እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዋንጫ ዓለም ይካየድ ኣሎ ድዩ'፡ ኣመሪካውያን ብዛዕባ እቲ ውድድር እንታይ ይፈልጡ?
ኣብ መላእ ከተማ ኒውዮርክ ዓው-ዓው ዝመልኦ ናይ ሓጐስ ጽንብላት ነይሩ።
ገሊኦም ደገፍቲ ኣብ ጐደናታት ማንሃተን ኣብ ልዕሊ መካይኖም ደው ኢሎም ነይሮም። ኣሽሓት ኪሎሜትራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሳንታ ሞኒካ'ውን ኣብ ጥቓ መዐሸጊ መራኽብ ካብ ዘለዉ ኣብያተ መግብን ባራትን ናይ ሰባት ድምጺ ጫውጫውታ ይስማዕ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እዚ ዋዕዋዕታ ንጸወታ ዋንጫ ዓለም ኣይነበረን።
ነቶም ብረቡዕ ካብ ድሕሪት ተበጊሶም ብዘገርም ዝመርሑ ኒውዮርክ ኒክስ እዩ ነይሩ—ኣብ ታሪኽ ፍጻመታት ውድድራት ኩዕሶ ሰኪዔት ኤን-ቢ-ኤ እቲ ዝዓበየ ኰይኑ—ንሳን ኣንቶኒዮ ስፐርስ ንምስዓር ዘኽኣሎም ታሪኻዊ ዓወት እዩ።
እዚ ድማ እቲ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ውድድር ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ምንታይ ይወዳደር ከም ዘሎ ዘዘኻኽር እዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ምስ ፓራጓይ ንምጽዋት ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ኩዕሶ እግሪ—ወይ ሶከር—ከም ኩዕሶ ሰክዔትን 'ኣመሪካን ፉትቦል'ን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ስፖርት ተመሳሳሊ ደረጃ ተፈታውነት የብሉን።
ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ፍርቂ ካብቶም ዝተሓተቱ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ኣብ ሃገሮም ዝእንገድ ውድድር ዋንጫ ዓለም ግዲ የብሎምን።
"ካብ ኒክስ ወጻኢ ብዛዕባ ካልእ ነገር ግዲ የብለይን"
ኣመሪካ ንዋንጫ ዓለም ደቂ-ተባዕትዮ ከተአንግድ እዚ ንኻልኣይ ግዜኣ እዩ፤ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1994 ኣአንጊዳ ነይራ እያ።
እቲ ውድድር ኣብታ ሃገር ኣብ ዘሎ ናይ ኩዕሶ እግሪ ባህሊ ዓብን ነባርን ጽልዋ ነይሩዎ - ተፈላጥነቱ ንምዕባይን ንምምስራት ዓበይቲ ውድድራት ውሽጢ ሃገር መንገዲ ብምጽራግን።
እንተዀነ፡ ካብኡ ንነጀው ልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ተሳጊርና ናብዚ ግዜ'ዚ ክንመጽእ ከለና፡ እቲ ዳግማይ ምእንጋድ ዋንጫ ዓለም ኣቓልቦ ናይቲ ህዝቢ ክስሕብ ኣይከኣለን ዘሎ።
ኣብ ኒውዮርክ፡ ብጥንቃቐ እንተ ተዓዚብካ እዚ ዓቢ ውድድር ከም ዝጀመረ ዘረድእ ምልክታት ኣሎ።
ብሕብርታት ሃገራዊት ጋንታ ዝተሰለሙ ናይ ውሽጢ መሬት ባቡራት ኣለዉ። ምስሊ ሊዮነል መሲ ኣብ ታይምስ ስኩዌር ኣብ ዘሎ ዓቢ ናይ ምልክታ ሰሌዳ ይርአ ኣሎ።
ደገፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ሞሮኮን ብራዚልን ማልያታት ተኸዲኖም ኣብ ቢግ ኣፕል ይዘዋወሩ ኣለዉ፤ ሃገራውያን ጋንታታቶም ቀዳም ኣብ ሜትላይፍ ስታድዩም ክጋጠሙ እዮም።
እዚ ይዅን'ምበር፡ ኒውዮርካውያን ኣዝዮም ተመሲጦምሉ ዘለዉ ንኩዕሶ ሰኪዔት እምበር ኩዕሶ እግሪ ኣይኰነን።
ኒውዮርክ ኒክስ ኣብ ፍጻመ ኤን-ቢ-ኤ ምስ ሳን ኣንቶኒዮ ስፐርስ 3 ብ 1 ይመርሑ ኣለዉ፤ ቀዳም እንተ ተዓዊቶም ድማ ድሕሪ 1973 ንፈለማ እዋን ሃገራዊ ሻምፒዮና ክጭብጡ እዮም።
"ንባትማን ርኢኻዮዶ ሓቀይ? ንጎታምከ? ኒክስ እንተ ተዓዊቶም ቀዳም ምሸት ምናልባት ከምኡ [ደስታ] እዩ ክኸውን፡" ክብል ሓደ ደጋፊ ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪቡ።
"ሓቂ ንምዝራብ ብዛዕባ ዋንጫ ዓለም ምንም ኣይተኸታተልኩን፣ ካብ ኒክስ ወጻኢ ብዛዕባ ካልእ ነገር ግዲ የብለይን።"
ፍራንክ ዝተባህለ ካልእ ደጋፊ ወሲኹ፡ "ኣብ ኒክሰይ እየ ዘተኵር ዘለኹ፤ ንሱ ምስ ተወድአ ግን ብርግጽ ኣቓልቦይ ናብ ዋንጫ ዓለም ከዝሮ እየ። ሕጂ ኣብ ኒውዮርክ፡ ኒክስ ንዅሉ ነገር ተቘጻጺሮሞ ስለ ዘለዉ ጥራይ እዩ።"
ናይ ኒክስ ማልያ ዝተኸድነ ካልእ ሰብ ድማ፡ "ሓቂ ንምዝራብ፡ ብዛዕባ 'ሶከር' (ኩዕሶ እግሪ) ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ፡" ኢሉ።
"እቲ ውድድር እናዓበየ ህንጡይነት እናዓበየ ክመጽእ እዩ"
ኣብ ሎስ ኣንጀለስ—ኣአንጋዲት ኣመሪካ ካብ ሰለስተ ናይ ምድብ ጸወታታታ እተን ክልተ እትጻወተሉ ቦታ—ብዛዕባ ምውዕዋዕ ዋንጫ ዓለም ተመሳሳሊ ዛንታ እዩ ዘለዎ።
ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝብገሱ ጐደናታት 'LA26'ን ነቲ ውድድር ዘፋልጡ ባነራት ይርኣዩ። ኤለክትሮናዊ ናይ ምልክታ ሰሌዳታት ድማ ነቶም ዝተፈላለዩ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ የላልዩ ኣለዉ።
ኣብ ማእከል ሎስ ኣንጀለስ ዘሎ ዓቢ ናይ መንደቕ ስእሊ'ውን ንኣርጀንቲናዊ ሊዮነል መሲ የርኢ። ገሊኦም ድኳናት'ውን ምስ ዋንጫ ዓለም ዝተኣሳሰሩ ናውቲታት ይሸጡ ኣለዉ።
ይዅን'ምበር፡ ተኸታተልቲ ኩዕሶ እግሪ ንዘይኰኑ ሰባት፡ እቲ ውድድር ክጅምር ምዃኑ ንኸይፈልጡ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢይ እዩ።
ሓደ ኣብ ቢቢሲ ዝሰርሕ መሳርሕትና ኣብ ታክሲ እናተጓዓዘ እንከሎ፡ እቲ መራሒ መኪና ዋንጫ ዓለም ክጅምር ምዃኑ ከም ዝተገረመ ገሊጽሉ፡ "ዋንጫ ዓለም ይካየድ ኣሎ ድዩ? መን እዩ ዝጻወት ዘሎ?" ብምባል ተዛሪቡ።
ኣዳለውቲ ዋንጫ ዓለም፡ እቲ ውድድር እናቐጸለ ብዝኸደ እቲ ህንጥዩነት እናዓበየ ክመጽእ ትጽቢት ኣለዎም።
"ቀስ ኢሉ ጀሚሩ እናዓበየ ናብ ውዕውዕ ሃዋሁ ዘምርሕ ዘሎ ይመስለኒ፡" ይብል ላሪ ፍሪድማን ሓደ ካብ ኮሚቴ ምእንጋድ ዋንጫ ዓለም ናይ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ።
"ኣነ ኣዝየ ተሃንጥየ ኣለኹ፡" ክብል ኢሳይያስ ዝተባህለ ተቐማጢ ሎስ ኣንጀለስ ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪቡ። "ቅድሚ ሕጂ ዋንጫ ዓለም ርእየ ኣይፈልጥን፤ ሎሚ ዓመት ግን ክርእዮ እየ። ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ስለ ዝካየድ ብሉጽ ዝኸውን ይመስለኒ። ሎስ ኣንጀለስ ኵሉ ነገር ዝርከበሉ ቦታ እዩ። ፍሉይ ነገር ክኸውን እዩ።"
ሑስና ዝተባህለት ብወገና፡ "ኣብዚ ሓያሎ ሰባት ዋንጫ ዓለም እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም። ሕጂ ግና ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ስለ ዘሎ፡ እዚ ድማ ዓብን ህቡብን ቦታ ስለ ዝዀነ ክፈልጥዎን ክርእዩዎን እዮም።"
ይዅን'ምበር፡ ክልተኦም ኣመሪካ ኣብ መኽፈቲ ጸወታኣ ምስ መን ከም እትገጥም ከም ዘይፈልጡ ተኣሚኖም እዮም።
እቶም ቢቢሲ ስፖርት ዘዘራረቦም ሓደስቲ ወለዶ መንእሰያት ኣመሪካውያን—እቶም ቅድሚ 32 ዓመታት እቲ ውድድር ንመወዳእታ እዋን ኣብ ኣመሪካ ክካየድ ከሎ ዘይነበሩ— ዝተሃንጠዩ ይመስሉ ኣለዉ።
"ዋንጫ ዓለም ምህላዉ ዝፈልጥ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን"
ስኮትላንድ ድሕሪ 28 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ዋንጫ ዓለም ትምለስ ኣላ። ደገፍታ ብምምላስ ሃገራዊት ጋንታኦም ተሓጒሶም ናብ ቦስተን ክኣትዉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ቀዳማይ ጸወታኦም ምስ ሃይቲ እዩ። እንተዀነ፡ እቶም ብ'ታርታን ኣርሚ' ዝፍለጡ ደገፍቲ ስኮትላንድ ንምንታይ ናብ ቦስተን ይኣትዉ ኣለዉ ዘይፈልጡ ኣመሪካውያ እዮም ተቐቢሎሞም።
"ቅድሚ 10 ደቒቕ ኢመይል ክገብር ወጺአ ነይረ። ሓንቲ ጓል ኣብዚ እንታይ እገብር ከም ዘለኹን ንዕረፍቲ መጺአ እንተዀይነን ሓቲታትኒ፡" ክብል ሓደ ደጋፊ ሃገራዊት ጋንታ ስኮትላንድ ንቢቢሲ ስፖርት ስኮትላንድ ተዛሪቡ። "ማልያ ስኮትላንድ ተኸዲነ ነይረ። ንሳ ዋንጫ ዓለም ምህላዉ እኳ ኣይፈለጠትን።"
ካልእ ደጋፊ ድማ ወሲኹ፡ "እቶም ባራት ብሉጻት እዮም፤ እንተዀነ፡ ዋንጫ ዓለም ምህላዉ ዝፈልጥ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።
ብዋጋ ትኬት ዘይተተባብዑ ደገፍቲ ውሽጢ ሃገር፡ ዓወት ነባሪ ጽልዋ ከሕድረሎም ይኽእልዶ?
ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉን ካብ ወጻኢ ዝኣተዉን ደገፍቲ፡ ዋጋ ትኬት ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑዎም ካብ ዘሎ ሓደ እዩ።
ኣመሪካ መኽፈቲ ጸወታ ቅድሚ ምክያዳ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ እቶም ትኬታት ገና ተሸይጦም ኣይተወድኡን ነይሮም። እቲ ዝሓሰረ ዋጋ 1,120 ዶላር ብምዃኑ፡ ብዙሓት ደገፍቲ—ብፍላይ ድማ ስድራቤታት—ብሰንኪ እቲ ዋጋ ክዕድጉ ኣይከኣሉን።
ኣብ ማእከል ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዝቕመጡ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራቤት፡ ኣብ ከባቢኦም ዋንጫ ዓለም ይእንገድ ብምህላዉ ሓጐሶም ገሊጾም።
"ኣብ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ክልተ ኣዋልድ ኣለዋና። ስለዚ ንሕና ዕሉላት ደገፍቲ ኢና፡" ይብል ሓደ ካብኦም ክሪስ። "ብሰንኪ ክብሪ ዋጋ ግና ኣብ ገዛና ኴንና ክንርእዮ ኢና።"