በንያሚን ናታንያሁ ንኣዋርሕ ዝሓብኦ ናይ ጥዕና ምስጢር

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ጥዕናኡ ድሕሪ ምውጽኡ፡ "ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኵነታት ኣለኹ፡" ክብል ንህዝቡ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ፕሮስተይት ናታንያሁ ተረኺቡ ዝነበረ ንእሽቶ ሓደገኛ ጽኪ (መንሽሮ)፡ ብመጥባሕቲ ተኣልይሉ ኣሎ።
ናታንያሁ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ ዘይሓደገኛ ጽኪ ፕሮስተይት ንምእላይ ንዝተገብረሉ ዕውት መብጣሕቲ ስዒቡ ኣብ ዝነበረ ስሩዕ ክትትል፡ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ዝርከብ ሕማም መንሽሮ ተረኺቡ።
እቲ ሕክምና ብቕጽበት ስለ ዝተገብረሉ ድማ፡ "ነቲ ጸገም ኣወጊዱዎ እዩ፣ ዝዀነ ኣሰር'ውን ኣይገደፈን፡" ኢሉ።
እቲ ወዲ 76 ዓመት ቀዳማይ ምኒስተር፡ ጸብጻብ ጥዕናኡ ኣብቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዝነበረ ርሱን ውግእ ከይወጽእን ናብ ካልእ እዋን ክመሓላለፍን ከም ዝሓተተ ገሊጹ።
እዚ ድማ ቴህራን ነቲ ኵነታት ተጠቒማ "ፕሮፓጋንዳ ሓሶት" ከይትነዝሕ ንምክልኻል ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምርመራ፡ "ካብ ሓደ ሴንቲ ሜተር እትንእስ ኣዝያ ንእሽቶ ነጥቢ" ጥራይ ከም ዝተረኽበት ዝገለጸ ናታንያሁ፡ "ምስ ፕሮስተይት ዝተኣሳሰር ንእሽቶ ጸገም ጥዕና ነይሩኒ፤ ሕጂ ግን ምሉእ ብምሉእ ተሓኪመዮ እየ። ምስጋና ንኣምላኽ ይዅን፡ እቲ ጸገም ሕጂ ነበር ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ።
ናታንያሁ ስለምንታይ ብቕጽበት ሕክምና ከም ዝተገብረሉ ክገልጽ ከሎ፡ "ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ሓበሬታ ምስ ዝውሃበኒ፡ ብቕጽበት ክፈትሖ እደሊ እየ። እዚ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ይዅን ኣብ ውልቃዊ ጉዳየይ ሓቂ እዩ፡" ብምባል ነቲ ውሳነኡ መብርሂ ሂብሉ።
እዚ ሓበሬታ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣመሪካ ምስ ኢራን ስምምዕ ሰላም ንምግባር ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን፡ ናታንያሁ ናብ ዋይት ሃውስ ንምብጻሕ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ብተወሳኺ፡ እስራኤል ምስ ሊባኖስ ዝኣተወቶ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ንተወሳኺ ሰለስተ ሰሙን ተናዊሑ ኣሎ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


