እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፈወርቅ ተክሌ፡ 'እቲ ዘይድገም' እናተባህሉ ኣብ ሃገሮምን ዓለምን ዝዝከሩ ስነጥበበኛ
ኣርቲስት ኣፈወርቅ ተክሌ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈጠሩ እቶም ዝዓበዩን ዝገነኑን ስነ-ጥበበኛታት ሓደ ኰይኖም፡ ብደረጃ ኣህጉርን ዓለምን እውን ልዑል ተፈላጥነት ዘጥረዩ ዓቢ ሰብ እዮም።
ብሉጽ ክእለቶም ብብዙሕ መልክዕ ዝቐርብ ኰይኑ፡ ኣብ ቅብኣ፡ ስእላዊ-መስትያት (stained glass)፡ ሞዛይክ፡ ስነ-ቕርጻን ቅብኣ-መንደቕን መዘና ዘይብሉ ዓቕሚ ነበሮም።
መብዛሕትኡ ስርሓቶም ድማ ኣብ ታሪኽን ባህልን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ክርስትያናዊ እምነት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዛዕባታት ሓድነት ኣፍሪቃ (Pan-Africanism) ዘድሃበ ነበረ።
ኣፈወርቅ ብ22 ጥቅምቲ 1932፡ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ተክሌ ማሞን ኣደኦም ወይዘሮ ፈለቀች የማታወርቅን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 171 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ ኣንኮበር (ብመንገዲ ሰንደፋ ናብ ደብረ-ብርሃን ኣብ ዝወስድ መስመር) ተወሊዶም።
ፋሽሽታዊት ጣልያን ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን (1935)፡ ኣፈወርቅ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ከለዉ ብኸቢድ ቈሲሎም ነይሮም። ጽቡቕ ዕድል ኰይኑ ግን፡ ድሕሪ ምምላስ ናጽነት ኢትዮጵያ (1941) ካብቲ ዝወረዶም መጕዳእቲ ብምሉእ ክሓውዩ ክኢሎም።
እቲ ግዝኣት ጣልያን ዘሕለፈሎም ስምብራትን መከራን፡ ንኣእምሮኦም ኣበራቢሩ ብዅሉ መዳይ፡ ብፍላይ ድማ ብሃገራዊ መንነቶምን ኣፍሪቃዊ ንቕሓቶምን - ዓይኖም ከም ዝኽፈት ገይሩዎ ክበሃል ይከኣል።
ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ 'ቤት ትምህርቲ ሓርበኛታት' ተመዝጊቦም ትምህርቶም ጀመሩ። ኣፈወርቅ ኣዝዮም በሊሕን መስተውዓልን ብምንባሮም፡ ካብቶም ቀዳሞት ብሉጻት ተምሃሮ ናይቲ ዘመን ብምዃን፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብቲ ሽዑ ዝለዓለ ደረጃ ዝነበሮ 'ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ' ንኽቕጽሉ ብፍሉይ ተሓርዮም።
ብዛዕባ ታሪኽ ህይወትን ስርሓትን ናይዞም ዓቢ ስነ-ጥበበኛ፡ በቶም ፍሉጣት ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝዀኑ ሰብ-ሓዳር ሪቻርድን ሪታን ፓንክሀርስት ዝተዳለወ ግሩም ሓተታ ኣብ 'ኢንሳይክሎፒድያ ኢትዮፒካ' ብሰነድ ተዓቂቡ ይርከብ።
በዚ ኣጋጣሚ ክልዓል ዘለዎ፡ ኣደ ሪቻርድ ፓንክሀርስት ዝዀነት እንግሊዛዊት ሲልቭያ ፓንክሀርስት፡ ኣብ እዋን ወራር ጣልያን ንናጽነት ኢትዮጵያን ንንጉስ ሃይለስላሴን ብዝገበረቶ ሓያል ጐስጓስን ጸረ-ፋሽሽታዊ ደገፍን፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓቢ ስም ዘለዋ ታሪኻዊት ጓል-ኣንስተይቲ እያ።
ብክረምቲ 1947፡ ኣፈወርቅ ተክሌ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምኻድ ፍሉይ ዕድል ረኸቡ። እዚ ዕድል'ዚ ብቐንዱ ብሓልዮትን ደገፍን ናይታ ቅድም ኢልና ዝጠቐስናያ፡ ንናጽነት ኢትዮጵያ ዓቢ ጐስጓስ እተካይድ ዝነበረት እንግሊዛዊት ሲልቭያ ፓንክሀርስት እዩ ሰሚሩሎም።
እዛ ስድራ-ቤት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣሰር ዝገደፈት እያ፤ ወዳ ንሲልቭያ ዝዀኑ ፕሮፈሰር ሪቻርድ ፓንክሀርስት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ንነዊሕ ዘመናት ዘገልገሉን ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያ 22 መጻሕፍቲ ዘበርከቱን ዓቢ ምሁር እዮም።
ወዶም ንፕሮፈሰር ሪቻርድ ዝዀነ ፕሮፈሰር ኣሉላ ፓንክሀርስት እውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብመምህርነትን ምርምርን ዘገልግል ዘሎ ፍሉጥ ምሁር እዩ።
ኣፈወርቅ ለንደን ምስ ኣተዉ፡ ሲልቭያ ፓንክሀርስት ብብሕቲ ተገዲሳ መንበሪ ኣዳለወትሎም። ፈለማ ኣብታ ካብ ለንደን 68 ኪሎ-ሜተር ንምዕራብ ኣንፈት እትርከብ ከተማ ረዲንግ ዝነበረ 'ለይተን ፓርክ' ዝተባህለ ኣሕዳሪ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ብምእታው፡ መሃንድስነት ዕደና ክምሃሩ እዮም ተመዝጊቦም ነይሮም።
እንተዀነ ሲልቭያ ኣብ ቤት ትምህርቶም ክትበጽሖም ምስ ከደት፡ ነቲ ፍሉይ ስነ-ጥበባዊ ተውህቦኦም ብምስትብሃል፡ ነዚ ዓቕሞም ንኸማዕብሉ ክትሕግዞም ወሰነት።
ኣፈወርቅ እውን ነቲ ትምህርቲ መሃንድስነት ስለ ዘይፈተውዎ፡ ብምኽርን ደገፍን ሲልቭያ ናብቲ ኣብ ማእከል ለንደን ዝርከብ ኣዝዩ ህቡብ 'ቤት ትምህርቲ ስነ-ጥበብ ስለይድ' (Slade School of Fine Arts) ተሰጋገሩ። ሰነዳት ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝኣተዉ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተምሃራይ ኰይኖም፡ ኣብ ዓውድታት ቅብኣ፡ ስነ-ቕርጻን ስነ-ህንጻን ብዕምቈት ተማህሩ።
ትምህርቶም ምስ ኣጠናቐቑ፡ ኣፈወርቅ ምስ ሃብትኣብ ባይሩ (ሓዎም ንተድላ ባይሩ) ብሓባር ኰይኖም፡ ነቲ ናይ ኤውሮጳውያን ስነ-ጥበባዊ ምዕባለ ንምዕዛብ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ - ከም ፓሪስ፡ ማድሪድ፡ ሮማ - ሰፊሕ ዑደት ንምክያድ ተወሳኺ ዕድል ረኸቡ።
ድሕሪ እዚ ተመኵሮ'ዚ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሱ፡ ምስ ብሄራዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ኢትዮጵያ ተኣሳሲሩ ዝሰርሕ ፍሉይ ስቱድዮ ተዋሂቡዎም ስራሖም ጀመሩ።
ብ1954 ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ መጀመርታ ዓቢ ናይ ውልቂ ምርኢት ስነ-ጥበብ ኣቕረቡ። እዚ ምርኢት እዚ፡ ድሕሪ ኲናት ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ርኡይን ቅዉም-ነገር ዘለዎን ዓቢ ምርኢት ስነ-ጥበብ ኰይኑ ብሰፊሑ ይግለጽ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኸኣ ንርእሶም "ኣፈወርቅ ወልደ ነጐድጓድ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ስያመ ይጽውዑ ነበሩ።
ቀጺሎም፡ ኣብ ቤት መዘጋጃ ኣዲስ ኣበባ ካልእ ናይ በይኖም ዓቢ ምርኢት ምስ ኣዳለዉ፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ብኣካል ተረኺቦም ነቲ ምርኢት ብኽብሪ ከፈቱሎም።
በዚ ኣቢሎም ድማ ኣብ ዓውዲ ዘመናዊ ቅብኣ ኢትዮጵያ እቲ ዝለዓለ ስምን ክብርን ተጓናጸፉ፤ ካብ መንግስትን ኣብያተ-ክርስትያንን እውን ዓበይቲ ጠለባት ስራሕ ክረኽቡ ጀመሩ።
ካብቶም ኣብያተ-ክርስትያን ዝሃብዎም ዓበይቲ ሓላፍነታት ሓደ፡ ንቤተ-ክርስትያን ገነተ ጽጌ ጊዮርጊስ (ኣዲስ ኣበባ) ንኽስልሙ ዝቐረበሎም ዕድመ እዩ ነይሩ።
ነዚ ታሪኻዊ ስራሕ እዚ ኸኣ ምስ እመኣእላፍ ሕሩይ - ወዶም ንኣለቃ ሕሩይ ወልደጊዮርጊስ ዝዀኑን ብዘመን ሃይለስላሴ ብባህላዊ ቅብኣ ኢትዮጵያ ኣዝዮም ውሩይ ዝነበሩን ቀባኣይ - ብሓባር ኰይኖም እዮም ብዓወት ሰሪሖምዎ።
ኣብ ዓመቱ ኣፈወርቅ ተክሌ፡ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ታሪኻዊ ኣደራሽ ኮሚሽን ቍጠባ ኣፍሪቃ ሕቡራት ሃገራት (UNECA - Africa Hall) ብስነ-ጥበብ ንኽስልሙዎ ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነት ተዋህቦም።
ኣብዚ ኣደራሽ'ዚ ድማ እቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝገነነን ዓለምለኻዊ ኣድናቖት ዝረኸበን ዓቢ ስርሖም ኣበርከቱ። እዚ ብሰለስተ ዕጻፋት ዝቘመ ናይ ቅሉም-መስትያት (stained glass) ስእሎም፡ 150 ትርብዒት ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ሰለስተ መድረኻት ታሪኽ ኣፍሪቃ ብህያው መልክዑ ዘንጸባርቕ እዩ፦ 1) ነቲ ብመግዛእቲ ዝወረደ ሓዘንን ጸልማት ሕሉፍን፡ 2) ነቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ህልው ናይ ሓርነት ቃልስን፡ 3) ነቲ ብሩህ ተስፋ መጻኢት ናጻን ሓዳስን ኣፍሪቃን ብዝደንቕ ጥበብ ኣስፊሩዎ ይርከብ።
ኣብ ዓመታት 1950ታት፡ ኣፈወርቅ ኣብ ገበራት ናይታ ብሲልቭያ ፓንክሀርስት እትዳሎ ዝነበረት 'ኢትዮጵያ ኦብዘርቨር' እትበሃል መጽሔት ሓያሎ ግሩማት ኣሳእል ከቕርቡ በቕዑ። እዛ መጽሔት ብዘመን ሃይለስላሴ መልክዕን ምዕባለን ኢትዮጵያ ንዓለም እተፋልጥ ዝነበረት ኣገዳሲት ወርሓዊት ሕታም እያ ነይራ።
ስሞም እናገነነን ብቕዓቶም እናጐልሐን ምስ ከደ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ምርኢት ንከቕርቡን ሽልማታት ንክቕበሉን ክዕደሙ ጀመሩ።
ስርሓቶም ኣብ ኣልጀርያ፡ ቡልጋርያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኬንያ፡ ሩስያ (ሕብረት-ሶቭየት)፡ ሰነጋል፡ ቱርኪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣመሪካን ዛየርን (ዲ.ኣር. ኮንጎ) ብሰፊሑ ቀሪቡ እዩ። ኣብዚ ጕዕዞኦም ድማ ምስ ብዙሓት ነገስታትን ዓበይቲ መራሕቲ ኣፍሪቃን ብወግዒ ተፋለጡ።
ኣፈወርቅ ብዛዕባ ጕዳይ ሓድነት ኣፍሪቃ (Pan-Africanism) ዓሚቝ ተገዳስነት ስለ ዝነበሮም፡ ነቶም ፍሉጣት መራሕቲ ሓርነት ከም ፓትሪስ ሉሙምባን ክዋሜ ኑክሩማን ዘርኢ ስእሊ-ገጽ (portraits)፡ ከምኡ'ውን ንሓወልቲ ኣኽሱም ዝኣመሰሉ ታሪኻውያን ቅርሲታት ኣበርኪቶም እዮም።
ተውህቦ ኣፈወርቅ ኣብ ሓደ ደረት ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ኢዶም ኣብ ኵሉ ዓውድታት ስነ-ጥበብ ብምእታው፡ ካብ መልክዓ-ምድሪ ኢትዮጵያ፡ ህዝብን ከተማን ሃረር፡ ግንብታት ፋሲል (ጐንደር) ኰነ ውቅርቲ ቤተ-ክርስትያን ላሊበላ ክሳብ ጽባቐ ኣዋልድ ኢትዮጵያ ብሕብረ-ቀለም የንጸባርቑ ነበሩ።
ካብቶም ካልኦት ዝገነኑ ታሪኻውያን ስርሓቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ፤ ምስ ሓደ ናይ ወጻኢ መሳርሕቶም ኰይኖም ዘቘምዎ ሓወልቲ ራእሲ መኰነን ኣብ ከተማ ሃረር፣ ኣብቲ ኣብ ሃረር ዝርከብ ወትሃደራዊ ኣካዳሚ ብቅሉም-መስትያት ዝሰርሑዎ ናይቶም ኣርባዕተ ሓያላት ተዋጋእቲ ነጋውስ ኢትዮጵያ (ኢዛና፡ ካሌብ፡ ዳግማዊ ምኒሊክን ራእሲ መኰነንን) ስእሊ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊት ካቴድራል ዝሰኣሉዎ 'ናይ መወዳእታ ፍርዲ' (The Last Judgement) ዝተሰምየ ዓቢ ቅብኣ-መንደቕ ይርከብዎም።
ኣብ ከተማ ለንደን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ብ'ግንቢ ለንደን' ዝፍለጥ ታሪኻዊ ቦታ ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ቤት-ጸሎት፡ ብኣፈወርቅ ብብሩር ዝተሰርሐ ዓቢ መስቀል ኢትዮጵያ ኵሉ በጻሒ ክርእዮ ኣብ ዝኽእል ክብ ዝበለ ቦታ ተሰቒሉ ይርከብ።
ኣበርክቶኦም በዚ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ኣብ ናይ ጶስጣ ቴምብራትን ባህሊ ኢትዮጵያ ዘቃልሑ ፖስተራትን እውን ኣሰሮም ኣንቢሮም እዮም።
እቲ ብሉጽ ቅዲ ስእሎም፡ ነቲ ዘመናዊ ናይ ምዕራባውያን ቴክኒክ ምስቲ ጥንታዊ ባህልታትን ትውፊትን ኢትዮጵያ ብምድቃል ዝተፈጥረ እዩ ነይሩ። ሃይማኖታዊ ንድፍታት፡ ባህላዊ መንነት ኢትዮጵያን ራእይ ኣፍሪቃዊ ሓድነትን ድማ ቀንዲ መለለዪ ዛዕባታቶም ኰይኖም፡ ዘመናውነትን ዘቤታዊ ትውፊትን ብምውህሃድ ንስእላዊ ህላወ ኢትዮጵያ ኣደንፊዖምዎ እዮም።
ኣፈወርቅ ተክሌ ስም ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዘመናዊ ስነ-ጥበብ ዓለም ብምስፋሮም፡ ካብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ዓበይቲ ሽልማታት ረኺቦም እዮም።
ኣብ ሃገሮም ድማ ነቲ ዝለዓለ 'ናይ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ሽልማት ረቂቕ ስነ-ጥበብ' ካብ ኢድ ጃንሆይ ንክቕበሉ በቒዖም።
እዞም ንሓዋሩ ዝዝከር መዘክራት ዝሓደጉ ዓቢ ስነ-ጥበበኛ፡ ብ2012 ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሮም ድማ ብፓትርያርክ ኣቡነ ጳውሎስ ተመሪሑ፡ ኣሽሓት ምእመናንን ፈተውቶምን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣብ ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ኣዲስ ኣበባ ብልዑል ሃገራዊ ኽብሪ ተቐብሩ።
ኣፈወርቅ ተክሌ ንርእሶምን ንሃገሮምን ጽቡቕ ስም ዘምጽኡ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንመጻኢ ወለዶ ስነ-ጥበበኛታት መንገዲ ዝጸረጉን ኣብ ታሪኽ ብኣድናቖትን ብኽብርን ዝዝከሩን ዕዉት ሓርበኛ ስነ-ጥበብ እዮም።