ትግራይ፡ ፈተነ ቅትለት ዝተፈጸሞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ

ኣቡነ ናትናኤል (ጸጋም) - ኣቡነ ኣረጋዊ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Yemane/SM

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝተፈጸመ ይግለፅ ኣሎ።

ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሑመራ ብጹእ ኣቡነ ናትናኤል ከምኡ'ውን ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ብጹእ ኣቡነ ኣረጋዊ ብቀዳም ዕለት 4 ሓምለ (ግእዝ) ኣጋምሸት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ተባሂሉ።

ካብቲ ዕለት ጀሚሩ ድማ ኣብ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ በቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

መንበረ ሰላማ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ፈተነ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላፁ ይዝከር።

ነቲ ፍፃመ ስዒቡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

ቢቢሲ፡ ካብ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ትግራይ ኣይተ ሽሻይ ግርማይ፡ ሓላፊ ቤተር ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ከተማ ኣክሱም ኣይተ ቴድሮስ በየነን፡ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንሓጋዚ ናይ ብጹእ ኣቡነ ናትናኤል ንዝኾነ ኣብ ኣብ ክፍሊ ሚድያ ሃገረ ስብከት ዞባ ምዕራብ ዝሰርሕ መምህር (ዲያቆን) የማነ ሃይላይን ናይቶም ጳጳስ ዘዋሪ መኪና ኣብርሃ ገብረገርግስን ኣዘራሪቡ።

እቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ቀዳም 4 ሓምለ 2018 (ግእዝ) ኣጋምሸት ጀሚሩ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ይርከቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መምህር (ዲያቆን) የማነ ሃይላይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ብቀዳም ከባቢ ሰዓት 11 [ከባቢያዊ ኣቆጻጽራ] ንሕቶ ብዝብል እዮም ናብ መደብር ፖሊስ ተወሲዶም።

ንሰዓታት ዝወሰደ መርመራ ስዒቡ፡ "ምሸት ከባቢ 4፡15 ተመሊሶም። ካብኡ ንደሓር ምእታው ምውጻእ ኣይከኣልን፡ ስልኪ እውን ብተደጋጋሚ ሞኪርና የለን፡ ስልኮም ምስኦም ከምዘየለን ምስ ዝዀነ ክራኸቡ ከምዘይኽእሉን እዩ ዘለኒ ሓበሬታ" ክብል መምህር የማነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ጥቓ ቅድስቲ ማርያም ኣክሱም ፅዮን፡ ብሓደ ገፁ መንበሪ ኣቦታት ብሓደ ገፁ ድማ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝዀነ ህንፃ መንበረ ሰላማ ከምዝርከቡ ሓቢሩ።

"ኣብ መንበሪኦም ተኣሲሮም ኣለዉ። ዝዀነ ሰብ ክኣቱ ክወጽእ ኣይፍቀድን። ዅላትና ተኸልኪልና ኢና" ኢሉ።

"ስልኪ እውን ብተደጋጋሚ ፈቲንና የለን። ስልኮም ምስኦም ከምዘየለን ምስ ዝዀነ ክራኸቡ ከምዘይኽእሉን እዩ ዘለኒ ሓበሬታ።" ክብል ወሲኹ።

ብውልቁ ክረኽቦም ፈቲኑ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ፖሊስ ንምእታው ከምዝኸልከልዎም'ውን ሓቢሩ።

"ካብ ላዕሊ ዝወረደ ትእዛዝ" እዩ ዝብል ምኽንያት ከምዝተወሃቦ ዝጠቐሰ መምህር የማነ ሰራሕተኛታት እቲ ሃገረ ስብከት ክኣትው'ኳ እንተተፈቐደሎም፡ ነቶም ኣቦታት ንምርካብ ብዝብል ምእታው ግን ከምዘይፍቀድ ኣረዲኡ።

"እንታይ ይበልዑ፡ ኣብ ምንታይ ኵነታት ይርከቡ" ዝብል ሓበሬታ ከምዘይብሉ እዩ መምህር የማነ ዝገልጽ።

ምኽንያት እቲ ማእሰርቲ ብዝምልከት ድማ፡ ብጹእ ኣቡነ ናትናኤል ናብ መደብር ፖሊስ ኣብ ዝተወሰዱሉ እዋን ብቕርበት ይከታተሉ ካብ ዝነበሩ ሰባት ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፡ "መኸተ ምትዕንቓፍ" ብዝብል ከምዝተኸሰሱ ሓቢሩ።

እቲ ትእዛዝ ካብ መን ዝወረደ ምዃኑ ግን ገና ድሕሪ ምጽራይ ሓበሬታ ከምዝህብ ገሊጹ።

"ግን ብተደጋጋሚ ይሓትት ስለዘለኹ ምሉእ ሓበሬታ ምስረኸብኩ እንተዝዛረብ ዝበለጸ ይኸውን ኢለ ይሓስብ" ኢሉ።

ብዛዕባ ምኽንያት ማእሰርቲ ብጹእ ኣቡነ ኣረጋዊ ግን ንጹር ሓበሬታ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

ብስልኪ ይዅን ብኣካል ምስ ሰብ ክራኸቡ ዘይምኽኣሎም ጸቕጢ ይግበረሎም ከምዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ድማ ኣአንፊቱ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ሓበሬታታት፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብነፍሲወከፍ 300 ሽሕ ከፊሎም ብዋሕስ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝተወሰዱሉ መደበር ፖሊስ ከምዝወፅኡ የመልክቱ።

እዚ ሓቂ እንተዀይኑ ዝተሓተተ መምህር የማነ፡ "እወ" ዝብል ምላሽ ብምሃብ፡ እቲ ክፍሊት ብመንበረ ሰላማ ዘይኰነስ ከም ውልቂ ብሰባት ዝተኸፈለ ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

ዘዋሪ መኪና ናይ ብጹእ ኣቡነ ናትናኤል ዝዀነ ኣብራሃ ገብረገርግስ ብወገኑ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት "ብ300 ሽሕ ንሓደ ሰብ ተዋሓስዎም" ከምዝተበሃሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ንቢቢሲ ሂቡ።

ካብ መንበሪ ገዛ ብፖሊስ ክውሰዱ እንከለዉ፡ "ብባጃጅ ገይረ ደድሕሪኦም ከይደ" ዝበለ ኣብርሃ፡ ኣብቲ መደብር ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ካልኦት ሰለስተ ሰባት (ኣባላት መንበረ ሰላማ ዘይኰኑ ሲቪላት) እውን ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ምሸት መርመራ ምስተወድአ፡ ፖሊስ ጸዊዖም ከምዘእተውዎም ዝሓበረ ኣብርሃ "ዝተጠርጠሩሉ ገበን ከቢድ እዩ ስለዚ ብ300 ሽሕ ንሓደ ሰብ ተዋሓስዎም" ከምዝበልዎም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ተዋሒሶምዎም ብናይ ውልቂ መኪና ናብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝተመልሱን ናብ መንበሪኦም ምስ ተመለሱ ግን ኣትዩ ዝሓተቶም ፖሊስ ከምዘየለን ተዛሪቡ።

ኣቡነ ናትናኤልን ኣቡነ ኣረጋውን

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ናትናኤልን ኣቡነ ኣረጋውን

መንበረ ሰላማ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት ፈተነ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ ነይሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት - ብፁእ ኣቡነ ናትናኤልን ብፁእ ኣቡነ ኣረጋዊን [ዋና ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት መንበረ ሰላማ] ዒላማ ዝገበረ ከምዝዀነ እዩ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ነዚ ስዒቡ፡ ፖሊስ ከተማ ኣክሱም'ውን በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ዋርድያ ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊፁ ነይሩ።

ምስዚ ብቐጥታ ብዝተኣሳሰር፡ ብፍላይ ኣቡነ ናትናኤል ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ቤተ ክህነት ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ ግፋ ብዝምልከት ኣብ ሚድያ ወፂኦም 'ኢድኩም ካብ ኢድ ቤተክርስትያን ኣልዕሉ' ምባሎም ከዘራርብ ቀንዩ እዩ።

ብድሕሪኡ ኣቡነ ናትናኤል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሓትት፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈተነ ቅትለት ከምዝዀነ ብምዝራብ፡ እታ ክልል ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምውደዳቓ ከምዘሕዝኖም ተዛሪቦም ነይሮም።

"ኣብ ሚድያ ዝፀሓፍን ዝንገርን ኣነ'ውን ይርኢ እየ። እቶም ኣካላት ደኣ ከምኡ ይበሉ 'ምበር ኣነ ናብዚ ክበፅሕ ይኽእል እዩ፤ ንዓይ ክቐትሉ ዝኽእሉ ኣካላት ኣለዉ ኢለ ክግምት ኣይክእልን" ምባሎም ይዝከር።

"ምኽንያቱ ኣነ ዝተዛረብኩ ክዛረቦ ዝግበአኒ 'ምበር፡ ምስ ዝዀነ መንግስታዊ ወይ ድማ ምስ ዝዀነ ኣካል ኣነፃፂረ ክብሎ ዝደሊ ነገር ኣይነበረን

"ሓቂ መሲሉ ዝተረእየኒ ኵነታት፡ ሰብ ክመሃረሉ ይኽእል እዩ ኢለ ዝሓሰብኩዎ፡ ዝኣመንኩሉ ነገር እንተዘይኰኑ፡ ናይ ማንም መንግስቲ ውክልና የብለይን፤ ፅግዕተኛ'ውን ኣይኰንኩን። ንሓደ ክድግፍ ንኻልእ ክነቅፍ ኢለ'ውን ኣይኰንኩን፣ ኣይግብአንን'ውን" ኢሎም ነይሮም።