እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራት ኤውሮጳ ንወርቀን ካብ ሰሜን ኣመሪካ ዘውጽኣሉ ዘለዋ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ማእከላይ ባንክ ኔዘርላንድስ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብቶናት ንዝምዘን ወርቂ ናይታ ሃገር ካብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ካልእ ቦታ ከም ዘግዓዞ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ባንክ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ "ንኸቢድ ቅልውላዋት ዝሓሸ ምድላው ንምግባር፡" ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ካብቲ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ተቐሚጡ ዝነበረ ጠቕላላ 313 ቶን ወርቂ እታ ሃገር፡ እቲ 86 ቶን ዝኸውን፡ "እናወሰኸ ብዝኸይድ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡" ምኽንያት ናብ ለንደን ግዒዙ ኣሎ።
እቲ ባንክ፡ እዚ ክቡር ማዕድን ኣብ እዋን ቅልውላው፡ "ብቐሊሉ ኣብ ኢዶም ንኽኣቱ" ዝተገብረ ምዃኑ ሓቢሩ።
እዚ ምንቅስቓስ'ዚ፡ ኔዘርላንድስ ኣብ ቀረባ ግዜ ዓቢ ቍጠባዊ ቅልውላው ክመጽእ ምዃኑ ስለ ዝተጸበየት ድዩ? ከምኡ ዝመስል ኣይኰነን፤ እንተዀነ፡ እቲ ዓለም ዘላቶ ዘይተረጋገጸ ኵነታት፡ ቍጠባዊ ውድድርን ወተሃደራዊ ግጭታትን ንሃገራት ጥንቃቐ ንኽገብራን ወርቀን ናብ ዓደን ከም ዝቐርብ ክገብራን የገድደን ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት'ዚ፡ ፈረንሳ እውን ንወርቃ ካብ ኣመሪካ ናብ ዓዳ ከም ዝመለሰት ኣፍሊጣ ነይራ።
ብተመሳሳሊ፡ ማእከላይ ባንክ ጀርመን ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፡ ልዕሊ 216 ቶን ወርቂ ካብ ወጻኢ ሃገራት (111 ቶን ካብ ኒው ዮርክ፡ 105 ቶን ድማ ካብ ፓሪስ) ናብ ሃገሩ ኣግዒዙ እዩ።
እዚ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ እዚ፡ ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ዘይምርግጋእ ዝውሰድ ልሙድ ስጕምቲ እዩ። ተንተንቲ ቍጠባ ሊና ቶማስን ዳን ስትሩቨንን ከም ዝገለጹዎ፡ "ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት፡ ገለ ማእከላይ ባንክታት ኤውሮጳ ወርቀን ናብ ኒው ዮርክ ኣግዒዘን ነይረን፡" ይብሉ።
ጆሴፍ ካቫቶኒ፡ ላዕለዋይ ክኢላ ዕዳጋ ኣብ 'ዓለምለኻዊ ቤት ምኽሪ ወርቂ'፡ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ውግኣትን ቍጠባዊ ውጥረታትን ኣብዚ ውሳነታት እዚ ግደ እኳ እንተ'ለዎም፡ ንበይኖም ምኽንያታት ጥራይ ግን ኣይኰኑን።
መጠን ዝቕባበ፡ ወለድን ወርቂ ብቕልጡፍ ክሽየጠሉ ኣብ ዝኽእል ቦታ ምቕማጥን እውን ወሰንቲ ረቛሒታት እዮም።
ካቫቶኒ ወሲኹ፡ "ኣብ ቀረባ ግዜ ዝመጽእ ሓደጋ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣይስምዓንን እዩ፤ እንተዀነ፡ ሰባት ነቲ ዘለዎም ሃብቲ ከመይ ገይሮም ብዝሓሸ መንገዲ ከም ዘመሓድሩን ከመይ ገይሮም ከም ዘዕብዩን ዝያዳ ግንዛበ ይረኽቡ ከም ዘለዉ እዩ ዘርእየና፡" ኢሉ።
ማእከላይ ባንክ ኔዘርላንድስ ከም ዝገለጾ፡ ካብ መጋቢት ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ዝወጽአ ወርቂ፡ ሕጂ ኣብ ትሕቲ መኽዘናት ማእከላይ ባንክ ዓዲ እንግሊዝ ይርከብ።
ኣመሓዳሪ እቲ ባንክ ኦላፍ ስለይፐን፡ "ነዚ ወርቂ እዚ ክንጥቀመሉ ኢልና ኣይንጽበን ኢና፤ ይዅን'ምበር፡ ንዅሉ ድልውነታትን ናይ ምጽዋር ዓቕምናን ከነደልድል ኣለና፡" ኢሉ።
ለንደን ዓለምለኻዊ ማእከል ንግዲ ብምዃና፡ ወርቂ ንምዕቃብ ዝበለጸት ቦታ ኰይና ተረኺባ ኣላ።
ኣብ ግዜ ቅልውላው ወርቂ ብቕልጡፍ ንምዕዳግ ወይ ንምሻጥ፡ ለንደን ዝበለጸት ምርጫ ብምዃና ንማእከላይ ባንክ ዓዲ እንግሊዝ ተመራጺት መኽዘን ይገብሮ።
እዚ ልዕሊ 300 ዓመት ዝገበረ ትካል፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዓቀብቲ ወርቂ ዓለም ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ህንጻ ልዕሊ 200 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ወርቂ ተዓቂቡ ይርከብ።
ወርቂ ብኸመይ ይግዕዝ?
ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም፡ ሃብቲ ንምግዓዝ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ። ኔዘርላንድስ 59 ቶን ዝኸውን ወርቂ ኣብ ኒው ዮርክ ብምሻጥ፡ ኣብ ለንደን ተመሳሳሊ መጠን ብምዕዳግ "ብዘይ ዝዀነ ኣካላዊ ጕዕዞ" ኣሳሊጣቶ።
ይዅን'ምበር፡ ልዕሊ 27 ቶን ወርቂ ብኣካላዊ መንገዲ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ናብቲ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝርከብ ከተማ ዘይስት ተመላሊሱ እዩ።
ከምዚ ዓይነት ጕዕዞታት ዝፍጽማ ትካላት፡ ብዛዕባ ኣገባብ ስርሐን ምስጢራውያን እየን። ዝዀነ ሓደጋ ንምክልኻል ዘይተሓለለ ናይ ጸጥታ ጥንቃቐታትን ውጥናትን ከም ዝግበር ርዱእ እዩ።
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ምስግጋር ወርቂ ዝፍጽሙ ትካላት 'ብሪንክስ ግሎባል ሰርቪስስ'፡ ካብ ማእከላይ ባንክታት ዝመጽእ ጠለብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።
ወርቂ ከም ውሑስ መዕቆቢ
ወርቂ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዋጋኡ እናወሰኸ ብምኻድ ታሪኻዊ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ጥሪ ሓደ ኦንስ ወርቂ 5,000 ዶላር ብምሕላፍ ሓድሽ ክብረ-ወሰን በጺሑ። ሰባት ኣብ ግዜ ፖለቲካዊ ወይ ቍጠባዊ ቅልውላው ወርቂ ከም "ውሑስ መዕቆቢ" ስለ ዝርእይዎ፡ ጠለቡ ይውስኽ ኣሎ።
ዝቕባበን ወለድን እውን ኣብ ኣገዳስነት ወርቂ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎም። ወርቂ ውሑድ ብምዃኑን ንኣሽሓት ዓመታት ዘለዎ ክብርን፡ ካብ ምውሳኽ ዋጋታት (ዝቕባበ) ንነፍሱ ክከላኸል ስለ ዝኽእል፡ ከም ጽቡቕ ወፍሪ ይርአ።
ተንተንቲ ከም ዝተነበይዎ፡ እቲ ዋጋ ክሳብ መወዳእታ 2026 ናብ 4,900 ዶላር ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ካብ ማእከላይ ባንክታት ዝመጽእ ዘሎ ልዑል ጠለብ ድማ ሓደ ካብቶም ንዋጋ ወርቂ ዘንህሩ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት እዩ።