ትራምፕ፡ ኢራን 'ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ' ብዝሒ ሚሳይላት ተኲሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ዘወንጨፈቶ ንላዕሊ ድሮናትን ሚሳይላትን” እኳ እንተ ተኰሰት፡ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይበጽሐ ሰንበት ተዛሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዝተባህለ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ደሞክራታውያን ኣብ ክልቲኦም ኣብያተ-ምኽሪ ኮንግረስ ኣብዝሓ ድምጺ ዝሰዓሩሉ መረጻ ፍርቂ እብረ፡ ምስ ምግዳድ ናይቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣተኣሳሲሩ ኣልዒልዎ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝተኻየደ መረጻ ብዝምልከት “ክልተ ነገራት ተነብዩ” ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
“ቀዳማይ፡ ዲሞክራት እንተ ስዒሮም ስቶክ-ማርከት ብኸቢድ ኵነታት ክወድቕ እዩ ዝብል ነይሩ፤ እዚ ድማ ተኸሲቱ እዩ።
ካልኣይ ድማ ክሳዕ ሎሚ 81,000 ተቓወምቲ ዝቐተለት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን መጥቃዕታ ዝያዳ ከተሐይል እያ ዝብል ኰይኑ፡ እዚ እውን ኰይኑ እዩ” ብምባል ጽሒፉ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ዋጋ ነዳዲ ብዝለዓለ መጠን ምውሳኹ፡ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ኣካይዳ እቲ ቍጠባ ክሰግኡ ገይሩ እዩ።
ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ሓዊሱ ላዕለዎት መራሕቲ ሪፓብሊካን፡ ሰልፎም ኣብቲ መረጻ ዝተሳዕረሉ ሓደ ምኽንያት ምስ ኲናት ኢራን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ብወገኑ ሰንበት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ መረጽቲ ትርጕም ድምጾም “ኣይተረድኡን” ክብል ከሎ፡ ነቲ መረጻ ድማ “ኣዝዩ ‘ዘይልሙድ’” ክብል ገሊጽዎ።
“መራሕቲ ኢራን ንደሞክራት ከም ድኹማት፡ ውጽኢታውያን ዘይኰኑን ኣጥፋእቲ ሃገርን እዮም ዝርእይዎም፤ ይዅን እምበር እዚ ክኸውን ኣይፈቅድን እየ! ደሞክራት ይዅኑ ኢራን ዋጋ ነዳዲ ብዝተኻእለ መጠን ንነዊሕ እዋን ልዑል ኰይኑ ንኽጸንሕ ኣዝዮም ተቓሊሶም እዮም፤ ድሕሪ እቲ መረጻ ግን ዋጋ ነዳዲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ነኪዩ እዩ” ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ “መረጽቲ ድምጺ ቅድሚ ምሃቦም ነዚ ዘይምርዳኦም ኣዝዩ የሕዝን፤ ይዅን እምበር ሓፈሻዊ እቲ መረጻ ኣዝዩ ‘ዘይልሙድ’ እዩ ነይሩ” ክብል ኣብ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያኡ ጽሒፉ።
ተወሳኺ ንባብ፤


