ውጽኢት ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2026 ኣብዚ ሰሌዳ ተኸታተሉ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ 13 ሓምለ 1930 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኡራጋይ ዝጀመረ ዋንጫ ዓለም መልክዑን ቅርጹን እናቐያየረ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓንሳእ እናተኻየደ ሎሚ ዓመት ንመበል 23 ግዜ ካብ 11 ሰነ ክሳብ 19 ሓምለ ክካየድ'ዩ።

ዋንጫ ዓለም ኣብ ስፖርት እቲ ዝዓበየ ውድድር'ዩ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።

ብዙሓት ሓደስቲ ተርእዮታት ክረኣዩ ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ዝተፈላለየ ሓደስቲ ክብረ ወሰናት'ዩ ዝርአ ዘሎ፣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ይካየድ [ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን] ኣሎ፡ ንመጀመርታ ግዜ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ውድድር ይሳተፋ ኣለዋ፣ ከምኡ'ውን ብሓፈሻ ንመጀመርታ ግዜ 48 ሃገራት ኣብዚ ውድድር ይሳተፋ ኣለዋ።

ኣብዚ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝካየድን 104 ግጥማትን ዘለዎ ውድድር ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ኣዳሊናዮ ዘለና ሰሌዳ፡ መደብ ጸወታ፡ ጸወታ ዝካየደሉ ሰዓት፡ ስታድዮም፡ ዝተመዝገበ ውጽኢት ኣብ ግዜኡ ክትረኽቡ ከም እትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቂቕ ንዘሎ ምዕባለታትን ውጽኢታትን ዘርእን ዝመሓየሽን'ዩ።

ቦታታት ውድድር፡ ዕለታት፡ ሰዓታት፡ ውጽኢት፡ ዘሎ ምድባትን ደረጃታት ምድብን፡ ከምኡ'ውን ካልእ ኣገዳሲ ሓበሬታ ጸወታታት ኣብዚ ሰሌዳ ተዋሂቡ ኣሎ፤ ሰናይ ምክትታል።