ኣግማል ዓፋር'ኳ ክፃወሩዎ ዘይከኣሉ ሓያል ሙቐት

ካብ ክሳዶም ንላዕሊ ብቕድሚት ቅርብ ኢሎም ዝረአዩ ክልተ ኣግማል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርከቡ ኣርባሕቲ እንስሳት፡ ብናይ ምፅዋር ዓቕሞም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ገፆም ናብ ኣግማል ገይሮም ነይሮም።
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣግማል፡ መራኽብ ምድረበዳ ተባሂሎም እዮም ዝፍለጡ፤ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እናወሰኸ ዝመፅእ ዘሎ ሙቐት ግን ክጻወሩዎ ኣይከኣሉን።

ኣብ ኣንፈት ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ዓፋር - ሓደ ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝሓሰሙን ዝነቐጹን ቦታታት'ዩ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ወነንቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ጨው ዝጸዓኑ ኣግማሎም ብበረኻ የግዕዝዎም።

ኣብ ሰማራ [ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር] ዝነብር ወናኒ ኣግማል ዓሊ ዑመር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣግማለይ በዚ ብርቱዕ ዋዒ ክሳቐያ ይርኢ ኣለኹ" ኢሉ።

እቲ፡ ኣስታት 500 ኣግማል ዝውንን ወዲ 40 ዓመት ዓሊ ዑመር፡ "እግሮም መግሊ ይሕዝ ኣሎ፡ ኣዒንቶም ማይ ይመልእ፡ እቲ ውዑይ ሑጻ ድማ ቆርበቶም የቃፅሎም ኣሎ፤ ኮፍ ክብሉ ከለዉ ድማ ፀጕሮም ይበልዖም" ይብል።

"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ ዋዒ ሸሞንተ ኣግማል ስኢነ ኣለኹ፣ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።"

"እቲ ዝሑል ኣየር ሓዚሉ ዝመፅእ ዝነበረ ንፋስ'ውን እንተዀነ፡ ሕጂ ዋዒ ተሰኪሙ እዩ ዝመፅእ ዘሎ" ዝበለ ዓሊ፡ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ለውጢ ሙቐት ከምዝረኣየ ገሊጹ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ለውጢ ኵነታት ኣየር ግን ዓሊ ዑመር ጥራይ ኣይኰነን ዝዛረበሉ።

ተመራመርቲ፡ ሰራሕተኛታት ውሕስነት እንስሳታትን ብዙሓት መጽናዕትታትን፡ ኵሎም ከም ጸቕጢ፡ ድኻም፡ ሕፅረት ማይን ሕማምን ዝኣመሰሉ ቀጥታዊ ሳዕቤናት ልዑል ሙቐት ይጠቕሱ።

ልዑል ሙቐት ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣግማል ዝሰተ ማይ ከም ዝስእኑ፡ ኣግራብ ክደርቁን፡ ብሰንኩ እውን መጽለሊ ከም ዝሰኣን ይገብር።

ኣብቲ ሙቐቱ ክሳብ 50 ሴንትግሬድ ዝበፅሕ ደነክል ዓፈር፡ ጓንፉር ጨው ዝፀዓኑ ኣግማል ዝመርሕ ስብኣይ- ብተለምዶ ኣርሆታይ ይበሃል

ምንጪ ስእሊ, Corbis via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ሙቐቱ ክሳብ 50 ሰንትግሬድ ዝበፅሕ ደንከል ዓፈር፡ ጓንፉር ጨው ዝፀዓኑ ኣግማል ዝመርሕ ስብኣይ- ብተለምዶ ኣርሆታይ ይበሃል

ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ኢትዮጵያ እትርከበሉ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ 80 ሚእታዊት ኣግማል ዓለም ዝርከብሉ'ዩ።

ኣብዚ ዞባ ዝርከቡ ሓረስቶትን ወነንቲ ኣግማልን ብሰንኪ ተፃዋርነት ዋዒን ኵነታት ድርቂን ገፆም ናብዞም እንስሳታት ኣዚሮም ምንባሮም ይዛረቡ።

ይዅን'ምበር፡ ኣብ 2025 ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ብዝምልከት ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ልዑል ሙቐትን ምልውዋጥ ክሊማን ኣብ ጥዕና ኣግማል ሃሳዪ ፅልዋ የሕድር ከምዘሎ ኣረጋጊፁ።

"ተሳተፍቲ [ወነንቲ ኣግማል] ተለዋዋጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ጥዕና፡ ምፍራይን ምብዛሕን ኣግማል ጽልዋ ከምዘሕደረ የርእዩ" ይብል።

እቲ ኵነታት ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ - ሶማልያ ዝገደደ'ዩ።

ኣብ ሰነ ዝተሓትመ መፅናዕቲ ምስ ድርቂ ዝተኣሳሰር ሞት ኣግማል ሰፊሕ ቅልውላው ከምዘስዐበ ኣረጋጊጹ። እቲ ቅልውላው ን46 ሚእታዊት ሰብ ኣግማል ጸልይዎም እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ኣስታት 6 ሽሕ ወነንቲ ኣግማል ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ሞት ኣግማል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር እዩ ተመዝጊቡ።

"ዘሰንብድ መጠን ሞት 73 ሚእታዊት ተራእዩ።"

ልዑል ሙቐት ኣብቲ ዞባ ንዝፍጠር ድርቂ ቀንዲ ጠንቂ ክኸውን ከሎ፣ እኹል ኣገልግሎት ሕክምና እንስሳን ኵነታት ምሕደራ እንስሳን ዘይምህላዉ እውን ነቲ ኵነታት ከምዘጋደዶ ክኢላታት ይገልጹ።

ተመራመርቲ ኣብዚ ዞባ ዝረአ ዘሎ ልዑል ሙቐት፡ ነቲ ካብ 2021 ክሳብ 2022 ዘጋጠመ ድርቂ ጠንቂ ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ልዑል ሙቐት ካብ ጐዳጉድን ጀቕጀቕን ማይ ክሃፍፍን ኣትክልቲ ዘውጽእዎ ጠሊ ናብ ኣየር ክተንን ይገብር።

መግለጺ ቪድዮ, ክልተ ጓሶት ዓሊ ዑመር ነቲ ገና ሓደ ወርሑ ዝዀነ ግልገል ዝሕል እንተበሎ ማይ እናደፍኡሉ

ሓካይም እንስሳታት፡ ብዝሒ ዝሓመማ ኣግማል ከምዝወሰኸን ብሰንኪ ልዑል ሙቐትን ድርቅን ልዑል ሞት ይስዕብ ከምዘሎን ይገልጹ።

"ብሃይፐርተርሚያ [ልዑል ሙቐት] ዝሳቐያ ኣግማል ርኡይ ወሰኽ ንርኢ ኣለና። ብሰንኩ ድማ ብዝተፈላለዩ ረኽስታት [ሕማማት] ይጥቃዓ ኣለዋ" ክብል ኣብ ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ግዝኣት መርሰበታ ሓኪም እንስሳታት ሓሰን ኑያ ጉዮ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ሞት ኣግማል ብ15 ሚእታዊት ወሰኽ ርኢና ኢና።"

ካልእ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ምስፍሕፋሕ ሕማማትን ምንካይ ምህርቲ ጸባ ኣግማልን ውጽኢት ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ይሕብር።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ሓኪም እንስሳታት ሓሰን ኑያ ጉዮ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብቲ ንሱ ዝከታተሎ ከባቢ ሞት ኣግማል ብ15% ከምዝወሰኸ ይዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Hassan Nuya Guyo

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ሓኪም እንስሳታት ሓሰን ኑያ ጉዮ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብቲ ንሱ ዝከታተሎ ከባቢ ሞት ኣግማል ብ15% ከም ዝወሰኸ ይዛረብ

ኣብ ካልእ ከባቢ ኸ

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እውን ተመሳሳሊ ኵነታት የጋጥም ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣልጀርያ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ እዋን ማዕበል ዋዒ ሓጋይ፡ ኣግማል ብብዝሒ ይሞቱ ኣለዉ።

"ኣዝዩ ተኸታተሊ ወሰኽ ዋዒ እዩ ዝረአ ዘሎ፡ ኣብ ከም ወቕቲ ሓጋይ ዝኣመሰሉ ልዑል ሓደጋ ዘለዎም እዋናት ትዅረት ዝገበረ ፍታሕ ምትእትታው የድሊ። ንኣብነት ስሩዕ ቀረብ ማይ፣ ደገፍ ምምጋብን ክትትል ሕክምናን" ይብሉ።

ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ዓለም፡ ልዑል ሙቐት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ጭቡጥ ተራእዮ ኰይኑ ከምዘሎ ይገልጽ።

ብፍላይ፡ ካብ 1981 ዓ.ም ጀሚሩ ማዕበል ሙቐት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

ሓያሎ ሃገራት እቲ ዞባን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ 2024 ልዕሊ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ሙቐት ከመዝግባ ትጽቢት ይግበር።

ኣግማል ክሳብ ከባቢ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ዝላመዱ ዀይኖም፡ እቶም እንስሳታት ካብ ናይ ደገ ዋዒ ንምክልኻል ሙቐት ከምዝቀያየር ክኢላታት ይዛረቡ።

እዚ ድማ ንኸይርህጹ ይከላኸለሎም። እዚ ምስ ዝተዋህለለ ሽንቲን ደረቕ ቀልቀልን ተደሚሩ፡ ኣብ ሰብነቶም ሕፅረት ፈሳሲ ከየጋጥም ይከላኸል። እቲ ረጒድ ቆርበቶም እውን ካብ ጸሓይ ንምክልኻል ይሕግዝ።

ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ተመራማሪ ዶክተር መሓመድ በንጉሚ፡ ኣብ ጥዕና ኣግማል ይነጥፍ።

"መጠን ሙቐት ልዕሊ ዓቐን ምስ ዝውስኽ ግን፡ ኣግማል ድኻም ይስመዖም" ይብል።

"ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሰሃራ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሙቐት ሓጋይ ልዕሊ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ስለዝዀነ፡ ሓደጋ ድኻም ይውስኽ። እዚ ብቐንዱ ብሰንኪ ምጕዳል ሽፋን ኣግራብ፡ ሕጽረት ማይን ሕጽረት ፅላል ኣግራብን'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ኬንያ ተኽሊ ዝጣጥም ግመል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣግማል ክሳብ 40 ድግሪ ሴንትግሬድ ሙቐት ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ኣለዎም

ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጋራይዲ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ዓብደልማጅድ ቻማ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎ።

"ንነዊሕ እዋን ካብ 41 ክሳብ 45 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ቀትሪን ለይትን ምቅላዕ ብቐጥታ ንዋህዮታቶም ከም ዝጎድእ መፅናዕትና ይሕብር" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ስርዓት ምክልኻል ዓቕሞም የዳኽሞ። እዚ ድማ ንቐያሕቲ ዋህዮታት ደሞምን ካልኦት ኣገደስቲ ኣካላቶምን ይጐድእ። እቶም ዋህዮታት ንነብሶም ንምጽጋን ይጽገሙን ይጉድኡን።"

ኣግማል ንዋዒ ምስ ዝቃልዑ፡ ኣካላቶም ውሽጣዊ ዓቕሙ ይንኪ።

እዚ ድማ ንኣመጋግባኦም የዛብዕ'ሞ፡ ብሓፈሻ ድኻም ከም ዝስምዖም ይገብሮም። እዚ ድማ ምጕዳል ጸባን ጸገማት ምፍራይን ከስዕብ ይኽእል።

ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካዛብላንካ ሃይድሮባዮሎጂስት ፕሮፌሰር መሓመድ ኤል ካሲሚ፡ ሙቐት ነዊሕ ዝርዝር ሳዕቤናት ጸቕጢ ከምዘስዕብ ይገልፅ።

ምጕዳል ክብደት ሰብነት፡ ሕበጥ፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን ዓጽምን፡ ፀገም ኩሊት፡ ዘይምዕሩይነት ከሚካላት፡ ከምኡ'ውን ብባክተርያ ዝመጽእ ተላባዒ ሕማማት ይዝርዝር።

ነዚ ዅሉ፡ ዋዒ ዓቢ ጠንቂ ክኸውን ከሎ፡ ምስ ከም ሕጽረት ኣትክልትን ማይን፡ ሕጽረት ጽላልን ዘይእኹል ኣገልግሎት ሕክምናን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ተደሚሩ ግን እቲ ጽልዋ ዝያዳ ከምዝኸብድ ይገልጹ።

ስለዚ ድማ እዮም፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወነንቲ፡ ኣግማሎም ካብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከብ መበቈላዊ መነባብሮኦም ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ክግዕዙ ዝግደደዱ ዘለዉ።

ማይን ኣትክልትን ብዝሓሸ መገዲ ዝረኽብሉ።

ኣብ 2025 ኣግማል ክትሓልብ ዝተደላወት፡ ብናይ ክሳድን እዝንን ሽልማት ዘግየፀት ጓል

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣርባሕቲ እንስሳታት ብሰንኪ ሙቐት እኹል ፀባ ከምዘይረኽቡ ይዛረቡ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቪዥን ተመራማሪ ምዕባለ፡ ፕሮፌሰር ዳኒኤል ገላን፡ "እዚ ዓይነት ስደት፡ ወቕታዊ ኣይኰነን" ይብል።

"ንሓላሉ እዮም ካብ ሰሜን ዝወፁ ዘለዉ። ምኽንያቱ እቲ ልዑል ሙቐትን ድርቅን ድሕሪ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ኣግማል ከራብሑ ከም ዘይክእሉ ገይርዎም'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ 2020 ክሳብ 2023 ዝጸንሐ ነዊሕን ከቢድን ድርቂ ትሓዊ ኣላ። ብመሰረት ረድኤት ትካል ኦክስፋም ግን ካልእ ዙርያ ድርቂ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ድርቂ ኣብ ገለ ከባቢታት ሶማልያ ዋጋ ማይ ብ2000 ሚእታዊት ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ዓሊ ዑመር ዝተባህለ ተወላዲ ዓፋር፡ ለበዳ ሕማም ኣብ ዝኾነ ህሞት ንኣግማሉ ክቐትል ከም ዝኽእል ይሰግእ።

እቶም ሰብ ሞያ ከም ዝብልዎ፡ ፍርሒ እቲ ወናኒ ኣግማል ጭቡጥ እዩ።

ኣግማል፡ ተፈጥሮኣዊ ተጻዓዋርነት ሙቐት፡ ቀንዲ ኣካል መነባብሮ በረኻታት ገይርዎም'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ግዳይ ክሊማ ይዀኑ ኣለዉ።