እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደገኛ ጕዕዞ ሰሃራ፡ ብጽምኢ ዝሞቱ 49 ሰባት ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐቢሮም
ኣብ ሰሜናዊ ኒጀር ኣብ ዝማሕደገ ክፋል ምድረበዳ ሰሃራ፡ ኣሳፊራቶም ዝነበረት ዓባይ ማኪና (ሎሪ) ብምብልሻዋ፡ እንተ ወሓደ 49 ሰባት ብጽምኢ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ሰበስልጣን ገሊጾም።
እዞም ሰባት፡ ኣብ ማሊ ዒድ ኣል-ኣድሓ ምስ ስድራቤቶም ኣሕሊፎም እናተመልሱ እዩ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም።
ካብቲ ኣብ መንጎ ኒጀርን ኣልጀርያን ዝርከብ ዓቢ መሰጋገሪ ዓሳማካ ብወገን ምዕራብ 80 ኪሎሜተር ርሒቖም እዮም ሓዲግ ተሪፎም።
ኣመሓዳሪ ኣጋደዝ ክገልጽ ከሎ፡ "እቶም ተጓዓዝቲ፡ ኣብቲ ልዑል ዋዒን ሕጽረት ማይን ዘለዎ ሕሱም ከባቢ ሓዲግ ምትራፎም ህይወት ንምድሓን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ፡" ኢሉ።
ካብ ኵሎም ክልተ ሰባት ጥራሕ ድሒኖም። ነቲ ምድረበዳ ብእግሮም ኣቋሪጾም ድማ ናብ ዓሳማካ ብምብጻሕ ንሰበስልጣን ሓቢሮም።
ሓላፊ ናይ ሓደ ዘመንግስታዊ ውድብ ዝዀነ ቸሁ ዓዚዙ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እዚ ንዓመታት ክንቃለሶ ዝጸናሕና ነገር እዩ፡" ኢሉ።
"መራሕቲ መካይን፡ ተጓዓዝትን ኣብ ንጥፈታት ስደት ኢድ ንዘለዎም ኵሎም ሰባትን፡ ነቲ ምድረበዳ ኣብ ምስጋር ዘጋጥም ሓደጋታት ከነስተምህሮም ጸኒሕና ኢና። እዚ ናይ ቀረባ ግዜ ፍጻመ ፍሉይ ኣይኰነን። ብሓፈሻ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ናብ ሊብያ ወይ ኣልጀርያ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ነስተውዕለሎም ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ፍጻመ፡ እታ ዓባይ ማኪና ቴልሃንደክ ካብ እትበሃል ከተማ ማሊ እኳ እንተ ነቐለት፡ ካብቲ ክትሕዞ ዝነበራ መስመር ወጺኣ ኣንፈታ ከም ዝሰሓተት ኣመሓዳሪ ኣጋደዝ ሓቢሩ።
መራሕ ማኪናን ተጓዓዝትን ነታ መኪና ንምጽጋን ንሓያሎ መዓልታት ደጋጊሞም እኳ እንተ ፈተኑ፡ መወዳእታኡ ግን ኵሉ ጻዕርታቶም ኮንቱ ኰይኑ ተሪፉ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ ከም ዝሓበሮ፡ "ማይ ምስ ሰኣኑን ነታ መኪና ከይጸገኑዋ ምስ ተረፉን፡" መብዛሕትኦም ህይወቶም ከድሕኑ ኣይከኣሉን።
"ዓሰርተታት ሬሳታት ኣብ ትሕቲ እታ ደው ዝበለት ማኪናን ከባቢኣን ተረኺቦም፡" ኢሉ።
እቶም ግዳያት ኵሎም ዜጋታት ኒጀር ኰይኖም፡ ብጕጅለ ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሓደ ጋህሲ ተቐቢሮም።
እቲ ጕጅለ ኣድሕን ካብቲ ከባቢ ክምለስ ከሎ፡ ብሰንኪ ብልሽት ባትሪ ንሰለስተ መዓልታት ሓዲግ ዝተረፈት ልዕሊ 60 ሰባት ዝጸዓነት ካልእ ሎሪ ከም ዝረኸቡ ገሊጹ።
እታ ማኪና ካብ ዶብ ኒጀር ልዕሊ 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ካብ እትርከብ ሃሩባ እትበሃል ከተማ ማሊ ዝነቐለት ምንባራ እቲ ኣማሓዳሪ ሓቢሩ።
እቲ ወተሃደራት ኒጀር ዝነበሩዎ ጕጅለ ህይወት ኣድሕን፡ ነቶም "ደኺሞምን ተጨኒቖምን ዝነበሩ ተጓዓዝቲ" ማይ ብምስታይን እታ መኪና ክትጽገን ብምሕጋዝን፡ ጕዕዞኦም ብሰላም ክቕጽሉ ገይሮም።
ምድረበዳ ኒጀር - ዋላ'ኳ ከምዚ ዝኣመሰለ ተደጋጋሚ ሓደጋ እንተ ኣጓነፈ - ካብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ንዝደልዩ ስደተኛታት ዓቢ ናይ መስጋገሪ መስመር እዩ።
ናብዚ መስመር ቀረባ ናይ ዝዀነት ከተማ ኣጋደዝ ኣመሓዳሪ ከም ዝበሎ፡ እዚ ሕሰም'ዚ፡ "መንእሰያት ክሳብ ክንደይ ናብ ሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም ዘጕልሕ እዩ። እዞም መንእሰያት፡ ህይወቶም ንምቕያርን ዝሓሸ ናብራ ንምእላሽን ብሓደገኛ መንገዲ ክሓልፉ ዝግደዱ እዮም።"