እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ኵናት ክውዳእ'ዩ ዝደሊ፡ ኢራን ግን ንድሕሪት ትምለስ ኣይትመስልን'ያ- ትንተና
- Author, ጀረሚ ቦውን
- Role, ተንታኒ ቢቢሲ
- Published
- ንባብ: 5 ደቓይቕ
ኣመሪካን ኢራንን፡ ነቲ ብ8 ሚያዝያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ቶኵሲ ጥሒሰን፡ ናብ ኵናት ክምለሳ ከምዘይደልያ ምልክታት ይህባ ኣለዋ።
ክልቲኤን ሃገራት ብሞንጎኝነት ፓኪስታን፡ ቐጠርን ካልእን ተማእኪሉ ዘተ ሰላም ኣብ ዘካይዳሉ ዘለዋ ዝዀነ ነጋሪት ኵናት ኣየስምዓን።
ብርግጽ ብዓቕሚ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኣመሪካ ጸብለል ትብል'ያ፡ ናብ ኢራን ዝያዳ ናብ ናይ ቶኲሲ ርሕቕት ተጸጊዓ ዘላ'ውን ንሳ'ያ።
መንግስቲ ኢራን ንሰራዊቱ ኣብ ተጠንቀቕ ገይሩ ኣብ ዳግመ ምውዳብን ነቲ ብደብዳባት እስራኤልን ኣመሪካን ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ ኣብ ምጽግጋን'ዩ ዝርከብ ኢልካ ክግልጽ ይከኣል'ዩ።
ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዳግማይ ወተሃደራዊ ግጭት ምውላዕ ንክልቲኤን ሃገራት ሓደጋ ምዃኑ ዝተረድኣ ይመስላ።
ኣመሪካ፡ ናብ ኢራን ተጸጊዓ ብምህላዋ፡ ዕንወት ከተውርድ ከምእትኽእል ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢራን ጸቕጢ ንምፍጣር'ያ ትፍትን ዘላ።
ኢራናውያን ከኣ ሃገሮም ናይ ምክልኻልን እንተተደልዩ'ውን ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ናይ ምድብዳብ ዓቕሚ ከምዘለዎም'ዮም ንኣመሪካ ዘዘኻኽርዋ ዘለዉ።
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ምናልባት ንምስምማዕ ዝነወሐ ግዜ ክወስደለን ዝኽእል ወይ'ውን ፈጺሙ ዘየሰማምዐን፤ ምቅጻል ናይቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባልን ኣብ መንጎአን ዝያዳ ዝርርብ ንክካየድ ዘኽእለን ናብ ሓደ "ሰነድ ምርድዳእ" ምብጻሕን'ዩ።
ናብ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ክበጽሓ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ክኸውን።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ትቕጽሎ ዘላ ደብዳብ ከኣ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ዝገብሮ ስምምዕ ዝያዳ እናኣጽበቦ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ንዘተ ኣመሪካን ኢራንን ዋላ ዝዘርግ ይዅን ዝግድሶ ኣይኮነን።
ካብ ፈለማ'ውን ምስ ስርዓት ኢራን ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ክግበር ድሌት ኣይነበሮን።
ንዕኡ፡ ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝግበር ስምምዕ 'ጥዑይ ስምምዕ' ኣይኮነን።
ኢራናውያን ነቶም ኣብ ሊባኖስ ዘለዉ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ይድግፍዎም ክሳብ ዝሃለዉ፡ እስራኤል ምስ ኢራን ኣብ ዘይቐጥታዊ ኵናት ከምዘላ'ያ ትኣምን።
ኢራን ምስ ኣመሪካ ናብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክትበጽሕ እንተዀይና፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ስምምዕ ነቲ እስራኤል እትፍጽሞ መጥቓዕትታት እንከላይ ዝገትእ ክኸውን'ዮም ዝደልዩ።
ንግዜኡ ትራምፕ'ውን ንእስራኤል ክገትኣ ዝደሊ ዘሎ ይመስል።
ምስ ምሽምቋቕ መጻብቦ ሆርሙዝ ተታሓሒዙ ከኣ ኢራን ምሉእ ንምሉእ ንኽትከፍቶ እገዳታት ክልዓለላን ደስኪሉ ዘሎ ሕሳባታ ክኽፈተላን'ያ ትጠልብ ዘላ።
ነዚ ከኣ ኣብቲ ምስ ኣመሪካ እትገብሮ ዘተ ከም ዕቱብ ቅድመ ኵነት'ያ ተቕርቦ።
ኣመሪካን እስረኤልን ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ካብ ዝጅምራ፡ ኢራን ብቅጽበት'ያ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዓጽያቶ።
ኣብ ሞንጐ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ምስ ተበጽሐ'ውን ይኹን በዚ ኣገዳስን ጽዑቕን ዝነበረ መስመር ኣዝየን ውሑዳት መራኽብ ክሓልፋ'ያ ኢራን ፈቒዳ ዘላ።
ስዑድ ዓረብ፡ ካብቲ ኣብ ምብራቓ ሸነኻ ዘሎ መዐደኒ ነዳዲ ናብቲ ኣብ ምዕራባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደባታ ዘራኽብ መስመራት ዘርጊሓ ብምጽንሓ፡ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ክሳብ ክንድቲ ኣይጸለዋና ኢልካ ክግለጽ ይክኣል'ዩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከይሓለፈት ናብ ወደባት ዖማን ዘራኽብ ዝተጻረየን ዘይተጻረየን ነዳዲ ዝመሓላለፈሉ መስራት ዘርጊሓ ስለዝጸንሐት መጠኑ ድኣ ጎዲሉ'ምበር፡ ነዳዲ ትሸይጥ ኣላ።
እዚ ኩሉ እናዀነ ግን ዓለም ካብቲ ቅድሚ እዚ ኵናት ምውልዑ ትረኽቦ ዝነበረት መጠን ነዳዲ 20 ምኢታዎት ጎዲልዋ ኣሎ።
ስለዚ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝበዝሐ ክፋል እዛ ዓለም ቁጠባዊ ዕንወት ክስዕብ ይኽእል'ዩ።
ኣመሪካ ኣብዚ እዋን ጠለባት ነዳዲኣ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝመርዀስ ኣይኮነን፡ እንተዀነ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ኣመሪካ'ውን ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።
ትራምፕ እቲ ቀሊል ኢሉ ዝሓሰቦ ኵናት ኢራን ንቁጠባ ሃገሩ'ውን ይሽልብቦ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን መላፍንቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁን ኢራን ንመጥቓዕትታቶም ናይ ምምካትን ናይ ምጽዋርን ዓቕምን ድልውነተን ከምዝነበራ ፈጺሚም ኣይገመቱን።
ትራምፕ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ኵናት ብቐሊሉ ክወጽእ ኣይክእልን'ዩ፤ ኢራናውያን'ውን ንሱ'ዮም ዝደልዩ ዘለዉ።
ትራምፕ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኽፈት'ዩ ዝደሊ፡ እዚ ክገብር ምስ ዘይክእል ከኣ፡ እቶም ውሑዳት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ዝድግፉ ኣመሪካውያን ክኸስሮም'ዩ።
ጸገም ትራምፕ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት እትጠልቦ ሕድገታት፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰልፊ ሪፓብሊካን ብዘለዉ ጸለውቲ ሰባት እንከይተረፈ'ዩ ተቓውሞ ዘጋጥሞ ዘሎ፡ ከምታ ዝኣተካያ ባዕልኻ ውጽኣያ ዝብልዎ ዘለዉ'ዮም ዝመስሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ መንጐ እቲ ንሱ ምስ ኢራን ዝገበሮ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሰን ኣብ ሞንጐ እቲ ኣብ 2015 ኣብ ትሕቲ ባራክ ኦባማ ዝተገብረ ስምምዕ ኒዩክለርን ዝዀነ ዓይነት ምንጽጻር ክግበር ኣይደልይን'ዩ።
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ነቲ ባራክ ኦባማ ምስ ኢራን ዝገበሮ ስምምዕ ብምዅናን ንኣመሪካ ካብቲ ስምምዕ ከምእትወጽእ ገይርዋ'ዩ።
መራሕቲ ኢራን ብገለ ሸነኹ ንህላወ ስርዓቶም ይቃለሱ ከምዘለዉ'ውን ትራምፕ ይኣምኑ'ዩ።
ኣመሪካ፡ እስራኤል ትተሓወሶ ኣይትተሓወሶ ኣብ ልዕሊ ኢራን እትፍጽሞ ተወሳኺ ደብዳባት ነዊሕ ከሰጕማ ከምዘይክእልን ናብ ፍታሕ ከምዘየብጽሕን ዝተረደአን'ያ ትመስል።
እተን ቁጠባአን ኣብቲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፍ ሰደድ ነዳዲ ዝምርኰሳ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ በዚ ኵናት ኢራን ቁጠበአን ከም ሕሱም'ዩ ተዳሂኹ፡ ካብዚ ንላዕሊ ከኣ ቑጠባአን ክህሰ ኣይደልያን'የን።
እቲ ክኽተለኦ ዝጸንሓ ናይ ወፍሪ መርሓ ጎደና፡ ጸጥታ ወሽመጥ ዓረብ ብምውሓስ ማእከል ዓለምለኻዊ ቑጣብ ከምዝኸውንን ንናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ምቹእ ምግባርን'ዩ ዝብል።
እቲ ኣውፈርቲ ከም ቀዳማይ ሮቛሒ ዝሰርዕዎ ጸጥታን ሰላምን እቲ ዞባ፡ ምስ ምውላዕ ኵናት ኢራን ስለዝፈረሰ ከኣ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ናብቲ ቀንዲ ዝፈለጣሉ ሰላምን ምርግጋእን ንኽምለሳን ዳግማይ ኣውፈርቲ ንኽስሕባን ዓመታት ክወስደለን'ዩ።
ኣብ ሞንጐ ኣመሪካን ኢራንን ናብ ምሉእ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ቐጠር ምስ ፓኪስታን ብምዃን ቀንዲ ኣሸማጋሊት ዀይና'ያ ትነጥፍ ዘላ።
ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከኣ ንመጥቓዕትታት ኢራን ኢደን ኣጣሚረን ኣይሓለፈኦን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስታ ስርዓተ ምክልኻል 'ኣይሮን ዶም' ዝሃበታ እስራኤል ዝነበራ ስትራተጅያዊ ምሕዝነት ከተደልድል'ያ ተራእያ፡ ነቲ ኣይሮን ዶም ምስ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኮይኖም ዘስርሕዎ ሰራዊት እስራኤል'ውን ናብ ሃገራ ኣትዮም።
ስዑድ ዓረብ ብወገና ነቲ ኢራብን ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ ንሳ'ውን ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ፈጺማ'ያ።
እንተዀነ ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸምዎ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቓዕቲ ከም ሃገር ብውልቖም ዝሃብዎ ግብረ መልሲ'ምበር ኣካል ናይቲ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመኦ መጥቓዕቶ ገይርካ ክውሰድ ከምዘይብሉ ንሰብ መዚ ኢራን ኣነጺረሙሎም'ዮም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁን ብልፍንቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ መጥቓዕቲ ምስ ጀመሩ፡ ንስርዓት ኢራን ብደብዳብ ነፈርቲ ጥራይ ኣብ ሓጺር ግዜ ከምዝኣልይዎ'ዩ እምንቶ ነይርዎም፡ ንህዝቦም'ውን ከምኡ ኢሎም'ዮም ገሊጸሙሉ።
መደምደምታኦም ጌጋ'ዩ ነይሩ።
ንባህሪ ናይቲ ንዝሓለፈ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ብተነጽሎ፡ እገዳን ፈተነታት ኵናትን ዝላደየን ዘይወደቐን ስርዓት ኢራን ኣይተረድእዎን።
ሕጂ ኣመሪካን እስራኤልን ሳዕቤናት ናይቲ ዝጀመረኦ ኵናት'የን ተሺኪመን ዘለዋ፡ ዝተረፈ ክፋል ዓለም'ውን ብተመሳሳሊ።