ምርካብ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ እዩ።
ስለዚ፡ ኣማዕበልቲ ክታበት ኣብ መንጐ ምዕራፋት ፈተነ ንዓመታት ኣብ ክንዲ ዝጽበዩ፡ ውሑድ ግዜ እናወሰዱ ብዅሎም እቶም ሓደ ዓይነት መርመራታት ድሕነት ክሓልፉ ክኢሎም።
ስክፍታታት ድሕነት እንተ ተላዒሎም እንታይ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images
ተሳተፍቲ ፈተነ ነቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም፡ 'ኣሉታዊ ፍጻመ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝዀነ ምልክት ወይ ሕማም እንተ ኣጋጢምዎም ብቐረባ ክትትል ይግበረሎም። ተመራመርቲ እቶም ምልክታት ብሰንኪ እቲ ክታበት ዝመጹ ድዮም ወይስ ምስኡ ዝምድና ዘይብሎም ንምውሳን መርመራ የካይዱ።
እቲ ውጽኢት መርመራ፡ ከም ድርቀት ኣፍ ወይ ነድሪ ዝኣመሰሉ ምልክታት ብሰንኪ እቲ ክታበት ከም ዝመጹ እንተ ኣመልኪቱ፡ እዚ 'ጐድናዊ ሳዕቤን' ይበሃል። ብመሰረት ክብደቱን ዘስዕቦ ሓደጋን ድማ፡ ተወሳኺ መርመራታት ክሳዕ ዝካየድ እቲ ፈተነ ንግዚኡ ክእገድ ወይ ፈጺሙ ደው ክብል ይኽእል።
ኣብ 2020፡ ከምቲ ናይ ኣውስትራልያ ክታበት UQ/CSL ዝኣመሰሉ ገለ ክታበታት ኮቪድ-19፡ ተሳተፍቲ እቲ ፈተነ ናይ ሓሶት ፖዘቲቭ ውጽኢት መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ ምስ ኣርኣዩ ተሪፎም እዮም።
ኵሎም ዝተጸብጸቡ ኣሉታዊ ፍጻመታት፡ ተቘጻጸርቲ ኣካላት ሓደ ክታበት ንህዝባዊ ኣገልግሎት ፍቓድ ክወሃቦ ዝግባእ እንተ ዀይኑ ክውስኑ ከለዉ ዝምርምርዎም ክፋል መርትዖታት እዮም።
ዋላ እኳ ከም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኣመሰሉ ኣካላት ብዛዕባ ክታበታት ዓለምለኻዊ ምኽርታት እንተ ሃቡ፡ ኣብ መላእ ህዝበን ክዝርግሓኦ እንተዀይነን ዝውስና ግን ሃገራትን ተቘጻጸርቲ ኣካላተንን እየን።
ቀጻሊ ክትትል
ሓደ ክታበት ንህዝባዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምጽዳቑ ዝግበረሉ ክትትል ደው ኣይብልን እዩ። ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ዝዀነ ዘጋጠሞም ኣሉታዊ ሳዕቤን ናብ ተቘጻጻሪ ኣካል ሃገሮም ከፍልጡ ይተባብዑ።
ዝዀነ ይዅን ክታበት ፈጺሙ ካብ ሓደጋ ናጻ ኣይኰነን፤ ልሙዳት ጐድናዊ ሳዕቤናት ድማ ኣብ ከባቢ እቲ መርፍእ ዝተወግኣሉ ቦታ ግዝያዊ ቃንዛ ወይ ሕበጥ፡ ሕማም ርእሲ፡ ድኻምን ፈኲስ ረስንን ከጠቓልሉ ይኽእሉ።
ዝኸበዱ ግብረ-መልስታት ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም፤ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ኣዝዮም ሳሕቲ ከም ዝዀኑ ይገልጽ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ፡ እዞም ሓደጋታት ምስ ሓደጋታት ናይቲ ሕማም ባዕሉ ከመይ ይነጻጸሩ ዝብል ምዃኑ በድፎርድ ትገልጽ።
ንኣብነት፡ ምንቅጥቃጥ ምስ ክታበት ንፍዮ ዝተኣሳሰር ሳሕቲ ዘጋጥም ግን ከቢድ ኣሉታዊ ፍጻመ ኰይኑ ተዘርዚሩ ኣሎ፤ እንተዀነ ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3,000 ዝወሃቡ ክታበታት ሓደ እዩ።
ብምንጽጻር፡ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ብንፍዮ ካብ ዝተለኽፉ ሰባት ኣስታት ሓደ ካብ 1,000 ሰባት፡ ከም ምንቅጥቃጥ ዝኣመሰሉ ሕልኽላኻት ዘስዕብ ቀዳማይ ሕበጥ ሓንጐል (primary encephalitis) የማዕብሉ።
"ድሕሪ ክታበት ቀዋሚ ጸገም ምንቅጥቃጥ ናይ ምግጣም ዕድልካ፡ ድሕሪ ባህርያዊ መልከፍቲ ንፍዮ ካብ ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ" ክትብል በድፎርድ ተብርህ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኽታበት MMR ብተደጋጋሚ ኣብ ሕቶ ብምእታው፡ ክታበታት ህጻንነት ምስ ኦቲዝም ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ህጻናት ውሑዳት ክታበታት ክወስዱ ከለዉ መጠን ኦቲዝም ትሑት ከም ዝነበረ ብምምጓት ድማ፡ ዝወሓዱ ክታበታት ህጻናት ክወሃቡ ዝጽውዕ ትእዛዝ ፈሪሙን ክታበት MMR ተፈላልዩ ክወሃብ ሓሳብ ኣቕሪቡን እዩ።
ይዅን እምበር፡ ብዙሓት መጽናዕትታት ኣብ መንጐ እቲ ክታበትን ኦቲዝምን ዝዀነ ምትእስሳር ኣይረኸቡን። እዚ ድማ ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ታሕሳስ 2025 ዘካየዶን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንዓሰርተታት መጽናዕትታትን ሚልዮናት ህጻናትን ዝሓቘፈ ሓበሬታ ብምትንታን "ኣብ መንጐ ክታበትን [ኦቲዝምን] ዝዀነ ጠንቃዊ ምትእስሳር የሎን" ዝበለ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ኣብ መጀመርታ ኣብ መንጐ ኦቲዝምን ክታበት MMRን ክህሉ ዝኽእል ምትእስሳር ፍርሒ ዘለዓዓለ ናይ 1998 መጽናዕቲ፡ ብሕክምናዊ መጽሔት 'ዘ ላንሰት' ኣብ 2010 ተኣማንነቱ ተነጺጉ ተሰሪዙ እዩ።
ብዛዕባ ክታበት ዝዝርጋሕ ዝንቡዕ ሓበሬታ ብኸመይ ተለልዮ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
1. ነቲ ሓበሬታ ዝህብ ዘሎ መን እዩ?
ነቲ ኣብ ቅድመኻ ዘሎ ሰብ - ኣብ ኢንተርነት ይዛረብ ይዅን ብኣካል - ኣስተውዕለሉ። ሕክምናዊ ድሕረ-ባይታ ኣለዎ ድዩ? ብዛዕባ ክታበታት ንኽዛረብ ብቑዕ ዝገብሮ እንታይ እዩ? ተራ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ምንጩ ወይ ነቲ ሓበሬታ ካበይ ከም ዝረኸቦ ይጠቅስ ድዩ?
2. ካልኦት ይድግፍዎ ድዮም?
እቲ ዝብሎ ዘሎ ኣብ ካልእ ቦታ - ንኣብነት ኣብ ካልኦት መጽናዕትታት - ተደጊሙ ተገሊጹ ድዩ?
"ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላትን ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ዝመጹ ክኢላታት፡ ኵሎም ኣብ ሓደ መደምደምታ እንተ በጺሖም፡ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዝዀነ ሓደ ምንጪ ንላዕሊ ዘተኣማምን እዩ" ክትብል ኮላ-ፓልመር ተብርህ።
ሓበሬታታት ምስ ከም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኣመሰሉ እሙናት ምንጭታት ከተነጻጽሮም ትኽእል ኢኻ፤ እዚ ትካል ካብ መላእ ዓለም ንዝተዋጽኡ ክኢላታት ጥዕና ዝጥርንፍን መምርሒታቱ ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ ዝምስርትን እዩ።
3. ምስ ክኢላ ጥዕና ተዘራረብ
ብዛዕባ ክታበታት ዝለዓሉ ዝዀኑ ስክፍታታት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ ካብ ምምርኳስ፡ ብእሙናት ክኢላታት ክንክን ጥዕና ክምለሱ ከም ዝሓይሽ ክኢላታት ይመኽሩ።
ይዅን እምበር፡ ሰባት ብዛዕባ ክታበት ውሳነ ኣብ ዝወስዱሉ እዋን እምነት ወሳኒ ተራ ከም ዝጻወት ኮላ-ፓልመር ተብርህ።
"እቲ ሕቶ ምናልባት ነቲ ክታበት ትኣምኖ ዶ ዝብል ዘይኰነስ፡ ብመሰረቱ ነቶም እቲ ክታበት ውሑስ እዩ ዝብሉኻ ዘለዉ ሰባት ትኣምኖም ዶ ዝብል እዩ።"
ነዞም መረጋገጺታት እትግምግመሉ ሓደ መንገዲ፡ ነቲ መርትዖ ባዕሉ ምርዳእ እዩ - ማለት ክታበታት ከመይ ከም ዝሰርሑን ቅድሚ ምጽዳቖም ክሓልፍዎም ዘለዎም መርመራታት ድሕነትን ምፍላጥ።



![ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኤርትረ ግብጽን ሱዳንን [ካብ ጸጋም ናብ የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2c73/live/8517ed00-e63c-11f1-95a5-39a1eaadd44b.jpg.webp)

















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





