'ዘይዝክሮ ቈልዓ'የ ወሊደ'፡ ሕርሲ ክሳብ ክንድኡ ድዩ ኣእምሮ ኣደታት ዝፍትን?

ምንጪ ስእሊ, Samina Ali
"ብግዳማዊ ትርኢት ክግምገም ከሎ፡ ዝዀነ ጸገም ዘይብሉ ንቡር ጥንሲ እዩ ነይሩኒ። ኣዝየ ጥዕይቲ እየ ነይረ፣ ኣብ መጀመርታ ግን ሓደ ዝዀነ ነገር ከም ዘሎ ብውሽጠይ ክስምዓኒ ጀሚሩ። እዚ ስምዒት ድማ ወትሩ ይርብሸኒ ነይሩ።"
እዚ ገለ ጸገም ከም ዘሎ ዝሕብር ስምዒት፡ ንጸሓፊት ሳሚና ዓሊ ኣብ ምሉእ ህይወታ ስዒቡዋ እዩ።
ኣብ ሓንቲ ጽኑዕ እምነት ምስልምና እትኽተል ስድራቤት ዝተወልደት ኰይና፡ እዋን ቍልዕነታ ኣብ መንጎ ህንዲን ኣመሪካን እያ ኣሕሊፋቶ።
ወለዳ፡ ሕማቕ ዕድል ኣብ ዘለዎ መዓልቲ ከም ዝተወልደት ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ህይወታ ወትሩ ብቓንዛን ሕማቕ ዕድልን ከይጽልምት ብምስጋእ፡ ንዓኣ ንምክልኻል ዝከኣሎም ኵሉ ገይሮም እዮም፤ ብብሩር ዝተሰርሐ ክታባት እውን ይገብሩላ ነይሮም።
እንተዀነ ኣብ 1999 ኣብ ዝነበራ ቀዳማይ ጥንሲ፡ ሓካይም ከምዚ ዓይነት ስግኣት ኣይነበሮምን። ነቲ ድቂ ብዝገበሩሉ መርመራ 'ስካን'፡ ዝረኣዩዎን ዝሰምዑዎን ውጽኢት ኣመና ተረጋጊኦም ነይሮም።
"ልክዕ ከም ዝጋልብ ፈረስ፡ ኣዝዩ ሓያል ትርግታ ልቢ ጥራይ እዩ ነይሩ፡" ክትብል ሳሚና ንመደብ 'ኣውትሉክ' ቢቢሲ ኒውስ ትገልጽ። "እቲ ደሃይ ትርግታ ልቢ ንምሉእ እቲ ክፍሊ መሊኡዎ ነይሩ - ኣነ ድማ ዝተጸለልኩ እዩ መሲሉኒ።
እንተዀነ፡ ኣብ መበል ሻብዓይ ወርሒ ጥንሰይ፡ እቲ ምልክታት ሕማም ጀሚሩኒ፣ ኣካላተይ ኣዝዩ ስለ ዝሓበጠ ኣብ ኮምፒዩተር ክጽሕፍ ከለኹ ኣጻብዕተይ ኣብ ሓድሕዶም ክፈሓፍሑ ይስምዓኒ፣ ከምኡ'ውን ጸገም ምርኣይ የጋጥመኒ ነይሩ።"
ይዅን እምበር፡ እቶም ሓካይም "ንእሽቶ፡ ጥዕይትን ምሉእ ብምሉእ ደሓንን፡" ምዃና ይነግሩዋ ነይሮም።
ጸገም ጥንሲ
ስለዚ፡ ቅልጡፍን ሰፊሕን ዳህሳስ ኢንተርነት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ሳሚናን እቲ ጸሓፊ ዝዀነ ብዓል ቤታ ስኮትን፡ ነቲ ብዝበለጸ ዝፈልጡዎ መንገዲ እዮም ተጠቒሞም።
ሳሚና ንቢቢሲ ክትገልጽ እንከላ፡ "ናብ ንባብ መጻሕፍቲ ኢና ኣቕኒዕና - ናብታ ['What to Expect When You're Expecting'] እትብል መጽሓፍ፡" ትብል።
"ኣብ መወዳእታ ናይታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ፕሪ-ኢክላምፕስያ ዝገልጽ ኣስታት ሓደ ገጽ ነይሩ፣ ንሱ ድማ ገለ ካብቲ ኣጋጢሙኒ ዝነበረ ምልክታት ዝርዝር እዩ ነይሩ።"
ፕሪ-ኢክላምፕስያ፡ ብሰንኪ ጸገማት ዕትብቲ ዝጅምር ጸገም ጥንሲ እዩ። ሓካይም ጠንቁ ስለምንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድኦም፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውንን ንብዙሓት ውሽጣዊ ኣካላት - እንተላይ ንሓንጐል - ክጸሉን ዝኽእል ሕማም እዩ።
ጸለምቲ ወይ ደቂ ደቡብ እስያ ዝዀና ደቀንስትዮ ብፍላይ ነዚ ሕማም ተቓላዕቲ እየን፤ እቲ ምልክታት ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ከቢድ ቃንዛ ርእሲ፡ ህላወ ፕሮቲን ኣብ ሽንቲ፡ ከምኡ'ውን ምድብዛዝ ርእየት የጠቓልል።
በቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዝነበረ ስግኣት ዝተደፋእኡ እቶም ጽምዲ፡ ዳግማይ ናብ ሓካይም ከዱ።
ሳሚና ን'ኣውትሉክ' ክትነግር ከላ፡ "ወደይ ክውለድ ሓደ ሰሙን ጥራይ እዩ ተሪፉዎ ነይሩ፣ ስለዚ ብዓል-ቤተይ ጻዕዳን ሰብኣይን ብምዃኑ - ምናልባት ሓካይም ጽቡቕ ገይሮም ክሰምዑዎ ይኽእሉ እዮም ብምባል ምሳይ ወሲደዮ፣" ትብል።
ይኹን እምበር፡ እቲ ሓኪም ማህጸና ኵሉ ነገር ጽቡቕ ከም ዘሎን ናብ ገዛ ከይዳ ክትዛነን እዩ ነጊሩዋ።

ምንጪ ስእሊ, Samina Ali
መከራ ሳሚና ዝጀመረ ኣብ እዋን ሕርሲ እዩ ነይሩ።
ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ "ኣብ ከቢድ ቃንዛ እየ ነይረ - ቃንዛ ሕርሲ ግን ኣይኰነን - ኣብ ኣፍልበይን ርእሰይን ዘጋጠመኒ፡ ክፍንጀር ዝደለየ ዝመስል ቃንዛ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡" ትብል። "ኣካላተይ ይፈርስ ከም ዘሎ ይስምዓኒ ነይሩ።"
"እቲ ዘሕርሰኒ ዝነበረ ሓኪም፡ ንሕቶታተይ ምላሽ ምእንቲ ከይህበኒ ኣብ ድሕሪ ካልኦት ኣለይቲ-ሕሙማን (ነርሳት) ይሕባእ ነይሩ። ጸቕጢ ደመይ ኣመና በሪኹ።
ሃለዋተይ የጥፍእን ይምለስን ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ጻዕሪ ሕርሲ፡ እታ ነርስ ምእንቲ ክደፍእ ከተበራብረኒ ነይሩዋ። ተደናጊረ እየ ነይረ፡ ሓንጐለይ ድማ ድሮ ብወቕዒ ሓንጐል ይጥቃዕ ነይሩ። እቲ ቃንዛ ኣፍልቢ ድማ ድኻም ልቢ ኰይኑ ተረኺቡ።"
ሳሚና ካብኡ ንደሓር ብዙሕ ነገር ኣይትዝክርን እያ፡ ብዓቢኡ እቲ ቃንዛን፡ ኣብ መንጎ ድማ ነቲ ሓድሽ ውሉዳ ብጨረፍታ ዝረኣየትሉን ጥራይ እያ ትዝክር።
"ወደይ ምስ ተወልደ እተን ነርሳት ወሲደን ክሓጽባኦ ከለዋ ይዝከረኒ እዩ፡" ክትብል ትገልጽ፡ "ግና ሓደ ዓይነይ ዓጽየ ኣብ ዓራት ብምድቃስ ኣነጺረ ክርእዮ እፍትን ከም ዝነበርኩ ይዝከረኒ።
ምስ ሓረስኩ ኣብ ዕስራ ደቒቕ፡ ከቢድ ናይ ምንፍርፋር ሕማም ኣጋጢሙኒ - ልክዕ ከም ባህርያዊ መደንዘዚ ኣብ ምሉእ ኣካላተይ ተዘርጊሑ። ካብኡ ንደሓር ቃንዛ ኣይነበረንን። እዚ ድማ እቲ ዝዝክሮ ናይ መወዳእታ ነገር እዩ።"
ሳሚናን ውሉዳ እስማዒልን ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን (ICU) ተሰጋጊሮም - ንሱ ግቡእ መግቢ ብዘይምርካቡ ኣብ ክፍሊ ሕርሲ ክጸንሕ ከሎ፣ ንሳ ድማ ብኸቢድ ጕድኣት ሓንጐል ኣብ ሃለፍታ ብምእታው ኣብ ክፍሊ መትኒ ብማሽናት ጥራይ ብህይወት ትጸንሕ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Marissa Leshnov for The Washington Post via Getty Images
ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት፡ እታ ሓኪም መትኒ "ተኣምራዊት ጓል" ኢሉ ዝሰመያ ሳሚና፡ ካብቲ ዝነበረቶ ኵነታት ተበራቢራ።
እንተዀነ፡ ሳሚና ነቶም ኣቐዲማ ኣብ ህይወታ ዝፈጠረቶም ተዘክሮታት ብምጥቃም ንወለዳን ኣሕዋታን ከተለልዮም (ክትፈልጦም)፡ ከምኡ'ውን ብቛንቋ ኣደኣ ዝዀነ ኡርዱ ክትዘራረብ እኳ እንተ ከኣለት፣ ብእንግሊዝኛ ክትዛረብ ግን ትጽገም ነይራ፣ ንብዓል-ቤታ ወይ ድማ ቈልዓ ከም ዝወለደት እውን ክትዝክር ኣይከኣለትን።
ሳሚና፡ "ሓኪም መትኒ፡ ምስ ወደይ ምርኻበይ ተዘክሮታተይ ንምምላስ ክሕግዘኒ ይኽእል እዩ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ፡" ትብል።
"ስለዚ በቲ ማሽን መዕበዪ ዕሸል 'ኢንኲበይተር' ገይሮም ኣምጺኦምዎ፡ ካብ ግብረመልሲ ስድራቤተይ ድማ እዚ ዓቢ ህሞት ምዃኑ ክርዳእ ክኢለ ነይረ።
ብዘይካ'ቲ ኣብ ዙርያና ኣብዚ ዓለም እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ንኽንርዳእን ክንስእልን ዘኽእለና ልዑል-ስራሕ ዝሰርሕ ክፋል ሓንጐለይ ግን፡ ገለ ዘይልሙድ ነገር ይፍጸም ከም ዘሎ እኳ እንተ ተፈለጠኒ፡ እንታይ ምዃኑ ግን ኣይርድኣንን ነይሩ።"
እዚ ልክዕ ከም ፍጹም ስእሊ ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ህሞት - ሓንቲ ኣደ ንሓድሽ ውሉዳ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍልባ እትሓቍፈሉ - ካብዚ ንላዕሊ ክዝረግ ኣይምኸኣለን።
"እተን ነርሳት ንወደይ ኣብ ኣካላተይ ምስ ኣደቀሳኦ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ሻምብቆታትን ስልኪታትን እየን ኣደቂሰናኦ።
ስለዚ፡ 2.7 ኪ.ግ ክብደት ኣብ ልዕሊኡ ምውሳኽ ከቢድ ቃንዛ እዩ ፈጢሩለይ፡" ክትብል ሳሚና ትገልጽ። "ወደይ ምዃኑ ክርድኣኒ ስለ ዘይከኣለ ድማ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ነገር እንተሎ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ከም ዘለኹ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ነታ ነርስ ከተልዕለለይ ከዛርባ እውን ኣይከኣልኩን፣ ሓደ ሕማቕ ድምጺ ጥራይ እየ ዘውጽእ ዝነበርኩ፣ በዚ ድማ ኣውዲቐዮ።
እቲ ስምዒታት ድማ ናብ ምሉእ ስምባድ ተቐይሩ። ኣዝዩ ዘሕዝንን ሓደገኛን ቀዳማይ ርክብ እዩ ነይሩ።"
እዚ ሳሚና ኣብቲ እዋን እቲ ክርድኣ ዘይከኣለ ናይ ልቢ መስበርቲ እዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ስኮትከ? ንቢቢሲ ክትዛረብ ከላ፡ "ኣዝየ ቍጥዕቲ እየ ነይረ። ናብ ርሑቕ እድፍኦ ነይረ፡" ትብል። "ናባይ ዝቐረበሉ ነፍሲ-ወከፍ ግዜ፡ ኣዝየ እስንብድ ነይረ።"

ምንጪ ስእሊ, Samina Ali
ውዒሉ ሓዲሩ፡ እንግሊዝኛ ሳሚና ክምለስ ጀሚሩ፤ እንተዀነ ካብ ሆስፒታል እኳ እንተ ተፋነወት፡ ኣእምሮኣ ሕጂ'ውን ርጕእ ኣይኰነን ነይሩ።
"ኵሉ ክፋላት ሓንጐለይ ተሰባቢሩ እዩ ነይሩ፡" ትብል፣ "ዝከኣለኒ መጠን ነቲ ስብርባራት ዳግማይ ንምግጣም ምፍታን ድማ ስርሐይ እዩ ነይሩ። ደው ምባልን ምኻድን፡ ቋንቋ ዳግማይ ምምላኽ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያኻ ዘሎ ዓለም ምርዳእ፡ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብቐሊሉ ትርድኦ ኣይኰነን።"
ሳሚና፡ ልክዕ ከምቲ ሓድሽ እተወልደ ውሉዳ፡ ኣብ ምሉእ ናይ ጽግዕተኛነት ኵነታት ከም ዝነበረት ትገልጽ።
"ልክዕ ከም ቈልዓ እየ ነይረ፡" ትብል። "ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ ነይሩ። ቃል ብቓሉ ነገራት ዳግማይ እየ ዝመሃር ነይረ... ኣብ መበል 30 ዓመት ዕድመይ፡ ልክዕ እቲ ወደይ ዝገብሮ ዝነበረ እየ ዝገብር ነይረ።"
እዚ ድማ፡ ቈላሕታ ኣደኣ ንምርካብ ምስ እስማዒል (ውሉዳ) ውድድር ክፍጠር ኣለዓዒሉ።
ሳሚና ንመደብ ክትገልጽ ከላ፡ "ቍጥዐይ ኣዝዩ ሓያል እዩ ነይሩ፡" ትብል። "ብህይወት ክነብር ከም ዘለኒ እፈልጥ ነይረ፣ ንሳ (ኣደይ) ድማ ንኽነብር ክትሕግዘኒ የድልየኒ ነይሩ። ዳርጋ ከም እንስሳ እየ ኰይነ ነይረ - ክትሕግዘኒ ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን ድማ ሃለዋተይ አጥፍእ ነይረ።"

ምንጪ ስእሊ, Samina Ali
ሓኪም መትኒ ካብ ሆስፒታል ናብ ገዛ ምምላሳ ንተዘክሮታት ሳሚና ዝያዳ ንምምላስ ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎ፡ ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ገዛ ናይ ጓና ኰይኑ እዩ ተሰሚዑዋ።
ንቢቢሲ ክትነግር ከላ፡ "ኵሉ ነገር ዕግርግር ጥራይ እዩ ነይሩ፡" ትብል፡ "እዛ ዓለም ድማ ጸልማት ኰይናትኒ። ሓንጐለይ ናብ ንቡር ንምምላስ ልዕሊ ሓደ ዓመት ክወስድ እዩ ኢሎምኒ ነይሮም፣ ስለዚ ኸኣ ከቢድ ቃንዛ ርእሲ ነይሩኒ። ዝዀነ ጸዓት ኣይነበረንን፣ ናይ ምርዳእ ዓቕመይ እውን ድኹም እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓንጐለይ ዝነበረ ኵሉ ነገር ደስኪሉ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዘየለልዮ ኣካላት እየ ነይረ።"
ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ግን፡ ሓንጐል ሳሚና ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዘጋጠማ - እንታይ ከም ዝሰኣነትን - ንምርዳእ ድሉው ኰይኑ። ሃንደበት፡ ሓንቲ ብዘይቍጽሪ ዝረኣየታ ግናኸ ከተለልያ ዘይከኣለት ስእሊ መርዓ፡ ትርጕም ክትህባ ጀሚራ።
ነዚ ክትገልጽ ከላ፡ "ብሓንሳብ እዩ ተመሊሱለይ፡" ትብል። "ኣብ መወዳእታ ህይወተይን ገዛይን ብምልላየይ ተደቢሰ እየ። ግን፡ ዝሰኣንኩዎ ኵሉ ነገር ተረዲኡኒ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ብኣካላተይ ሓሪቐ እየ። ኣካላተይ ዝጠለመኒ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።"
ናብቲ ቅድሚ እቲ ሓደጋ ዝነበራ ህይወት ምምላስ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ ነይሩ። ንሓደ ነገር፡ ሓዳራ ብህይወት ኣይቀጸለን። "ልክዕ ከም ዳግመ-ምውላድ፡ ዳግመ-ትንሳአ እዩ ነይሩ፡" ክትብል ሳሚና ትገልጽ። "እቲ መስርሕ ሕወየት፡ ቀስ ብቐስ ካባይ የርሕቖ ከም ዘሎ ስኮት የስተብህል ነይሩ እዩ።"
ኣቐዲማ ሓንቲ ልብ-ወለድ መጽሓፍ እውን ትጽሕፍ ነይራ እያ። እቲ ሓኪማ ካብቲ ዘቋረጸትሉ ጀሚርካ ምቕጻል ዘይከኣል ክኸውን እዩ ኢሉ ኣጠንቂቑዋ ነይሩ እዩ። ንግሆ-ንግሆ ናብ ስርሓ ምምላስ ኣዝዩ ዘጨንቕ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ስክሪን ዝጸንሓ ጽሑፍ ምንም ትርጕም ኣይነበሮን፣ ሓንጐላ የተዓሻሽዋ ነይሩ - ሳሚና ግን ተስፋ ክትቈርጽ ኣይደለየትን።

ምንጪ ስእሊ, Samina Ali
"ብእኡ ቀጺለ፣ ምኽንያቱ መንገዲ ህልውናይ ንሱ ስለ ዝነበረ፡" ትብል። "ትብዓት ማለት ተሃሪምና ምስ ወደቕና፡ ኣብቲ መሬት ከለና ክንትንስእ ክንውስን እንከለና ምዃኑ ተረዲኡኒ።"
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ሳሚና ነታ ተሸላሚት ዝዀነት "ማድራስ ኣብ ዝናባውያን መዓልታት" (Madras on Rainy Days) እትብል ልብ-ወለዳ ሓቲማ።
ምሕታም ናይታ መጽሓፍ ንሳሚና ኣብ መስርሕ ሕውየትን ምርዳእን ዓቢ ምዕራፍ እዩ ነይሩ። እቲ ካልእ ድማ ምስ እስማዒል ዘለዋ ርክብ ዝተረድኣትሉ እዩ ነይሩ።
ነዚ ክትገልጽ ከላ፡ "ተዘክሮታት ህይወተይ ምስ ተመልሰለይ፡ ምስ ወደይ ሓያል ምትእስሳር ከም ዝተሰምዓኒ ይዝከረኒ፡" ትብል፣ "ምኽንያቱ ከዕለብጥን ክዛረብ ክፍትንን ከሎ፡ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ክርድኣኒ ይኽእል ነይሩ።
ክትንስእ ክፍትንን... ክወድቕን ከሎ፡ ክርድኣኒ ይኽእል ነይሩ። ብእኡ ካብ ምቝጣዕ ናብ... ብርቱዕ ርክብ ናብ ዝስመዓኒ ደረጃ እየ ተሰጋጊረ። ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድማ ተኣሳሲርና ኣለና።"
ሕጂ ዳርጋ 30 ዓመታት ሓሊፉ፤ ድሕሪ እስማኤል 10 ዓመት ድሒራ ዝተወልደት ጓል እውን ኣላታ። ሕጂ ሳሚና ተንሲኣ እያ - ተንሲኣ ድማ ጸኒዓ እያ ክበሃል ይከኣል።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
