ሱዳን፡ ንኢትዮጵያ ሰደድ ኤለክትሪክ ብምቍራጻ ትኸሳ

መደበር መመንጨዊ ጸዓት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, SM

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መንግስቲ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ናብታ ሃገር ትገብሮ ዝነበረት ሰደድ ኤለክትሪክ ደው ከም ዘበለቶ ብምኽሳስ፡ እዚ ስጕምቲ ነቲ ብዂናት ትሕመስ ዘላ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ጸገም መብራህቲ መመሊሱ ከም ዘጋደዶ ኣፍሊጡ።

ማዕከን ዜና 'ሱዳን ትሪብዩን' ንምኒስትሪ ጸዓትን ነዳድን ሱዳን ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዝነበረ ቀረብ ኤሌክትሪክ ምቍራጹ፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚን ሰፊሕን ጸልማት - ምቍራጽ መብራህቲ - ኰይኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ሱዳን ወሲድዎ ትብሎ ዘላ ሓድሽ ስጕምቲ ዛጊት ዝበሎ ነገር የለን። ቅድሚ ሕጂ ግን ብሰንኪ'ቲ ሱዳን ንኢትዮጵያ ክትከፍሎ ዘይከኣለት ዋጋ ኣጋእልግሎት፡ እቲ ቀረብ ክጐድል ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

እዚ ብወገን ሱዳን ዝቐርብ ዘሎ ክሲ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።

እቲ ብምዱብ ሰራዊት ሱዳን ዝምራሕ መንግስቲ፡ ንኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነቶም ኣንጻሩ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ይድግፋ ኣለዋ ብምባል ብተደጋጋሚ ይኸስስ።

ብኣንጻሩ ድማ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ንጸረ-ኢትዮጵያ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ብ ኣርሚ-70 ዝፍለጡ ሓይልታት ትግራይ ደገፍ ትህብን ተዕጥቕን ኣላ ብምባል ክሲ ተቕርብ።

ኣብ ርእሲኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ህወሓትን ሓዊስካ ኣንጻረይ ኪዳን ይገብሩ ኣለዉ ብምባል ብሓባር እውን ክኸሶም ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት'ውን ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር፡ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንህወሓት፡ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጺን ኣልዒሉ፤ ሓያሎ መንእሰያት ትግራይ ኣብ ኲናት ሱዳን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተዛሪቡ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይዅን እምበር፡ እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ተገይሩ ዝበሃል ዘሎ ምቍራጽ ኤሌክትሪክ፡ ብቐንዱ ምስዚ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ዝተኣሳሰር ፖለቲካዊ ውሳነ ድዩ ወይስ ብሰንኪ ዕዳን ምዕናው ትሕተ-ቅርጽን ዝመጸ ቴክኒካዊ ጸገም ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ምንጭታት ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ናብ ሱዳን ዝግበር ሰደድ ኤሌክትሪክ ብ80 ሚእታዊት ጐዲሉ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ - መስመራት ምትሕልላፍ ኤሌክትሪክ - ብዘጋጠመ ከቢድ ዕንወት ምዃኑ ይግለጽ።

ብተወሳኺ፡ ሱዳን ብሰንኪ እቲ ዘለዋ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ንሰለስተ ተኸታታሊ ዓመታት ክፍሊት ኤሌክትሪክ ክትከፍል ብዘይምኽኣላ፡ ልዕሊ 90 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝግመት ዕዳ ከም ዝተኣከበ ካልኦት ጸብጻባት የረድኡ።

ኢትዮጵያ፡ ናብ ሱዳን ስሩዕ ሰደድ ኤሌክትሪክ ክትገብር ዝጀመረት ኣብ ለካቲት 2012 ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ዝዀነ ድማ ብደገፍ ፋይናንስ ባንክ ዓለም ዝተሃንጸ መስመር ምትሕልላፍ ጸዓት ድሕሪ ምዝዛሙ ኰይኑ፡ ኣስታት 100 ሜጋ-ዋት ኤሌክትሪክ ከም ዝሓልፍ ተገይሩ ነይሩ።

በዚ ድማ ሱዳን፡ ድሕሪ ጅቡቲ ካብ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተጠቃሚት ዝዀነት ካልአይቲ ጐረቤት ሃገር ኰይና ጸኒሓ ነይራ እያ። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ኣካል ናይቲ ዞባዊ ውህደት ጸዓት ዝብል ስትራተጂኣ፡ ንጅቡትን ኬንያን እውን ኤሌክትሪክ ተቕርብ እያ።

ሱዳን ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዛ ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ምዱብ ሰራዊት ሱዳንን፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመቲ) ዝምራሕ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ትርከብ።

እዚ ሰለስተ ዓመት ዝሓለፎ ኲናት፡ ንመብዛሕትኡ ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር፡ እንተላይ መመንጨዊን መመሓላለፊን መስመራት ኤሌክትሪክ፡ ማይን ሆስፒታላትን ኣዕንዩ እዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ምቍራጽ መብራህቲ ድማ ነቲ ድሮ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጥምየትን ወዲቑ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን መመሊሱ ከም ዝሃስዮ ይግመት።