እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብጾታዊ ግህሰትን ምጽላም ስምን ንኣመሪካዊት ጸሓፊት 5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከፊሉ
ብሰንኪ ጾታዊ ግህሰትን ምጽላም ስምን ገበነኛ ዝተባህለ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንጸሓፊት ኢ ጄን ካሮል ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከም ዝኸፈለ ተገሊጹ።
ጠበቓ እታ ጸሓፊት ሮበርታ ካፕሊን፡ "ብመሰረት ውሳነ ቤትፍርዲ፡ ነቲ ክፍሊት ካሕሳ ምቕባልና ብሓጐስ ንገልጽ፡" ኢላ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ነቲ ውሳነ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ብምሕታት ነቲ ክፍሊት ንምድንጓይ ሓሲቡ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝበየነ ዳኛ፡ ትራምፕ ነቲ ካሕሳ ክኸፍል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ወኪል ጕጅለ ሕጋዊ ኣማኸርቲ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ክፍሊት ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሕጋዊ ኣማኸርቲ እታ ጸሓፊት፡ እቲ 5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ምስቲ ተኸሳሲ ይግባይ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን ዝነበረ ወለድ ተደሚሩ፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 5.62 ሚልዮን ዶላር ክፍሊት ተፈጺሙ ኣሎ።
እታ ቀዳማይ ኣዳላዊት ዓምዲ መጽሔት ዝነበረት ኢ ጄን ካሮል፡ ሕጂ ጓል 82 ዓመት ኰይና ኣላ።
ንሳ ኣብ መፋርቕ 1990ታት ትራምፕ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመላ ብምግላጽ እያ ክሲ መስሪታ።
ኣብ ማንሃተን ኣብ ዝርከብ 'ቤርግዶፍ ጉድማን' መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ 2022 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ትሩዝ ሶሻል' ስማ ከም ዘጸለመ ትገልጽ።
ኣብ 2023 ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቤትፍርዲ፡ ትራምፕ ካሕሳ ክኸፍል ወሲኑ ነይሩ። ንሱ ግን ገበነኛ ከም ዘይኰነ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ክፍሊት ካሕሳ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ቤትፍርዲ ኣብ ዝርከብ ሕሳብ ባንኪ ተቐሚጡ እናሃለወ፡ ትራምፕ ይግባይ ኢሉ ነይሩ።
ትራምፕ ነቲ ካሕሳ ክኸፍል ኣለዎ ዝብል ውሳነ ምስ ጸንዐ፡ ሕጋዊ ጕጅለኡ ነቲ ጉዳይ "ምትላል"ን "ኣብ ሓሶት ዝተመርኰሰ"ን ክብል ነጺጉዎ።
ትራምፕ ብተወሳኺ፡ ንዳኛ ልዊስ ካፕሊን "ናይ ሓሶት መርትዖ ኣቕሪቡ" ክብል ወንጂሉዎ።
ሰማዒ ይግባይ ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ግን እቲ ዳኛ ዝዀነ ጌጋ ከም ዘይፈጸመ ብምግላጽ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ትራምፕ ነቲ ካሕሳ ክኸፍል ከም ዘለዎ በዪኑ።
እታ ጸሓፊት ድማ "ተዓዊትና! እዚ ዓወት ናይ ኵለን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እዩ፡" ብምባል ሓጐሳ ገሊጻ።
ኣብ 2024 ትራምፕ ብኻልእ ናይ ስም ምጽላም ክሲ ገበነኛ ምስ ተባህለ'ውን ይግባይ ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ ካልኣይ ክሲ፡ ንጸሓፊት ኢ ጄን ካሮል 84 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ካሕሳ ክኸፍል ተወሲኑ ኣሎ።