ብንቕለ ተኸላ ዝተወስደ ኮላሊት ሓሰማ ን271 መዓልታት ኣብ ሰብ ብምስራሕ ክብረ ወሰን ሒዙ

ኣንድሪው ቲም ድሕሪ ዝረኻተደሉ ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, Kate Flock/Massachusetts General Hospital

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብንቅለ ተኸላ ካብ ሓሰማ ዝተወስደ ኩላሊት ኣብ ሰብ ን271 መዓልታት ብምስራሕ፣ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተመዝገቡ እቲ ዝነውሐ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

ሕክምናዊ መስርሕ ንቕለ ተኸላ ዝተካየደሉ ቲም ኣንድሪውስ ፣ እቲ ካብ ሓሰማ ዝተወስደ ኩላሊት ን271 መዓልታት ኣብ ሰብነቱ እናሰርሐ ብምጽንሑ፡ እቲ ንኽረኽቦ ተስፋ ዝገበረሉ ሕክምና፣ ንኣዋርሕ ካብ ድያሊሲስ—ማለት ደሙ ብማሽን ንምጽራይ—ናጻ ክኸውን ከም ዝሓገዞ ገሊጹ።

ኣብ ሆስፒታል ማስቹሰትስ ጀነራል ሆስፒታል ዝርከብ ሕክምናዊ ጉጅለ፣ እዚ ውጽኢት እዚ ኣካላት ሓሰማ ክሳብ ናይ ሰብ ለጋሲ ኩላሊት ዝርከብ ከም "መሰጋገሪ" መፍትሒ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ከም ዝህብ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ኣንድሪውስ ዝተተከለ ኩላሊት ብድሕሪ እቲ ዝተጠቕሰ መዓልትታት ምስራሕ ድሕሪ ምቑራጹ ካብ ሰብነቱ ብምእላዩ ክሳብ ናይ ሰብ ለጋሲ ኩላሊት ዝርከብ፣ ን82 መዓልታት ናብ ዲያሊሲስ ክምለስ ነይርዎ።

'ዜኖ ትራንስፕላንቴሽን' እንታይ እዩ?

ሓካይምን ተመራመርቲ ስነፍልጠትን ብሰንኪ ዋሕዲ ኣካላት ለገስቲ፣ ዜኖ ትራንስፕላንቴሽን ዝበሃል ካብ ካልኦት ዓሌታት እንስሳታት ዝተወስዱ ኣካላት ኣብ ሰብ ንምትካል ዝግበር መስርሕ እዮም ዝምርምሩ ዘለዉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 100,000 ሰባት ናይ ኩላሊት ለጋሲ ይተጸበዩ ኣለዉ፣ ፡ ይኹን እምበር ኣብ ዓመት ኣስታት 25,000 ናይ ኩላሊት ንቅለ ተከላታት ጥራይ'ዮም ዝካየዱ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኸኣ ልዕሊ 7,000 ሰባት ናይ ኩላሊት ንቅለ ተኸላ ንምግባር ኣብ ትጽቢት እዮም ዝርከቡ።

ኣንድሪውስ ንሓደ ናይ ሰብ ለጋሲ ኩላሊት ንምርካብ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ክጽበ ከም ዝኽእል ተነጊርዎ ነይሩ። እንተዀነ ሰባት ብዲያሊሲስ እናተሓገዙ ብገምጋም ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

እዚ ድማ ነቲ ንምንባር ዝረባረብ ዓቢ ተስፋ ብምዃኑ፡ኣንድሪው ነቲ መስርሕ "ተስፋ ካብ ኩሉ ነገር ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ካብ ማሽን ዲያሊሲስ ናጻ ኮንካ ህይወትካ ንምንባር ዝህብ ዕድል እዩ" ኢሉ ።

ንተስፋን ንመጻኢ ዝሓሸ ነገር ንምጽባይን ዕድል ከም ዝሃቦ'ውን ተዛሪቡ።

ኣንድሪው ቲም ኣብ 2017 ንመስርሕ ነቕለ ተኸላ እናተዳለወ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Kate Flock/Massachusetts General Hospital

እቲ ኩላሊት ከመይ ኢሉ ክሰርሕ ከኣለ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓሰማታት ንዜኖትራንስፕላንቴሽን ተመራጽቲ እንስሳታት ምንኖም ይንገር። ምኽንያቱ ድማ መጠን ኣካላቶም ብኣንጻር ናይ ሰብ ኣካላት ክነጻጸር እንከሎ ተመሳሳሊ ስለ ዝኾነ እዩ።

ይኹን እምበር ካብ ሓሰማ ኩላሊት ወሲድካ ኣብ ሰብ ምትካል ግን ቀሊል መስርሕ ኣይኮነን። ሰብነት ናይ ሓሰማ ኩላሊት ከም "ጓና ነገር" ስለ ዝፈልጦ፣ እቲ ናይ ሰብ ምክልኻል ስርዓት ብቕልጡፍ ነቲ ኩላሊት ክወቕዖን ክጎድኦን ይጅምር።

እዚ ከቢድ ናይ ምክልኻል ስርዓት መጥቃዕቲ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውሃዮ ጉድኣት ክፈጥርን ምርጋእ ደም ከስዕብን ስለዝኸእል ፡ ብውሽጢ ደቓይቕ እቲ ኩላሊት ሕብሩ ናብ ጸሊም ክቕየር'ውን ይኽእል።

ስለዚ ተመራመርቲ 69 ዝተፈላለዩ ናይ ጂን ለውጥታት ዝተገበረሎምን ኣብ መክሲኮ ዝርከቡ ንኣሽቱ ሓሰማታት(Yucatan miniature pigs ) ብምርባሕ ፡ ነቲ ኣካል ናይ ሰብ ኣካል ብዝያዳ ንኽመስል ገይሮም።

እቶም ናይ ለውጥታት ናይ ሰብ DNA እውን ዝትሓወሶም እውን እዮም። እዚ ድማ ፡ስርዓተ ምክልኻል ሰብ ፡ ነቲ ናይ ሓሰማ ህዋሳት ከለልዮምን ከጥቅዖምን ዝገብሩ ባህርያት ንምውጋድ ዝዓለሙ እዮም።

ኣንድሪውስ ብምኽንያት 2ይ ዓይነት ሕማም ሽኮር፣ ናብ መወዳእታ ደረጃ ዝበጽሐ ሕማም ኩላሊት ነይርዎ። ኩላሊታቱ ድማ ቀስ ብቐስ ስራሕኦም እናኣቋረጹ ክይዶም።

ኣብ ጥሪ 2017፡ ኣንድሪው ወዲ 66 ዓመት እንከሎ እዮ እቲ ካብ ሓሰማ ዝተወስደ ኩላሊት ተተኺልሉ ።

ብመሰረት ኣብ ላንሰት ዝተሓትመ ዝርዝር ሓበሬታ፣ እቲ ኩላሊት ድሕሪ ምትካሉ ብቕጽበት ስራሕ ጀሚሩ።

እቲ ኩላሊት ን271 መዓልታት ብዓወት እናሰርሐ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት ካብ ሰብነቱ ተኣልዩ።

ድሕሪኡ ቲም ን82 መዓልታት ብዲያሊሲስ ክሕገዝ ጸኒሑ። ኣብ ጥሪ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ካብ ሰብ ዝተለገሰሉ ኵሊት ተተኺሉሉ።

እቲ ብልግሲ ዝተረኽበ ኩላሊት ክሳብ ሕጂ ብጽቡቕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይግለጽ።