እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ 'ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ' ዝተባህለሉ ሃገራዊ ዘተ ብኸመይ ክካየድ እዩ?
ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ዝወሰደ ምምራጽ ወከልቲ፡ ምእካብ ኣጀንዳታትን ካልኦት ምድላዋትን ድሕሪ ምዝዛም፡ ሎሚ ረቡዕ 8 ሓምለ 2018 (ግእዝ) ናይ መወዳእታ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ 'ኣዲስ ኮንቬንሽን ሴንተር' ኣብ ዝካየድ ዘሎ እዚ ጉባኤ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት፡ ወረዳታት፡ ካብ ፈደራል መንግስትን ከምኡ'ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝተዋጽኡ ልዕሊ 4,000 ሰባት ይሳተፉ ኣለዉ።
ሎሚ ዝጅምር ጉባኤ ካብ 30 ክሳዕ 35 መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል፡ ዋና ኮምሽነር ሃገራዊ ዘተ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቶም ንሓደ ወርሒ ኣብ ሓደ ቦታ ዝጸንሑ ተሳተፍቲ፡ እቲ ኮምሽን ኣብ መፋርቕ ሰነ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮም ሸሞንተ ቀንዲ ኣጀንዳታት ክዝትዩ እዮም።
እቶም ኮምሽን ወግዓዊ ዝገበሮም ኣጀንዳታት፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ቀንዲ መከራኸሪ ነጥብታት ዝዀኑ ከም ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም)፡ ቅርጺ መንግስትን "ሕጋዊ ኵነታት" ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዘጠቓለሉ እዮም።
ኣብ ድሮ እቲ ጉባኤ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረ ዋና ኮምሽነር ፕሮፌሰር መስፍን፡ ኮሚሽኖም ክትግብሮ ዝወጠኖ ሃገራዊ ዘተ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ መስርሕ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዘይተራእየ ሓድሽ ኣገባብ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ጉባኤ ብምንታይ መልክዕ ከም ዝካየድ ዝርዝር መብርሂ ዝሃበ ዋና ኮምሽነር፡ እቲ ሎሚ ዝካየድ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ስነ-ስርዓት "መኽፈቲ ጽምብል እቲ ጉባኤ" ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብዚ ስነ-ስርዓት እዚ ካብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝተዓደሙ ሰባት ብተወሳኺ፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፡ ኤምባሲታትን ወከልቲ ናይ ወጻኢ ልኡካትን ክርከቡ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጣየሸ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ፡ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪላዊ ማሕበራትን ከቢድ ተቓውሞታትን ነቐፌታታትን ክገጥሞ ጸኒሑ እዩ።
እቶም ተቓውሞታት ብቐንዲ ኣብቲ ናይ ምምስራት መስርሕ፡ ኣብ ናጽነት እቲ ኮምሽንን ኣብቲ ዘሎ ናይ ጸጥታ ኵነታትን ዘተኰሩ እዮም።
ከም ኦሮሞ ፈደራላዊ ኮንግረስ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ውድባት ናይታ ሃገር፡ እቲ መስርሕ ዘተ "ንመንግስቲ ዘገልግል ጥራይ እዩ" ብምባል ካብቲ መስርሕ ርእሶም ኣግሊሎም እዮም።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ "ሕጋዊነት ዘይብሉ" ክብል ብምንጻግ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ዘይምትግባሩን እቲ ኮምሽን ብመንግስቲ ዝተዓብለለ ምዃኑን ጠቒሱ።
ፕሮፌሰር መስፍን ከም ዝሓበሮ፡ እቶም 4,000 ተሳተፍቲ ኣብ ሓደ ኣደራሽ ተኣኪቦም ንሓደ ወርሒ ምሉእ ክዝትዩ ኣይኰኑን።
"ኣብ ዓለም ዓበይቲ ዘተታት ተፈቲኖም እዮም... ግን ንሱ ዘተ ኣይኰነን። ንሱ ተኣኪብካ ናይ ክልተ፡ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ሰባት ዘረባ (ዲስኮርስ) ሰሚዕካ እትፈላለየሉ እዩ፡" ብምባል፡ እቲ ኮሚሽን ነዚ ኣገባብ'ዚ ስለምንታይ ከም ዘይተኸተለ ኣብሪሁ።
ብኣንጻሩ፡ እቶም 4,000 ተሳተፍቲ ነፍሲ ወከፎም 500 ኣባላት ኣብ ዘለዎም ሸሞንተ ጕጅለታት ክመቀሉ እዮም። እዞም ሸሞንተ ጕጅለታት ድማ ነቶም ኮምሽን ዘውጽኦም ሸሞንተ ኣጀንዳታት ተማቒሎም ክዝትዩሎም እዮም።
ኣየናይ ኣጀንዳ ንኣየናይ ጕጅለ ከም ዝወሃብ ብዕጫ ዝውሰን ኰይኑ፡ እቶም 500 ኣባላት ዘለዎም ጕጅለታት እውን ንተሳተፍቶም ዳግማይ ብንኣሽቱ ጕጅለታት ብምምቃል ክዝትዩ እዮም።
እቶም ንኣሽቱ ጕጅለታት ድሕሪ ዘተ፡ ኣብቲ ኣጀንዳ ዝበጽሕዎ ናይ "ምስምማዕ ወይ ዘይምስምማዕ" ለበዋ ሒዞም ናብቲ 500 ኣባላት ዘለዎ ዓቢ ጕጅለ ከም ዝምለሱ ፕሮፌሰር መስፍን ይገልጽ።
እቶም ሸሞንተ ጕጅለታት ኣብ ዝተዋህቦም ኣጀንዳታት ንዝሓዝዎ መርገጺ ብዝምልከት ምስ ካልኦት ጕጅለታት ዝዝትይሉ ኣገባብ'ውን ተነዲፉ ኣሎ። እዚ ድማ እቶም ሸሞንተ ጕጅለታት ነፍሲ ወከፎም ብዝውክሉዎም 25 ሰባት ኣቢሉ ዝፍጸም እዩ።
እዞም 400 ዝዀኑ ወከልቲ፡ እቶም ጕጅለታት ብውልቀ ዝበጽሕዎም ኵሎም ለበዋታት ዳግማይ ክምርምርዎም እዮም። እዞም ወከልቲ እዚኦም፡ እቶም በብጕጅለኡ ዝቐረቡ ለበዋታት ተቐባልነት ክህልዎም ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝብል ነጥቢ'ውን ክርእዩ እዮም።
ኣብዚ ደረጃ'ዚ እቶም ወከልቲ ብሓባር ዝበጽሕዎ ናይ መወዳእታ ናይ ሓባር ለበዋ፡ ኵሎም እቶም 4,000 ተሳተፍቲ ኣብ ዝርከብሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክቐርብ እዩ። ከም መብርሂ ዋና ኮምሽነር፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኵሎም ተሳተፍቲ ዝእከቡ ነቶም ለበዋታት፡ "ብሓባር ንምቕባል፡ ንምጽዳቕ ወይ ንምንጻግ፡" እዩ።
ኣብዚ ኵሉ መስርሕ ንተሳተፍቲ ሓገዝ ዝህቡ ኣማከርቲ፡ "ጕጅለ ምሁራት" ከምኡ'ውን ጸሓፍቲ ቃለ-ጉባኤ ክህልዉ እዮም።
በዚ መስርሕ'ዚ ዝለለዩ "ምሉእ ብምሉእ ዘሰማምዑ" ወይ "ዘይምስምማዕ ዝተፈጥረሎም ጉዳያት" ብደረጃ ለበዋ ተሰኒዶም ናብ መንግስቲ ወይ ናብቶም ዝምልከቶም ኣፈጸምቲ ኣካላት ክለኣኹ እዮም።
ዋና ኮምሽነር ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ናይ ዘተ ጉባኤ ስምምዕ ዘይተበጽሓሎም ጉዳያት ናብ "ህዝባዊ ውሳነ" (ረፈረንዱም) ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ብቤትምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቢሉ ናብ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ክለኣኽ ከም ዝግበር ጠቒሱ።
ፕሮፌሰር መስፍን፡ እቲ ኮምሽን ዝምልከቶም ኣካላት ነቶም ለበዋታት ብልክዕ ምቕባሎምን ቀስ ብቐስ ድማ ናብ ተግባር ምእታዎምን ኣረጋጊጹ ንህዝቢ ብዝግባእ ከም ዘረድእ ገሊጹ።
"ጸብጻባትና ንቤትምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ብቐጥታ ከነብጽሕ ኢና። [ዝምልከቶም ኣካላት] 'ክንሰርሕ ኢና' ኢሎም ድዮም፡ 'ተሰሪሖም እዮም' ወይ ድማ 'ኣይንሰርሕን ኢልና'፡ ምኽንያቱ ንህዝቢ ከረድኡ ክንሓትት ኢና፡" ኢሉ።
እቲ ኮምሽን፡ ኣፈጻጽማ እቶም ለበዋታት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ኣብ 2014 (ግእዝ) ብዝጸደቐ ኣዋጅ ምጥያም ተዋሂብዎ እዩ። ነቶም ለበዋታት ንምትግባር ምእንቲ ክከኣል "ንጹርን ጭቡጥን ዝዀነ ትልሚ ንምድላው ኣድላዪ ሓገዝ ከም ዝገብር" እውን ተደንጊጉ ይርከብ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ንኻልኣይ ግዜ ዝተናውሐ ናይ ስራሕ ዘመን እቶም ኮምሽነራት፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጥቅምቲ 2019 (ግእዝ) ክዛዘም እዩ።
እቲ ዝተረፈ ግዜ ነቲ ናይ ምክትታል ስራሕ ንምስላጥ እኹል ድዩ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ፡ ፕሮፌሰር መስፍን ክምልስ ከሎ፡ "ሸሞንተ ወርሒ እዩ ፍቓድ ተዋሂቡና፣ ነዚ ሸሞንተ ወርሒ ምስ ወዳእና [ውሳነኡ] ናይቲ ፍቓድ ዝሃበ ኣካል እዩ፡" ኢሉ።
"ንሕና ዕማምና ኣጽኒዕና (ኢንቬንተሪ ሰሪሕና)፡ እቶም ዝተረፉ ዕዮታት ምስ ለበዋታት ኣተሓሒዝና ስራሕና ከነጠቓልል ኢና። ድሕሪኡ ዘሎ ውሳነ ናይ ህዝቢ፡ ናይ መንግስቲ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ቤትምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ወይ ናይቲ ሓድሽ ፓርላማ ክኸውን እዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተመስረተ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሰሓሓብቲ እዮም ዝተባህሉ ጉዳያት ካብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት እታ ሃገርን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ክእክብ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ኮምሽን ንመወዳእታ ዘተ ዝዀኑ ቀንዲ ኣጀንዳታት ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣጻርዩ ዘቕረበ ኰይኑ፡ እቲ ሎሚ ዝጅምር መድረኽ ድማ ኣብዞም ኣጀንዳታት ብምዝታይ ናብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኮምሽን ሓያሎ ተቓውሞታት እናሃለዉዎ እዩ ናብዚ ሎሚ ዘካይዶ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ዘሎ። ቀንዲ ብድሆ እቲ ኮምሽን ድማ እቶም ኣብቲ ዘተ ዘይተሳተፉ ሓይልታትን ውድባትን፡ ነቲ ካብዚ ጉባኤ ዝወጽእ ውሳነ ክቕበልዎ ድዮም ዝብል እዩ።